November 11, 2018 Message to the Public

 

November 11, 2018

ተልዓል ህዝቢ ኤርትራ ኣጽዋርካ ሒዝካ ትሽየጥ ኣላ ሃገርካ ምስ ህዝባ ምስ ኩሉ ኹላ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም?  ኣነ ብዘይካ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሻቀሎ ዘሎ ሻቅሎት እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሐን ኣሎኹ።  እምበኣር ሎሚ “ተልዓል ህዝቢ ኤርትራ ኣጽዋርካ ሒዝካ ትሽየጥ ኣላ ሃገርካ ምስ ህዝባ ምስ ኩሉ ኹላ” ትብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ብዛዕባ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህልዉ ኩነታትን ክግበር ዘለዎን በቢውልቀ ሰባት ይኹን፡ ወይ ጉጅለ ወይ ማሕብር ካብ ቀደም ብዝያዳ ሎሚ ይዝረብን ይጽሓፍን ስለ ዘሎ፡ ማይ ዘይጠዓመ ሓዲስ ሓሳባት የብለይን፡ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝርኣየኒ ድማ ሓድ ሓደ ነገር ክጠቅስ’የ። ንኽልተ ሕቶ ብዙሕ ሰብ ዝሓተን መልሲ ሂበ ድማ ኣብ ቀንዲ ዘረባይ ክኣቱ’የ።

እታ ቀዳመይቲ ሕቶ  “ኢሳይስ እምበርዶ ኤርትራዊ’ዩ?” እያ ትብል።  መልሲ ድማ ተዋሂብዋ’ዩ ግን ክውስኸላ። ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ድኣ እምብር ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናይ ህዝባ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ፈጺሙ ከም ዘይደሊ፡  ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሔ ክቱር ጽልእን፡ ንዕቀትን ከም ዘለዎ ዘመስከረ ምስቲ መሰታ ወዱ ዝኸውን ብዘሕፍር ፍሽኩልና ‘ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና’ ዝበሎ ሓዲሽ ጠቅላይ ሚንስተይ ናይ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክቡ’ዩ። ብተወሳኺ መንእሰያትን ሕጻናትን ኤርትራ ወለዲ ኸልዎም ዝዘኽተሙ፡ ብሰሪ ኣዕናዊ ዝኾነ ጨካን መሪሕነቱ ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ ዘለውን፡ ዝፈትውዋ ዘይሓንቀቁላ ዓዶም ቁሊሕ እናበሉ ንድሕሪት ገዲፎምዋ እናኸዱ - ዓለም ዘስካሕካሓሉ ግዳይ ማሕረድትን ቀለብ ዓሳታትን ዝኾኑ -  ኣብ ፈቀዶ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሊብያን ዘለው ወሰን ኢሉ ፈጺሞም ከም ዘየለው ቆጺሩ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝርከቡ መናእሰይን ቆልዑን ክሐቁፍን ክስሕቅን ምስ ተራእየ እዩ።   እቲ ሕቶ እምባኣር እምበር’ዶ ሰብ’ዩ እዩ ክኸውን ዘለዎ።  ደቂ ሰባት ካብ ዝፈላልዮም ሓደ ዝገብሮም ኣዝዩ ይበዝሕ። ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ይምጻእ፡ ካብ ናይጀርያ፡ ወይ ኢማራት፡ ብናይ ማንም ሰብ ጽቡቕ ዘይሕጎስ፡ ጨካን ግን ከኣ ሬሳ ከይተረፈ ዘባህርሮ፡ ደም ኤርትራውያን ሰትዩ ገና ዘይጸገበ፡ ሰብ ኢልካ ክትጽውዖ ዘጸግም ፍጥረት እዩ።

