ሓጋይ ዲዩ፡ ክረምቲ?

ኣየናይ ንበሎ..........

መኣስ 'ዩ ወርሒ ሰነ
መኣስ ዩ ወርሒ ሓምለ

መኣስ'ዩ ወርሒ ሚያዝያ
መኣስ'ዩ ወቕቲ ጽድያ
ጠፊእና'ሎ እዋን ዘርኢ
ጠፊእና'ሎ ጊዜ ቀውዒ ።

ሓርቢቱና 'ሎ.........

እንታይ ምዃኑ ሰዓቱ
እንታይ ምዃኑ መዓልቱ

ሃገር ምሉእ ሃውቲቱ
ዓይኑ ዒሩ ጸልሚቱ

ጠፊእና 'ሎ ወርሓቱ
ጠፊእና 'ሎ ብልሓቱ

ኣየናይ ንበሎ..........

እቲ ነጎዳ ኣይመጸ
እቲ መብረቕ ኣይመጸ

እቲ ጸሓይ ኣይወጸ
እቲ ዝናብ ኣይመጸ

መሬት ብጣቓ ዳሪኑ
ልቢ ሳዕሪሩ ሓዚኑ

እዝጊሄር ጸሊኡ..........

እቲ ዝነጠረ ሃጕጉ
እቲ ዝዓምበበ ጠውሊጉ

ክረምቲ ብዘይ ሓምሊ
ሓጋይ ብዘይ ቡቕሊ

ይገርመና 'ሎ ወርሓቱ
የውጋሓልና ንምሸቱ!
………………….
የርህዎ ኣምላኽ /Yehewo Amlak

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...