Archive photo of a banner in Tripoli showing Libyan leader Muammar Gaddafi (r) and his son Saif al-Islam (l), October 2008ኣብ ዝሓለፊ ሰሙን ቢቢሲ እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ኣቦ ስልጣን ናብ ቤተ ሰብ http://news.bbc.co.uk/2/hi/africa/8364369.stm
ክመሓላለፍ ይረአ ኣሎ ዝብል ዜና ዘርጊሑ።

ኣብቲ ዜና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንኣብነት ኣብ ሊብያን ምስርን እቲ ስልጣን ናብ ወዲ ፕረዚደንት (መራሕ ሃገር) ዝኸይድ ይመስል ይብል። ኣብ ምስሪ ጀማል ሙባርክ ባንከኛ ዝነበረ ወዲ ሖስኒ መባርክን (ዕድሚኡ 81 ጌሩ እዩ)፣ ኣብ ሊብያ ወዲ ሙዑማር ቓዛፊ፡ ሳይፍ ኣል ኢስላም ናይ ቓዛፊ ፋውንደሸንን ልኡኽን ዝኾነ፤ ኣብ ኣልጀርያ እቲ ስልጣን ናብ ሓው ፐረዚደንት ማለት ካብ ቡተፍሊቓ (72 ዕድመ) ናብ ቡተፍሊቓ (ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ዘሎ)፤ ኣብ ቱኒዝያ ድማ ናብ ሰብኣይ ጓል ማለት ናብ ፖሊቲካዊን ኣብ ቢዝነስ ዝዋሳእ ሳክህ ኤል ማጠሪ ዝዛዘወ ይመስል። ኣብ ቱኒዝያ እቲ ሰብኣይ ጓል ዘይኮነስ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት እውን ልዑል ስልጣን ኣለዋ። ኣብ ሞሮኮ ስርዓት ንግሥነት ስለዘሎ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ናብ ስልጣን ምትሕልላፍ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኣትላንቲክ ዜሩ ዝሓዘ መስርሕ ይመስል ይብል እቲ ጸብጻብ። ንሲቪላዊ ውድባት ብምድኻምን ንተቓወምቲ ሱር ከምዘይስዱ ብምግባርን ቁጠባዊ ሓይሊ ብምግባት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ይኽእሉ። እቲ ሕዝቢ ድማ ቁጠባዊ ኣገባቦም ናብ ርእሰ ማልነት ዘምርሐ ማለት ፖለቲካዊ ስልጣን ድኣ ኣይትድለ እምበር ምንቅስቓስ ስለዝከኣል “ናይ ነብሱ ምምራሕ ስልጣን ኣሕሊፎም ይህብዎ፤ (“people abandon the right for participation in return for economic benefit”) ይብል ጆርጅ ጀፈ ዝበሃል ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ፈላጥ ኣብ ከምብሪጅ።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት እንተተዓዚብና እታ ምስ ናይ ኢሳይያስ ኤርትራ ትዛመድ ዝነበረት ኮንጎ፣ ስልጣን ካብ ኣቦ ማለት ሎውረንት ካቢላ ናብ ወዱ ናብ ዮሴፍ ካቢላ ተመሓላሊፉ ይረአ። ብጥሪ 2001 ፕረዘደንት ሎውረንት ካቢላ ብሓደ ካብቶም ሓለውቱ ምስተቐተለ ሸዑ ንሽዑ ወዱ ነቲ ስልጣን ሒዝዎ።

ስልጣን እኳ እንተዘይሓዙ ቀረባ ቤተ ሰብ ዲክታትር ብብልሽውናን ስርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ይጓርቱ እዮም። ኣብ ናይጀርያ ካብ 1993-1998 ኣብ ስልጣን ዝነበረ ኣባቻ ድሕሪ ምዕራፉ፤ ወዱ ኣባ ኣባቻ ኣቡኡ ብዝነበሮ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ኣብ ሽግር ምህላዉ ናይ ዜና ማዕከናት የብርሁ። ኣባ ኣባቻ ሓደ ናይ ገበነኛታት ጉጅለ ብምዃን ተኸሲሱን ፍርዲ እውን ተበይኑሉ እዩ። ኣብ ሃገረ ሲዊስ ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ስዊስ ናብ ናይጂርያ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 700 ሚልዮን ዝኸውን ከምዝመለሰት ቢቢሲ ሓቢሩ። http://news.bbc.co.uk/2/hi/africa/8371220.stm

ጀነራል ሳኒ ኣባቻ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ሃገር ኣጠፋፊእዎ ዝበሃል ገንዘብ ኣስታት 2.2 ቢልዮን ዶላር ይግመት። ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓደ ናይ ሲዊስ ቤት ፍርዲ 350 ዶላር ዝግመት ንብረት ናይ ኣባ ኣባቻ ክተሓዝ ኣዚዙ ኣሎ።  ካልኦት ናይ ኽቱር ዲክታተርነት ኣብነታት መዓልቲ ስለዝነውሐ ድኣምበር ስልጣን ናይ ቤተ ሰብ ንምሕላፍ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን።

እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ዲክተተራት ዝነበራኦን ዘለወን ሃገራት ከም ከምቲ ናይ ዕስራ ዓመት ይገብር ከም ልሙድ እኳ እንተዘይተወስደ፡ ከም በዓል ሶርያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ነቲ ቅዋም ሃገር ዝጠቕሶ ናይ ፕረዚደንት ዕድመ ብባይቶ ከምዝቕየር ብምግባር ካብቲ ዝነበሮ ናይ 45 ዓመት ናይ 34 ብምትሓት ንወዲ ሓፊዝ ኣሳድ፤ በሸር ኣሳድ ኣብ ስልጣን ንኽመጽእ ኣኻእሎ ፈጢሩ። ኣብ ታሪኽ ሶርያ ከምዝፍለጥ ኣቦ በሽር ኣሳድ ኣብ ሰነ 2000 ክመውት እንከሎ፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዲክታተራት እዩ ኔሩ። http://en.wikipedia.org/wiki/Hafez_al-Assad


ዲክተተራት ንደሞክርስያዊ ኣገባብን ምርጫን ባይቶን ዘይደልዩሉ ቀንዲ ምኽንያት ውልቃዊ ረብሓኦም ስለዝውክልን ምብሓት ስልጣን ስለዝኽልኡን እዮም። ነዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ፍጹም ስልጣን ንምሓዝን ዕድሚኦም ንምንዋሕ ኣብ ዘይኣትውዎ ሰበብ፣ ዘይፍሕስዎ ጥልመት፣ ዘይዛረብዎ ሓሶት የልቦን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...