እታ ካልኣይቲ ሕቶ፡ብዙሕ ሰብ ዝሓታ  ከምይ ኢልና ኢና ናብዚ ወዲቅና ትብል’ያ። ደንጉና ምበር እንተ ብሓጺሩ እንተ ብሰፊሑ መልሲ ተዋሂብዋ ኣሎ ብዙሕ ዝወስኻላ ውን የብለይን።  ብዝኾነ ንጉሁድ ጸላኢኻን፡ ክገዝኣካ ኢሉ ዝመጸን ዋላ ዝሓለነን  ከይተረፈ - ከምቲ ዝሓለፈ ተመክሮና ዘመስከሮ - ትጻናተዎን ትዓጥቀሉን።  ኣብ መሪር እዋን ቃልሲ ብመሪሕነቱ ዘመስከረ ኣብ ሓደ ጊዜ ሓቢርካ ክትጥርጥሮ ግን   ቀሊል ኣይኮነን።  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ገድሊ ኤርትራ ካብ ዝጽንበር ጀሚሩ፡ ሓደ ርኹስ ዕላማ ሒዙ፡ ዘለለይዎ በብእዋኑ ብቀጥታ ቅንጸላን ብኽፉእ ማፍያዊ  ኣታኣላልያን  ኣልዩ እንተ ብፍርሒ እንተ ብጥቅሚ እናቃያየረ ሰዓብቲ ገይሩ  ማኣስን፡ ከምይን፡ እንታይን ከም ዝገብር ድሓን ጌሩ ኣጽኒዑ ስርሑ ሰሪሑ። ዝኾነ ይኹን ጸላኢ ሐቂ ዘይኮነ ግን ኣገሪሁ  ዋላ ደቂቅ ፍልልያት መዝሚዙ ምጥቃም ታሪኽ ዝመስከሮ ስልቲ’ዩ።  ኢሳያስ ኣፈወርዊ ዝብሓቶ ማለት ፈጺሙ  ባዕሉ ዝውንኖ መድያ ንፕሮፓጋንዳ ድሓን ጌይሩ ተጠቂሙሉ። “ዝተዳጋገመ ሓሶትሲ ሓቂ ይመስል” ኮይኑ።

