June 6, 2018

 

ምኻድሲ ኪዲ ትኽድዮ በየናይ ዓዲ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡  ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም? ኣነ እተዳጋገመ ይኹን እምበር ሕማቅ ሰሚዔ፡ ይርበሽ ኣሎኹ፡

እምበኣር ሎሚ “ምኻድሲ ኪዲ ትኸድዮ በያናይ ዓዲ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ፡

ቀደም መርዓ በቶም ኽልተ ወለዲ  ይዉዳእ’ሞ፡  እታ ጓል ተመርዕያ ክትብገስ ከላ፡ ኣዋልድ ዓዲ “ምኻድሲ ኪዲ፡ ትኸድዮ በየናይ ዓዲ” እናበላ ብደርፊ የፋንውኣ።  ከመይ ወለዳ በቲ ሕምነት ይታኣማመኑ፡ መሰል መርዓት ብእንዳ ኣሕሙ ይኽበር እምበር፡  ንሳስ ጽቡቅ ወይ ሕማቅ ከጓንፋ ኣይትፈልጥን’ያ። ንሕና ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ክንዋጋእ ከለና፡ ሀገር ፍትሒ ነጊስዋ፡ ህዝቢ ንዉሉድ ወለዶ ዝማሓላለፍ ሳላምን ራህዋን ክህልዎ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ማይ ሐቁንና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ኩላትና ደቂ ሰባት እግዚኣቢሄር ዝሃበና፡ ማንም ሰብ ከግድፈና ዘይክእል ናይ ሕልና ህያብ ኣለና። መማኽርትና ዳኛና ሕልናና እዩ። ጸገምን፡ ሕሰምን ክርከብ ከሎ፡ ሕልናና ምስ ንምርምር መን’ዩ በደለኛ? ንዕኡ ንምብዳህከ እንታይ ክገብር ይካኣል? ተራናኽ እንታይ’ዩ፡ ሕልናና ይነግረና’ዩ። ንሕና ግን፡ ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ኢድና ሂብና፡ ኢሳያስ ሓሚሙ ክባሃል ከሎ፡ “ኣንታ ሎምስ ይሞተልና’ዶ ይኸውን ክሕልፈልና” ንብል።  ኢሳያስ ሓደገኛ ሕማም ከም ዝሓመመ  ህዝቢ ዝፈለጦ ኣብ 1994 ኣካላ ስንኩላን ምስ ቀተለ እዩ።  ሕልንኦም ቀቢሮም ብጥቀሚ  ዝሓዞም እዙዛት ሰባት ኣዋፊሩ፡ ሓደ ሰይጣናዊ ስርዓት ፈጢሩ፡ ሰባት ብዘይፍርዲ ምስ ኣሰረ ምስ ኣሕቀቀ፡ መንእሰይ ምስምስ ጌይሩ ኣብ በረኻ ሒዙ፡  ኣይትምህርቲ፡ ኣይስራሕ፡ ኣይ መርዓ ደርዓ፡ ሐውሲ ባሮት ምስ ገበረ፡ ኢንዱስትራያታት ብህገድፍ ተወኒኑ ኤኮኖሚያዊ መስኮት ምስ ተሎከ፡ መሬት ከም ናይ ብሕቱ ጌይሩ ምስ ሸጠ ምስ ለወጠ፡ ባህሪኡ ዝፈጠሮ ምስ ጎረባብቲ ናይ ብሕቱ ጽልኢ ከም ጸላእቲ ህዝቢ ገይሩ ከረድእ ምስ ጽዓረ፡ ብሞራል ሕሪሕራይ ገይሩ ወዲቁ፡ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ኮይኑ፡ ኣብ ፈቀዶ ባራት ክሰትን፡ ክሰክርን፡ ክዝሙን ምስ ሓደረ፡ ህላዌ  ህዝቢ ከም ሓደ ህዝቢ፡ ሃገር ከም ሀገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምስ ኣወድቀ፡ ዝደለየኒ ዓዲ ሃሎ ይምጽኣኒ ምስ በለ፡ ሽዑ’ዩ ዘይሎ ዝኾነ። ሓቂ ይንበር ኣይንበር፡ ኣንበሳ ይጽዋዕ ኔሩ ሽለት ክባሃል ዉርደት’ዩ። እቲ ዝኸፍኤ ውርደት፡ ናይ ሞት ሞት ክትብሎ’ውን ትደፍር ግን ሰብኣዊ ርህራሄ ትብሃል ፈጺሙ ዘይብሉ፡ ጨካን ኣረመኔ፡ ፈራሕ፡ ቦጅባጅ፡ ሽለት ምስ ዝገዝኣካ እዩ።

