ናይ ኣእምሮ ስንኩላት፡ ዑሩባት ሕልና
      ኣራዊታዊ ዝባህርያቶም ናይ ብሓቂ ጨካናት
      ብዘይካ ንዓና ዘይብሉ ንህዝብና ስሱዓት
      ሰላሳ ኣርብዓ ዓመታት ገዚኦም
      ሚልዮናት ዶላራት ሰሪቖም ዘይብሉ ይኣኽለና
      ወይ ክሓስም ናይ ኣእምሮ ስንክልና
      ናይ ብሓቂ  ሕማቕዩ ዕርበተ ሕልና
      ተረይዖም  ዝጸንሑ
     ህዝቢ ክሳብ ዝብሎም ኪዱልና ጥፍኡልና፡
                             ካብ ቱኒስ ዝጀመረ ህዝባዊ ማዕበል
                             ብግብጺ ሓልፉ
                             ንጆርዳን ንየመን ንባሕረን ኣርኪቡ
                             ተጠውዩ ንጂቡቲ  ንኤርትራ ብኹባዕ ዘሊሉ
                             ኣብ ሱዳን ንበሺር ኣሰናቢዱ
                             ተመሊሱ ኣብ ግብጺ ጋልኡ ተኺሉ
                             ሜዳ ኣልታሕሪር
                             ናይ ሓቂ ሽሙን ታሪኹን ዘኪሩ
                             መመደሪ ሓርበኛታት ኮይኑ
                             መስዋእቲ ብምኽፋል
                             ንዓማጽን ግፍዐኛን ሑስኒ ሙባረክ
                             ይኣኽለካ ወረድ ዝብለሉ ኮይኑ
                             ሑስኒ ሙባረክ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተባሪሩ
                             ንሱን ስድራ ቤቱን ተሓይሩ
      ሳልሳይ ጋይላ ኣብ ሊብያ ኢዩ ተተኺሉ
      ንሙዓመር ቐዛፊ ኣባህሪሩ
      ካብ ስልጣንካ ውረድ ይኣኽለካ ተባሂሉ
      እዚ ጨካን ኣራዊት፡
     ንሰልፈኛታት ህዝቡ
     በልዎም ብታንክን ብነፈርትን ኢሉ
     መሲልዎ ደኣምበር
     ባርዕ ሓይሊ ሓፋሽ በዚ ነይዕገተሉ፤
                          ኣቶ ኢሳያስ ከ እንታይ  በለ?
                          ህዝባዊ ማዕበል
                          ካብ ጂቡቲ ብዝላ ንሱዳን ምስ ሰገረ
                          ብተልፎን ነቶም ኮራኩሩ
                          ከመይ ኢዩ ኩነታትና በለ?
                          ክቡር ፕረሲደንት ጸገም የለን ኢሎሞ ኮራኩሩ
                          ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ኸበርዚ ምስተቐበለ
                          ካብ ቐጠር ንባጽዕ ኢዩ ዱብ ዝበለ
                          ኣብ ባጽዕ ዱብ ምስ በለ
                         ማርያም ጥዋለት  ሸኽ ዓብደልቃር
                        ተመስገኑ ጸሎተይ ሰሚዕኩምኒ
                        ኣብ ስርሒት ፈንቅል
                        ንምጽንባል ዝገብሮ ዳንኬራ
                        ንኽውዕል ጌርኩምኒ
                        ዝውፍዮ ኣለኒ ንዓመታ መብጽዓ ይኹነኒ
                        መብጽዓ ይኹነኒ መብጽዓ ይኹነኒ
 መቸም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይመባጻዕ እምበር መብጽዓ ከፊሉ ኣይፈልጥን መብጽዓ ህዝቢ ኤርትራ
ብሓፈሻ መብጽዓ ስድራቤት ስዉኣት ከኣ ብፍላይ 10ሽሕ ዶላር ደበስ ብ10ሽሕ ብርን 10ሽሕ ናቕፋን ብምሃብን ኢዩ ዓጽይዎ።
 ገለ ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ስግረ ዶብ ከይዶም ብምባል ዓጼፈታ ጌሩ 50 ሽሕ ናቕፋ ኣኽፊልዎም።
 ጥልመት መብጽዓ ህዝብን ስዉኣትን፡መላእኽትን ግን ፍድኡ ሓያልን ሕሱምን ስለ ዝኾነ፡ኣሰር ሙባረክን ኣብ
   ገምገም ዘሎ ቐዛፍን ከርክብ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ክርህዎ ኢዩ፡ስንኩላት ኣእምሮ ኸኣ ነብሶምን ስድርኦምን
ለኪሞም ኢዮም ዝጠፍኡ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ተስፋይ ተኽለ
ጀርመን 26.02.2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...