ሃልሃልታ ነጻነት ምስ ተወልዐ
መድረኽ ተስፋ ደንፍዐ:
ብፍረ መስዋእቲ ዝኾርዐ
መሓለ ተመባጽዐ
ትእምርቲ ተዝካር ሽምዓ ወልዐ።

ናይ ተስፋ ናይ ብርሃን
ናይ ሓልዮት ናይ ኪዳን

ናይ ዕድል ናይ እዋን 
ናይ ምዕባለ ናይ ሰላም።

20-ሰነ፣
ሽምዓ ትውልዒ
ፈኸም ትብል ቁልዒ፣
ናይ ወገን ናይ ጸግዒ
ናይ ሕጊ ናይ ወግዒ።

ጥዋፍ!
ድመቒባ ብርሂ
ዓዋዊል ክትገልሂ
ክሰፍን ፍትሒ።
ናይ ሰማእታት ዝኽሪ
ክሕደስ ሕድሪ።

እዞም ሰማእታት ዝዝከሩ
ዳግማይ እዋን አንተ ዝዕደሉ!
ምስ ሰቦም እንተ ዝጽንበሩ!!!

ሽምዓ እንተ ዝዕደሉ!!
ጸብጻብ  እንተ ዝገብሩ
ፍረ መስዋእቶም ክቆጻጸሩ 
አንተ ዝሓቱ እንተ ዝውጥሩ፣
እንታይ ኮን ምበሉ?
                           
እወ!
ደሃይ ቃልሲ ደሃይ ሕድሪ
ደሃይ ሕጊ ደሃይ ድጊ
ደሃይ ማሕላ ደሃይ ፍቕሪ
ደሃይ ዘርኢ ደሃይ ቡቕሊ
ደሃይ አንስሳ ደሃይ ተኽሊ።

እንተ ዝሓቱ!
መሻይኽ ሰገድቲ
መጽወቲ ለገስቲ
እስጣዝ መሃርቲ
ጸለይቲ ጾመውቲ።

እንተ ዝሓቱ!
ዛቑኖት ኣቕሽሽቲ
ዓጠንቲ ቐደስቲ።
ፈለስቲ ተማህለልቲ
ጸለይቲ ጾመውቲ ።

እንተ ዝሓቱ!
ሰብኡት ኣንስቲ
ብቓልኪዳን ኣመንቲ
ብሕጊ ተማእዘዝቲ
ብባህሊ ተቐየድቲ
ኮስኮስቲ ናበይቲ
ዓረቕቲ ሸምገልቲ።

እንተ ዝሓቱ!
ምሁራት ሊቃውንቲ
ተለምቲ ሓንጸጽቲ
ዝሱጉሙ ብመጽናዕቲ።

እንተ ዝሓቱ!
ሓረስቶት ነጋዶ
መማህር ተመሃሮ
ማእረርቲ ሸቃሎ።

እንተ ዝሓቱ!
ጎራዙት ጎምበለ
ጭዋ ምስ ወሓለ
ክምስክር ዝወዓለ።

ሰማእታት!
ኣብሓዘንን መርዓን አንተዝጽምበሩ
ነ’ደታት እንተ ዘዕልሉ
ምሰ’ቦታት እንተ ዝውዕሉ
እንታይኮን ምበሉ?

ጉድ’ዩ!
ንመንግስቱ ዝተክአ
ካብ ሳሕል ዘማእምአ
ኣይተባረኸ ኣይተቐብአ
ፈሪሃ-ዝጊ ዘጥፍአ
ዝሰኸረ ብብድዐ።

ንሕጊ እንዳ’ባ ዘይረዓመ
ብዓበይትን ናእሽቱን ዝተረግመ።
ብበትሪ ስልጣን ዘሽካዕልል
ቀይዲ-በተኽ ዕሉል
ስርዓት-ኣልቦ ፋሉል።

ኩሉ ግዜ ዝራብዕ
ኣይጸሪ ኣይተብዕ
ኣይመሃር ኣይድንፍዕ
መዋእሉ!! ወራዙት ዘንብዕ።

ብሰንኩ!
ወዮ ዝነበረ ባህጊ
ናይ 30 ዓመት ሕልሚ
ናይ ሰማእታት ትልሚ
ተዋሒጡ ሰልሚ።

ብሰንኩ!
ወያ ናጽነት ትርጉማ
ካብ ኢትዮጵያ ብምፍላይ ኣኸቲማ።

ብደም ስዉኣት ኣጒማ
ከይዓምበበት ቅሂማ
መላእኽቲ ተመሲሎም ዘሚቶማ።

ካን!
ከይወረደት ዕዳጋ
ክትወዳደር ብሪጋ፣
ፍሕት ስኢና ብጌጋ
ተሰሊባ!! ነጻነት ብኣጋ።

ሃገር ፣
ሃገር ኮይና መመክሒ
ንዜጋታት መሰክሒ
ንጎረቤት መፈራርሒ።

ሰማእታት!
ባእላ ክገብሩ ባእላ-ኩሉ
ዑደት እንተዝጅምሩ
ፈቕዶ ሃገር አንተዝዛወሩ።

ስደት ቀደም ንስዑድያ
ንደሞዝ ንመሃያ
ዘይትውዳእ መቒልካያ።

ስደት ሎሚ  ንሊብያ
ንማእሰርቲ ዛብጥያ
ንውርደት ንጥርዝያ
ተመሊስካ ናብ ሻዕብያ
ማይ ዝሰፍር ብኹባያ።
ስደት ሎሚ  ንኢቲዮጵያ
ናብ ማዓስከር ናብ ዋርድያ።

ጓድ መንግስቱ!  
ወያ ኤርትራ
ዓዲ ዓሰብ ምጽዋዕ
ደሃይካ ግዲ ጠፊኡዋ!
ወያ ኤርትራ!
ዓዲ ማዕድን ዓዲ ጨው
ንዚምባብወ ከተርክባ
ትብል ኣላ ፈጨው!!

ጓድ መንግስቱ፣
እንቋዕ ኣይትርእዮ!
ሃገር ይንዖ
ህዝቢ ይመሖ
ስኢኑ ዝመርሖ።
ኩፖን ተመሊሱ
ዳቦ-ቤት ተደምሲሱ
ህዝቢ ለሚሱ
ብጥሜት ተረሚሱ።

ድሕሪ’ዙ  ኹሉ ዑደት
ኣብ ሩሑቕ ኣብ ስደት:
ሰማእታት እንተዝምለሱ
ፍረ-ጻምኦም ክቕይሱ
መንግስቱ’ዶ ኢሳያስ ምሕሹ?

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት!
ፍቕርን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...