ህዝቢ ምስ ተጋደልቲ ኢድን ጓንትን፡ ማይን ጸባን ኮይኑ፡ ምስኡ ድማ እግዚኦታ ወሲኹ፡ ቅድሚ 27 ዓመታት ዓለም ዘደነቀ ዓወት ተጕናጺፉ። ሎሚ ሃገርና ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ዝፍጸመላ፡ መንበሪ ገዛዉቲ ብግረይደር ዝፈርሳላ፡ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ስንኩላን ሓርበኛታታ፡ ኣብ ዝኸብሩሉ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ከም ብላይ ጨርቂ ዝድርበዩላ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ መኪና እንተዘወረ፡ ኣብ ዕዳ ዝውሓጦ ቤት እንተ ተቀመጠ ዘለዎ ይመስሎ እምበር 2% ክፈል፡ ስድራኻ ጠምዮም ዕዳጋ ሓዊ ኮይኑ ገንዘብ ስደድ፡ ወዲ ሓውኻ ጅሆ ተታሒዙ ከይቅተል ተባሂሉ፡ ካብ ዘይብሉ ተላቃቂሑ ሰዲዱ ምስ ቁሱል ከብዱ ድኻ ዝኾነላ፡  ቤት ማእሰርትታት ከም ቃንጥሻ ዓሳ እናበቆላ ቁጽሪ ዘይብለን ዝኾናላ፡ ስድራ ቤታታ መሃነኖም ጠፊእዎም ኣብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ብትን ዝብሉላ፡ ዓበይታ ዝቅበሩሉ ጕድጓድ ዝኹዕተሎም ዝስእኑሏ፡ ስለ ሓቂ ጠጠው ዝበሉ ሽማግለ ሸኽና ተኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝስውኡላ፡ ጳጳስ ሓንሳእ ምስ ተሸሙ ብዝሙትን፡ ብዝምባሌ ኣእምሮን  እንተዘይኮይኑ ካብ መንበሮም ኣይወርዱን’ዮም። ንኣምላኸይ እምበር ንኢሳያስን ህግደፍን ኣይግዛእን’የ ስለ ዝበሉ ሽማግለ ጳጳስና ኣብ ገዝኦም ንዓመታት ዝእሰሩላ ፡  መንእሰያታ ፍቅርን ሕቁፎን ስድርኦምን ትምሃርትን ካን  ተሓሪምዎም፡ ንዓመታት ኣብ በረኻ ከርተት ዝብሉላ፡ ጉልበቶም ብጥራዩ ዝበዝበዙላ፡ ዝእሰሩላ፡ ዝቅጥቀጡላ፡ ዝሽየጡላ፡ ዝሕረዱላ፡ ቀለብ ዓሳ ዝኾነላ፡ ኣዋልዳ ኣብ ሳዋ በቦታተን -  ጊሊኦምሲ ወረ ኣባሓጎታት ኮይኖም’ዮም - ዝድፈራላ፡ ካብ ብሓይሊ ምግሳስ ክድሕና፡ ከይትልከሙ ኤይድስ ኣለና እንተበላ፡ንሕና’ውን ኣለና ተባሂለን ዝዕመጻላ፡ ኣቡኡ ዘይፍሉጥ ቆልዓ፡ ኣብ ስደት መን ከስርሓን ለሚነን ደቀን ዘዕብያላ፡ ህዝባ እናዋሓደ፡ እናተቆርመመ፡ ኣብ ምጽናት ከይዱ ህላዊኣ ከም ሀገር ምቅጻላ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ወዲቃ ትርከብ ኣላ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ኣብ ደምቤታትና ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ መራኸቢ ብዙሓን  ክሪኦ ከለኹ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ብቡዙሕ መንገዲ ገና ኣብ ገድሊ ዘለና ኮይኑ ይስማዓኒ። ናይ ትማሊ ጅግንነትና፡ ሕጂውን ዘሎ ኮይኑ ይርኣየና። ኣብ ክንዲ ሕጂ ክእረምን ክግበርን ዘለዎን ብዛዕባ መጻኢ ድማ ምምይያጥን፡ ምልዛብን፡ ምትግባርን፡  ኢሳያስ ትማሊ ከምዚ ገይሩ፡ ሎሚ ድማ ከምዚ ደጊሙ፡ ሽዑ ኣይፍለጥን ነይሩ እምበር፡ ቀድም’ውን ከምዚ ይገብር ነይሩ ተባሂሉ ይጽሓፍ። ግዜ ምጥፋእ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ኢሳያስን መሻርኽቱ ከም በዓል ከሻሹን፡ ኣህባይን፡ ፊሊጶስን ተኽላይን ዝኾኑ ሓዲሽ ነገር ዝብሃል የሎን። ሰባት ድማ ኣብ ጽሑፋቶምን ዘረቦኦምን ጸርፊታት ይውስኽሉ፡ ኣብ ፓልቶክ ዝጠፍእ ጊዜ ክስራን’ዩ።  ሓይልና፡ ኣብ ኢንተርነት  ካብ ሓደ ደንበ፡ ናብ ሓደ ካልእ ደምበ እናዳህሰስና፡ ተኣኪብካ ይኹን ብስልኪ ወረ ምልቃም ኮይኑ። ዘረባ ከም ዕላማ ተወሲዱ። 

