ሰላም ንዓኹም ክቡራት ኣንበብቲ

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብዛዕባ ኣብዚ ቐረባ እዋን ንሕትመት ዝበቕዐትን ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረላን መጽሓፍ ዉሩይ ገጣማይ ኪሮስ ዮውሃንስ ዘዳለኽዋ ጽሕፍቲ እያ። ገጣማይ ኪሮስ ኣብ ንመርበባት ኢንተርነት ብፍላይ ድማ ንኣዝማሪኖ ዳት ኮምን ንዓዋተ ዳት ኮምን ዘንብቡ ኤርትራውያን ብዙሕ ዝናን ተፈላጥነትን ዘጥረየ ዜጋ እዩ።  ኪሮስ ብዙሓት ሓጸርቲ ቴማታትን፡ ልበ-ወለድ ዛንታታትን ዝጸሓፈ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ተራ ግና ከም ገጣማይ እዩ።  

 

 

ግጥምታት ኪሮስ ብክልተ መዳያት ክንርእዮ ንኽእል።  እቲ ቐዳማይ፡ ኣበርክትኡ ነቲ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ኣብ ዓድና ቦቒሉ ዘሎ ዕያግ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ መዳይ ድማ ከም ስነ-ጽሑፍ ክንጥምቶ ንኽእል። ግጥምታት ኪሮስ ነዚ ናጤባ ስርዓትዚ ካብ ስሩ ንምቡንቃስ ዘበርከቶን ዘበርክቶ ዘሎን ተራ ኣዝዩ ልዑል እዩ።  ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ኪሮስ ነዚ ጽዩፍ ስርዓትዚ ካብ 2001 ኣትሒዙ ከይተሓለለን ከይተሃከየን ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።   

እቲ ካልኣይ መዳይ ኣበርክቶ ኪሮስ ምስ ስነ-ጽሑፍ ብፍላይ ድማ ምስ ስነ-ግጥሚ ዝትሓሓዝ እዩ።  ግጥምታት ኪሮስ ካብቲ መብዛሕትና እነንብቦን እንፈልጦን ቅዲ ግጥሚ ትግርኛ ፍልይ ዝበለ እዩ።  ኩቡራት ኣንበብቲ፡ እዚ ክብል ከለኹ ግና ከም ናይ ኪሮስ ቅዲ ዝተጠቀሙን ዝጥቀሙን ኤርትራውያን ገጣሞ የለዉን ማለተይ ከምዘይኮንኩ ክትፈልጡለይ እደሊ።   

ኣነ ከም ኣንባባይ ዝያዳ ዝምስጠኒን ኣብዛ ጽሕፍቲ ከተኩረሉ ዝመረጽኩን ግና ብዛዕባ ዕምቆት ትርጉም ግጥምታት ኪሮስ እዩ።  ንሓንቲ ግጥሚ መጀመርያ ኣንቢብካ እትረኽቦ ትርጉም እቲ ላዕለዋይ ቀጸላ (layer) ትርጉም እዩ።  ግጥምታት ኪሮስ ግና፡ መብዛሕቲኡ ግዜ፡ ኪንዮ’ዚ ላዕለዋይ ቀጸላ፡ ሚስጥራዊ ትርጉም ኣለዎም።  ነዚ ንኽትርዳእ ነቲ ግጥምታት ደጊምካ ደጋጊምካ ከተንብቦ የድሊ።  ሓደ ሓደ ግጥምታት’ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ውሽጣዊ ቀጸላ-ትርጉም ከምዘለዎም ክትርዳእ ትኽእል።  መመሊስካ ናብ ውሽጣዊ ቀጸላታት ክትኣቱ ምስ እትፍትን ድማ፡ ገጣሚ ብዙሕ ሚስጥራት ትርጉም ኣብ ዝተፋላለዩ ዕምቆታት ቀቢሩ ክህሉ ከምዝኽእል ክትርዳእ ትቕሰብ።  ነዚ ዝገልጾ ዘለኹ ኣምር ንምብራህ፡ ነዛ “ዙርያ” እትብል ግጥሚ ከም ኣብነት ክወስዳ እፈቱ።  ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ግጥሚ’ዚኣ ከም ኣብነት ክጥቀመላ ደሊየ ደኣምበር፡ ካልኦት ዝያዳ ዓሚቕ ትርጉም ዘለወን ግጥምታት ከምዘለዋ ክገልጽ እፈቱ።  ቀጸሊ እምበኣር፡ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ንባብ ግጥሚ “ዙርያ” እዕድመኩም።  
                   “ዙርያ”

            ኣዴታተይ …!

