>

ዛዕባ.- ዘይሓንክ ሚኒስተርየ በሃላይ ስብሓት ኢፍረም (ስብሓት ጎልፎ) ጎልፎ ተጎልቢቡ ኣብ ጎላጉል ሁግዳለን ኪሃድም ተራእዩ.

ብሚንስትሪ ሚክልኻል ኤርትራ ዚፍለጥ ኣቶ ስብሓት ኢፍሬም ሎሚ 1/12/2013 ኣብ ሁግዳለን ዚበሃል ቦታ ነቶም ኣዝዮም ዚኣምንዎም ኣባላት ማለት ንኣስታት 40 ህግደፋውያን ሕቡእ ኣኼባ ኣካይዱ :: ይኹን ደኣምበር ነዚ ክንከታተል ዝጸናሕና ደለይቲ ፊትሒ ልክዕ ኣብቲ ኣኬባ ዚጊበረሉ ቦታን ሰዓትን ተረኺብና መኽተና ኣንፃር ስብሓት ጎልፎን ህጊደፋዊ እጀንድኡን ኣብ ሚቅላዕ ፊት ንፊት ገጢምናን ንዝሚልከቶም ናይ ጸጥታ ሰብ መዚ ጋዜጠኛታት ናይ ሽወደን ሓቢርና:: ብተወሳኺ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኩነታት ንኽከታተሉ ዝመጹ ሽወደናውያን ኣኽበርቲ ጸጥታ ስብሓት ጎልፎ ብስዉር ከምዝኣተወን ሕቡእ ኣኼባ የካይድ ከም ዘሎን ኣቃሊዕና : በዚ መሰረት ድማ ኣብ ጋዜጣታት ናይ ሽወደን እዋናዊ ጉዳይ ኮይኑ ወጽዩ ኣሎ:እብ መወዳእታ ሚኒስተር ስብሓት ጎልፎ ንጋዘጠኛታት ናይ ሽወደን ከይስእልዎ ሙሉእ ገጹን ጉልቦቱን ቢጎልፎ ተሸፊኑ ናብ ከተገላግሎ ዚመፀት መኪና ተጎልቢቡ ጭራ ቁረጽ ክሃድም ዝረኣና ናይ ዓይኒ መሰኻኪር ንገልጽ::

እቲ ነውራም ዝኮነ ፖለትካ ህግደፍ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ስልቱ ብስብሓት ኢፍረም (ስብሓት ጎልፎ)ተውኪሉ ልክዕ ከም ኩሉ ግዝየ ንኣኣስታት 40 ዝኣኺሉ ደቂ መዛሙርቱ ሕቡእ ኣኼባ ምኪያዱ መርእያ እቲ ዝንቡዕ ዕላምኦምን ፍሽለቶምን ሙኻኑ ድማ ንማንም ተቀማጣይ ሽወድን ስዉር ከም ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘለዉ ኣሕዋት ኤርትራውያን ኪሕጭጭሉ ተራእዮም :: ’’ረኣዩኒ ረኣዩኒ ዚበለት ነብሲስ ሕብኡኒ ሕብኡኒ በለት እዩ ነገሩ’’ :: ወይ ጉድ ደቀይ ………..


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...