ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ!

“While wisdom is often hidden in the meaning of words, so is error.” F. A. Hayek (1, 109)

  ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን ኣብ ዝብል፡ ኲናትን: ኣነዶ ንስኻ ንመልኽን፡ ዝዓብለሎ መስርሕ ኣተኣላልያ መጻኢ-ዕድል ናይ ኤርትራውነት፡ ገለገለ ክቡራትን ዓበይትን ናይ ታሪኽ ኣቦታት፡ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ካብ ምምስካር ሱቕታ ዝመርጹሉ ኩነታት ምሰ’ጋጠሞ፡ ናይ ኤርትራ ታሪኽ ተመራማሪ ክቡር ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ “... ገለ ኻልኦት ግን ኣዝዩ ወሳኒ ተመኩሮን ዛንታታትን እናሃለዎም፡ ፍልጠቶም ከካፍሉ ዘይደልዩ ኮይኖም ረኺብናዮም። ታሪኽ ... ኣብ ኣእምሮ ደቂሰባት ተዓጽዩ ክቕበር እንከሎ ምርኣይ ዘሕዝን’ዩ።” ... ይብል’ሞ፡ ሕልፍ ኢሉ ድማ ንሓደ ሓደ ፍጻመታት ... ከብርህ ዝኽእል ሓበሬታ ንምርካብ ኣማራጺ ምስ ጨነቐና’ሲ  “ዝወዓሉ እንከለዉ፡ ብዝወዓሉ ንዝተነግሩ ሓቲትና ክንምዝግብ ዝተገደድናሉ ኣሎ።”  ክሳብ ምባል ይጣራዕ። ብምቕጻል ድማ ካብ’ቶም ብዝወዓሉ ዝተነግሩ ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ ብዝተኣከበ ቀሪም፡ ለቖታ ናይ ታሪኽ ምምላእ፡ ዝተፈተነሉ ኩነታት ከምዘጋጠሞ ብምግራም ዘኪሩ፡ “በዚ መዳይ’ዚ ኤርትራውያን ኣንበብቲ ጸገም ኣለና። ልምድን ተመኩሮን ናይ ሃናጺ ነቐፌታ ገና ኣይደለብናን።” (5, xiv-xv) ይውስኸሉ።

ሱቕ ጥዑም!

    ምናልባት ሱቕታ እንተዘይተመሪጻ’ሞ እዞም ኣቦታት ክዛረቡ እንተዝፍትኑኸ ዝጀመርዎ ክሳብ ዝውድኡ ሰማዒ እዝኒ ምረኸቡዶ? ንምዃኑ ከመይ ዝመስል ሓሳባት ድዮም ከም ኣማራጺ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ከቕርቡ ፈቲኖም ኔሮም? እምበርከ ብሓሳብ ድዮም ተሳዒሮም ወይስ ብእዋን’ዮም ተበዲሎም ክሳብ ክንድ’ዚ ተዓዚሞም፡ እንተንበሃሃልከ ናበ’ቢልና ምሰጎምና ንኸውን ምባል ዝድፈር እንተኾይኑ፡ ወይለከ! ኤርትራዊዶ’ይኮንካን ብምግዳል ዝተዓጽወ ማዕጾ’ባ ኣይትፈንቅቕ ዝብል ቀይሕ መብራህቲ ክውላዕ’ዩ። ከመይ’ሲ መስርሕ ናይ ምግዳል ብቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ዝጸመመ’ዩ። ብባህሪኡ ናይ ልብኻ ምዝራብ ኣይፈቅድን’ዩ።

   ዝኾነ ኾይኑ ሱቕ ጥዑም!  ከምዝብሉ ሱቕታ ዝመረጹ ተዓዘብቲ፡ ሱቕታ ጥዕምቲ ክትከውን ትኽእል’ያ ንመረጽታ። ምናልባት በ’ንጻሩ ኣብ ጉዳይ ናይ ብዙሓት ምሳልካ ምሕዋስ ዝምረጽ እንተኾይኑ ግን፡ ብውሑዱ እሂን ምሂን ምብህሃል ክዕደም ባህርያዊ ኢዩ። ኣየውርድ ደኣ’ምበር እዚ ምርጫ’ዚ ሓቅኻን ኣይፋልካን እንተዘየ’ማዕሪጉዎ ኣይውዳእን’ዩ ጉዱ። ካብ ዝኸምኡ ይሰውረና!

    ዝኾነ ኾይኑ ኣብ እዋን ገድልን-ምግዳል ኣትሒዙ፡ ብምብሓት ናይ ናጽነት ኣቢሉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘሎ  ታሪኻዊ ናይ ሓሳባት መልክዕ ሰለስተ ግዜ ከምዝተለዋወጠ እዞም ብሂወት ዘለና ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና። ማለት’ሲ ቀዳመይቲ ዘውድን ደርግን ብዘይክኣ’ኳ ሂወት ዘይብልና እናበሉ፡ ከም ጣዖት ዘምልኹዋ ዝነበሩ፡ ትመጽእ ኣላ፡ መወዳድርቲ ዘይብላ   ላሎ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ .... ዝበሃለላ ዝነበረ’ሞ፡ ንመስርሕ ናይ ምግዳል ዘበሽቀጠት ናይ ኤርትራ ዓይነት ዘንጸባርቕ፡ ማለት’ሲ  ኣብ ልቢ ስዉኣት ዝተሳእለት ናይ ኤርትራ ዓይነት ዝገልጽ ሓሳባት ዝዓቖረት እንክትከውን፡ ካልኣይቲ ወያ ብሽምዓ ናይ ናጽነት ተወሊዓ ብእሳተ ነበልባል ኲናት ናይ ባድመ ዝተቓጸለት ናይ ኤርትራ ዓይነት፡ እንታይ ኮይና’ያ ከም ደቂ ሕድርትና ኣወል ቡን ኣሰኽቲታትና ዝተሰወረት ትመስል ክትዕ ተጎሃህር’ያ። ሳልሰይቲ ግን እዛ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ምስ ፈጠረታ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘላ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድልና እተንጸባርቕ ኮይና፡ ብስደትን፡ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ብርሰትን ትልለ ኢያ፡ እንተበልኩ ብዙሕ ሰብ ዝግረም ኣይመስለንን። ኣይከኣልን ኮይኑ’ምበር እቶም ኣብ እዋን ምግዳል ዝተሰውኡ ጻዕዳ ልቦም ሎሚ ካብ መቓብሮም ብድድ እንተዝብሉ፡ እታ ኣብ ልቦም ተሳኢላ ዝተቐብረት ኤርትራን እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራን ኣነጻጺሮም፡ ንመስርሕ ናይ ምግዳል እንታይኮን ምፈረድዎ? መመስገኑዎዶ ወይስ ፈንጢሖም ከዐርይዎ ምተበገሱ?

