ትምህርቲ ብርሃን ኣዕንቲ ይኸፍት፡ ትምህርቲ ንዓለም ይቕይር፡ ትምህርቲ ደረጃ መነባብሮ ይልውጥ፡ ምሁራት ዘይብላ ሃገር ቁልቁል ኣፋ ትድፋእ!  

 ብዘይ ትምህርቲ ዝርከብ ዓወት ፎኪስ'ዩ ትምህርቲ ዝተደረዖ እንተኾይኑ ግን ድርብ ዓወት'ዩ።

 እምበኣር ኣብ ስደት እቲ ሓደ ክንብለጸሉ ዝግበኣና ትምህርቲ እዩ። እዚ ሎሚ ፕሮፌሰር ኤርምያስ ክብርኣብ ኣብ ኣመሪካ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወት ብብዙሓት ክድገም ምእንቲ ኣብ ዘዘለናዮ ሓንጎልና ከንማዕብል ይግበኣና። ንፕሮፌሰር ኤርምያስ ክብርኣብ ከኣ ኣብ ሞያዊ ጻዕሩ ተደጋገምቲ ዓወት ንምነየሉ።

 ኣቱም ዓድና ሓለብቲ ጸባ

ኣሓ ተኸቲልኩም ትእክቡ ዒባ

    እቲ ወድኹም ሊቀ ሊቃውንቲ

    ኣይኣኽለንን ሰቲ ወዲ ሰቲ

    ወስኹለን በለ ገለ መማቕርቲ

ይዋእ ካልእ እምበሪ

ንስኻትኩም ደኣ ወረድቲ ባሕሪ

     ገለ ዑማኾ ካብቲ ቀለብ ዓሳ

     ትህብወን መማሰይ ክኹልሳ

እዚ ምስጢር ከመይ ተገልጸሉ

ነጊራቶ ዶኾን  መሬት  ብዕሸሉ

     ሕጂ ከኣ ማሪያም ትወስኸሉ

     እቶም መላእኽቲ የጽልሉሉ

ሳዕሪ በሊዓ ተፋኑ ሰልዲ

ካይፈልሰፈስ ኣይዓርፍን ግዲ

ሓንቲ ሕጉስቲ ካብ መሓዙቱ

 ክቡራት ተኻታተልትና፥ ካልእኦት ንሕብረተሰብ ብኣውንታ ክጸልዉ ይኽእል'ዩ እትብልዎም ውልቀሰባት እንተለዉ ምስ ሙሉእ ሓበሬታ ኣሰኒኹም ለኣኹልና ንሕና'ውን ናብ ህዝቢ ከነብጽሖ ኢና ።