            ጹማ ኣጻልታ..

     ዙርያ ተሪፉ፡
            ክትክደና ኵታ..

            ነጠብጣብ ጸሊም

            ዘይሓልፎ..

            ጻዕዳ ሃሪ ቦፍታ..

                        ኣብ ርእሲ ዙርያ

                        ዙርያ..

                  ኣዴታተይ..!

                  ብዘይ ዙርያ..

                  እንታይ ሕማም ኣለክን..

                        ክርእየክን ብሂገ..

                        ዙርያ ተሪፉ..

                        ቅጭን ጋቢ ደሪብክን

                  ዙርያ እሞ..

                  ዙር! ኢዩ ከም ሽሙ..

                        መለሳ ኣልቦ..

                        እንተቀያየረ..

                        ሕብረ-ቀለሙ..

                  እድያቱ እንተኾነ

                  ኣይውዕል ኣይሓድር

                        ውዕል ፈሰስ..

                        ከም ኣለምቱ

                              ኣዴታተይ!

                              ዕጭ! በላ..

                              ህጣሙ ክጠፍእ..

                              ዘመነ ዙርያ..

                              ንዘይኮነክን..

                              ገንዘብክን..

                              ብኸንቱ ኣይትደርብያ..

                        ዙርያሲ..

                  ነተን ሰብ ዙርያ..

                  ዘይጥቅዋት..

                        ክርኣያ…

                        ፈቕዶ ዳስ..

                  ምልሕ ምልሕ ዘብዝሓ..

                  ዘይከምኣዴታተን..

                   ሰብኡተን ኣቐሚጠን..

                  ኣሰብኡት እንዳማተን..

                  ዝምነያ…
       
ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ግጥሚ መጀመርታ ምስኣንበብና እንረኽቦ ትርጉም፡ ገጣሚ ብዛዕባ ዙርያ(ክዳን) ይገልጽ ከምዘሎ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህላዊ ክዳን (ኩታ) ምስ ናይ ዘመናዊ ክዳን (ዙርያ) የወዳድር ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል። ነዴታት ኤርትራ ድማ፡ ክዳን ቀደምክን ማለት ኩታ ይሕሸክን እናበለ ይመኽረን ከምዘሎ ንርዳእ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ግጥሚ ደጊምና ደጋጊምና እንተንቢብናያን ኣዕሚቜና እንተበርቢርናያን ግና ካልእ ሚስጢር ቀቢራ ከምዘላ ክንግንዘብ ንኽእል። ደጊምኩም ከተንብብዋ እዕድመኩም።

እምበኣር እቲ ምብርባር ካብ ኣርእስቲ እታ ግጥሚ ንጀምሮ።  ዙርያ ከም ቃል ብዉሑዱ ክልተ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ሓደ፡ ባህላዊ ክዳን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ከም መግለጺ ንደድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ዝደጋገም መስርሕ ንጥቀመሉ። ኣብ ናይ ኤርትራ ኩነታት ኣእቲና ምስእንርእዮ ድማ ናብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ዙርያ ይመርሓና። ኩልና ከምንፈልጦ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት "ቀዳማይ ዙርያ" ኢሉ ምስጀመረ ናብ መወዳእታ ዘይብሎም ዙርያትት ቀጺሉ፡ መንእሰያት ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ እዩ። እዛ ግጥሚ’ዚኣ እምበኣር ነዚ ደሃኺ ፕሮግራም ጭፍራ ህግደፍ እንተላይ እያ እትገልጽ። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ክምልሶ ክፍትን እየ። ደጊምና ነዛ ትስዕብ ክፋል ነንብባ።

                  ዙርያ እሞ..

                  ዙር! ኢዩ ከም ሽሙ..

                        መለሳ ኣልቦ..

                        እንተቀያየረ..

                        ሕብረ-ቀለሙ..

                  እድያቱ እንተኾነ

                  ኣይውዕል ኣይሓድር

                        ውዕል ፈሰስ..