  እቲ ቐንዲ ዕማም ናይ ደቂ እዋን እምበኣርከስ፡  ከም’ዚ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ዝምህሮ ጉዳይ ባንዴራን ጥረራን ኣይኮነን። እታ ቀዳመይትን እዛ ከም ኳዂቶ መትሓዚ ተሳኢኑዋ ዘሎ ሳልሰይቲ ናይ ኤርትራ ዓይነትን ከራኽበን ዝኽእል ሓሳባት እንታይኮን ክኸውን ይኽእል ዝብል መስመር’ዩ። ብዓቢኡ ድማ ተጋደልትን ቲፎዞ ናይ’ቲ መስርሕን ስለምንታይ እዮም፡ ክወዳደር ንዝፈተነ ሓሳባት ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ንኸይሰምዑ ጸሚሞም፡ ካብ ዝብል ናይ እዋን ኩርናዕ ትሕዝቶ ናይ ታሪኽ ክንበብ እንተተፈቲኑ፡ እቶም ኣማራጺ ሓሳባት ዝተራእዮም ዓበይቲ-ዓዲ ስለምንታይ ሱቕታ ከምዝመረጹ ኣብ ታሪኽ ምምዝጋብ ክቐልል’ዩ። 

  ብዘይ ምግናን ድማ ኣብ ዓድን ዓውድን ዝወርድ ዘሎ ናይ ሂወት ናይ ትምህርቲ ናይ ምህርቲ ከምኡ’ውን ናይ ባህልን ወግዕን ብርሰት እንዛተየሉ ሰዓት ኣይኣኸለን’ሞ፡ ከም’ቲ ልሙድ ከም’ቲ ናይ ትማሊ፡ ማለት’ሲ ከም’ቲ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ባህሊ፡ ኣእዛን ይስመዓ፡ ኣእዳው የጣቕዓ፡ ክበሃል እንተዘይተደልዩ፡ ይኣክል’ባ፡ ሱቕ ጥዑም! ከምዘየናብር’ኮ ህሉው ኩነታትና ህያው ምስክር’ዩ፡ ምባል፡ ግራት ግብሪ ናይ ናጽነት ክሳብ ዝዕደል፡ ግራት ግብሪ ናይ ስደት ዘሕድግ መፈራርሂ ዘለዎ ኣይመስለንን። እዛ 2017 ናይ ሓዲሽ ሓሳባት ዓመት ይገብረልና’ባ’ኸውን ደቀይ!

   ሱቕ ጥዑም እንተዘይተመሪጹ’ምበኣርከስ፡ ምእንቲ ምኹስኳስ ኤርትራውነት ን30 ዓመታት ኣብ በረኻ ዘሕደረ ናይ ምግዳል ሓሳባት ብበዓል ኣነን እከለን’ኮ’ዩ ተሓንጺጹ፡ ዝብል ኣናብባ ታሪኽ ንዝናን ኣለናን (Judged by the leading roles the Bairu family played in the politics of Eritrea and Ethiopia …… it is possible to claim that they constitute one of the most influential families in the Horn of Africa. P. 11) ዘደፋፍር እንተኾይኑ፡ እሞ ኣብ መንቀሊኡ ክሳብ ክንድኡ ዝድነቕ ኣበጋግሳ እንተኔሩዎ ደኣ፡ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ካብ በረኻ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ስለምንታይ ኢዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ናብ ጭቃ ክሳብ ዝወድቕ ተደናጊሩስ፡ ንርብዒ ዘመን ኣብ ገዛ ዘሕድር ሓሳባት ስኢኑ ዝብል ደሃይ ህሉው ኩነታት፡ ምስ ዝወሰኸሉ’ዩ፡ ነቲ መስርሕን ንቐየስቲ ናይ ሓሳባቱን ሓወልቲ ዝህነጸሎም፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ህዝቢ ዘስረጽዎ፡ ዓይነትን ብዝሕን ናይ ለውጢ ዝምስክረሎም። ከመይ’ሲ ናጽነት ብለውጢ’ዩ ዝዕቀን።

 እንተዘይኮነ ግን ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት፡ ኣብ እንግድዓ ዓድን ዓውድን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ናይ ሓሳባት ድኽነትን ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ብብዙሓት ናይ ምግዳል መራሕትን ናይ ሓሳባቱ ቀየስትን (visionaries) ብተደጋጋሚ ክጽብጸብ ዝፍተን መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይፈላለዩ ክሳብ ክንደይከ ይቀራረቡ ዘይመሚ ናይ ምግዳል ቲፎዞነት፡ ተኣማንነት ንናይ ትማሊ ውዕሎ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ካብ ምምሳል ሓሊፉ፡ ካብ ሕማምን ድኽነትን፡ ኲናትን ማህለቕትን፡ ስደትን ብርሰትን ዘናግፍ፡ መንገዲ-ተስፋ ዝሕብር፡ ምስ እዋን ናይ ምትዕጽጻፍ ብቕዓት፡ ዓምቢቡ ዝፈሪ ሓሳባት ከምዘይተነጽፈሉ፡ ዕለታዊ ሂወትና ኮይኑ ዘሎ ውጽኢት ናይ ተግባሩ’ዩ ምስክሩ። ከም ተግባሩ እንተተመዚኑ ድማ ብቒምታን ብህልኽን ዝመጣላዕ መን ከማይነት’ዩ ዓንዲ ሕቖ ናይ ዝንኡ።   ቂምታን ህልኽን ንስንቂ ናይ እዋን እንተተሓጽዮም ከኣ ዝወርድ ክሳራ መዐቀኒ ኣይርከበሉን’ዩ። ርሑቕ ከይተኸደ ንደቂ ጂቡቲ፡ ብሰንክ’ዚ ብቒምታን ህልኽን ዝመጣላዕ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ሓዳስ ጸሓይ ምስበረቐትሎም ኣብ ዱባይ ንኣምን፡

“We believe in Dubai.” (2, 55)

ክሳብ ምባል ዘብጽሖም፡ ዓሰብን ባጽዕን ብፈጣሪ ስለዝተረግማ ናይ ጸሓይ ህሮሩርማ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮይኑ ራድያተር ናይ ዓበይቲ መኻይን ምፍንጃር ምስ ኮነ ኣመሉ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ መብዛሕትኡ ተሰዲዱ፡ ዝርካቡ እቲ ዝተረፈ ድማ በ’ርዑት ባርነት ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ኣብ ጎዳጉዲ ይነብር ስለዘሎ’ሲ፡ መጸገኒ ዝኸውን ኦፊቺና ተሳኢኑውን’ዩ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ወደብ ምዃን ኣጊሙወን፡ መራኽብ ባቡራትን ናይ ጽዕነት መኻይንን ብጥቓአን ዘይሓልፋ ዘለዋ። ጂቡቲ ግን ብርጭቕ ኢላ ዝጠፍአት ጸሓይና ኣብ ምጥላቓ ብረቢ ተመሪቓ ኦኣሲስ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ስለዝተዓደለት’ዩ፡ ንሕናን ባህልናን ንበርሰሉ ሓዲሽ ናይ ጀኦግራፍን ደሞግራፍን ለውጢ ሱር ዝሰድድ ዘሎ፡ ተባሂሉ ዝሕለፍ መኣስ ኮይኑ።

     ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ተዓዘብቲ፡  “ንዒንጡቕ ሃገር ብጉርብትና ክሱፋት ትሰራሰር። A tiny country makes the best of a bad neighborhood.” ዝብል ሓሳቦም ክሳብ ዘንጸባርቑ፡  ቀየስቲ መስርሕ ናይ ምግዳል ዘንጸፍዎ ናይ ሓሳባት ትሕዝቶ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ንናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘድንቕ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ናይ ምውሳእን ምውድዳርን ብቕዓት ዘይብሉ፡ ንእብረ ዘይርዕም፡ ሓዲሽ ሓሳባትን ኣማራጺ መንገድታትን ዝሕሰም ከምዝኾነ ዝምስክር’ዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ንቐየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ዘይፍታሕ ጸገም መሲሉ ዝተራእዮም ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ንመራሕቲ ጂቡቲ ድርብ ስረ ኣዕጢቑዎም ይረአ’ሎ። ኣብ’ዛ 2017’ባ ከም’ዛ ስረኦም የዕጥቐና!

