ሕጊ ንግበር ሓገግቲ ጸውዑ
ትኣኪቦም ንሃገር ዘርግኡ
ንህዝቢ ዝፈትው ንስልጣን ዝጸልኡ
ንሽግር ወጊዶም ራህዋ ዝትክኡ
            
ስኣን ምኽሪ ኣብ ሽግር ካብ ምንባር
ንፍልጠት ዘለዎም ጉዳይካ ምምኻር
ስኣን ብእዋኑ መገዲ ዝሕብር
ጊዜ ነዊሑና ክንብል ደምበርበር
                 
ተኸፊሉልና ኢዩ እቲ ክቡር መስዋእቲ
ሃገር ንኹሉ’ያ ምስ ወግሔት ታለይቲ
ሎምስ ገለ ግበሩ ኣቱም ተዓዘብቲ
ታሪኽ ከይከሰኩም ምስ ሓለፈት ለይቲ
 
ዋላቶም መንእሰያት እንተተበተኑ
ዋላቶም ወለድቲ ርእሶም እንተድነኑ
ዋላ እቲ ሃገር ፈጺሙ እንክዓኑ
ፍጹም ዘይስከፍ ልብኹም ጨኪኑ
ይቕረ ክብሃለኩም ምሳና ፈትኑ
 
ሓገዝ እኳ ዝድለ ካብ ካልኦት ኣህዛብ
ህዝብኻ እናጸነተስ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ
ህዝቢ ምስ ተወድኤ ብዝኸፍኤ ርሃብ
ናይ ሎሚ ምጽቃጥኩም ብታሪኽ ክካዓብ
 
ዘገርም’ዩ ንሽግርካ ሓቢርካ ዘይምግጣሙ
ንመን እሞ’ዩ ጸጊሙ ንመንከ ጥዒሙ
ኩሉ ይቑንዞ ኣሎ መሪሩ ጸገሙ
እንተዝዛይዱ ብህዝቦም ዝሓሙ
ጊዜ ኣይምወሰደሎምን ንኩሉ ክዓምሙ
 
ዓለም ብምልእታ ኣሕሊፋ ነናታ
ህዝብታት ተወጺዖም ብብዙሕ መመኽነይታ
ናትና ሽግር ግን የብሉን መሰታ
ንኽሓልፍ ንዑ ንበል ሃታሃታ
 
ጀጋኑ ሓሊፎም ምእንቲ ኩልና
ነዚኣ ፈሊጥና ቃልሲ እንተቐጺልና
ኩልና መርገጽና ሓንቲ እንተኾይና
ዓወት ክትርከብ’ያ ከም ዘድሊ ኮይና                       

ሰኣን ምኽሪ ናይ ሓንቲ መዓልቲ
ምውጋሕ ኣብያ እዛ ግናይ ለይቲ
ንዑ ተሎ ሕጂስ ሓቢርና ንዘቲ
ነገር ዝፈላሊ ክንሰርሕ መዂባዕቲ
 
እቶም ትጽልዩ እዝጊሄር ክሰምዓኩም
እቶም ሰብ ዱዓ ረቢ ክሰምዓኩም
ብጽንዓት ሓዝዎ ንሕብረትኩም
እቲ ርጉም ጸላኢ ከየጋጭወኩም
 
ባእስና ምስ ሰብ’ዩ ምስ’ዚ ዘሕምቐና
ንብሎ የብልናን ሰማያዊ ኣቦና
ጸሎት ጥራይ ንግበር ንኽዕረቐና
ልብና ከፊኡ ከይኮን ዝቐጽዓና
ይቕረ ንብህሃል ንቒም ኣቐሚጥና
 
ህዝቢ ሸጊሩዎ ስኢኑዋ ፍትሒ
ሰላም ሓሪሙዎ ዝኾኖ እሞ እንድዒ
ርህራሄ ካብ ጠፍኤ ልቢ ኮይኑ ከውሒ
ብጸሎት ለዋሃት ዝዓረብኪ ውግሒ
 
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...