 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝሒ ኣውራጃታትና ድሩዕ ስልማትና ከም ዝኾነ ዘይማትእ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣማናይ’ዩ። እተን ክልተ ዓብይቲ ሃይሞኖታት ክርስትናን ምስልምናን ድማ መሰረት ባህልናን ሕግታትናን እየን። እቲ ሰብኣዊ መሰል ሰብሲ ይትረፍ፡ መሰል እንስሳ ዝሕሉ ኣማሓዳርራና፡ ሕግታትና፡ ዓለም ክትጥቀመሉ ትኽእል ኣብዘን ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት - ህዝቢ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ዝዓበየለን - ዝተመስረተ እዩ። ኣደንቅሮ፡ ነጻ ከይኑ ሓኾትኮት ኢሉ ከም ዓቅሙ ከይሰርሕ ከልክሎ፡ ኣድክዮ፡ ብጭካኔ ኣርዕዶ፡ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ሓውሲ ብርነት ግዱድ ዕስክርና ንእስነቱ ኣባኽኖ፡ እሰሮ፡ ቀጥቅጦ፡ ቅተሎ ኣሕቅቆ፡ ዓቅሉ ኣጽቢካ ንድሕሪት ቁሊእ እናበለ ብብዝሒ ከም ዝስደድ ግበሮ ድማ ኣይብላናን እየን።  እዘን ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት እዚኣተን ኣብዛ ዓለም እዚእ ተፋቂርና፡ ተኻቢቢርና  ንግዚኡ ንነብረላ ድኣ እምበር ናይ ዘለኣለማዊ ቤትና ከይ ዘይኮነት ድማ የምህራ።  ኣብዚ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰውራ ጀሚሮም ዘፋረቁን፡ ቀጺሎም ኣብ ዓወት ዘብጽሑን ምፍሕፋሕ፡ ሕማቅ ታሪኽ ማዕረ ምቅትታል ይንበር እንበር፡  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይብሃል ፍቅሪ ነይሩ እዩ። እግዚኣቢሄር ድማ ፍቅሪ ይባሃል’ዩ። እቲ  ንልእላውነትን፡ መሰልን፡ ራሕዋን ሰላምን ብልጽግናን ህዝቢ ዝዕላምኡ ቃልሲ፡ ቃልሲ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ - ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ጓል ምስ ወዲ፡ ኣብ ውሽጢ  ዝነበረ ይኹን  ኣብ ወጻኢ ብኹሉ ሓይሉ ብኹሉ ትሕዝትኡ፡ ብህወቱ ዓጢቅሉ’ዩ። እወ ኣማን ብኣማን ፍቅሪ ነይሩ። ፍቅሪ ደይኮነን ደቁ ኣዘኽቲሙ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣጸምዩ ንስደት ዘምርሔ፡  ኣብ ስደት ኮይኑ ድማ ንገድሉ ዘደልደል፡ ፍቅሪ’ዶ ኣይኩነን ወዱ ጓሉ ትምህርቲ ክቅጽል ንወጻኢ ከይዱ፡ ትምህርቲ  ተቋሪጹ፡ ኣብ ሽቅለት ኣትዮ ንገድሎ ዘወፈየ።  ፍቅሪ’ዶ ኣይኮነን፡ ዓበይቲ ኣንስቲ እንዳ ሃብታማት  እናሰርሔ ንጽብሔይ ከይበላ ገንዘብንን ወርቀንን ዘወፈያ፡  ፍቅሪ’ዶ ኣይኮነን ኣሕዋቶም ኣሕሊፎም ከይህቡ፡  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕሱም ምቅጥቃጥ ዝተሰውኡ፡ ፍቅሪ’ዶ ኣይኮነን፡ ንስኻ ተመሃር ኣነ ክጋደል፡ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ ዘበለ እወ ደጊመ ደጋጊመ ፍቅሪ’ዩ ካልእ ኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ናይ ውግእ ባህሊምስ ግዚኡ ዘምጽኦ ናይ ስግር ባሕሪ መርክሰ ለኒነንትን - ካላእ ትዛረቦ - ንመብዛሕትኡ ጽቡቕ ባህልና ሕሪ ሕራይ ጌይሩ ባሕጉጉዎ እዩ።  ብግስ ከይተባህለ ተጋደልቲ ክሕተት ዝግብኦ እንተሓተቱ፡  እብ ክንዲ ግቡእ መልሲ ምሃብ ምእሳር፡  ብሜሬት ንዝተባእሱ ደቂ ዓዲ ኣብ ክንዲ ብሰላም ከም ዝፈትሕዎ ምግባር ንናኹራ ምስጓግ፡ ተጋደልቲ ኢትዮጵያ ክማህሩ እንዳተፈቀዲሎም ተማሂሮም ድማ፡  ይዋእ ተጋደልትና ድማ ትምህርቶም ቀጺሎም ኣብ ድላዮም ከይዶም ክይሰርሕ ተኸልኪሎም ምስናይ ምቁኑጻቡ። መሰሎም ንዝሓተቱ ኣካለ ስንኩላን ስንክልንኦም ከይኣኽሎም፡ ምቅታል ምስ ኮና እዚ ፍርሒ’ዚ ካልእ ወሳሲኽካ ኣብ እዋኑ ሓቢርና ክንቃለስ ኣይከኣልናን፡ ሰብ ይደክም’ዩ። ኮይኑ ግን ላዕለዎት ሰበስልጣን ምስተኣስሩ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ክልቴኤን ሃይማኖታት ዝተረኸብዎም፡ እንታይ ኢና ንርኢ ዘለና እንታይ’ዩ ተረኺቡ ኢሎም ብኽብሪ ንኢሳይስ እንተሓተትዎ - ያኢ ከሽምግሉ ከታዓርቁ እንድዩ ነይሩ ዕላማኦም -  ከምቲ ንኹሉ ሰብ ዝብሎ፡ ንስኻትኩም መሳርሒ ወያኔ ሲኣይኤ ኢኹም ተጠንቀቁ ኢሉ ድሂሉ ኣውጺእዎም። ሕርር ኢሎም ስቅ ኢሎም። መድያ ብሓደ ውልቀ ሰብ ተወኒኑ፡ ህዝቢ ከይእከብ፡ ከይዛረብ፡ ከይጽሕፍ ብጥብቂ ተኺልኪሉ እምበር፡ ኣብ ቤት ቤትካ ወይ ተሓቢእካ ምስ ትእምኖም  ምዝርራብ ነይሩ’ዩ፡ ክቃላሕ ነጻነት እንተዘይለ ግን እንታይ ዋጋ ኣለዎ። ኮይኑ ግን በብእዋኑ፡ ምዑታት ጀጋኑ ከም በዓል ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ወዲ ዓሊ፡  ኣቦና ሓጅ ምሓመድ ሙሳ ኑር፡  ኣቡና ኣቡን እንጣንዮስን፡  ሕጂ ድማ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሄን፡  ኣባ ተኽለሚካኤ ተወልደን ተላዒሎምን ይላዓሉን  ኣለው።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ኣፈርክቡ ሰዓት፡ ሐመድ ድበ ከይመጽእ  እንታይ ኢና ንገብሮ? ከምቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ፡ ብኸምስሉ ሰላም ዝብሉ ግን ንስልጣኖምን ዓዶምን ጥራይ ዝሓስቡ ሽጣረኛታትን ብዓለም ለኻውያን ጎበልልን ተደጊፉ፡ ንፍጹም ጥፍኣትና  ብበርቃዊ ፍጥነት ዝዓይ ዘሎ ንሕና ድማ  ንልኡላውነትና ምዕቃብን ክብርና ንምምላስን፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ነዚ ሓደገኛ ተጻባኢ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምምካቱ እዩ። እንታይ ዓይነት መሳርያ ጌርና ኢና ግድን ንምክቶ፡ መሳርያ ሓድነት። ሓድነት’ኮ ኣብ ዘየማትእ ዓወት ተብጽሕ ዓብይ መሳርያ እያ። ኩላትና ድማ ንኣምነላ ኣለና። ሓድነት ከመ ጌይራ’ያ ትመጽእ፡  ንነዊሕ ጊዜ እዚኣቶም እዚኣተን እናተባሃሃልካ ተቛሳሲልካ ጸኒሕካ ኣኼባታት ጊርካ ንሕበር ምባል ድዩ፡ ኣብ ገሊኡ’ውን ይግበር’ኮ ኣሎ፡ ግን ቅድም ቀዳድም ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣታሓሳስብኡ ክቅይር ኣለዎ። በዓል እገሌ ከምዚ’ዮም ዝብሉ ንስዓቦም፡ በዓል እዚኣቶም እንታይ ይፈልጡ ፎእ በልዎም ዘይኮነስ፡ ነቲ ምሳኽ ዘሎ ሓቀኛ ዳኛ ኢኻ ትውከሶ። እዚ ዳኛ እዚ ኣብ ኣማኒ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ኹሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ዘሎ’ዩ። ኩላትና ከም ንፈልጦ ሕልና’ዩ።  ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ንሓሶት ከም ሓቂ፡ ንጥሜት ከም ጽጋብ፡ ንብኽያት ከም ስሓቅ፡ ንሞት ከም ህይወት ክርእያ ኣይክእልን እዩ፡ መን’ዩ ዝበሎ ዘይኮነስ እንታይ’ዩ ተባሂሉ እዩ ዝብል።