       ዝኾነ ኾይኑ ብድሕሪ’ቲ ነዊሕ ኮለል ኣብ ኣርእስቲ፡ ዝናን ባህታን፡ ናጽነትን ሱቕታን፡ ብፍላይ ድማ፡

(ሀ) ብኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተጻሕፋ መጻሕፍቲ፡

    1. ኣይንፈላላ 1941 – 1950        2. ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ 1951 – 1955

(ለ) ብኣምባሳደር ዘውዴ ረታ ዝተጸሕፈት መጽሓፍ - የኤርትራ ጉዳይ 1941 -1963 ከምኡ’ውን

(ሐ) ብዶክተር ተኸስተ ነጋሽ ዝተጻሕፈት - Eritrean and Ethiopia The federal Experience ደጋጊመ ምስ ተወከስኩወን፡ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰፈረት ትጽቢት፡ ኣቶ/ተጋዳላይ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣሪጉ ዓዲ ቅድሚ ምውዓሉ ብዛዕባ ቅዲ-ኣመራርሓ ናይ ኣቡኡ ማለት’ሲ ናይ ፈለማ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ክቡር ኣቶ ተድላ ባይሩ ዝትንትን መጽሓፍ እንተዝጽሕፍ’ሲ፡ ብንጽጽር ምስ’ዚ ኣብ’ዘን መጻሕፍቲ’ዚኣተን ተተንቲኑ ዘሎ ኣናብባ ናይ ታሪኽ፡ ትሕዝቶ ናይ መጽሓፉ እንታይ ምመሰለ ኔሩ? ትመስል ሕቶ ሕርኽርኽ ክትብለኒ ቀሊል እዋን ኣይበልዐትን። 

    ሓቂ ንምዝራብ ድማ፡ እቲ ዓሚ-ዓሚ ዘመን ብጥዑሙ!! ናይ ጀብሃ-ዓባይ ሰራዊት ካብ ጎላጉል ባርካ ክሳብ ጎቦታት ቆሓይቶን እምባሶይራን ይወናጨፉ’ለዉ። ህዝባዊ ሓይልታት ድማ ካብ ሳሕል ክሳብ ጎላጉል ዓላ ሰራዊት ክትምልምል ትውዕል ኣላ፡ ዝብል ወረ፡ ዓድን ዓውድን ከናውጽ እንከሎ፡ ኣሰሩ ተተኸቲሉ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዝብል “brand name” ኣብ ስዊድን ኣሎ፡ ሱዳን በጺሑ’ሎ፡ ወይ ድማ ናብ ጎላጉል ባርካ ኣትዩ’ሎ ... ዝብል ወረ፡ ከም ንፋስ ሽው ይብል’ሞ፡ ብመንጽር’ታ ኣብ ቅድመይ ዝነበረት ንእሽቶ ዓለመይ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሰብ’ሲ፡ ከም’ቶም ስሕት ኢሎም፡ ምስ ቁርን ድሚማን ናይ ክረምቲ፡ ምብቋል ናይ ኩዕንቲ፡ ኣብ ግዜ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ፡ ናብ ገለ ዓድታትን ቤተ ክርስትያናት ናይ ካቶሊክን፡ ብላንድ ሮቨር ቅልቅል ዝብሉ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ፈረንጂ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናተናጠረ ንንፉዓት ተመሃሮ ዕዮ-ምስክርን ናይ ብልጫ ሽልማትን ዝዕድል መራሕን ወዲዓበይትን መሲሉ ይረኣየኒ ስለዝነበረ፡ ኣኽብሮት ዝመልኦ ናይ ንእስነት ትጽቢት እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ቅዲ-ኣመራርሓ ተጋዳላይ ሕሩይ ይኹን ብዛዕብ ሚዛን ኣረኣእይኡ ኣበ’ተኣላልያ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ጥልቕ ዝበለ ኣፍልጦ ካብ ቀደም ክሳብ ሕጂ ኣይኣከብኩን። ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ፡  ኣብ’ታ መጽሓፍ ተላዒሎም ዘለዉ ሓሳባት ብዛዕባ ጉዳይ ናይ ብዙሓት መሰረት ብምግባር ርኢቶይ ንምሕዋስ’ምበር፡ ክጣበቐሉ ዝፍትን ፖለቲካዊ ይኹን ውድባዊ ኣባልነት የብለይን። ምናልባት ኣብ ትሕዝትኡ ቅር ከብል ዝኽእል ኣቐራርባ እንተ’ልዩ ድማ ይቕረታ ኣቐዲመ ተማሂረ ዝእረመሉ ናይ በይነይ ተበግሶ ኢዩ።

    ምስ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ድማ ኣይንፋለጥን ኢና።  ሕጂ ምስ’ዚ ኣብ ምብረሐይ ዘጋጠመኒ ናይ ስደት ኮለል ግን፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናይ 2000 ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ብመልክዕ ኣኼባ ናይ ምቅዋም ዝሃቦ ሰሚናር ብምስታፍ’የ ብቐረባ ክርእዮን ዝብሎ ክሰምዕን ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። ሽዑ ካብ ዝበሎ ዘረባ፡ ትዝ ዝብለኒ ሕጂ፡ ንኢትዮጵያ ከይደ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ተራኺበ ኔረ፡ ንሱ ከም ዝበለኒ ድማ፡ ለውጢ ብውሽጢ ይምጻእ ብደገ፡ ንሕና ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝቕየድ መንግስቲ ክህሉ’ዩ ትጽቢትና’ምበር ኩስቶ ወይ ድማ እከለ ክሽየም ኣለዎ ዝብል ሕልሚ የብልናን ኢሉኒ፡ ዝመስል መልእኽቱ ምሰ’መሓላለፈ ኣዝዩ ገረመኒ’ሞ ዘረብኡ ወዲኡ መደብ ሕቶን መልስን ምስተጀመረ ኢደይ ሓፍ ኣበልኩ፡ ክሓትት ወይ ድማ ርኢቶይ ክህብ ከኣ ተፈቕደለይ።

   ካብኡ ዝተዋህበኒ ዕድል መሰረት ብምግባር፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣፍሪቃ ኮረያ ይመስላ’ሎ፡ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ናብ ኢትዮጵያ በጺሕካ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ተዘራሪብካስ፡ እንደገና ድማ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ደው ብምባልካ ብጣዕሚ’የ ዘድንቐካ። ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሜኻ ተኣኪብና ዝምልከተካን ዘይምልከተካን ሕቶታት ክንሓተካ ዕድል ስለዝሃብካና የመስግነካ። ንስኻ’ውን ከምዘይትስሕቶ ግን ወሪዱና ዘሎ ጸገም ንበይንኻ ክትፈትሖ ከምዘይትኽእል ኣይጠፍኣናን። ይኹን ደኣ’ምበር ጥንስቲ’ሲ እንተፈሰ’ት ዝሓረሰት ይመስላ ከም ዝብሉ መሰልቲ፡ ኣብ ከብድና ተደጒሉ ከም ረመጽ ዝህውጸና ዘሎ ጉዳይ ነተንፍሰሉ መድረኽ ስለዝኸፈትካልና፡ እዝጊ’ሃብካ!  .... ምስ በልኩ፡ እቲ ብባሕሪ ሓሳባት ተዋሒጡ፡ ጸጥ ኢሉ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ንገለ ቁሩብ ደቓይቕ ክስሕቕን! ጉዥምዥም ክብልን! ተራእየ። ሕጂ ድማ ሕሩይ ተድላ መጽሓፍ ጽሒፉ ትብል ሓበሬታ ምስ በጽሐትኒ፡ እሞ ነዛ ኣብ ልበይ ሕርኽርኽ ክትብል ዝጸንሐት ሕቶ፡ ብዛዕባ ቅዲ ኣመራርሓ ናይ ፈለማ መራሕ-መንግስቲ ኤርትራ ትምልሰለይ ግዲ ትኸውን ብዝብል ትጽቢት፡

“Eritrea and Ethiopia

A front row cover at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution - 2016   .........

ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ ሕድር ውዕል ከይበልኩ’የ ካብ ኣማዞን ኣዚዘያ። ኣብ ሳልስቲ ናብ ኢደይ ምስ ዓለበት ድማ ንባብ ቅድሚ ምጅማረይ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ናይ ገበራ ዘሎ ትሕዝቶ ፈተሽኩ። ኣይከምዝተጸበኹዎን ግን ብዛዕባ ትሕዝቶኣ ርኢትኡ ዘስፈረ፡ ጸሓፋይ፡ ተጋዳላይ፡ ተመራማራይ፡ ወይ ድማ ኣንባቢ ስለዘይረኸብኩ ሽዑ-ሽዑ’የ ከንፈር ምንካስ ዝጀመርኩ። ማለት’ሲ ምልኪ ማለት ደኣ ተለቭዥን ጋዜጣን ረድዮን ብሒቱ ከም ቃሕትኡ ዝምድር፡ ቅጭ እንተበሎ ድማ ንዝተማደሮ ሰብኣይ ኣጻፍዓ ኸዳሚት ጸፊዑ በ’ኹድር ዝሽንድሕ፡ ነዊሕ ቀይሕ ሓለንጋይ ጥራይ መኣስ ኮይኑ ዘስምዕ ... ብጸጋም ድዩ ብየማን ቦቚሉ ብዘየገድስ፡ መራሒ ንበይኑ ከዕልል ንእዋን ጽን ዘይብል እንተኾይኑ ኩሉ ንሱ እንዳኣሉ፡ ዝብል ጥርጣረ’ኳ ቅጅል እንተበለኒ፡ ንባብ ካብ ምጅማር ድሕር ኣይበልኩን።

   በቲ ኣነ መልሲ ክረኽበሉ ዝጽበ ዝነበርኩ ሕቶ መሰረት ንባባይ ምስ ቀጸልኩ ድማ፡ ብዛዕባ ቕዲ-ኣመራርሓ ናይ ፈለማ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ክቡር መራሕ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ታሪኽ፡ ምስ’ቶም ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ  መጻሕፍቶም ኣብ’ታ መጽሓፍ ተላዒሎም ዘለዉ ናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ተመራመርትን፡ ካብ ክመሳሰል ክፍለ ወይ ድማ ክእርም ዝፍትን ጻዕሪ ዝዕብልሎ ኢዩ። እኳ ደኣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉስ እቲ ዝተዓለመ መደምደምታ ምእንቲ ክውቃዕ ክሳብ ዝመስል፡ ነቲ ዝተባህለ ብቕድሚኡ ወይ ድማ ብድሕሪኡ ዘሎ ክፋሉ ብምግዳፍ፡ መካይን፡ ብሽግለታ፡ ኣጋርን፡ ካሮሳን ከይጋጨዋ ከም ዘስግእ ብዝሒ ኩርናዓት ናይ ኮምብሽታቶ፡ ናብ ዝመረጸቶ መዕለቢ ዘብጽሕ መተዓጻጸፊ ዝኸውን ኩርናዓት ይበዝሓ’ዩ።

  ስደትናን ህሉው ኩነታት ናይ ዓድን ዓውድን ከምዝምስክሮ’ምበኣርከስ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን ነቲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን መሲሉ ዝተጀመረ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት፡ እንታይ ብእመት ደኣ ብመጽዓን’ኳ ክውሕዶ ናብ ዝመስል’ሞ መዓልቦ ዝኸውን ባይታ ናብ ዘይተቐረበሉ ርሕቀት ሃፍ ኣቢሉ’ዩ፡ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ንጎረባብትና ዓዲሉዎ ዘሎ። ዓለባ-ልቢ ዘይብሉ። ኣብ’ዛ 2017 ዘይረአናዮ ይፍጠረልና’ምበር፡ ዲክተይተር ጉድ ጌሩና ዝመስል ረስኒ  ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ብሓዲሽ ሓሳባት ኣየአንግዶን’ዩ ንህሉው ኩነታትና።

    እ...ወ! ደገ’ዝማቲ ኣበራ ሃይሉ ንካፒታኖ በርቲኒ ቀንጺሉ ኣንጻር ፋሺዝም ንኽዋጋእ፡ ምስ ሰራዊት ምንሊክ ተጸምቢሩ፡ ዝብል ኣናብባ ናይ ታሪኽ እዋኑ ሓሊፉ ግዲ ኮይኑ’ሲ፡ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ናይ ትማሊ ውዕሎና ብኣንድነት ወይ ብምሕዝነት ምንብባር ካብ ዘይተኸኣኣልና፡ ምሳኻትኩም ምስ ደቂ መረብ ምላሽ’ሲ፡ እታ ን30 ዓመታት በረኻ ዘሕደረት’ያ ተባሂላ ትውቀስ ፊርማ ናይ ሃጸይ ምንሊክ ትዳንየና፡ ምባል ክሳብ ዝመስል፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዘውድን ብደርግን ዘይተሓልመ፡  ተሓሲቡን ተገሚቱንን ዘይፈልጥ ናይ ጀኦግራፍን ደሞግራፍን መልክዕ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ኣስፊላ፡ መጻኢ ዕድሉ ዕዮ-ገዛ ደቂ እዋን ክኽውን ኣንጺፋቶ’ላ።

   እናሓደረ ዝቐልል ዕዮ-ገዛ ይግበሮ’ምበር፡ ደቂ መረብ ምላሽ፡ ምንሊክ ከምዝጠረረና ይሕሸና እናበልኩም፡ ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ ጥራይ እንተኾይኑ ምርጫኹም’ሲ፡ ረሓቑ ሕራይ ጻዕዳ ይጽናሕኩም ጥራይ! እንተደለኹም ኣግማል ኣስትዩሉ ንወደባትኩም። ደጊም ካልእ ኣማራጺ ክንፍትን ኢና ንሕና። ዘውድን ደርግን ደድሕሪ ወደባትኩም ክጎዩ ዝሓሸሽዎ ሂወትን ንብረትን’ኳ የሕምመና’ሎ። ምናልባት እቲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን’ያ ዝብል ናይ ዘውድን ደርግን ሳንኩፍ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሎሚ’ውን ክትሓቑኑዎ ባህ ዝብለኩም እንተኾይኑ ከኣ ክሳብ ዝጽዕየልኩም መጋርያኹም ሰሓኑ። ትማሊ ማለት ሎሚ ማለት ስለዘይኮነ፡ ብሸነኽና ኣብ’ታ መጋርያ’ቲኣ ከምዘይንስሕን ኣሰሚዕና፡ ባቡር ናይ መጻኢ ዕድልና ንዝውረሉ ሓዲሽ መንገዲ ቀይስና’ለና። ኣብ ጉዕዞ ድማ እንተ ንሕና ብዘይካኹም  እንተ ንስኹም ብዘይካና መን ምንባር ከምዝስእን ንርእየሉ ዕድመ ይሃበና፡ ዝብል ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ካብ ወረቐት ሓሊፉ ብጽርግያን ብመንገዲ ባቡርን ከምዝተጻሕፈ ዘየንበበ ናይ ምግዳል መራሒ እንተ’ልዩ፡ ናብ ገዳም እንዳ’ቦና ምውታፉ፡ መን’ፈልጥ እንተ ተዓርቀ ምስ ኣምላኹ!

   እንተ’ዚ ኣብ ትማሊ ደቂሱ ኣለኹ ንምባል ትልኽ ዝብል ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ግን ሱቕ ጥዑም እንተዘይተመሪጹ፡ ኣይኮነን ከጃህር፡ ምስ ሰብ ዘሐውስ ቅያር ክዳን’ኳ ዘይብሉ። ባኮ እንዳኣሉ ውሽጡ ደቀይ!

