ዲክታተር መንግስቱ ሃይለማርያምን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈርቂን ዝፈላለይሉ ነገራት። 

“ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ ኣለዎ፣ ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ ኣለዎ፣ ነቲ ጣዕሚ ዝጠዓመ ኣለዎ፣ ነቲ ሕሰም ዝመረረ ኣለዎ”
ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብ “ሰማይ”

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ናይዞም ክልተ ዲክተተራት ብዛዕባ ተመሳሳልነቶም ኣቕሪበ ነይረ። ሕጂ ድማ ብዛዕባ ፍልልዮም ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ መንግስቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከመይ ከምዘመሓደሮ ኢዩ እምበር እንተላይ ንህዝቢ ኤርትራ ማለተይ ኣይኮነን። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ዲክተተር ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ከመይ ገይሩ የመሓድሮ ኣሎ እዩ እቲ ጉዳይ። ኣብዚ ከዋዳድሮም ደልየ ዘለኹ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቶም፣ ብዛዕባ ጠቕላላ ምምሕዳሮምን ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣርእስትታት ኢዩ ዝጥቀስ።

ፍርድን ማእሰርትን
ዲክተተር መንግስቱ ንዓይን ብጾተይን ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርበና ኢሉ ብሃታ ሃታ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ተኺሉ ነይሩ። ብድሕሪኡ እውን ነቶም ብ1989 ክግልብጥዎ ዝፈተኑ ጀነራላት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣዳልዩ ነይሩ። ኣብዘን ክልቲአን ኣብያተ ፍርዲ ንክሱሳት ጠበቓታት ተገይርሎም ግቡእ ክትዕ እውን ተኻይዱ ነይሩ። ንዓና ክፈትሓና ከሎ ነቶም ክግልብጥዎ ዝፈተኑ ጀነራላት ግን ከምዝርሸኑ ኢዩ ገይሩ። ካልእ ኢትዮጵያዊ ክሱስ ግን ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ይቐርብን ፍርዱ ድማ ብደያኑ ይወሃብ ነይሩ።

ዲክተተር ኢሳያስ ግን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተኺሉ፣ ክሱሳት ብዘይ ሓንቲ መሰልን ጠበቓን ወይ’ውን ኣየናይ ናይ መንግስቲ ሕጊ ከምዝጠሓሱ ዘይገልጽ ዕጹው ቤት ፍርዲ ኢዩ ዘለዎ። ብተወሳኺ ዲክተተር ኢሳያስ ምኽንያቱ ብዘይወዕልካዮን ነገር ይኸሰካ፣ ብዘይትፈጦ ገበን ይአስረካ፤ ሰብ አብዘይፈጦ ቤት ማእሰርቲ ይሕይረካ፣ ብዘይ ፍርዲ ድማ ንዘይተወሰነ ጊዜ ይሕዘካ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ጎዳጉዲን ኮንተይነራትን ይአስረካ። ዲክተተር መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኣይፈጸመን።

ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ
ዲክተተር መንግስቱ ብመደብ ንደቀንስትዮ ኣይአስርን ነይሩ። ትዝ ከምዝብለኒ፣ ንሃይለስላሴ ካብ ስልጣን ምስ ኣውረድዎ፣ ንበዓል ልዕልቲ ተናኘ ወርቅን ካልኦት ደቂ ሃይለ ስላሴን ንቑሩብ ኣዋርሕ ኣሲሩ ፈቲሑወን። ኣንስቲ ሚኒስተራት ይኹና ኣንስቲ ጀነራላት እንተላይ ኣንስቲ እቶም ክግልብጥዎ ፈቲኖም ዝነበሩ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ኣሲሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። በንጻሩ ግን ዲክተተር ኢሳያስ ሓንቲ ሕርኽርኽ ከይበሎ ምእሳር ጥራይ ዘይኮነስ ይርሽነን። ንአብነት ከም በዓል ተጋዳሊት ኣበራሽ መልከን ደሃብ ተስፋጽዮንን ብመንእሰይ ዕድመአን ንኽጋደላ ዝወጻ ብዘይ ንሕስያ ቐቲልወን። አዚአን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ኣቛሪጸን ህዝበን ነጻ ከውጽኣ ዝተሰለፋ ጀጋኑ ኢየን ነይረን። ዲክተተር መንግስቱ ንሰብአይኪ ኣሲረዮ ስለ ዘለኹ፣ ንዓኺ ድማ ክአስረኪ ኢየ ኢሉ ኣይአስርን ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ነተን ብጀግንነት ንህዝበን ንዝተቓለሳ ከም በዓል ኣስቴር ዮውሃንስ ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑት ንሰብአያ ስለዝኣሰሮ፣ ንዓአ ድማ ብዘይንሕስያ ሓንቲ ገበን ከይፈፀመት ኣብ ጸልማት ኣቐሚጡ ብኽያትን ንብዓትን ምሰሓን ድራራን ከምዝኸውን ዝገብር ዘሎ ናይ ሰብ ፍጥረት ዘይብሉ ኣረመኔ ኢዩ። ንአርባዕተ ደቃ ድማ ዘኽታማት ኮይኖም ከምዝዓብዩ ዝገብር ናይ ሰይጣናት ሰይጣን ኢዩ። ደጋፊ ኢሳያስ ዝኾነ በየነ ርእሶም ብውልቃዊ ጉድዩ ንዝተባእሳ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ እውን ኣብ ቀይዲ ኣኣትይዋ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድሃይ ዘይብላ ተሪፋ ኣላ። 

