ነጻነት ስማ
ምስጢራ ትርጉማ
ዝወሃባ ግምገማ
ብሃብቲ ብዓቕማ
ብመልክዕ ብግርማ
ትሕደስ ደጋጊማ:

ነጻነት መን’ኺ
ሚዛንኪ ዋጋኺ
መልክዕኪ ሕብርኺ
እንታይ’ዩ ተፈጥሮኺ?

ነጻነት ዋጋኺ
ይበሃል መስዋዕቲ
ዘይብሉ መስፈርቲ።

ብሚዛን ብወርቂ
ብኣልማዝ ብዕንቍ
ብሃሪ ብጨርቂ
ብነጎዳ ብበርቂ
ብምስሓው ብጻዕቂ
ብባጃ ብጠይቂ
ዘይዕቀን ብሓቂ።

ዝብሉኺ ነጻነት
ትዓብዪ’ዶ ትንእሲ ካብ ሓርነት
ትፋለጢ’ዶ ምስ ባርነት
ተሳንዪ ምስ ድኽነት
ምስ ሳፍራ ምስ ጥሜት
ምስ ሓሳር ምስ ውርድት
ብልሓትኪ’ባ ይፈለጥ።

ንባርነት ቁሩሕ
ዝኣስር ዝመቁሕ
ዝፈቱ ናይ ምልጡጥ
ብነጻ ኣገልግሎት ውሉፍ
ዘይግራህ ልኹፍ
ትብሊ ሕጉፍ ድጉፍ!!

ብዘረባ!
ትበሃሊ ብኡነት
መሰታ ቅሳነት
ኣዳነ ማዕርነት
መምህር ሊቅነት
ምዕባይ መዝነት
ተሸክሚ ሓላፍነት
መን’ኺ ናጽነት?

ትበሃጊ ከም ብርሃን ወጋሕታ
ናይ መዓልቲ መፈለምታ
ናይ ተስፋ መባእታ
ናይ ትውልዲ መዘከርታ።

ዝብሉኺ ነጻነት ጽብቕቲ
ከም በልቕ ድምቕቲ
ከም ማርያም ሕርይቲ
መራር ዲኺ ጥዕምቲ
ዕረ ዲኺ ምቅርቲ
እትትመኒ ብመስዋዕቲ።

ነጻነት መስተርሆት
ከም ቀውዒ ከም እቶት
ንጓሶት ንኖሎት
ንጎየይቲ ኣንበሎት
ተብሊዮም ከርተት
ክሳለሙኺ ከም ታቦት።

ነጻነት ዓባይ
ኣብ ሰማይ ዲኺ ኣብ ቀላይ?
ነዳቓይ ሸቃላይ
ጸሓፋይ ሰኣላይ
ሰብኣይ ምስ ዕንዳይ
ኣያይ ምስ ሳንዳይ
ንኣኺ ኣብ ምንዳይ
ሳጽይዎም ስቓይ
ዓሪብዎም ጸሓይ
ግበርሎም ደሃይ
ክሓፍሱ ደምሃይ። 

ነጻነት ሃሪ!
ኣበይ ትነብሪ
ኣብ ሃሩር  ኣብ ቁሪ
ኣብ ውቅያኖስ ባሕሪ
ኣብ ሓመድ ዲኺ ኣብ ጸብሪ?

ነጻነት ሰላም!

ኣብ በረኻ ድኺ ኣብ ገዳም
ኣብ ዕድል ዲኺ ኣብ እዋን?

ነጻነት ራህዋ!

ትፈልጥያ’ዶ ንጸበባ
ኣሎኪ’ዶ ደሃይ ሳዋ?
ንኣዳም ዘገረመት
ጎቦታት ዝተጎልበበት
ብብኽያት ዝጸመመት
ሰዊት ዕድመ እናለቐመት
ትርጉም ነጻነት ዝቐየረት።

ምሁራት ዘደንቆረት
ናይ ብዙሓት ተስፋ ዘቕሃመት።
ገና መስዋዕቲ ዘይጸገበት
ውዑይ ደም ዝወለፈት።

ነጻነት ጽብቕቲ
ይበሃል ትፈትዊ መስዋዕቲ፣
ናይ ሂወት ናይ ግዜ
ናይ መረቕ ናይ ኣዋዘ
ጠጥዑሙ ዝተማህዘ።

ብተስፋ ዝወሓዘ
ቅሙጥ ዘይነቐዘ
ንጹሕ ዘይተበረዘ
መስዋዕቲ ዝዓዘዘ
ወግሐ ጸብሐ
ዝፈስስ ከም ተከዘ።

ንነጻነት ዓዳ
ገነት’ዶ ትኸውን ገነት ጻዕዳ?
ኣላሚዳ’ላሚዳ
እቲ ጥዑም መኣዳ
ዝቐየረት ኢዳ።

እወ!