   ሎሚ ድማ፡ ወድና-ጋልና ዓቢና-ንኡስና ማይ ገዲፍና ደም እንዳነባዕና፡ መዓልቱ ዘሕለፈ ኣጠማምታ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምቑሳይ ንእዋን ኣየርብሕን’ዩ ምባል፡ እምበርዶ ኤርትራዊ’ዩ እዚ ሰብኣይ ብዝመስል ጎቦ ዓይኒ ዘጠማምት ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕዥ ይወስደክን! ከምዝብሉ መሰልቲ፡ መራሕትን ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳልን፡ ጀብሃኦም ሻዕብያኦም ኣብ ብትማሊ እናተጃህሩ፡ ምስ እዋን ከይተበራበሩ፡ ኣጽቂጦም ክሳብ ዝቕበሩ ዝቖረጹ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ተነጺፎሙና ምውዳቖም’ዩ

   ዝኾነ ኾይኑ እዛ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ሽሕ’ኳ ሕሩይን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብቐዳመይትን ካልኣይትን ታሪኻዊ መልክዕ ሓሳባት ናይ ኤርትራ ይፋለጡን ይመያየጡን ከምኡ’ውን ብጎቦ ዓይኒ ይጠማመቱን ከምዝነበሩ ትዝክር’ኳ እንተኾነት፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዕላምኦም እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ፡ ምናልባት’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ከመ’ቢሎም ካብ መቕዘፍቲ ናይ ኲናት ከምዘናግፍዎ  ይመያየጡ ከምዝነበሩ ትዝ ዝብላ ኣይትመስልን’ያ።

    ብፍላይ ናብ’ታ ሳልሰይቲ መልክዕ ሓሳባት ናይ ኤርትራ ገጻ እንክትቀርብ ከኣ፡ ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ሓጺር ናይ ሰላም እዋን፡ ኣብ መንጎ ገባርን ተጋደልትን፡ ብስራሕን ብምንብባርን፡ ኣብ’ታ ሓጻር ግዜ ዝተጋህደ ዘይምጥዕዓም፡ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናይ’ቲ መስርሕ፡ ናይ ህዝቢ ረብሓን ድሕነትን ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘይተሰርዐ ዘነጽር መልክዑ ተቐሊዑ ከምዝነበረ ትዝ ከምዘይብላ፡ ኮሊላ ኮሊላ ከም’ቶም ዝቐደሙ መጻሕፍቲ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ብምልኪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምምስማስ ዝሸፋፈን’ዩ ዝመስላ እዚ ብሰንኪ ናይ ሓሳባት ድኽነት ዝሕመስ ዘሎ ናይ ብዙሓት ኣድማስ።

ምልኪ ማለት?

   ሓቂ ምዛራብ ዝመርጽ ናይ ፖለቲካ መስመር የለን ክበሃል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ምምልማል ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ብናይ ዲክተይተር ስላዕ ቅድሚ ምርዕራዕ፡ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናይ’ቲ መስርሕ ኣማራጺ ክሕብር ንዝፈተነ ኣባል ብዘይኣገባብ ክቕጥቀጥ ክእሰር ክቕንጸል እንከሎ ምጥቓዕ’ዩ ዝስራዕ። ስለ’ዚ ዱልዱል መሰረት ምምልማል ምልካዊ ስርዓት፡ ምሳሉ ዝገለጸ ኣባል እንክቕንጸል ምጥቓዕ ዘቐድም እንተኾይኑ፡ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነ ፍርዲ-ንጉስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብሕጂ’ውን ንሓደስቲ ሓሳባት እብረ ብምሃብ’ዩ ፋሲካ ዝርከብ።

      እቲ ዝገርም፡ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝግበር ጥምጥም’ዩ እናተባህለ እልፊ ኣእላፍ መንእሰያት ዝቐዘፈ፡ ዘሕዝን ኲናት ብጉልባብ ባድመ ናይ መን’ያ ምስ ተኻየደ፡ ናይ ወያነ (ism) ንናይ ሻዕብያ (ism) ብፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ይኹን ብአኮኖምያዊ ኣኹድር ረጊሓ-ሸንዲሓ ኣላሽ ምሰ’በለታ፡ ናብ ተቓወምቲ ዝተቐየሩ መራሕትን ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳልን፡ ክሳብ ሽዑ ንምልካዊ ኣሰራርሓ ከምልኹ ዓድን ዓውድን ከምዘየደናገሩ፡ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ምስ መረረ፡ ንህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት በትሪ መንግስቲ ዝመንጠለ ውልቀ መላኺ ዝፈጠሮ ተርእዮ፡ ኣምሲሉ ዘቕርብ ኣናብባ ታሪኽ ብምዝራእ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ፋሕ ብትን ከብልዎ እንተዘይኮይኑ፡ ሓዲሽ ሓሳባት ከቕርቡ ወይ ድማ ናይ ካልኦት ክቕበሉ ኣይረኣዩን ዘለዉ።

      ስለዝኾነ ድማ እዚ  ዝምባለ’ዚ፡ ሕማም ድሓር ናይ ምግዳል ኮይኑ ነቲ ሓዲሽ ሓሳባት ጨኒቑዎ ዘሎ ናይ ለውጥን ዕርቅን ጉዕዞ ሱሩ መሰረቱ ሸፋፊኑ መፍትሒኡ’ውን ተስፋ ክሳብ ዘቑርጽ ክሓላልኾ ይርአ’ሎ። ትሕዝቶ ናይ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍ’ዚኣ ድማ፡ መራጉድቲ ናይ’ዚ ዓድን ዓውድን ከደናግር ዝጸንሐ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ክመስል ዝፍትን ጻዕሪ እንተዘይኮይኑ፡ ከም’ቲ ኣርእስታ ዝሕብሮ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ዘስብሕ ሓዲሽ ሓሳባት የብላን። 

     ብዘይ ምግናን ግን፡ ናይ ጸሓፋይ ፖለቲካዊ ዝምባለ ካብ ንእስነቱ ንመሪሕነት ከምዝተመልመለ ትገልጽ’ያ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ምግዳል ይኹን ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ተመሃሮ ዘሕለፎ ንጡፍ ተሳትፎ ብመሪሕነት’ዩ ዝንጸባረቕ። ይኹን ደኣ’ምበር ትሕዝቶ ናይ’ዛ መጽሓፍ ከም ዝዝርዝሮ- ኣነ ወዲበዮ ... ኣነ መሪሐዮ .... ኣነ ሰሪዐዮ .... ኣነ ኣርቂቐዮ... ዝዓይነቱ ጨው፡ ምሒር በዚሑ’ሲ፡ ንጽምኢ ማይ፡ ብማይ ገርግሱም ምርዋይ፡ ዳርጋ’ዩ ዘጥዕሞ መቐረት ንባባ። ምናልባት እቲ ጉዕዞ ሰሊጡዋ በቲ ከምኡ ዝመስል ቅዲ’መራርሓ ትምራሕ ዝነበረት መስርሕ ናብ ዓወት በጺሓ እንተትኸውን ኔራ ድማ፡ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነ’ሲ፡ ካብ’ዛ ፋሕ ብትን ተብለና ዘላ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ትሓይሽ መወዳእታ ንኽትህልዋ ተስፋ ትህብ ኣማራጺት ዕድል ከምዝተሓሸሸት ዘተሃራርፍ ዓይነታዊ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ኣይተንጸባርቕን’ያ።

   ብመንጽር’ቲ ቀንዲ መበገሲ ናይ ቃልሲ፡ ማለት’ሲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን ዝብል መስርሕ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነት  ብዝንጸባረቕ ጻዕሪ እንክትረአ ድማ፡ ሰባት ይኹኑ ሓሳባት፡ ሓንሳብ መንቀሳቐሲ ወረቐት፡ ግልብጥ ኢሎም ድማ መወሳወሻ ወረቐት ክቐያይሩ ሸውሃት ናይ ንባብ’ዮም ዝፈታተኑ። 

    ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ!

