ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።  

ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ዘብቃዓሉ እዋን ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።


ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መዛተዪ ኣርእስትና ቅድሚ ብዝርዝር ምጽሓፍና፡ ሓቤረታና ምልኡንት ክህልዎ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እንታውነት ናይዛ ማሕበር (መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ / EYC) እዚኣ፡ ክንህብ አንበብቲ ሓቤሬታና ክትጻወሩና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፡ ሓንቲ ነጻ ዝኾነት፣ ንብሕታዊ ጥቅሚ ዘይትሰርሕ፣ ጸግዒ ዘይብላ፣ ንማሕበራውን ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰልን፣ ዝዓለመ ሲቪላዊ ስራሓት ንምዕማም፡ ብ-ኤርትራዊ ኣብ Bay Area USA ማሕበር እያ። ብዛዕባ እዛ ማሕበር እዚኣ፡ እቲ ዝተረፈ ምሉእ ሓቤረታ፡ መራሕቲ ናይዛ ማሕበር እዚኣ ንዕለት 13.02.2010 ምሸት፡ ብስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ክገልጽዎ እዮም። መራሕቲ ናይዛ ሲቪካዊ ማሕበር እዚኣ፡ እንታውነቶም ድሕሪ ምስ ህዝቢ ምልላዮም፡ ኣብዘን 4. ኣርባዕተ ነጥብታት፡ ከም ኣርእስቲ ዛዕባ ኣልዒሎም ምስ ህዝቢ ክዛተዩ እዮም።
 

  1. ሌላ ምስ EYC ታሪኻዊ ድሕሪ ባይታ ምፍጣር ናይዛ ሲቪካዊ ማሕበር እዚኣ።
  2. ዕላማን መልእክትን ናይ መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (EYC) 
  3. ሕጂ ዘሎ ምንቅስቃስ ናይ EYC 
  4. ናይ መጻኢ ሽቶን ራኢታትን (visions) ናይ EYC   

ዝብላ እየን። ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ዘተ ምስ መራሕቲ ሲቪላዊ ማሕበር „መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ፡ ናይዚ ዘተ እዚ፡ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ብድሓን ምጽኡ/አ …!!!
 
ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...