ኳዕናን ህዝቢ ኤርትራ፡  ድልዱል ሰረት ጸኒሕዎ ተቃላሳይን፡ ካብ መጣን ንላዕኢ ጸዋርን  ዘየታናኾላይን ኮይኑ እምበር፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝኣክል እዞ  ዓይነት ስቃይ’ዚ መኣስ ይጽወር ኮይኑ።  ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኩላትና ከም ንፈልጦ ብሓፈሻዊ ኣዛራርባ  ኣብ ርእሲ ጓሂኡን ናፍቆትን ሕማማን፡ ድኽነትን፡ ልማኖን ናቱ ኮይነን እየን፡ እቶም ያዕ ዝብሉ ዓበይት’ና’ውን በብሓደ ቀድም ከይዶም እዮም፡ ሰብ  ነባራይ ኣይኮነን። ግን ከኣ ፈጺምና ዘይብልና ኣይኮናን። እቶም ትማሊ ደቂ ሰላሳ ኣርባዓ ዝነበሩ ሎሚ ልዕሊ ስሳ ኮይኖም እዮም።  ከምዩ ዶክቶር ርእሶም ሃይለ ዝበሎ፡ ኣለውና ኣለዋና።  ኣብ እዋን ገድሊ እንተኾነ’ውን ዓቢ ተናኣኢሱ’ኮ ነይሩ’ዩ።  ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ ዋላ እቲ ኣይግድሶን’ዩ ጽቡቅ ኣሎ ትብሎ’ውን ጽቡቅ የለን፡ ኩሉ ባዕሉ ዝእመነሉን ፡ ዘይፈልጦን፡ በቢደርጅኡ ጭንቀት depression ዶ  ክንብሎ ኣለዎ። ስቃይ ህዝብኻ ኮነ ኢላካ እንተዘይ ኣድሃብካሉ ብገለ ይትንክፈካ’ዩ። ኣብ ዘዘለናዮ ዓድታት  ወግሔ ጸብሒ ኣብ ቤት ትምሃርቲ፡  ቤት ኣምልኾታት፡ መዛናግዒ ቦታታት ክንድዚ ተቀቶሎም ክንድዚ ቆሲሎም፡ ክንድዚ ገዛውቲ ሓዊ ነዲዱ ወዘተረፈ ክትሰምዕ ኣብ ተለቪጅን ክትርኢ ከለኻ ኣይመስለካን’ዩ እምበር ንመንፈስካ ሰላም ኣይህቦን እዩ፡እቲ ሶሻል ሚድያ ንባዕሉ ሰማንያ ካብ ሚእቲ ሕማም’ዩ ዘምጽእ። ተክኖሎጂ ጽቡቅ’ዩ ግን፡ ብኣካል ተራኺብካ፡ ናይ ብሕታውን፡ ሃገራውን ሽግራት ትዛረብ ተዕልል - ይወጸልካ’ኳ -ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጥ፡ እዚ’ኳ ቤተክርስትያናትን መሳጊደን ረዲኣን እምበር፡ መኣስ ቀሊል ኮዩኒ። እንተርኣናዮ ኣብ ዓዲ ጥራይ ዘሎ’ኮ ኣይኮነን ዘይነበረ  ካንሰርን ወይቦን፡ ሕማም ልብና ከምኡ ዝኣማሳሰሉ ዝቅዝፍ ዘሎ፡  ኣብ ወጻኢ’ውን ኣይገደፈናን።

        ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ሓንትን ቀንድን ክንርድኣ ክንኣምነላ ዘለና ግን፡ ኩላትና ኣልባባ ልብና ኣትሪርናዮ፡ ቆርበትና መግለጺ ክሳብ ዝስኣኖ ኣርጉድናዮ። እዞም ዓዲ እንታይ ዝብልዎ desensitized.  እንተኾነ  ይቅረ ባሃላይ ኣምላኽ ኣሎናሞ፡ ገጽና ናብኡ ንምለስ። ንዘክር ድማ፡ ዓቢ ገበን ነቲ ንእሽቶ ገበን ዘይገበን ኣይገብሮን’ዩ።  ካዕቦ ሓሶት ድማ ነቲ ንእሽቶ ሓሶት ዘይሓሶት ኣይገብሮን’ዩ። ነቶም ኣቀዲሞም ኣብ ከም በዓል ሲናይ ዝተሓርዱን፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዝሞቱን፡ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳን ዝኾኑን ኣብ ካልእ ዓድታት ብሕልፊ ድማ ኣብ ሊብያ ብስቃይ ዝሞትን፡ ዋይ ኢልና ዝርንዝሕ እናነባዕና ኣብ ልብና ካልኣይ ቀብሪ ንግበረሎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ልብኻ ልቢ ሰብ ንምግባር ጽቡቅ መጀመሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢለ እኣምን። ነቶም ኣብዛ ሕጂ ሕጂ ኣብ ካልእ ዓድን ብሕልፊ ድማ ሊብያ ርድኡና ዝብሉ ዘለው ድማ፡ ኣሎና ንበሎም ዓቅምና ነታሓባብር።