     ኣብ ገጽ 22 ናይ’ዛ መጽሓፍ ካብ ዘሎ ጽሑፍ “ብሸነኽ ኣደይ፡ ኣቦሓጎይ፡ ገብረማርያም ካብ ጸዓዘጋ እዮም። ጸዓዝጋ ድማ  ወልደሚካኤል ክሳብ ዝምንዝዖም’ሲ፡ ምቕማጥ መኳንንቲ ናይ ሓማሴን’ያ ኔራ (Tsazega, the seat of the Lords of Hamasien)። ብፍላይ ጥልያን መግዛእቶም የጣጥሑሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ መንበር ጸዓዘጋ ዝጸንሑ ወራስ ዓራት መኳንንቲ ሓማሴን (Scion of Tsazega) ከኣ ፡ ደገ’ዝማቲ ኣበራ ሃይሉ ይበሃሉ። ደገ’ዝማቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሳፍሕ ዝነበረ መግዛእቲ ጥልያን ቅጭ የምጽኣሎም’ሞ፡ ኣንጻሩ ክጋደሉ ይውስኑ። ሓደ መዓልቲ በርቲኒ ንዝስሙ ናይ ጥልያን መኮነን ስጉምቲ ብምውሳድ ከኣ፡ ሓደ ምባል ጀመሩ። ካብኡ ገድሎም ንምቕጻል ዓሳኽሮም ኣኸቲሎም ናብ ሰራዊት ሃጸይ ምንሊክ ተጸምበሩ። ሃጸይ ምንሊክ ድማ ብናይ ደገ’ዝማትን ዓሳኽሮምን ወተሃደራዊ ስርሒት ተገሪሞም፡ ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ፡ ብምባል ኣድንቖቶም ኣንጸባሪቖም ይበሃል’ዩ ይብል’ሞ፡ ኣቦሓጎይ ገብረማርያም ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ምስ ደገዝማቲ ኣበራ ሃይሉ ናብ ሰራዊት ምንሊክ ዝተጸምበሩ ወተሃደራት ነበሩ፡” ይውስኸሉ።

  ይኹን’ስኪ ሕራይ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ኣፍ ሃጸይ ምንሊክ ወጺኡ እንተኾይኑ፡ ዝምስክረሉ መርትዖ ይርከብዶኾን ይኸውን ዝብል ሕቶ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ካብ ሰፈረ’ሞ፡ ኣብ ግዜ ጣልያን ወራሲ ዓራት መኳንንቲ ናይ ሓማሴን ዝነበሩ፡ ደገዝማቲ ኣበራ ሃይሉ ይበሃሉ ኔሮም ካብ ተባህለ፡ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ከም ዝብሉ መሰልቲ፡ ኣበራ ሃይሉ ዝብል ስም ደኣ ካብ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ’ዶ’ይኮነን ዝቐርብ ምባል፡ ሽዑ’ኮ ዶብና ኣይተጠረረን’ዩ ኔሩ ዝመስል መሸፈጢ እንዳ ዝናን ባህታን ዘመኽንየሉ ኣይመስለንን። ከምኡ’ውን ደገዝማቲ ኣበራ ሃይሉ፡ ቃልሲ ንምጅማር ድዮም ንካፒታኖ በርቲኒ ቀቲሎሞ ወይስ ካልእ ፈተና ኣራኺብዎም’ዩ፡ ዝብል ሕቶ ወስ ምባል’ውን፡ ናይ ናጽነት ግራት ግብሪ ካብ ምሕዳግ ሓሊፉ፡ ናይ ስደት ግራት ግብሪ ዘሕድግ መፈራርሂ ዘለዎ ኣይመስለንን። እንተ’ዛ ንደገዝማቲ ምስ ዓሳኽሮም፡ ጎቦታት ሳሕልን ጎላጉል ባርካን ገዲፎም ናብ ምንሊክ ዝወሰደቶም ንፋስ ግን  እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ ትብል ምስላ ተዘኻኽር’ያ። ሱቕ ጥዑም እንተዘይተመሪጹ።

   ምናልባት’ውን ከም’ቲ ኣብ ገጽ 12 “After the collapse of the religious war of Gragne (1528 - 43)against the Abyssinian state, in 1542 Gonder, the capital of the of Ethiopian emperors became one of the centers of learning of the Orthodox Tewahdo Church, towards which Eritrean scholars were drawn. Most Eritrean priests were ordained there.”  ተዘኪሩ ዘሎ ናይ ዝምድና ዓይነት ደገዝ’ማቲ ኣበራ ሃይሉ ፊደል ክቖጽሩ እንዳ ሃለቃ ስለዘየንግሁ ወይ ድማ ብዛዕባ’ቲ በ’ምሓርኛ ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ ውዕል ውጫለ ስለዘይሰምዑ’ዮም፡ ምስ ሰራዊት ሃጸይ ምንሊክ ተወዲቦም ኣንጻር ጥልያን ክዋግኡ ወሲኖም ዝመስል ኣበሃህላ ንስጉምቶም ዝገልጾ ኣይመስለንን። ኣብ እዋን መሓመድ ግራኝከ ኤርትራውነት ኔሩ ድዩ ዝብል ሕቶ’ኳ ርኢኻ ከምዘይረአኻ ሸለል ምባሉ’ሓይሽ።

   ዝኾነ ኾይኑ እዚ ንኽትዋዘየሉ’ኳ ዘሕንኽ ብላይ (old-fashioned) ናይ ተበለጽትን መሳፍንትን ኣበሃህላ ከመይ’ሉ’ዩ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኣንፈት ዘይብሉ እዋን፡ ማለት’ሲ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ተፈጢሩ ንዘሎ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን መፍትሒ ዝኸውን ንቕድሚት ዝጥምት  ሓሳባት ኣለኒ’ሞ ኣንብቡኒ ኣብ ዝብል “Eritrea and Ethiopia፡ A front row cover at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution - 2016   ሓዲሽ መጽሓፍ ዘስፍሮ ብቕዓት ረኺቡ እንድዒ።

   ኣይፍለጥን ግን ደገዝማቲ ኣበራ ሃይሉ’ውን ከም በዓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም...፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ብትውልዲ ኢትዮጵያውነት ዝብጸሖም ኤርትራውያን ጀጋኑ’ዮም ክበሃል ይድለ ከይህሉ ዘየጠራጥር ኣይኮነን። ምናልባት’ውን ንግስተ ሳባ ምስ ንጉስ ሰለሞን ኣንሶላ ክቀናጠጣ ቀንየን ካብ እዮሩሳለም ናበ’ኽሱም ክምለሳ እንከለዋ ኣበ’ስመራ ማይ በላ ዝብል ናይ ሩባ ስም ገዲፈን’የን መረብ ተሳጊረን ይብል’ዩ’ሞ ኣፈታሪኽ፡ ዓሳኽረን’ውን ንእገረመንገዶም ሓደ-ኽልተ ኣወዳትን ኣዋልድን ወልፊጦም’ዮም መረብ ተሳጊሮም ዝመስል ምጥርጣር ክወሰኸሉ’ዩ ዝድለ ዘሎ?   