ዲክተተር ኢሳያስ ስልጣኑ ንምሕላው ክብል ነታ ሓንቲ ናይ ጂ15 ቅልዕቲ ደብዳበ ዝፈረመት ተጋዳሊት ጀግና ኣስቴር ፍስሃጽዮን ኣብ ዒራዒሮ ኣብ ጸልማት ምእሳር፣ ድሕሪ ኣሰቃቒን ብርቱዕ ሕማምን ኣብኡ ከምትመውት ገይሩ ሬሳኣ ብዘይ ግቡእ ስነ ስርዓት ተቐቢሩ ተሪፉ። በዓል ቤታ ነበር፣ ማሕሙድ ሸሪፎ እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሞይቶምዝበሃሉ ስለዝኾነ፣ ነቲ ካብኡ ዝወለደቶ ሓደ ወዳ ድማ ኣዘኽቲሙዎም ይርከብ። ንከም በዓል ሄለን ብርሃነ ዝኣመሰላ ብእምነተን ኣመኽንዩ፣ ኣብ ኮንተይነር ኣሲሩን ቀጥቂጡን ኣካለጎደሎ ከምዝኾና ገይሩ። ዲክተተር መንግስቱ ምስዚ ዝቀራረብ ኣሰቃቒን ኣረመንያዊ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያውያን ፈጺሙ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ንኣብነት፣ ትዝ ይብለኒ ጀነራል ኣማን ዓንዶም፣ ጽዮን ትበሃል ሓብቲ ነይራቶ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክዳውንቲ ድኳን ነይሩዋ። ሓዋ ብሽጉጡ ነብሱ ምስ ቀተለ፣ ካብኡ ኣይሕለፍ ኢላ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ናይ ሓበሻ ክዳን ተኸዲና “ወንድሜ’ኮ ጀግና ነው” እናበለት ትዛረብ ነይራ። መንግስቱ ግን ነዚ እንዳሰመዐ ዋላ ሓንቲ ኣይበላን። ካብዚ ፍልይ ዝብል ፍጻመ ድማ፣ ኣብ መጀመርያ 1977፣ መኤሶን ዝበሃሉ ደገፍቲ መንግስቱ ዝነበሩ ብጊዜ “ቀይ ሽብር”፣ ኣብ ኩሉ ቀበሌታት እንዳከዱ ነቶም ናይ ኢፒአርፒ ደገፍቲ ይኣስሩን ይቐትሉን ነይሮም። ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣብ ብርሃንንና ሰላም ማተሚያ ቤት ትሰርሕ ናይ ኢፒአርፒ ደጋፊት ንዝነበረት ጥንስቲ ሰበይቲ ካብ ገዛአ ኣውጺኦም ቀተሉዋ። ጎረባብታን መሳርሕታን ዝነበራ ኣንስቲ ተአኪበን ብቐጥታ ናብ መንግስቱ ከይደን፣ ኣብ መእተዊ ናይ ቤተ መንግስቲ ኮፍ ኢለን ንመንግስቱ ከየዛረብናዮ ካብዚኣ ፈልከት ኣይንብልን በላ። ሓለውቲ ማዕጾ ናብ መንግስቱ ከይዶም ኣንስቲ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኮፍ ኢለን ክሳብ ንዓካ ዘዛርባኻ ኣይንንቀሳቐስን ኢና አለን ነቲ መእተዊ ዓጽየነኦ ኣለዋ ምስ በልዎ መንግስቱ እንዳ ጎየየ መጺኡ “ምንድን ነው ችግራችሁ” በለን።