        እምበኣር ዘረባይ ከጣቃልል’የ

        ቀዳማይ ነብሲ ወከፍና ርእሰ ለውጥ ንግበር። ኣምላኸይ ሐግዘኒ ኢልካ ዳኛኻ ሕልናኻ ምስ ትገብር  ባዕሉ ይመርሓካ’ዩ።

        ካልኣይ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዓዲ’ዩ ዝመጽእ፡  ናይ ደገ  ሓገዝ ጥራይ  እዩ ክገብር ዝኽእል ይባሃል ኣሎ። ርግጽ። ግን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ኤርትራዊ ኣብ ወጻኢ እዩ ዘሎ። ሕልና ጌርና ሪሒቃትና ዝነበረት ናይ ሓድሕድ ፍቅርና ነሕድሳ’ሞ ብእዋን ቃልሲ ኤርትራዊ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ንገድሉ ዘበርከቶ ውጺኢቱ ንዘክር።   ውዓል ሕደር ዘይብሉ፡ ካበይ እዩም መጺኦም ኣበይከ’ዩ ነይሮም ዘይኮነስ፡ ነዚ ፍሉይ ጉዳይ’ዚ ንምስልሳል እንታዩ ክእለቶም ኣለዎም ተባሂሎም ቅሩባት ሰባት ወከልቲ ጌርክ ኣብ ኤውሮጳታትን ኣመሪካን፡  ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ካልእ ሀገራት፡ ብኣካልን ብጽሑፍን ዘእውዩ ዘረድኡ ምግባር ንዓይ ኣድማዒ ኮይኑ እስምዓኒ። ምድሓን ሃገር አቂድምና ፍቅርን ምክብባርን ምስ ገበርና’ኮ፡ “ንምሳሌ ሓደ ሰብ ንስኻ እዚኣ ክትገብራ ትኽእ ኢኻ” ምስ ተባህለ ዘይክእላ እንተኾይኑስ፡ ካብይ ዝሓይሽ ነዛ ተልእኾ እዚኣ ዝበቅዕ ንናዲ ክመጽእ እዩ።  ዶክተር ኣብይ ኣብ ጀርመን መጺኡ ኤርትራዊ ብጽፉፍ ኣጋባብ ድምጺ ሕዝቢ ዘስምዔ ዘኹርዕ’ዩ ነይሩ።  ሕጂ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለና ኣብ እስራኤል፡ ኣመሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ቆልዑ ከይተረፈ ሒዝና ኣብ መንግስታትን እሜባሲታትን ከድና ሚድያታት ከም ዘቃልቡልና ምግባር’ዩ።  መንእሰያት ኣብዚ ኣወዳትኩም ኣዋልድኩም ዓቢ ተራ ተጻዊትኩም ኢኹም ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም። እቲ ምእንቲ ንስኻትኩምን ቀጺሉ ዝመጽእ ወለዶታት  ልኡላውነቱ ከቢሩ ብሰላም እፎይ ኢሉ ክሓድረላ ምእንቲ  ኣባታትኩምን ኣዴታትኩምን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉላ፡ ንስኻትኩም ድማ ትሳቀዩላ ዘለኹም ሓንሳእን መወዳእታን ናትኩም ይግበራ። ኣሜን