ንሙዃኑኸ ሓደ ናይ ፖለቲካዊ ጉጅለ ጀሚርና ስለምንታይ ኣብ ዕስራታት፡ ሰላሳታት ንፋናጨል እሞ  እቲ ዓላማ ሓደ ክነሱ? ናይ ሲቪካዊ ይኹን ናይ ሞያውን ማሕበር ይጅምር፡ ስለምንታይ ይቅህም? ኣብ ሰብ ሓሳቡ ዝገልጸሉ፡ መራሒ ሕጊ ዓምጺጹ ገብን ክፍጽም ከሎ ዝኽሰለሱ፡ ካብ ስልጣን ዝወርደሉ ዓዲ እናተቀመትና፡  ንሕና፡ ጸላእቲ ኣለውና እናበልና ፍትሒ ንረግጽ፡ ሓቂ ንዕምጽጽ፡ ካን ከምዚ ኹሉ ስቅ ንብል? ጸላኢ ኣሎና ኢልና ንኣምን እንተኮይንና፡ ጸላኢ ምስ ዝህልወካ እንዲኻ ድኣ ብዝያዳ ትፋቀር ሓወይ ሓፍተይ ትብሃል፡ ናይ ሓባራዊ ጠቅሚ ተቀድም። ኣብ ሰብዓታት ኣብ እዋን ደርጊ፡ ኣብ ምስያም ቆላ ሰራየ፡ ጦርሰራዊት ጤለበጊዕ ከየኽስተኑ ሰለፈን ቆሪጾም ይበልዑ ኣለው ምስ ተስምዔ፡ ህዝቢ ኣንታ እንታይ ጭካኔ’ዩ ኢሉ የእዉዩ።  ኣብ ኣፍዓበት ኣዴታት ሓሪሰን መቀበል ቆልዓ ጨርቂ ተሳኢኑ፡ እንስቲ  ቆምሽውሽጠን ቀዲደን ቆልዑ ይቅበላ ኣለዋ ምስ ተባህል፡ ህዝቢ ኣስመራ እዚ ዘይብሃል ኣጫርቅ፡ ሽጎማኖ ከይተረፈ ተጕይዩ ብሕቡእ ሰዲዱ። ኣንታ ሕጂ ድኣ እንታይ ኮይና፡ እንታይ’ዩ ወሪዱና?  ብገዛእ ደቅና፡ ብህይወቶም፡ ክፍሊ ኣካላቶም ክሽየጥ እናታሓርዱ፡ ካብ ሕሱም ቤት ማእሰርትን፡ ማሕረድትን ክሃድሙ ከለው ኣብ ባሕሪ እናተተሸሙ፡ ኣደ ክልተ ዕሸላት ደቃ ሒዛ ክትስደድ ከላ ደቃ እናርኣትዮም ቀላይ ክውሕጦም  ከይተድሕኖም ከምይ ጊይራ ጃልባ ተጠለቅልቅ እንድያ ነይራ፡ ንርእሳ ምስኦም ተኾሚማ፡ ነብሰ ጾር’ውን ነይራ። እዚ ኹሉ ዓለም ከስካሕካሓሉ ከሎ፡  ንሕና ንባዕልና ዉሒዳት ሰባት’ኳ እንተተጕየያ እንተተጕየዩ፡ ከም ተዓዘብቲ ኮይንና ስቅ ኢልና። ወረ እንታይ’ዩ ወሪዱና? ካላእ ይተርፍሲ ጋሕማጥ መርዓን፡ ኣብ መመረቅታ ምወዳእ ትምህርቲ ጠገለ ዘይብሉ ሽሻይ ክኽስከስ ከሎ፡ ኣብተን ማዓልትታት እቲኣተን፡ ንስደታኛታትና፡ በሉ እንኩመ ሓገዝ፡ ዘይንብለሉ ምኽንያትሲ እንታይ’ዩ?  ልብና ካብ ስጋ ናብ ዕንጨይቲ፡ ካብ ዕንጨይቲ ናብ ሓጺን ተለዊጡ። ንቋናጸብ፡ ክላ እዚኣቶም ከኣ፡ ክላ ንሕና ንፈልጦ እንዲና፡ክላ ክንብል ኩላትና “ክላ” ኮይና ተሪፍና።  እዚ ናይ ሓዘን ሓዘን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕልፈት’ዩ ዝብሃል። ሓቂ መራር’ያ፡ ጸላእቲ  እውን ክትፈጥረልካ ትኽእል’ያ። እቲ መሪር ሓቂ ምስ ኣመንካሉ ኢኻ ግን መፍትሒ ክትረኽበሉ ትዳፋፋእ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብዚ ዘውደቀና፡ እቲ ዝነበረና ጽቡቅ ባህልታት፡ ሕግታት፡ ዓለም’ውን ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣብ እዋን ቃልሲ ተደሚሲሱ። ሰላም ምስ ኮነ ድማ ክንዲ ናብኡ ንምለስ፡ እቲ ናይ ኩናት ስርዓት - ምስናይ ትምህርቲ ኮሙንዝም ወሲኽካ-  ብዝኸፍኤ ቀጺሉ። እታ ሃገር እትገብር ስድራቤት ብእዋን ቃልሲ ሰልክያ፡ ድሕሪ ነጻነት ድማ ኮነ ኢልካ ብዝገደደ ተፋላልያ - ዓንያ። ከምቲ ናይ ሓጋይ ክዳን ንኽረምቲ ፈጺሙ ዘይክውን፡ ናይ ኩናት ስርዓትን መሪሕነትን ንሰላም ፈጺሙ ኣይከውንን’ዩ። መጀመርታ ህዝቢ ተደኺሙ ጸኒሑ፡ ካልኣይ ድማ  ስልጣን ናብ ህዝቢ ይመለስ ዝበሉ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ገዲም ተጋድልቲ፡ ህግደፍ ብሓቂ ዝመስል ወረ ብፕሮፖጋንዳ ዐገበኛታት ሙኾኖም ኣረዲኦ፡ ህዝቢ ክስዕቦም ኣይከእለን፡ በጃ ኮይኖም።  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ይበዝሕ ግን ህግደፍ ዓንቂጾምና ንብል፡ ኣብ ክንዲ ስምረት ሲኢና ንብል። ብዝኾነ ክውን ነይምለስ  ጓህሪ ነይኩለስ ከም ዝብሃል፡ እንተበዚ እንተበቲ ኣብዚ ዘላናዮ ዘስካሕክሕን፡ ዘሕፍርን ኩነታት ወዲቅና ኣሎና። ሕጂኸ እንታይ ንግበር’ዩ። ከምቲ ኣብ መፈልምታ ዘረባይ ዝበልክዎ። ሕልና ኣለና፡ ብጽሞና ሕልናና ንመርምር፡  ቅድሚ ንኻልእ ምውቃስ ንርእስና ንውቀስ። ኣብ ክንዲ ጠቃሚ ኣድማዒ ነገራት፡ በዓል እጌለ ዘይገብርዎ ንብል፡ ኣነኸ ዘይገብሮ፡ ንሕናኸ ዘይንገብሮ ንበል።

