ብስም ህዝቢ
ኤርትራ ሰራሕኩም ፡ ግና እንታይ ረባሕኩምI
 
ሕቶና ንተሳተፍትን ኣዳላዉትን መኸተ ኣንጻር ብይን እገዳ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት ህ.ግ.ደ.ፍ.
 
ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ኣብ ዓለምና ተራን ቀዳማይን ናይ ወዲ ሰብ መሰል ምኻኑ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ዝረጋገጽ መዋእል ኮይኑ። ነዚ ኣቐዲሙ ንቡዙሓት ህዝብታት ዓለም ብመንግስታቶም ተፈቒዱሎምስ በቲ ዝተወሃቦም መሰል ጌሮም ድሌቶም ብምግላጽን መጻኢ ዕድል ሕብረተሰቦም ብምግላጽን ብምውሳንን ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ጉጅለታት ውሑዳት ኣይኮኑን።
 
ነዚ ኣብ ሊላዕ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ከም መእተዊ ተጠቂምና ናብ ህልው ኩነታት ሃገርና ምስ እንምለስ ግና እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱን ሓሳባቱን ብናጻ ክገልጽ መሰልን ፍቓድን የብለን። ምስ ዝፍትን’ ዉን ዝበጽሖ ኣደራዕ እንታይ ከም ዝመሰል ሓቂ ዝዛረብ ኩለ ኤርትራዊ ዝምስክሮ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ግና ዝበዝሕ እቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብሰንኪ እቶም ብስደት ዝነብረሎም ዘሎ ስልጡናት ህዝብታት ዘጸገዉዎ ዕድል ተጠቂሙ ንህዝቢ ዓለም እቲ ባህ ዘበል ዕላማታቱ ኣብ ምስማዕ ይርከብ ኣሎ። እዚ ኣበሃህሊ እዚ ዓይነቱን ብቕዓቱን ብዘየገድስ ደጋፊ ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን ተቓዋማይን ብስም ህዝቢ ኤርትራ ድምጹ ከስምዕ ይረኣይ ኣሎ።
 
መበገሲ ጽሑፍና ንስለ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣርእስቲ ኣልዒልና ከም ዝመጸልና ክንተንትን ደሊና ዘይኮናስ ንሕና ኣብ ሽወደን አንርከብን ብሕጊ እታ ሃገር ዉን ተማእዚዝና ንረብሓናን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን እንሰርሕ ብስም ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝበሃል ሓድሽን ሓያልን ማሕበር ተወዱብና ዘሎና ክፋል እቲ ውጽዕ ሽነኽ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኢና ኢልና ድማ ብግብሪ እንኣምንን ምእንቲ እቲ ኣብ ኤርትራዉያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ተነፊግዎም ዘሎ እንብል ዲሞክራሲያዊ መሰል ኢልና ነዚ ከም መእተዊ መጸዉዓታና መሪጽናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ነቶም ንዝመጽእ ዘሎ 13 ሚያዝያ ኣብ ኩለ ሸነኽ ሃገራት ስካንዲናቪያን ማለት ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ዴንማርክ፡ ክገብርዎ ዝሓስቡ ዘለዉ ሰፊሕ ተቓውሞ በዚ ኣርእስትና ጌርና ትርጉሙን ዉጽኢቱን ክሕብሩና ቀዳማይ ድሌትና ኮይኑ፡ ሕቶና ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ኣዉጽኢዎ ዘሎ መግለጺ ዝተኣሳሰረን ዘሐይልን ምኻኑ ንሕብር። ብውሕዱ ድማ ኩላትና ኤርትራዊ ዝበል መቦቆልን ዜግነትን ዘሎና ነበርቲ ብምኻና ነቲ ንስኻትኩም ትገብርዎን ተወዓዉዕዎን ዘለኹም ሰልፊ ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ብምኻኑ ንኹንኖን ብእንጻርኩም ዉን ደው ኢልና ምህሊውና ክትርድኡልና ብትሪ ንሕብር።
 
ናብቲ ናትና ቀንዱ ኣገዲሲ በዲሂ ሓሳባት ዉን ክንወድስኩም። እወ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ሃገር ሽዊዝ ኬድኩም ንሕናን መንግስትናን፡ ንሕና ንሱ ብምባል ዉን ዝርካብኩም እንዳ ተጸንቀቐ ዝኸይኢድ ዘሎ ዓፋሪ ዉሽጢ ውሽጢ ዉን ዝቦኽቦኸ ምትእኽኻብ ሒዝኩም ኬድኩም ሆ ብምባሌ ጨዲርኩም። እቲ ግዜን ቦታን ዘይሓረየ ህውተታኹም ወዲእኩም ንገዛኹም ተመሊስኩም ከየዕረፍኩምን ውዕሎኹም ከይተዛረብኩምን ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ብይን ኣብ ባይታ ክትግበር ወሲኑ። እዚ ድማ ክልተ ጽፍዒትን መጠንቀቕታን ዝሓዘለ ምኻኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ ንህግደፍ እቲ ካልኣይ ድማ ነቶም ኣንጻር ስልጡን ባህሉ ኤውሮጳ ያው ንዝበልኩም ን ደገፍቲ እቲ ጨካንን ዓፋንን ስርዓት ዝኾንኩም ኤውሮጳዊ ዜግነትን መሰልን ሒዝኩም ዘዝበለጸ ናብራ ንዓኹምን ስድራ ቤትኩምን ኣንዳ ኣማረጽኩም ነቲ ናይ ተስፋ ረድኤት ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዘማዕደ ዘሎ ኤርትራዊ ወገንኩም ሕልና ብዝጎድል ዘይብሱል ስራሕ ብዝጎድል ኣገባብ ትጠቂምኩም ንዘካይደክሞ ሆይሆይታ ርኡይ ዓጸፌታዊ ግብረ መልሲ እዩ።