        ሳልሳይ ኩሉ ብሓደ ጊዜ ኣይነቅሕን’ዩ። ገድሊ ኤርትራ ኣብ 1961 ተጀሚሩ ኣብ 1990  ኣብ ገድሎም ምስ ህዝቦም ዝተጸንበሩ ኔይሮም። ርግጽ’ዩ ናይ ሕጂ ፍልይ ዝበለ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፡ ምስጓም/ ዘይኮነስ ብሙሉእ ሓይልኻ ምጉያይ’ዩ ዘድሊ። ብዘሎ ኢኻ ትጅምር። ብዛዕባ ህግደፍ እንተኾይና ብኸተትኡ ሓደ ፓርቲ ወግዓዊ እኼባታት ጌይሩ፡ ተኻቲዑ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ንህዝቢ ዘይቃልሕ እንተኾይኑ ፓርቲ ኣይኮነንን። ኩላትና ከም ንፈልጦ ንህዝቢ ዝውክል ፓርቲ የለ፡ ህዝቢ ዝመረጾ መራሒ የለ። ንሓደ መንግስቲ መንግስቲ መንግስቲ ዝገብሮ መጋበርያ የለ፡ institutions የለ ገለ የል። እቶም ናይ ብሓቂ ኢሳያስ ዘውፍሮም ቁርባትን ፍሉጣትን’ዩ። ንሳቶም’ውን ሰዓት ትኣክል ኣላ ኣብ ልቦም ይምለሶም። ድሓር ድማ ዝኾነ እንተኾን ኣብ መንጎ ስርናይ ክርዳድ፡ ኣብ መንጎ ጥጥቆ ድማ ጥረ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።  ኢሳያስ ድማ፡ ገንዘብ ህዝቢ ድላዩ ከግብሮ ዝኽእል ምልዮናት ኣለዎ። ሰሜንን ደቡባን ኣመሪካን ምእንቲ  ከይፈላለያ ኩናት ተገይሩ ኣሽሓት መንእሰይ ዝረገፍሉ ሰራዊት ሰሜን ምስ ሰዓረ፡ ሐለፍቲ ነቶም ዝማረኽዎም ደቂ ደቡብ ንፕረዚደንት ኣብራሃም ሊንኮን እዚኣቶም ዝተማረኹ እንታይ ክንገብሮም ኢና ምስ በልዎ፡ እዚ ኹሉ ውግእ ንምንታይ ግዲ’ዩ ነይሩ ኣሕዋት ንኸንክውን ሓቢርና ብሰላም ክንነበር ደይኮነን፡ እንታይ ክንገብሮም ድኣ ሰላማዊ  ናብርኦም ይግበሩ ኢልዎም።  መጀመርታ ተባጻቢጽና እንዲና ዘለና፡ ህድእ ኢልና ምስ ርእስና ሰላም ንግበር፡ ድሓር ኣቢቲ ማእከል ገዛና ምስ ስድራና፡ ኣብ ቀረባን ርሑቁን ዝርከቡ የዕሩኽትናን ቤተሰብናን፡ ድሓር ከምኡ እናበለ ቀልጢፉ ዝኸይድ። ይደጋግሞ ድኣ ኣሎኹ እምበር፡ ድሕነት ብሕትኻ ዘይኮናስ ድሕነት መላእ ህዝብኻ እቀዲምካ፡ ፍቅርን ትሕትናን ስጋይ ስጋኽን ምስ በልና ኣብቲ ንደልዮ ክንበጽሕ ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ንዓይ ዓቢ ተስፋ ሂቡኒ ዘሎ ድማ ማዮም ዝስተዩ ቆረብቲ ሰገድቲ ኣባልት ሓፋሽ ዉድባት ኮይኖም ዓብይ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ዝነበሩ ካብ 1991 ኣትሒዞም ንኢሳይስ ዘለለዮ’ሞ ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘይክእሎ ምስ በርሃሎም ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ትም ኢሎም ዝነበሩ ሕጂ ብሙሉእ ሐይሎም ተበጊሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ስርዓት ኣትሪሮም ዝጣበቅሉ ዝባሃሉ ዝነበሩ’ውን ክስዕብዎም ጀሚሮም ኣለዉ እሰምዕ፡  ሓንቲ ብቀረባ ዝፈልጣ ሓብተይ ዝሓለፈ ሰሙን እንታይ ትብለኒ ወዲ ሓዎቦይ “ነዞም ጸላእትና ወያኔ እዚኣቶም ኢሳያስ ጥራይ’ዩ ሰጥ ዘብለልና ዝብል ዝነበረ፡ ዝበልኩ እንተበሉ ዋጋ ዘይሃበኒ ኣብ ሓደ ክተማ ከለና ሰላምታ ገዲፍዎ ዝነበረ፡ ደዊሉ ድሃየይ ጌይሩ፡ ስጋ ኣይትሕከኽን እያ እታ ሀገር ድማ ንኹላትና ሓደ’ያ ትብጻሓና ኢለዮ ኢላትኒ።