      ብርግጽ ግን እዚ ምኩሕ ኣበሃህላ’ዚ  ይትረፍ ንታሪኽ፡ ንዘቐራ ይኹን ንመማቕርቲ ስነጽሑፍ ዘብቅዕ መልእኽቲ የብሉን። ከም መማቕርቲ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ሓንሳብ ምስ ተዘራአ ግን፡ ሰኣን ጽህይ-ጽህይ ዘብሎ ናይ ሓሳባት ምዕባለ፡ ኣብ ዝምድና ህዝብታት ክልቲኡ ስግር ሩባ መረብ ኣሕዲሩዎ ዘሎ ምግምማት ግን ቀሊል መርገም ኣይኮነን።

       ምናልባት ንሳዕቤኑ ብኣብነት ምዝካሩ ዘድሊ እንተኾይኑ፡ ኣብ እዋን ምብራዕ ፖለቲካ ናይ ባድመ፡ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኤርትራውያን’ኮ ንሽሕ ሃመማ ሓንቲ ፍሊት’ያ ..... ትኣኽሎም፡ ብምባል’ዮም ዝገልጽዎ ንዓቕምና ክሳብ ምባል ደፊሮም ኲናትን ቅርሕንትን ዘሳወሩሉ ኣርዶወረ፡ ታሪኻዊ ጽልዋ ናይ’ዚ ትምክሕቲ’ዚ’ዩ ዘንጸባርቕ። ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ምብራዕ ፖለቲካ ናይ ባድመ፡ ናይ ኤርትራ ሓይሊ ኣየር ካብ ድምጺ ዝቕልጥፋ ሚግ-29 ተዓጢቑ ምስተባህለ፡ ንመንገዲ ኣየር ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ቦሌ ምሕዳር ከቕስና ስለዘይከኣለ፡ ንግዜኡ ነፈርታ ሒዛ ናብ ናይሮቢ ክትግዕዝ’ያ ዝብል ወረ ኣብ ጋዜጣ ክሰፍር ጀመረ። ኣይደንጎየን ድማ፡ ንግዜኡ’ሲ ኣዝዩ ዘመናዊ ጸረ-ኣውሮፕላን ኣብ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተተኺሉ’ሎ ዝብል ወረ ተወሰኸሉ። ካብኡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ “ሚሳይልስ ሕራይ ሰብከ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ጽሑፍ፡ ቦሌ ምስ ምሳይሉ ዘርኢ ስእሊ ኣዓጂቡ ከም ዝወጽአ ትዝ ይብለኒ ሕጂ። ቁጽሪ ናይ’ታ ጋዜጣን ዕለታን ዘይምዝካረይ ይቕረታ።

   ብዘይምግንናን እምበኣርከስ “ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ” ትብል ናይ ዣህራን ፈኸራን ኣበሃህላ ምስ መሰል ይኹን ምስ ምኹስኳስ መልክዕ ዜግነት ናይ ኤርትራውነት ዘራኽብ ትሕዝቶ የብላን። ብርግጽ ግን ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ዘንጸፍዎ ፍልስፍና ዝናን ባህታን ወይ ድማ ንኢትዮጵያውነት ዘቆናጽብ ትምክሕቲ፡ ክሳብ ክንደይ ቀይዲ በተኽ ምንባሩን፡ ደረት ጀብሃን ሻዕብያን ከምዘይጥርሮን፡  ትምስክር ናይ ታሪኽ ጎደፋ ኢያ’ሞ፡ ኣብ መጽሓፍ ካብ ምጥርናፋ፡ ንሓዋሩ ካብ ዓድን ዓውድን ኣርሒቑ ምእንቲ ክጽርግፋ ናብ ውሕዥ መረብ ምውታፋ፡ ንዓድን ዓውድን ዘርብሕ’ዩ፡ ከም ርኢቶይ።

Separatist (ናብ ትግርኛ ተርጒምካ ተገንጸልቲ ክትብላ ዘይምቅርቲ!)

ትግራይ-ትግሪኚ በሉኒ እናበለ ኣብ 1943 ትንፋስ ዝሰኹዐ ፓርቲ፡ ክነጻጽሎ ዝሓለነ ፖለቲካዊ እምኒ ምድሪ ከይጠረረ፡ ተነጸልቲ በሉኒ ክብል (Soon after, the party started calling  itself “separatist”, although from which politico-territorial body it aspired to separate. P.45) ኣይደንጎየን። ዝብል ጽሑፍ ይንበብ።

   ይኹን ደኣ’ምበር ነዛ separatist ትብል ምርጽቲ ናይ እንግሊዝ ቃል፡ ምስ’ዚ ኣቐዲሙ ክመሓላለፍ ተፈቲኑ ዘሎ መልእኽታ ዝወዳደር ካልእ ሓሳብ ዘሰክማ ኣብ ገጽ 21 ከም’ዚ ዝስዕብ ይንበብ። “ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር እንግሊዝን ምንቅስቓስ ማሕበር ፍቕሪ ሃገርን ሰፊኑ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ናይ መግዛእትን ጸረ-መግዛእትን መልክዕ’ዩ ኔሩዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኮነን ንመሃር ዝነበርና ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዘጋጥመና ዝነበረ ተጻብኦ (hostility) ግን በብቑሩብ ናብ ካልእ ዝምባለ ዘለዎ ናይ ቃልሲ ዓይነት፡ ማለት’ሲ ንኤርትራ ዝንጽል (ዝፈሊ) ናይ ቃልሲ መንፈስ ገጹ ኣምርሐ። “In Addis Ababa, at the Teferi Mekonen School (TMS), my generation of Eritreans were confronted by hostility that eventually led to another form of conflict, namely, the struggle for national independence that strove to separate Eritrea.”  ይብል።

   እዛ ዘረባ’ዚኣ ኣብ ዋዕላ ቤት ገርግሽ፡ ተድላ ባይሩ ...ዓደይ ፍሉጥ ዓውደይ ፍሉጥ ... ክሳብ ዝብል ጌሩዎ ንወልደኣብ ወልደማርያም ምስ ዝብል ኣናብባ ታሪኽ ንምምስሳል እንተዘይኮይኑ፡ ኣቦታት ክፈትሕዎ ዝፈተኑ ሕቶን፡ ክጸርጉዎ ዝጀመሩ ጽርጋያ መጻኢ ዕድልን እንታይ ከምዝመስል ኣዘኻኺራ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኮነን ንደቂ ሓፋሽ ዘይወሃብ ልዑል ክንክን ምእንቲ ክረኽቡ ተመሪጾም ዝተኣከቡ ደቂ መኳንንትን መሳፍንትን የባእሰና ኔሩ ዝብልዎ ሓሳባት ድማ እንታይ ከምዝመስል ኣነጻጺራ ተቕርብ ኣበሃህላ’ያ ትመስል ከም ርኢቶይ።

  The rootless urbanized “Asmarinos”  ................... ሰጥ በሊ መሬት ብዕዋላ ተገዝኢ!

ኣብ ገጽ 241 ድማ እቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሃገረሰብ-ኣዝማሪኖ ዝብል እንዳ ዝንና ባህታን ዝዘርእዎ ጉርዲ-ምርዲ ናይ ዘረባ፡  ኣብ ሚዛን ብምእታው ሃገረሰብ ዝብል ቃል ንደቀ’ባት ዘመልክት ናይ ክብሪ ቅጽል ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ። ኣስማሪኖ ዝብል ቅጽል ግን መፈስሕን ምልክት ናይ ምዕባለን መሲሉ ካብ ምግዳል ክሳብ እንዳ ገባር፡ ካበ’ስመራ ክሳበ’ዲስ ኣበባ ልሙድን ምሩጽን ቃል ኮይኑ ከምዝጸንሐ መዘኻኸሪ ዝደሊ ወዲ ገዛውትና/ጓል ገዛውትና ት/ዝህሉ ኣይመስለንን። ይኹን ደኣ’ምበር ከም’ቲ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኣተኣላልያ ውጽኢት ናይ’ቲ ኲናት ዝተጋህደ ምስንጣቕ መሪሕነት እንዳ ዝናን ባህታን ዘቃልዖ ዑቑር ምስጢር፡ ናይ መንነትን ርእሰተኣማንነትን ቅልውላው ዘጥቅዖም መራሕትን ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳልን ኣብ ውሽጥና ኮይኖም ክሳብ መኣስ’ዮ ኣእምሮና ዝብጽብጹና  ከምዝተባህለ ንምዝካር ክሳብ ዝመስል (The rootless urbanized “Asmarinos”) ዝብል ገላጺ ሓረግ ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።  ደቂ ገዛውትና ኣይስምዑ!  ብምቕጻል ድማ “...The rootless urbanized “Asmarinos” (urbanized residents), in their drive to eradicate Eritrean history and culture…” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። ኣቤት ጉድ፡ ለከ! ኣብ እዋን ምግዳል፡ ብፍላይ ኣብ ገበላ እንዳ ገባር ሰጥ በሊ መሬት ብዕዋላ ተገዝኢ ክሳብ ምባል ተበጺሑ ኔሩ’ይ ዝበሃል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

