ሬዲዮ ወጋሕታሰራሕተኛታት ኤሌክትሪስቲ ኤርትራ ናብ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ- ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣሰራርሓ እቲ ትካል ኢዱ ብምእታው ንኩነታት መነባብሮ ህዝብና ዘየገናዘበ ታሪፍ ብምውሳን ዜጋታትና ልዕሊ ዓቅሞም ክፍሊት ክፍጽሙ የገድዶም ስለዘሎ ህዝብና ነቲ ትካል ብጽልኣት ክወቕስ ተገዲዱ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

እቲ ጠላም ስርዓት ዝወሰኖ ታሪፍ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትናን ዝቕመጡ ዜጋታት እቲ ዝወሓደ ካብ 300 ናቕፋ ክሳብ 500 ናቕፋ እቲ ዝለዓለ ድማ ካብ 700 ናቕፋ ክሳብ 1000 ናቕፋ ወርሓዊ ክኸፍሉ ዘገድዶም ዘሎ ኮይኑ ምስቲ ዘሎ ከቢድ መነባብሮ ተዛሚዱ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ኤልፓ ኢዶም ከወጣውጡ  ግድን ኮይኑ ምህላው ድማ ኣረዲኦም።

በዚ ኩነታት ዝተጨነቁ ገሊኦም ዜጋታት የብርህዎ ንዝነበሩ ካብ 4 ክሳብ 5 ኣንፑል ናብ ሓደ ወይ ክልተ ክንክይዎ ምርጫ ይወስዱ ኣለው ዝበለ እቲ ሰራሕተኛታት ኤልፓ ካብ ዝኾኑ ዜጋታት ዝመጸና ደብዳበ ዋጋ በዚሑና’ዩ ኮንታተረ ይመርመረልና ዝበሉ’ውን ዝረኸብዎ እወታዊ መልሲ ከምዘየለን በዚ ድማ ኣዝዮም ከምዘማረሩን ሓቢሩ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ካብቲ ኣውራ መስመር ናብ መንበሪ ኣባይቲ ዝኣቱ መስመር ኤሌክትሪክ ብትሕቲ ምድሪ ክዝርጋሕ መደብ ተሓንጺጹ እቲ ሰራሕ ንሓደ ኩባንያ ፈረንሳ ዝተዋሃበ’ኳ እንተኾነ ከምቲ ልሙድ ስርዓት ኢሳይያስ ጓል መገዲ ፈጢሩ ብዝፈጠሮ ዕንቅፋት እቲ ስራሕ ደው ከምዝበለ እቲ ደብዳበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ንስርዓት ኢሳይያስ ገጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ትካል ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ኤርትራ ኮንታተረ ክዕድል ከምዘይከኣለን ዓድታት ዳዕሮ ጳውሎስ፡ ዓዲ መርሃዊን ተኮርን መስመር ኤሌከትሪክ ተዘርጊሑለን ክነሱ ስኣን ኮንታተረ ተጠቀምቲ ክኾና ከምዘይከኣለ ድማ ተጠቂሱ’ዩ ኣብቲ ደብዳበ ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ዓድታት ጸዓዘጋ፡ ዓዘጋ፡ ዓዲ ቆንጺ፡ ዓዲ ገብሩ፡ ዓዲ ተክላይ፡ መቐርካን ደቂሽሓይን ድማ ሓንቲ ኮንታተረ ንኣርባዕተ ወይ ንሓሙሽተ ስድራቤት ዝተዓደለ ኾይኑ እዚ ድማ ኣብ እዋን ሓደጋ ኮነ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ጸገም ይፈጥር ከምዘሎን ገሊጾም።

ኣብ ከባብታት ሰገነይትን ከረንን’ውን በቲ ስርዓት መብራህቲ ክኣትወልክን ተባሂለን ገንዘብ ዘዋጽኣ ዓድታት ምጽባይ ሰልቺወን የማርራ ከምዘለዋ እቲ ካብ ውሽጢ ዝመጸና ደብዳበ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ’ዩ።

Web-site: www.sallina.com
E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
          : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...