        ራብዓይ ጸላእቲ ኣይነበዝሕ፡ ብብርቱዕ ጻዕርን፡ ብደምን፡ብጾሎትን ዝመጸ ናጽነትና ብ 1993 ዓለም ዝፈለጠትልና፡ ልኡላውነትና ክሳብ ዘክበሩልና ምስኩሉም ጎረብብትና ብ ሰላም  ክንነብር ንደሊ ኢና። ። እቲ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል  ርእሰ መላኺ ኢሳያስ ሓንሳእ ካብ ባሕርና ዓሳ ገፊፎም፡ ሓንሳእ ከኣ ዶብና ይድፈር ኣሎ እናበለ ዝገበሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልኢ ከም ናይ ህዝቢ ገይሩ የርእዮ እምበር - ሕጂ’ኳ ብሩህ ከም ጽሓይ ኮይኑ’ዩ -  ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም’ዩ ተዋጊኡ።  ወኒ ናይ ውግእን ጥፍኣትን ኣልይዎ ኣይኮነን።  ኢሳያስ ምስ ሱዳን ከከም ዝጥዕሞ ይፋቶን ይጻላእን እምበር ህዝቢ ሱዳን ኩላትና ከም ንፍልጦ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ኢሉ ተቂቢሉ ዓዱ ልክእ ከም ዓድና ተጠቂምናሉ። ናይ ሕጂ ሱዳን ከምቲ ናይ ቀደም ሱዳን ኣይኮነን። ምምሕዳር ዝፈጠሮ ዓቢ ጸገማት ኣሎ፡ እቲ ህዝቢ ግን ብኸተትኡ ንሱ’ዩ፡ ኣሳልዩናን ጾይሩናን’ዩ።  ካብ 1991 ክሳብ 1993 ኣዋናቢዶምና ፈላልዮምእቲ ና ኢሎም፡ ታሪኽ ብሓድስ ቀለም ክጽሕፉ ዝጋድሉ ዘለው፡ ወትሮ ገዛእቲ ክኾኑ ዝደልዩ ናይ ኤርትራ ነጻነት ፈጺሙ ዘይተዋሓጠሎም፡ ይኣኽለኩም ኢልና  ምስ ትግራይ ኣሕዋትና  ከክብረትና ሒዝና፡ ካብ ቁጠባ ጀሚርካ ብዙሕ ኢሂን ሚሂን ዘብል ኣሎ። እቲ ሰረትና ማንም ዝወስደልና የብልናን፡ ግን ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ደኺና፡ ለማኖ ከም ዝኾናን፡ እታ ንኾርዓላ ዝነበርና ርእሲ ከትማና ተድዊና ኣብ ሳሕል ትቅየር ከም ዘላ ንቅበሎ። ነዚ ምቅባሉ ብሓዘን ክንውሓጥ ዘይኮነስ ብቅጽበት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ጌርና ክብረትና መሊስና፡ ሃገርና ምህናጽ’ዩ ዝስሕለና። ብዙሕ ጊዜ ድማ ኣይክወስድን’ዩ።  ብዙሕ ጊዜ ዝጠቅሳ ናይ ማዘር ተረዜ ብ ሰባኣዊ ርሕራሔኣን እምነታን  ሚሊዮናት ሰባት ዝሐገዘት መሳርሒ እቲ ዓወትን እንታይ’ዩ ኢሎም ምስ ሓተትዋ፡ ኩሉ ብጸሎት ከም ንረኽቦ ኣሚና ኣበርቲዕና ንጽሊ፡ ኩሉ ብስራሕ ከም ንረኽቦ ጌርና ኣሚና ድማ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ዝበለቶ፡ ንሕና ድማ ጸሎትን  በቢዘለናዮ በብቲ ንኽእሎ ኣበርቲዕኽላ ምስራሕ’ዩ።  እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተጋደፈና ኣምላኽ ሕጂ’ውን ኣይገድፈናን’ዩ።  ክብርን ምስጋናን ከም ወትሮ ንዕኡ ይኹን።  ኣሜን

 

ኣበባ