ንኣዳም ኣባሪራ
ዕግርግር ጀሚራ
መስዋዕቲ ፈጢራ
እዚኣ ደኣ ከመይላ
ክትከውን ሰፈራ
ንነጻነት ዛህራ።

ምናልባት!

ኢራን ድያ ዓዳ
ቴህራን ድያ ዓውዳ
ዝበልዕት ነዳ!!
ነዛ ጭልቅዕ ልምልምቲ
ኩመል ኩሕለይቲ
ግምባር ተቓለስቲ
ኣርኪባታ መስዋዕቲ።

ይዋእ በዓል ዝያዳ
ኣብ በረኻ ኣብ ሜዳ
ኣብ ሕጓ ኣብ ጓዳ
ንእስነተን ዘቖርመዳ።

እወ!

ብስእሊ ብዜና
ከም ዓለመን ክምዘና
ምዕራፈን ክምቑነና
ኣብ ታሪኽ ኣብ ብራና
ንሓበን ንምስጋና
ኣድህቦ ዝሰኣና።

ነዳ!

ንስኺ’ዶ ትበልጺ
ትሕረዪ ትምረጺ
ትቃልሒ ትሰርጺ።

ድምጽኺ ይፋጺ
ቀተልትኺ ዝሳጺ
መልእኽትኺ መናወጺ
ንገፋዕቲ ዝጸጺ።

ይዋእ በዓል ደመት
ዘሕልፍኦ ደልሃመት
ዝሰፍኖ ጥልመት
እዚ’ውን መስዋእቲ ይግመት።

ፈቐዶ መሽጎራጉር
ሸናጭሮ ገሓሕር
ኩርባታት ጠራይር
ዘጋጥመን ዕግርግር
መዓንጣ ዘሕርር።

ነጻነት!
ንመን ትግብኢ?

ንጎቦ’ዶ ንጎልጎል
ንባሕሪ’ዶ ንዛዕጎል
ንዑናዶ ንደጎል?

ወይስ!

ንዘውዲ ንስልጣን
ንህርፋን ንዕብዳን
ንጎልያድ ንጉብጣን
ዝነብር ብሸፈጥ ብሽሕጣን።

አዙ ኹሉ ስራሕ ሸይጣን
ምስ ቆልዑ ምሕራን
ንወለዲ ምዝንጣል
ኣይናትክን ናጽነት ዕጣን።

ገለ ተበለጽቲ
ዝፈቕዱ መስዋዕቲ
ናይ ናእሽቱ ዓበይቲ።

ተቓሊስና ይብሉ
ብኲናት ይጀሃሩ
ኣይስንክሉ ኣይቖስሉ
መናፍስቲ ይመስሉ።

ኣይሓንኩ ኣይሓፍሩ
መደብ ውግእ የስፍሉ
ቁጽሪ ስዉኣት ይነግሩ
በዚ’ውን ይጀሃሩ።

መሪሕነት ከም ርስቲ
ይቖጽርዎ ከም ጉልቲ
ይውስኑ ብብሕቲ
ዘይኣምኑ ብባይቶ ብሞግቲ
ሓዋወስቲ መደለሓቕቲ።

እወ!

ዘይመምዩ ሓዲሽን ብሉይን
ዘየናሕስዩ ንቐሽን ዓለምን
ይደባልቑ ስርናይን ክርዳድን
ይሓናፍጹ ነውርን ሰናይን።

ኣብ ግዜኦም!
ተረሲዓ ቅጥዒ
ተናዒቓ ርትዒ
ጠፊኣ ፍትሒ
ተደፊና ብልሒ
ተሳኢኑ ወግዒ።

እዞም ሓዋውስቲ!
ነጻነት ምስ መስዋዕቲ
ወተሃደራት- ኣመሓደርቲ
ጀነራላት- ሊቃውንቲ
ካድራት- ዘቆንቲ
ኣቡናት- ተዓጠቕቲ
ብሽጉጥ- ባረኽቲ።

ኦ!! ፈጣሪ

እዙ ኹሉ ነድሪ
ካብ ስማይ ድዩ ካብ ምድሪ?
እዚ ኹሉ ሕምፍሽፍሽ
ዘዕገርግር ዝርብሽ
ንዓቢ ንንኡስ
ኣብ መጋርያ ኣብ ግቡጥሽ
መኣስንኮ’ዩ ዘልግስ?
ብስም ነጻነት ክሰብኩ
ኣይጡረቱ ኣይኣርጉ
እነሆ 50 ዓመት መጢጉ።

ነዙ ፍልስፍንኦም ብላይ
ጸራሪግካ ንምእላይ
ይሰውረና
ካብ መስዋዕቲ ዳግማይ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...