ኣንጻር መቦቀላዊት ሃገርኩም ትገብርዎ ዘለኹም ሰልፍታት ነቲ ኣወንታዊ ምስሊ ናይዚ ህርኩትን ጸዓረኛን ፈታው ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘህስስ ብምኻኑ ድማ ናታትኩም ናይ ወድብትን ተሳተፍትን ኣስማትን መንነትን ንኣላይ ዝኾነ ሕጋዊ ሕቶታት ኢምግረሽንን ጸጥታን ብዝተፈልየ ደረጃታት መቓቒልና ከም ወከሲ ክንሕዞ ኢና። ማሕበርና ካብ ኩለ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና ዝተዋጸአ ማለት ካብ ኣብ ሽወደን ተወሊዶም ዝዓበዩ እኹላት ሰብ ሞያን ክሳብ ገዳይም ተጋደልቲ ዘለውዎ ሙኩር ዓቕሚ ዝዉንን ብምኻኑ ነቲ ብቐትሪ ደገፍቲ መንግስቲ ብለይቲ ድማ ዉልቃዊ ቤተሰባዊ ረብሓታትኩም አተካይድሊ ዘለኹም፡ በዓል ድርብ ተበሊጽነት ዘለዎ ምንቅስቓሳትኩም ኣብ ቅድሚ ዓለምን ኣብ ቅድሚ እቲ ቆይምናለ ኣለና እትብልዎ መንግስትን ብሕጋዊ መንገዱ ተኸቲልና ብዘይንሕስያ ጉድኩም ከነዉጽኦ ኢና።

ሓዳስ ኤርትራ ሕድሪ ምእንታና ሂወቶም ዝኸፈለን ዝሰንከለን ጀጋኑና ሕጂ ዉን ጌና ሂወቶም ዝኽፈሉ ዘሎ የሕዋትና ከኣ እምበር ናይ ተበሊጽነት ዓሌት ዘለኩም መሰታ ቀዳሞት ተጋደልቲ ግና ድማ ኣብ ቃልሲ እጃም ዘይነበረኩም ሎሚ ዉን የዕሩኽ ዳሕረዋይ ወለዶ ኮይንኩም ምስ ሓቂ ዓቅኹም ኣብ ጉዋይሊ ትዕንድሩን ንዉሊድኩም ካብ ኩናት የህዲምኩም ኣብ ቪሊ ሃገረ ወጻኢ ክቕመጥን ምቾት ክሓርን ትሓልዩን ንወዱ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ዝኾነ ድኻ ዓኻይ ሓረስታይ ድማ ነታ ከም ናይ ክረምቲ መዛወሪት ዓድኹም ኣትሪእይዋ ኣስመራ ክሕልወልኩም ተበለጽቲ ግዜ ነቒሕልኩም ስለ ዝኾነ ካብታ ተሰቒልኩማ ዘለኹም ናይ ሓሶትን ባርነትን ባቡር ወሪድኩም ናብታ ሓቀኛን ጎይታ ርእስኹም እትገብረኩምን ንህዝቢ ኤርትራ ድማ እተርብሕ ዲሞክራሲያዊት ባቡር ክትስቀሉ ሕልናኹም ይኹኽካሓኩም ኣሎ እሞ ስምዕዎ።

እንተ ንሕና በዚ ስቕ ኣይክንበልን ኢና ድምጺ ዉጽዓት ከነቃልሕን መዝሙር ሰላም ክንዝመርን ናብ ጎድናታት ኤውሮጳ ክንዘዉር ትርእዩና ግዜ ርሑቅ እይኮነን። ደጊምኩም ንነብስኹም ሕተቱ እሞ ነቲ ካብ ስራሕን ሓዳርኩምን ፍቓድ ወሲድኩም ኮለል ዝበልኩምሉ፡ ጉዕዞ መኸተ ንሕዝቢ ኤርትራ እንታይ ጻማ ኣምጻኣለ፧ ሕጂ ዉን ካብ ምስ ዝተረፉ መባኣስትኹም ክትራጸሙ ኣብ ኣፍ ደገ ኤምባስታት ካብ ትግተሩ መንግስትኹም ዉሽጣዊ መንገዱ ከጽርን ከመሓየሽን መዓንጣ ጌርኩም ተወከስዎ። እንተ ዘይኮነስ ሕጂ ዉን ባንዳራ ስውኣት ተሓንጊጥኩም መስሓቕ ሸራፋት ክትገብሩና ስቕ ኢልና ኣይንርእየኩምን ኢና። ይኣክል እወ ይኣክል ብስም ሃገርን , ህዝብን ምሽቃጥ!!
 
ዓወት ንደላይ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ ኤርትራዊ!!


 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...