ንሳተን ድማ፣ ደገፍትኻ ንሓንቲ ጎሬበትናን መሳርሕትናን ዝነበረት ጥንስቲ ሰበይቲ ቀቲሎማ በልኦ። መንግስቱ ተገሪሙን ሓዚኑን ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ኣጻሪኹም ሓቂ እንተ ኾይኑ ነቲ ዝቐተላ ሰብ ድማ ሕጅኩም ኣምጽእዎ ኢሉ ትእዛዝ ሃበ። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ቀበሌ ኣብ ኣራት ኪሎ ስለ ዝነበረ ሽዑን ሽዑን ኣጻርዮም ነቲ ሰብ ሒዞሞ ደበኽ በሉ። ርእይ ምስ ኣበለኦ “ኣዎ ይሀ ነው ከበደ፤ የቀበሌ ሃላፊ ነኝ ብሎ የገደላት” ምስ በለኦ፣ “ተነሱና ህሉንም ወደ ግቢው ኣስገብዋቸው” በለ። እተን ኣንስትን እቲ ቀታላይን ጎኒ ንጎኒ ኮይኖም ኣብቲ ውሽጢ ኣተዉ። “እኔ ሴት ግደሉ ብየ ኣላውቅም። ይህ ሰው በራሱ ፍላጎት ነው የገደላት” ኢሉ ድሕሪ ምንጋር፣ ወተሃደራት ጸዊዑ “ኣሁን ሴቶቹ እያዩ ይገደል” ኢሉ ስለዝኣዘዘ ኣብ ቅድሚኤን ተረሺኑ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥንን ረድዮን ተነጊሩ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ዲክተተር ኢሳያስን ምስኡ ዘለውን ፈራሓት ስለ ዝኾኑ፣ ንሓደ ሰብ ምስ ኣሰርዎ ዘመዱ ከይቀትለና ኢሎም ነቲ ዘመዱ ድማ ይአስርዎ። ንኣብነት ንጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም ምስ ኣሰርዎ ንሓዉ ንኮሎነል ተስፋልደት ስዩም ድማ ሒነ ከይፈዲ ፈሪሖም ኣሲሮሞ። ንሱ ድሕሪ ብዙሕ ሕማምን ስቓይን ናይ ሎሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሞይቱ ይበሃል።

ጀነራል ቢተወደድ ኣብርሃ
ኣብዚአ ሐንቲ ዝተዓዘብኩዋ ክነግረኩም። ብ1992 ኣስተምህሮ ክህብ ካብዚ ሊቃውንቲ ሒዘ ንኤርትራ ምስከድኩ፣ ሓሞይ ኣብቲ ጊዜቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣስመራ ተአሲሩ ነይሩ። ኣነ ነቲ ዝህቦ ትምህርቲ ምስወዳእኩ ናብ ዓሊ ስዒድ ኣብደላ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ከይደ ረኸብኩዎ። ዓሊ ሰይድ “እስታዝ እንታይ ደአ ናብዚ ኣምጸአካ” በለኒ። ዓሊ ሰይድ ካብቶም ኣስተምህሮ ዝሃኣብኩዎም ሓደ ኢዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ሓደ፣ ሓሞይ ኣሲርኩሞ ስለ ዘለኹም ሓደ መእሰሪኡ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ፣ ክልተ፣ መዓስ ንቤት ፍርዲ ከምተቕርብዎ፣ ሳልሳይ፣ ጠበቓ ክቖጽረሉ ደልየ ስለ ዘለኹ ኢየ መጺኤካ ዘለኹ በልኩዎ። ሓቂ ንምዝራብ ዓሊ ሰይድ ኣዘራርብኡ ስነ ስርዓት ዝመለኦ ኮይኑ ጽን ኢሉ ሰመዓኒ። ኣነ ድማ ሓሞይ ገበን ከምዘይፈጸመ ፈሊጠ ኣሎኹ።ብተውሳኺ ብውሽጢ ውሽጢ ድማ ናይ ህ.ግ. ደጋፊ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ስለዚ ነዚ ናቱ ጉዳይ ከየጻረኹ ክምለስ ኣይደልይን ኢየ በልኩዎ። ሕራይ ግን ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ግን ንዑኡ ምሳኻን ምስ በበዓልቲ ቤትካን ወድኻን ሕጂ ከነራኽበኩም በለኒ። ኣብቲ እዋንቲ ኣዝማድ እሱራት መግብን ክዳውንትን ከብጽሑ ይኽእሉን ነይሮም ክራኸብዎም ግን ኣይፍቀድን ኢዩ ነይሩ። ሕራይ በልኩዎ። ሽዑ ናብ ክፍሊ ሓለዋ ጸጥታ ዝበሃሉ ተሌፎን ደዊሉ መኪና ከም ዝሰዱ ኣዘዞም። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ መኪና ደበኽ በለት። ኣብታ መኪና ተሰቒለ ናብቲ በዓልቲ ቤተይን ወደይን ዘለውዎ ገዛ ከይደ ንዓአቶም ሒዝና ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከድና። መታን ሰብ ከይርእየና ተባሂሉ እቲ ማዕጾ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ኢዩ ጽኒሑና። ኣብቲ ደገ ናይ ቤት ማእሰርቲ መግብን ክዳውንትን ከብጽሑ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ጠጠው ኢሎም ረአኹ። ብዝከእል መጠን ሰብ ዳርጋ ከይረአየና ናብቲ ዉሽጢ ቤት ማእርቲ ኣእተውና። እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓለፍቲ ኣቐዲሙ ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓሞይ ካብታ ዝተአስረላ ክፍሊ ኣውጺኦም ኣብ ደገ ኮፍ ኢሉ ረኸብናዮ። ምስኡ ኮፍ ኢልና ሰላምታ ተለዋወጥና። በዓልቲ ቤተይ ኣብኡ ፊቕ ኢላ በኽያ፣ ንሱ’ውን ከምወላዲ መጠን ሕንቕንቕ ኢሉ። ኣጆኺ ኣይትብከዪ ጽባሕ ክፍታህ እንደአለ ኢሉ ከደዓዕሳ ፈተነ።