መብዛሕትና ሎሚ ጸሎት ጥራይ’ያ ተዋጻኣና ንብል ኣሎና። እወ ብዘይ ጸሎት ድኣ’ሞ እንታይ፡  እግዚኣቤሄር ግን ሓንጎልን፡ ልብን፡ ሂቡና ኣሎ። መዘር ቴራዛ እታ ንድኻታት ህንዲ ክብሪ ሰብ ዝባህል ዘይነብሮም፡  ከም ዝረኽቡ ዝገበረት፡  ሰባት ተደኒቆም ከምይ ጌርክን እዚ ዓወት እዚ ተጓነጺፍክን ኢሎም ምስ ሓተትዋ፡ ኩሉ ብጸሎት ጥራይ ከም ዝኸውን፡ ኣበርቲዕና ንጽሊ፡ ኩሉ ብስራሕ ጥራይ ከም ዝኽውን ጌርና ድማ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኢላቶም። ጸሎትን ተግባርን ብሓደ እየን ዝኸዳ። ፍቅሪ’ዩ መንእሰይ ስድርኡ ገዲፉ ንበረኻ ዘኽየዶ፡ ፍቅሪ’ዩ ስርሑን፡ ጥጡሕ መነባብሮኡን ገዲፉ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣጸምዩ፡ ደቁ ኣዘኽቲሙ ገድሉ ከሰስን፡ ዝወጸ። ፍቅሪ እዩ፡ ብእዋን ደርጊ፡ በዓል ክሻ ንባዓል ገረወኛ፡ በዓል ገረወኛ ንበዓል ርቢዒት፡ በዓል ርቢዒት ንበዓል ሚለሊኽ እናተኻፈለ ዘሕለፎ። ሎሚ ፍቅሪ ጠፊኣ፡ እታ ኹሉ እትሽፍን ፍቅሪ ጠፊኣ፡ ለውሃት ጠፊኣ፡ ትሕትናን ምከብባርን ጠፊኤን፡ ይፍለጥ ኣይፍለጥ ዝዛረብ እምበር ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ዘየለ። ዓይንና ሰም ኣቢልናዮ፡ ልብና ብስብሒ ተሸፊኑ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ተቐንጠጠ ድሕሪኡኽ እንታይ’ዩ ኣንፈትና።  ኢሳያስ ምስ መሻርኽቱ ኮይኑ ካብ ባህልና ጀሚሩ ብኹሉ መዳያት ከም ህዝቢ ክንጠፍእ እዚ ዘይብሃል ብቂሊል ዘይወጽእ እሾኽ ዘሪኡ እዩ። ንሱ’ኮ ዝኣኽሎ ዕንወት ገይሩ ስርሑ ወዲኡ ዝደለየኒ ኣብኡ ይምጽኣኒ ኢሉ’ዩ ዓዲ ሃሎ  ዝኸደ። ፊን ከብሎ ከሎ ድማ  ሓንሳእ ኣብ ኣስመራ፡ ሓንሳእ ክኣ ዝኣለሞ ይፈራርሶ ስለ ዘሎ ኣብ ዓዲ ዓረባት ይርኤ።  ብዘይገድስ ግን ሕጂ ድኣ ውዓል ሕደር ከይበልና፡  ገበን ዝገበረን፡ ገበን እናተገብረ ስቅ ዝበለን፡ ክልቲኦም በደለኛታትንከም ሙዃኖም ኣሚንና፡ ብኣርሒቅካ ምሕሳብ፡ ብፍቅሪ፡ ብሓዲሽ መንፈስ ንተንስእ እምበር ናይ ዘመናት ባህሊ ብ50/60 ዓመታት ኣይጠፍእን’ዩ።   