                        ከም ኣለምቱ
       

ኣብዛ ክፋል’ዚኣ መጀመርያ እንርድኦ ሚስጥራዊ መልእኽቲ እንተሎ፡ ዙርያ መመሊሱ ዝደጋገም፡ መለሳ ዘይብሉ፡ ሽሙ (ቁጽሩ) ጥራይ ዝቀያየር ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ብቑዕ መግለጺ ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝጽዋዕ መሳርሒ ባርነት ስርዓት ህግደፍ እዩ። እቲ ካልኣይ መልእኽቲ ድማ፡ ዙርያ ዘይውዕል ዘይሓድር እድያት ከምዘለዎ እዩ።  እዚ ድማ ምስ ዕላማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣተሓሒዝና ክንርእዮ ንኽእል። ዕላማ(እድያት) ሃገራዊ ኣገልግሎት መጀመርያ ዝተገለጸልናን ብግብሪ ዝራኣናዮን እንርእዮ ዘሎናን ፈጺሙ ዘይራኸብ እዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ እዩ እምበኣር ገጣሚ “ውዕል ፈሰስ ከም ኣለምቱ” ዝበለና።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ናብ ካልእ ክፋል ናይዛ ግጥሚ ከሕልፈኩም።

                              ኣዴታተይ!

                              ዕጭ! በላ..

                              ህጣሙ ክጠፍእ..

                              ዘመነ ዙርያ..

                              ንዘይኮነክን..

                              ገንዘብክን..

                              ብኸንቱ ኣይትደርብያ..

እዛ ክፋል’ዚኣ ክልተ ሚሰጥራዊ ትርጉማት ዝሓዘት ኮይኑ ይስምዐኒ። እቲ ቁሩብ ዕሙቕ ኢልካ ዝርከብ ትርጉም፡ ኣዴታት ንስርዓት ህግደፍ ገንዘባውን ማተሪያላውን ሓገዝ ምግባር ከቋርጻ (ዕጭ ክብላ) ዝምዕድ እዩ።  ናብቲ ዝያዳ ዝዓሞቐ ቀጸላ ትርጉም (layer of meaning) ምስ እንወርድ ድማ፡ ነዴታት ኤርትራ ደቅኽን ንዙርያ ወይ ንስርዓት ህግደፍ ኣይተወፍያ፡ ኣበደን በላ፡ ዝብል ማዕዳ ምዃኑ ንግንዘብ።  ኣስፍሕ ኣቢልና ምስእንርእዮ ድማ፡ ኣዴታት ኤርትራ ነዚ ከይተሓለለ ዉሉደን ዝበልዕ ዘሎ ኣራዊት ህግደፍ ዕጭ ኢለን ክቃወምኦን ክቃለስኦን ይመክር።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርክዎ ዕሙቕ ዝበለ ሚሰጥራዊ ትርጉም ግጥሚ “ዙርያ”፡ ንዓይ ዝተራእየኒ ደኣምበር ገጣሚ ዝሓሰቦ እዩ ይብል ከምዘየለኹ ክትርድኡለይ እደሊ።  ገጣሚ ካልእ ዓሚቜ ሚስጥራዊ ትርጉም’ውን ቀቢሩ ክህሉ ይኽእል እዩ።  ብተወሳኺ’ውን፡ ካልኦት ኣንበብቲ ካልእ ሚስጥራዊ ትርጉም ክብርብሩ ከምዝኽእሉ ይርዳኣኒ እዩ።  እሱ’ዩ ድማ መቐረትን ጽባቐን ስነ-ግጥሚ።  ኣነ ብዓቕመይ፡ ዝተራእየኒ ኣካፊለኩም ኣለኹ።  ብወገንኩም ድማ ነዛ መጽሓፈ-ግጥሚ ገዚእኩም ከተንብቡዋን፡ ተመኩሮኹም ከተካፍሉናን እዕድመኩም።  በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንገጣሚ ኪሮስ በዚ ደው ከይበለ ካብቲ ዘየነጽፍ ዛራ ግጥሚታቱ ተወሰኽቲ መጽሓፍቲ ከበርክተልና እምሕጸን።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ ዝስዕብ ወብሳይት ክትረኽቡዋ ከምትኽእሉ ክሕብር እፈቱ።

ካብ ኣንበብቲ ገጣማይ ኪሮስ፣
   ተስፉ ሰናይ
 ነሓሰ 1፣ 2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...