ኣብ መንጎ ዕላልና ሓሞይ ኣነስ ዝገበርኩዎ ገበን ስለ ዘይብለይ ይንዋሕ ይሕጸር ክፍታሕ ኢየ። ኣነ ዘሕዝነንን ዘደንግጸንን ዝገርመንን ዘሎስ ነዚ ኣብዛ ፊት ንፊትና ዘላ ክፍሊ ኣሲሮሞ ዘለው ሰብ’ዩ። ኣብአ ንበይኑ ገይሮም ዓጽዮሞ ኣብ ሳልስቲ ንዓሰርተ ደቒቕ ዝከውን ካብታ ክፍሊ ኣውጺኦም ጸሓይ ከምዝጽሎ ይገብሩ። ምስ ሰብ ክዛረብ’ውን ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ከመይ ገይሩ ኪኢልዎ ከም ዘሎኳ ገሪሙኒ ኢዩ ዘሎ በለኒ። ሽሙ ትፈጦዶ እንተ በልኩዎ ቢተወደድ ኣብርሃ ኢዩ ክብል መለሰለይ። ናቶም ብርቱዕ ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ እናበሉ እዞም መተኣስርተይ ይዛረቡ፣ ገበኑ ግን እንታይ ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ የለን በለኒ። ኣነ ብወገነይ ኣዝየ ሓዘንኩ። እዚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቅድሚ 18 ዓመት ዝሰማዕኩዎ ኢዩ። ስለዚ ጀነራል ቢተወደድ ን20 ዓመት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተዓጽዩ ሞቱ ይጽበ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ማንደላ 27 ዓመት በቲ ዓሌታዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቓ ተኣሲሩ ከሎ፣ ዘድልዮ መጻሕፍቲ ይኣትወሉ፣ ግቡእ ሕክምና ይግበረሉ፣ ኣዝማድ ይበጽሕዎ ነይሮም። ብሓጺሩ ምምሕዳር ኢሳያስ ካብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝነበረ ሙሉእ ዓለም ዝኾነኖ መንግስቲ ካብኡ ዝኸፍፈአን ዝጨከነን ስርዓት ኢዩ። ኣነ ብጊዜ ሃይለ ስላሴ፣ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ናብቲ ላዕለዋይ ናይ ጸጥታ ማእሰርቲ ወሲዶም ን44 መዓልቲ ንበይነይ ምስ ኣሰሩኒ ዳርጋ ናብ ጽሉል ተቐይረ ነይረ። ምኽንያቱ ዘዛርቦ ሰብ የብለይ፣ ዘንብቦ መጽሓፍ የብለይ፣ ነታ ኣብቲ ቦሎፎን ዘላ መብራህቲ ጥራይ ክጥምት ይውዕል ነይረ። መግበይ ግን ካብ ሆቴል ይመጸለይ ነይሩ፤ የሒሙኒ እንተ ኢለ ድማ ናብ ዶክተር ይወስዱኒ ነይሮም። ናተይ ገበን ተመሃሮ ኣለዓዒለ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ክግልበጥ ኣለዎ ዝበልኩን ክንደይ ጽሑፋት ኣብ ኢደይ ከሎ ዝተታሓዝኩ ሰብ ኢየ ነይረ። ጀነራል ቢተወደድ ግን ኣብ ዓሰብ ዝተማረኸ ኩሉ ንብረት ናትና ኢዩ ኢሉ ንአስመራ ስለ ዝሰደዶ ኮይኑ ኢሳያስ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሃቦም ምስ በለ ኢምቢ ኢዩ ኢሉ። እዚ ደም ኣሕዋትና ከፊልና ዝማረኽናዮ ስለ ዝኾነ ናትና ኢዩ ስለ ዝበለ እነሀልኩም እምበአር ን20 ዓመት ኣብ ጸልማት ተዓጽዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እሞ ኸኣ ናብ ጽሉል ተቐይሩ ይኸውን ኢዩ። መንግስቱ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይፈጸመን።