ካብ ወዲቁ ዘይፈልጥ፡ ወዲቑ ዝተላዕለ ብዝያዳ ይዕወት። ንሕና ዘይትኣደነ ብርቱዕ ዋጋ ዝኸፈልና፡ ሰላምና ክንረኽባን፡ ክብርና ክንመልስን ንኽእል ኢና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝኸፍኤ ዝኸፍኤ ኣሎዎንድ’ዩ፡ ኣብ ልብያ ኤርትራውያን ምስ ገለ ውሑዳት ኣፍሪቃውያን፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ሓደ ኢድ ጨወይቲ ናብ ኻልእ፡ ካብቲ ካልእ ንኻልእ፡ ገንዘብ ወስኹ እናተባህሉ፡ ኣብ ዘልው ኣልዮም ቤተሰቦም በቲኽና ምስ በልዎም፡ ጥሜትን፡ ሽሕርን፡ ምቅጥቃትን ምስ በርትዖም፡ ዝወረደ ይውረደና ኢሎም፡ ካብቲ ዝሓብእዎም ፈንጺጎም ወጺኦም፡ ወዮ ጭወይቲ ሰብ ብረት ተኩሶም ብዙሓት ቀቲሎሙሎም፡ ብዙሓት ድማ ተወጊኦም፡ ግን ሰብ ጭንቂ መንእሰያትና፡ እናሃደሙ ብዝረከብዎ፡ በኣእማንን ገለን ገይሮም ተቃሊሶሞም፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ተዓቂቦም፡ ሓደ አለክሳንደር ዝተባህለ ንስክላ ዝወጸ፡ ኣሰና፡ ኣመኒኤል እያሱ ኣዛራርብዎ፡ “ሓጉዝና፡ የእዉልና፡ ሬሳ እቶም ዝቀተልዎም ኣሕዋትና ኣበይ ከም ዝደርበይዎ ኣይንፈልጥን፡ እቶም ዝተወግኡ ኣብ ሆስፒታል ኣለው፡ እቲ ጠያይት ኣውጺኦሙሉም፡ ግን ሕክምና ዝብሃል የለን” ኢሎም። ከም ወትሮ ድማ መከራኛታት ደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ናይ ስቃይ ስቃይ፡ ካብኡ ወጺኣን እውን፡ ኣእሙራዊ በሰላ ምስኤን ዝስዕብ ብቀሊል ዘይገድፍን ስቃይ ይሳቀያ ኣለዋ። እምበኣር ሀየ ንጓየ፡ ህጹጹ ሐገዝን፡ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ዉጉኣትን፡ ጥዑያትን ካብቲ ገሀነመ እሳት ዝወጽሉ  መንገዲ ንድለ። ኣቱም በብዓይነትኩም ዉዱባት፡ ጉጅለታት፡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡  ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቅቲ መሰል ደቂ ሰባት፡ መስጊዳት፡ ቤትክርስትያናት፡ ብሓንሳእ ሓቢርኩም - ኣብ እተፋላለየ እዋናት በበይንኹም ድኣ ትሰርሑ እንዲኹም -  እዛ ናይ ሊብያ በዚ ሓዲሽ መንፈስ፡ ብዘይተራእዩ ዘይፈልጥ ስምረት ውዓል ሕደር ከይበልና ንዕጠቐላ። ንኹሉኹን በስማትክን ይፈልጠክን’የ ኢለ ስለ ዘይኣምን፡ ስም ክጠቅስ ኣይደልን፡ ግን ኣንትን ንዓመታት ትንፋስ ከተድሕናን፡ ጽጉማት በቢዓይነቱ መንገዲ ክትረድኣን ትሃልካ ዘለኽን፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃብክን።  እንካ ተዕዊትክን፡ እዚ ክትገብራ ዝኸኣልክን! 

ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት እንተበዚ  እንተበቲ ካብ ኣብ ስራሕ፡ ዝጠፍኤ ጊዜ ኣብ ጫው ጫው ዝጠፍኤ ብሚእቲ ጊዜ ይበዝሕ።   ስምዑኒ እምበር ኣይሰምዓኩምን’የ፡ ኣነ’ኮ እየ  ዝፈልጥ፡ ንስኻትኩም ኣበይ ዝነበርኩም ምስ ትብል’ዩ ጫው ጫው ዝበዝሕ። ምፍልላይን፡ ኣብቲ ዋና ዓቢ ነገር ዘይምትኳርን ድማ የኸትል። ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ንንእሽቶ ይኹን ንዓቢ ዕላማ ምስ ሰብ ክትሰርሕ ከለኻ፡ ሕልና፡ ፈሪሃ እግዚኣቦሄር፡ ፍቅሪ እንተዘይብልካ፡ ናይ ብጻይካ ዓወት ከም ናትካ እንተዘይወሲድካ፡  ቅኑዕን ጽቡቅን ውጺኢት ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ።

እምበኣር ንሎሚ ዝኣክል ተዛሪበ’የ’ሞ ዘረባይ ኣብዚኣ ክዕጹ’የ። ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን፡ ንዕኡ ንልዑል ኣምላኽና ይኹን። ኣሜን።

 

ኣበባ