ውጽኢት ህዝባዊ ኣኸባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ስቱትጋርት።
 
ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን በቲ ኣቐዲማ ብኣባላትኮምሽ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጉዳይ ጠቕላላውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፣ክሳብ ሕጂ ዝተሰላሰሉ ስርሓትንንመጻኢ ግዜ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ዕዮታትን ንህዝቢ መግለጺ ክህቡ ስለ ዝኾኑ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ደላይ ለውጢ ዝኾነ  ኤርትራዊ ንዕለት 09.10.10 ዓ.ም ኣኼባ ብዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ንኽሳተፍ ብኽብሪ ዕድመ ጸዋዒት ብዝገበረቶ መሰረት፣ኩሉ እቲ ብጉጂለ ህ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ግፍዕታትን ዝከታተል ከምኡውን ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይድ ህዝቢ ጸዋዒቱ ኣኽቢሩ ኣብቲ ዝተባህለን ዝተመደበን ቦታ ብሰዓቱ ተረኺቡ።

ኣኼባኛ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤሪትራ ንሓደ ደቒቕ ደው ኢሉ፣ብድሕሪዚ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ኣቶተስፋይ ተኽለ መኽፈቲ ኣኼባ ምስ ተዋህበ፡መድረኽ ናባላት ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተመሕላሊፉ።

ኣባላት ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይን ወይዘሮ ፍረወይኒ ገ/ጻድቕን ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ዓወት ናይቲ ካብ ዕለት 31.07.2010 ዓ.ም ክሳብ 09.08.2010ዓ.ም ኣብ ኣቃቂ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞ ክራስያዊ ለውጢ ዝተረኽበውጽኢት ዓወቱን ንህዝቢ መብርሂ ሂቦም፡ ቀጺሎም ድማ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር ተታሒዙ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መደባትን ኣብስራሕ ኣተገባብርኡን ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ህዝቢ ብመልክዕ ሽማግለ ሃገራዊ ኮምሽን ጨንፈር ኤሪ ኮም ኣብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ንኸነቕውም፣ ነዚ ተታሒዙ ዘሎ መድብ ንምዕዋት ድማ መምርሒ ስራሕ ኣቢሆምን ገሊጾምን። ህዝቢ ድማ ኣብቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውጺትን ኣተኩሩ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕ
ሪቡ።ኣባላት ኮምሽን ድማ ንዝቐረበሎም ሕቶን ርእይትን ብዝግባእ መልስታትን መብርሂታትን ሂቦምሉ፣ተወሳኺ ወይዘሮ ፍረወይኒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዋዕላ በይነን ኣብ ዝገበርኦ ዝርርብ ውድባዊ ጸግዒ ገዲፍና ኣዴታት ብሙኻን
ዓራቕን ሸምጋልን ዝኾነ መርገጺ ክንገብር ከምዘለና ተሰማሚዕና ነርና ንሕና ክንሽምግሎን ግደፉ እንብሎምን ጸገማት ግን ኣይትጋጠመን ክትብል ገሊጻ።
 
ኣኼበኛ፣ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዋ ሓላፍነት ዓብን ከቢድን ስለዝኾነ፣ጽፉፍን ኣድማዕን ስራሓት ክትፍጽም ምእንቲ ንኹለን ፖለ ቲካውያን ሓይልታት ስቪካውያን ማሕበራትን ወዘተ ዘማእከለ ጉባኤ ከተዳሉ
ተላብዩ።

ኣብ መደምደምታ በቲ መምርሒ መሰረት ምስ ኮምሽን ጉባኤ እትሰርሕ  ሾውዓተ ዝኣባላታ ሽማግለ ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ብምክያድ ኣኼባ  ብስቡቕ ተደምዲሙ።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ
ስቱትጋርትን ከባቢኡን
14.10.2010ዓ.ም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...