ማእሰርቲ ብውልቀ ሰባዊ ድሪኺት
ኣቐድም ኣቢለ ዘይወዳእኩም ነገር፣ ንሓሞይ ተፋኒናዮ ምስ ከድና ድሕሪ 2 መዓልቲ ተወሳኺ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምሃብ፣ ተመሊሰ ናብ ዓሊ ሰይድ ከድኩ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ረኺበ ኮፍ ምስ በልኩ ንናይዝጊ ክፍሉ ጸዎዖ። እስታዝ ሓሞይ ተአሲሩ ኣሎሞ ሓደ ነገር ግበርዎ ኢሉ ኢዩ መጺኡ ዘሎ ኢሉ ገለጸሉ። ናይዝጊ ክፍሉ ትቕብል ኣቢሉ “ንሱ ክንደልዮ ከለና ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ኢዩ ነይሩ” በለ። ኣነ ትቕብል ኣቢለ እንታይ ገበን ስለ ዝገበረ ድአ ይሕባእ? ካልአይ ድማ ከምኡ ዝበለ ሓደ ጢረተኛስ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡስ ን6 ወርሒ ምርካብ ስኢንኩሞ ማለት ዘይመስል ኢዩ በልኩዎ። ስለዚ ን8 ወርሒ ብዘይ ሓንቲ መርመራ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ንቤት ፍርዲ ኣይቀረብን ዘሎ በልኩ። ዓሊ ሰይድ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ “ሕጂ ደሓን ንስኻ ነቲ ናብዚ ዓዲ ዘምጸእካ ናይ ኣስተምህሮኻ ግበር ብተወሳኺ ክሳብ ትኸይድ ክትርእዮ ኣብ ዝደለኻ መዓልቲ ትነግረና ንሕና ድማ ነራኽበካ ምስ በለኒ ኣበሃህልኡ ተረዲኡኒ ሕራይ በልኩ። ድሕሪ 3 መዓልቲ ዓሊ ሰይድ ረኺቡ “እስታዝ ንሕና ንስኻ ክይድ ምስ በልካ ከምዝፍታሕ ክገብር ኢየ። ኣብዚ ከለኻ ምፍትሑ ግን ክትጽግመና ኢያ ምስ በለኒ ሕራይ ኢለዮ።

ብድሕሪኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እናኸድኩ ይረኽቦ ነይረ፤ ከምዝፍታሕ እውን ነገርኩዎ። ንሓሞይ ዝእሰሮ ናይዝጊ ክፍሉ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን፣ ሓሞይ ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ መንደፈራ ገዛ ክሰርሕ ደልዩ ኣመልኪቱ ነይሩ። ነታ ዝደለያ ቦታ ካልእ ሰብ ትወሃበኒ ኢሉ ምስ ኣመልከተ ከይተዋህበቶ ምስ ተረፈት፣ ከሲሱ ክሳብ ፍርዲ ቤት ተባጺሖም ነይሮም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ንዑኡ ተዋህበት። እቲ ዝተረትዐ ሰብ በዚአ ሓሪቑ ነይሩ። ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸአት ናይዚ ሰብ እዚ ቤተሰብ ናብ ናይዝጊ ከይዶም እሰረልና ምስ በልዎ ኢዩ ንሓሞይ ኣሲርዎ። እቶም ቤተሰብ ንናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መንደፈራ ክዓቢ ከሎ ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝፋለጡ ነይሮም። ቅድሚ ናብ ዓሊ ሰይድ ምኻደይ እዚ ኩሉ ነገር ተነጊሩኒ ነይሩ ስለ ዝነበረ ኣነ ኣዝዩ ኣቖጢዑኒ ጥራይ ዘይኮነስ ህልኽ ኣተአታትዩኒ ነይሩ ኢዩ። ናብዚ ምስተመለስኩ ሓሞይ ተፈቲሑ። ኣነ ድማ ካብዚ ናብ ኣመሪካ ኤምባሲ ናይ ዕድመ ወረቐት ሰደድኩሉ። ብተወሳኺ ተአሲሩ ዝነበረ ሰብ ካብ ሃገር ከይወጽእ ተባሂሉ ስለ ዝነበረ፣ ኣነ ንዓሊ ሰይድ ተሌፎን ደዊለ ፓስፖርትን ናይ መውጽኢ ፍቓድ ከም ዝወሃቦ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፣ ሕራይ ኢሉ ኩሉ ኣማሊኡሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኣሜሪካ መጺኡ የዕሪፉ ተመልሰ።

ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል። ኣነ ኣብቲ ዓዲ በቲ ዝህቦ ዝነበርኩ ኣስተምህሮ ቁሩብ ተፈላጥነት ስለ ዝረኸብኩ ጉዳየይ ከሳልጥ ክኢለ። ካልእ ሰብ ከምቲ ናተይ ዕድል ዘይረኸበ ግን ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ምምሕዳር ኢሳያስ ከከም ክእለትካ እምበር ብሕጋዊ መንገዲ ዝኸይድ ምምሕዳር ወይ ስርዓት ከምዘኮነ ኢዩ ዘረደኣና ዘሎ።

“ካብ ዝተጋደለ፣ ዘውደለደለ” ዘረባ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት

ንዘረባ ዘረባ ንድዩ ዘምጽኦ እንድዩ ሓንቲ ነገር ክነግረኩም። ጥልያን 1935 ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ ሃይለ ስላሴ ቤተ ሰቡ ሒዙ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ንዓዲ እንግሊዝ ሃደመ። ኣብ መደምደምታ ካልኣይ ኲናት ዓለም፣ ብዙሓት ጀጋኑ ኢትዮጵያንን ከምኡ’ውን ብዙሓት ኤርትራውያን ኮይኖም፣ ንጣልያን ሰዓሩዎ። ንሃገሮም ክከላኸሉ ዝተዓጥቁ ኢትዮጵያውያን፣ ገሊኦም ሞይቶም ገሊኦም ድማ ብጀግንነት ንጣልያን ተዋጊኦም ሰዓርዎ። ሃይለ ስላሴ ካብ ስደቱ ተመሊሱ ንጉስ ምስ ኮነ ግን ነቶም ብጀግንነት ንሃገሮም ዝተዋግኡ እናርሓቐን እናሓየረን ነቶም ናይ ጣልያን ዓሳክርን መግቢ ዝሰርሑሎም “ፓስታ ቀቃይ የነበረ” ይብሉ ባዕሎም ይሸይም ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ከምዚ ዝስዕብ ግጥሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተገጢሙ።

“ኢትዮጵያ ኣገሬ  ሞኝ ነሽ ተላላ የሞተልሽ ቀርቶ ያታለለሽ በላ”

ኣብ ኤርትራ ድማ ዲክተተር ኢሳያስ ነቶም ንሃገሮም ዝቖሰሉ ኣብ ማይ ሓባር ብጠያት ይዓጽዶም፣ ንከም በዓል ጀግና ቢተወደድን ካልኦትን ኣብ ጸልማት ኣሲሩ እንዳ ኣሳቐየ እናቐተለ ከሎ፣ በንጻሩ ድማ ነቶም ሓንቲ ዘይተጋደሉ ከም በዓል ሶፍያ ተስፋማርያም፣ ዶክተር ጊደዎን ኣባይን ከም በዓል ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ገሊኦም ናይ ደርጊ ሰለልቲ ዝነበሩን፣ ገሊኦም ኣብ እዋን ገድሊ ክንዲ ፍረ ጣፍ እኳ ዘየበርከቱ ሃገር መጻወቲ ኩዕሶ እግሮም ገይሮማ እነሀውልኩም ይብለኩም።
  
መንእሰያትን ተመሃሮን
ዲክተተር መንግስቱ ንተመሃሮ ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ዘመቻ ዝበሃል ኣገልግሎት ክፍጽሙ ገይሩ ነይሩ። በታ ዝበላ ልክዕ ክልተ ዓመት ድማ ናብ ትምህርቶም ከም ዝምልሱ ገይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሉ ን18 ወርሒ ከምዝኸዱ ምስገበረ ናብ ስድረኦም ከምዘይምለሱ ብሓይሊ ሒዙ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ከርተት የብሎም ኣሎ። መንግስቱ በታ ዝበላ ቃል ጸኒዑ ክፍጽም ከሎ ኢሳያስ ግን ጥልመት ኣመሉ ስለ ዝኾነ ነታ ቃሉ ከኽብራ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ንተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንዊዓ ወሲዱ ረስኒ ጸሓይ ከምዝሞቱ ገይሩ።

ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት
መንግስቱ ኣብ ልጣን ምስ ደየበ ብዘይካ እቶም ሚኒስተራትን ጀነራላትን ናይ ሃይለ ስላሴ ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ስራሕ ኣይሰጎገን። ኢሳያስ ግን ነቶም ኩሎም ዝነበሩ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ቁሩብ ቁራቦ ሂቡ ኣብ ዓዓድኩም ኬድኩም ሓሪስኩም ብልዑ ኢሉ ኣፋንዩዎም። ዝሃቦ ምኽንያት ድማ እዚ መንግስቲ ዘቕቢቡ ስለ ዘሎ ክንጽንጽለኩም ኣሎና ኢሉዋም። ምጽንጻል ማለት ነቲ ዝቖረጽካዮ ዕንጨይቲ ትድርብዮ ወይ ትጉሕፎ ማለት ኢዩ። ዲክተተር ኢሳያስ ድማ ከምኡ ኢዩ ቆጺርዎም። ብተወሳኺ ብጊዜ መንግስቱ ኩሉ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ደሞዙ ብሕጊ ዝነወሰነ ኢዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን ናይ ጡረታ መሰሎም ተኸቢሩሎም ወርሒ ወርሒ ጡረታ ይኸፍል ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ክሳብ ሕጂ ናይ ጡረታ ዝበሃል ሕጊ የብሉን። ሓደ ሰራሕተኛ እንተ ኣሪጉ ሕጅስ ይአኽለኒ ኢሉ ስርሑ ክገድፎ ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ደሞዝ ኣይክወሃቦን ኢዩ። ካብ ስራሕ  እንተ ወጺኡ ድማ ብጥምየት ይመውት ማለት ኢዩ። እዚ እንተላይ ነቶም ገዲም ተጋደልቲ የጠቓልል ኢዩ። ብሓጺሩ ናይ መንግስቲ ሰርሕተኛ መመሓደሪ ሕጊ የልቦን። መሰል ሰራሕተኛ ዝበሃል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ብጊዜ ዲክተተር መንግስቱ ኩለን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ናይ ዓመት በጀተን ብወርሒ ሓምለ ይስለዓለን። ብኡ መሰረት ድማ ስረሓን የካይዳ። ኣብ ኤርትራ ግን ዓመታዊ ባጀት ዝበሃል ፈጺሙ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ብተወሳኺ መንግስቲ ደርጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብግብርን ቀረጽን ክንደይ ገንዘብ ከምዘእተወት ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ካብ ደገ ዝተረኽበ ሓገዝን ለቓሕን ክንደይ ከምዝነበረ ኩሉ ሰብ ኢዩ ዝፈጦ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ግን ብቐረጽን ግብርን ክንደይ ከምዝተአከበ፣ ካብ ደገ ክንደይ ሓገዝ ከምዝተዋህበ፣ ብለቓሕ ክንደይ ከምዝመጸ ዋላ ሐደ ሰብ’ውን ዝፈልጥ የልቦን ብዘይካ ኢሳያስን ሓጎስ “ክሻ” ገብረሂወትን እንተዘይኮይኑ።

  • ደቅኹም ንገድሊ ከይዶም ኢሉ መንግስቱ ንወለዲ ኣይኣስርን ነይሩ። ካብ ኢደይ ስለ ዝሃድሙ 50,000 ናቕፋ ክፈሉ ኢሉ ንወለዲ ኣሸጊሩ ኣይፈልጥን ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ባዕሉ ብሓይሊ ንዝወሰዶም መንእሰያት ጠፊኦሙኒ፣ ስለዚ ወይ ደሊኹም ኣምጽእዎም ወይ ድማ ተኣሰሩ ይብል። ኣየ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን በደልን።
  • ዲክተተር መንግስቱ ወተሃደራቱ ዓዲ ዓዲ ኣዋፊሩ ካብ ሓረስቶት እኽሊ ኣይምንጥልን ነይሩ። እኽሎም ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ንኽሸጥዎ ኣይክልክልን ነይሩ። ኣብ ግዜ ኲናት እኽሊ ኣየንድድን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ግን ኮኒ ኢልካ ዝገበር ወተሃደራት መንግስቱ ኣብ ገዛ ሓረስቶስ ኣትዮም ብሓይሎም እኽሊ ኣይዘምቱን ነይሮም። ወተሃደራት ዲክተተር ኢሳያስ ግን መዓልታዊ ስረሖም ኢዩ።
  • ብግዜ መንግስቱ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ንምኻድ ናይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣይድልዮን ነይሩ፤ ብግዜ ዲክተተር ኢሳያስ ግን ካብታ ዘለኻያ ቦታ ፈልከት ንኽትብል ናይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ፈቓድ ክህልወካ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ግን ትእሰር። ሰብ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ዝቑጸረሉ ምምሕዳር ኢዩ።
  • ወተሃደራት መንግስቱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ጽሕፈታትን ገዛውትን ከይዶም ትድለ ኣሎኻ ትድለዪ ኣሎኺ እንዳ በሉ ሰብ ጨውዮም ወሲዶም ኣሲሮም ኣየጥፉኡን ነይሮም። ብወግዒ እዮም ዝወስዱኻ ኔሮም። መንግስቱ ንእሱር ዘመድካ መግቢ ይኹን ክዳን ወይ መድሃኒት ከተብጽሓሉ ይፈቅድ ነይሩ። ዘመድካ ኣበይ ተአሲሩ ከምዘሎ ይፈልጥ ነይሩ። መእሰሪ ምኽንያት ናይ ሰብካ እንታይ ምኻኑ ይፍለጥ ነይሩ። ምስ ኣሰረካ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ የቕርብ ነይሩ። ብግዜ ኢሳያስ ግን ተጨዊኻ ትውሰድ፣ ኣበይ ከምዝኣተኻ ዝፈልጥ ሰብ የለን፣ ብሂወትካ ሃሉ ኣይትሃሉ ዝፈልጥ ሓደ ዘመድ የልቦን። ቀደም ከብቲ ኤርትራ ኣበይ ከምዘለዋ ዋናታተን ይፈልጡ ነይሮም። ብሰንኪ ኢሳያስ ግን፣ ሎሚ፣ ወለዲ ደቆም ኣበይ ከምዘለዉን ኣበይ ከምዝአተዉን ንኽፈልጡ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ።
  • ዲክተተር መንግስቱ ግሉጽ ዝኾነ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላ ሕጊ ነይርዎ። ግብሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ምስተወሰነሉ፣ ግብሪ ከፋሊ ብዘይ ኣገባብ ተወሲኑኒ እንተ ኢሉ ናብ ግብሪ ይግባይ ኮሚሽን ከይዱ ጉዳዩ ከቕርብ ሙሉእ መሰል ነይርዎ። ብናይ ዲክተተር ኢሳያስ ምምሕዳር ግን ናይ ግብሪ ሕጊ የልቦን። ከም ዊን ዝበሎም ግብሪ ይምድቡልካ። ጥርዓን ተቕርበሉ ቦታ የለን። ዝተወሰነልካ ግብሪ እንተዘይከፊልካ ንግድኻ ይዕጾ፣ ንስኻ ትእሰር። ኣየ ግፍዒ።
  • ዲክተተር መንግስቱ ንኢንተርቭዩ ቀሪቡ ንገዛእ ርእሱን ንሃገሩን መስሓቕ ሙሉእ ዓለም ኣይኸዉንን ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ንህዝቢ ኤርትራ መስሓቕ ሸራፋት ገይርዎ።

