ትማሊ ሰሉስ 05 ሰነ 2018 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከአ 28 ግንቦት 2010 ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝነጸጎ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ - ኤርትራን ብዘይ ቅድመ ኩነት ኪትግብሮ ከምዝወሰነ ብወግዒ ገሊጹ።

እቲ ዝተባህለ መግለጺ ልክዕ በቲ ዝተባህሎ እንተተፈጺሙ ንደለይቲ ሰላም ክልቲኡ አህዛብ ዓቢ ሩፍታ እዩ።

እቲ ብምስምስ ዶባት ብባድመ ተወሊዑ ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ኩናት ዝዓረገ፡ ህይወት ኣሻሓት መንእሰያት ዝቐዘፈን ንዓቕምን ብቕዓትን መሪሕነት ክልቲኡ ስርዓታት ዝፈተነ አዕናዊ ኩናት፡ ነዞም ብብዙሕ ነገር ዝራኸቡን ዝቀራረቡን አሕዋት ህዝብታት ን20 ዓመት ዝኣክል ፈላልዩዎም ጸኒሑ ኣሎ። ብኡ መጠን ከኣ አህዛብ ክልቲኦን ሃገራት ካብ ሓድሕዶም ክጥቀሙዎ ዝግበኦም ዝነበረ ረብሓ ከሲሮም፡ ብሰንፈላለ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ክሳቐዩ ጸኒሖም ኣለዉ።

እቲ “ ኣነ እበልጽ፡ ኣነ እባ እበልጽ ዝብል ህልኽ ንኽልቲኦም አህዛብ ኣይጠቅምን እዩ!” ዝብል መልእኽቲ ዘካተተ ጻውዒት ሰላም ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተኸስረ ዕድል በዚ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሰላም ጻውዐዒት ክድበስ ምንዮቱ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽንብል ሓዲሽ ሽመቱ፡ “ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ከብቅዕ ኣለዎ!” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ሽዑ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ [እቲ ሕጋዊ መስርሕ ቅድሚ 16 ዓመታት ስለዘብቀዐ ምስሕሓብ ዝበሃል የለን። እታ ኩዕሶ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሜዳኦም እያ ዘላ። ኢትዮጵያ ብዝኣተወቶ ውዕል መሰረት፡ ሉዑላውነት ኤርትራን መሬታዊ ሓድነትን ብምኽባር፡ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ክትወጽእ ኣለዋ] ብምባል፡ ኢትዮጵያ ብውሳነ ኮሚሽን ዶባት ክትቅየድ ጸዊዑ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ፈጻሚት ስራሕ ኢሂወደግ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ምሉእ ብምሉእ ክትግብሮ ምውሳኑ ዝሕብር ተበግሶ፡ ነታ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ ዝጸንሐት ኩዕሶ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምቕላዕ ንጠለብን ሕቶን መንግስቲ ኤርትራ ዝምልስ ይመስል።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ነበር በሃር ተጋዳላይ ሃይለ ወልደንስአ (ድሩዕ)፡ ብጉዳይ ዶባትን ኩናትን ኣብ ጀርመን ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ [ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ነዊሕ ግዜ ስለዝወስድ፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ዶባት ክልቴና ሰላም ዘውሕስ ዓቃብ ሰላም ክሰፍር ስለዝኾነ፡ ቀሲንና ንውሽጣዊ ጉዳያትና ብኳርታ ክንከዶ ኣሎና!] ክብል ንምዕባለ ህዝቡን ሃገሩን ተመንዩ ነይሩ።

እንተኾነ ውሽጥና ገምጊምና ነመሓይሽ ምስ ዝበሉ ብጾቱን ብቓጻ ጠፊኡ። ፓርላማ ጎደቦና ግን ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመት ውሽጡ ገምጊሙ፡ ምስ ኤርትራ ዘሎና ጉዳይ ዶብ፡ በቲ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ዝበየነልና ክንፍጽሞ ኢና፡ ሰላም ናፊቕና ኣሎና’ሞ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ብሰናይ ፍቓድ ክቕበለና ንጽውዕ፡ ብምባል ነታ ኩዕሶ ናብ ኤርትራ ደርብዩዋ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ በቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝጽለዉ ኣብ ዶባት ዝነብሩ ጎደቦታት፡ ዝናፍቑዎ ዓመተ ሰላም ክኾነሎም ናይ ለይትን ቀትርን ሕልሞም እዩ። ህዝቢ ብኹሉ ሸነኽ፡ ጽባሕ ንግሆ ኤርትራ እንታይ ከምእትምልስ ኪሰምዕ ክጽበ ኢዩ። ብወገን ኢትዮጵያ እውን፡ ነቲ ጻውዒት ሰላም ዝዓናቕፍ ዝኾነ ይኹን ዝርዝራትን ምስምስን ከይሰምዕ ጽን ክብል እዩ።