ቀዳመይቲ ስውእቲ ኣለም መስፍን
ዝተሰወኤት ብጉዳይ ሓድነት ክትዝቲ
በዓል መን እዮም ናይዚ ተሓተቲ
ምስ ብጻያ ዝተሰዉኡ በሓንቲ መዓልቲ
ምስ ስዉእ እስራኤል ምስግና
ክዝትዩ ዝተሰዉኡ ብጉዳይ ሓድነትና

እዚ እዩ ታሪኻ ሻዕቢያ
ንደለይቲ ፍትሒ ጸኒሓቶም ኣድቢያ።

ኣበይ እሞ እተን ጀጋኑ እተዝህልዋ
ኣብ ግንባራት ዝተሰዋኣ ዓዲ እንዳ ሓለዋ
ንመሰለንን ንናጽነትን ዝተበጀዋ።

መስዋእተን ኣይነበረን ስልጣን ምልኪ ክሕሎ
ኣተሰዋኣን’ውን  ስልጣን በዓል ኣስካሉ ክሕሎ

መስዋእተን ኔሩ ንህዝብና ከሓልፈሉ
ኣሎዋ ሰብ መሰል ተኳሉ።
ትእዛዝ ህግድፍ ዝቅበላ
ህግድፍ ክሳብ ዘሎ ዝለላ
ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኢና ኣይትበላ

ዘይትብላ ግዳ ኣስቴር ኣበይ ኣላ
ዘይትብላ ግዳ ሰናዪት ኣበይ ኣላ
ዋህዮታት ህግድፍ በላ ዓልላ
ዕምሪ ምልኪ ከተናውሓ ንዮው ነጆው በላ
ስዋኣተን ጠሊመን ንምልኪ ዘገልግላ።

ኣብ ደንበ ተቃውሞ’ውን ኣለዋ
ጽቡቅ ዘለዋ መሲልወን ዘባላሽዋ
ቀሚሸይ ንቑልቑል ኣይትበላ
ካብ ጌጋኽን ክትማሃራ ነቐፈታ ተቐበላ።
ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም ክትከውን እያ።

ክብሪን ዝኽሪን ንጀጋኑ ስዋኣትና
ዓወት ነቲ ደም ዘንበዕዘሎ ንህዝቢ ኤረትራ
ውድቀት ንጃንዳ ህግድፍን ዓንገልቶምን።

 

 ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ። 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...