መንግስቱ ህዝቢ እናጠመየ ከሎ ጥምየት የለን ሓገዝ ኣይድልየናን ኢዩ ኣይብልን ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ኣብ ኤርትራ ጥምየት ዝበሃል የልቦን። ሓገዝ ክትህቡ እንተደሊኹም ነቶም ኣብ  ልዊዝያና ብማዕበል ካትሪና ዝተጎድኡ ኣመሪካውያን ሽግረኛታት ሃብዎም ወይ’ውን ንህዝቢ ሃይቲ ሓግዝዎም ዝብል ነውራም ሰብ ኢዩ። "No Famine in Eritrea in 2010" ይብል ጋዜጣ ፕሮፋይል።

መንግስቱ ኣብ ፈቐዶ ባራት ሰኺሩ ንመሳርሕቱን የዕኩኽቱን ብጠርሙዝ ርእሶም ፈጋዕ ከብሎም ኣይሓድርን ነይሩ። ንዲክተተር ኢሳያስ ግን እዚ መዓልታዊ ስርሑ ኢዩ። ሕሶት ንዝብል ድማ ንናይዚጊ ክፍሉ፡ ንወዲ ገረወይና፡ ንዓሊ ዓብዱን መሰላቶም ኬድካ ምሕታት ይከአል ኢዩ።

ዲክተተር መንግስቱ ንሃገሩ ኢትዮጵያ ይፈትዋ ኢዩ ነይሩ። ዲክተተር ኢሳያስ ግን ኣዝዩ ዝዓሞቐ ጽልኢ ናይታ ሃገርን ህዝባን ኣለዎ።

እምበእር ኣሕጽር ኣቢለ ናዞም ክልተ ዲክታተራት ዝፈላለዩሉ ኣቕሪበ። ካብዚ ዘቕረብኩዎ ንምግምጋም ዲክተተር ኢሳያስ ካብ ዲክታተር መንግስቱ ዝበኣሰ እዩ ምባል ይከኣል። ኣይፋል፣ ኢሳያስ ካብቲ መንግስቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝበደሎ፣ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበደሎ ይጎድል ኢዩ ዝብል ሰብ እንተ ሃልዩ ከምዛ ኣነ ኣቕሪበያ ዘሎኹ ገይሩ ይንገረና። ነቶም ናይ ኢሳያስ እንታይነት ተቓሊዑ ኢልኩም ብሕርቃን ትጻረፉ ግን ጸርፍኽም ቀጽሉ ክሳብ ፈጣሪ ምሕረት ዘውርደልኩም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...