   ስለዝኾነ ድማ ኣነ ወዲ ሓርበኛ፡ ንስኻ ወዲ ባንዳ ... ኣነ ቀዳማይ ንስኻ ጭራ፡ ኣነ ኣዝማሪኖ ንስኻ ሃገረሰብ ... ዝመስል ናይ መማህርቲ ውድድር ምስ ተሓወሳ ናብ hostility ተቐይራስ፡ ካብኡ ድማ “.. hostility that eventually led to another form of conflict, namely, the struggle for national independence that strove to separate Eritrea.”  “ናብ ምግዳል ምእንቲ ምግንጻል ኤርትራ ማዕቢላ” ንምባል እንተኾይኑ ኣብ መጽሓፍ ሰፊራ ዘላ፡ ከም’ዚ ዝመስል ናይ መሳቱ ናይ መማህርቲ ናይ ደቂ መኳንንቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማት’ሲ፡ ክፋል መንቀሊ ሓሳባት (foundation myth) ናይ ምግዳል’ዩ ኔሩ ክበሃል ይድለ’ሎ ናብ ዝብል ገምጋም ከምርሕ’ዩ። ከምኡ ዝመስል መልእኽቲ እንተኾይኑ ክመሓላለፍ ዝድለ ዘሎ ድማ፡ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ሎ’ሞ፡ ንትሕዝቶ ናይ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ምስ እዋን ምእንቲ ከነሰማምዖ ኣበይ ኢና ነሽርፎ እንተበልናዮም፡ ባዕልኹም ትፈልጡ’ዶኾን ይብሉና’ኾኑ መራሕትና።

   ግደ ሓቂ ግን መራሕትን ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ምግዳልን ኣብ ታሪኽ ናይ ቤት ትምህርቲ እንተጸቒጦም’ሲ፡ ነዛ ፋሕ ብትን ተብለና ዘላ ውጽኢት ናይ ተግባሮም ርእዮም፡ ምስ መማህርቶም ምስ መዓብይቶም ምስ ደቂ ገዛውቶም፡ ምፍኽኻርን ምትህልላኽን ከም ዘይቀደወቶም ቆብ ኣቢሎም፡ ሓንቲ ሰንበት ምሰ’ባት ነብሶም ተውዕሎም ቁርጺ-ፍቓድ ጥራይ፡ ከም መርዓት ውሻጠ ኣብ ጸልማት ተሓቢኣቶም ከምዘላ ክነቕሑላ እዮም። ካብኡ ምእንቲ ናይ ሓባር ዓወት እሂን ምሂን ምብህሃል ከተቕልለሎም ትኽእል ዓባይ ዕድል፡ መዳሕንታ ኣብ ቤትትምህርቲ ተቐቢራ ከምምዘላ ክረኽብዋ እዮም። ኢየሱስ ሕጻን ካብ’ዛ ተዝካር ዕለተ ልደቱ ጀሚሩ ዝሓለፈ ሕሰምኩም ዝመጽእ ድማዕኩም ይግበሮ እናበለ ማ’ጨሎቱ ይንጸገሎም! 

    እስኪ ነዛ ኣበሃህላ’ዚኣ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰማዕኩዋ ዕላል ክውስኸላ፡ ኣብ እዋን ምግዳል’ሲ ሓደ ኣባል ናይ ክፍሊ ህዝቢ ዓዲ ሙሉእ ኣብ ባይቶ ኣኪቡ፡ ከንቅሕ!! እንከሎ፡ ምእንታኹም ንጋደል ምእንታኹም ንመውት ምእንታኹም ኣብ በረኻ ንነብር ኣለና ... ዝብል ጸብጻብ የብዝሓሎም’ሞ፡ ሓደ ዓቢ ሰብኣይ ክሓቱ ኢዶም ሓፍ ኣበሉ። ካብኡ እሞ ወደሺ ምእንታኹም ኩሉ ምእንታኹም ... ኢና ንጋደል ዘለና እንተኾንካ ትብለና ዘለኻ’ሲ፡ የቐንየልና ወደይ ሃብሮም። ኮይኑ ግን ምእንታና እንተኾይኑ ትጋደሎ ዘለኻ፡ ይትረፈና ደሓን፡ ግደፎ’ሞ ሓዳርካ ግበር እንተንብለካኸ ምገደፍካዮዶ በልዎ ይበሃል። ዘረባ እንተ’ብዚሐ ይቕረታ! እንተዘይኮነ ግን ኣነጻጽፋ ሓሳባት ናይ ምግዳል ናይ ቤት ትምህርቲ ህልኽ’ውን ኣለዎ ክበሃል እንተኾይኑ ዝድለ ዘሎ፡ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነት ክሳብ ክንደይ ናይ ሓሳባት ድኽነት ከም ዘጥቅዖ ዝምስክር’ዩ፡ እንተሓወስኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ጌጋ’ኽለኣለይ!

    ኣብ’ዛ መጽሓፍ ካብ ዝተባህለ ንኣይ ዝሓደሰኒ ናይ ታሪኽ መልክዕ፡ ናይ ፕሮተስታንት (ከኒሻ) ሃይማኖታዊ ጽልዋ ኣብ መስርሕ ምንጻፍ ሓሳባት ናይ ምግዳል ሓንቲ ኮይና፡ ብዛዕባ ከኒሻ ንኽፍትሽ’ያ ደሪኻትኒ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብእምነት’ምበር፡ ጸበል ብምጽማቑን ነቕሽሽቲ ብላዕ ብምሃብን ድሕነት ኣይሽመትን’ዩ እናበለ ናይ ለውጢ መስርሕ ዝጀመረ’ሞ፡ ኣብ  41 ዓምቱ ጓል 26 ድንግል ካብ ገዳም ኣኾብሊሉ ዝተመርዓወ፡ Martin Luther, Church-splitter (3, 80) ኣብ ዩተንበርግ ዩኒቨርሲቲ ዝነብር ቀሽን ናይ ተኦሎጂ ፕሮፈሰርን’ዩ ዝነበረ። ኣዋጁ ወግዓዊ ንምግባር ድማ፡ በዚ ናይ እዋን ኣበሃህላ፡ እዚ ናይ ሮማ ጳጳስ ክሳብ መኣስ’ዩ ምእንቲ ክትመሓሩ 2% ክፈሉ ክብል ተኸኸ ዘብለና ንምባል ክሳብ ዝመስል፡(wrote out a list of 95 theses objecting to the indulgences authorized by the pope to raise money for building St Peter’s Basilica)  (10 -31- 1517) ናይ ተቓውሞን ተሓድሶን ሓሳባቱ ክትጥርንፍ ዘርቀቓ ጽሕፍቲ ኣብ ማዕጾ ቤተክርስትያን ለጢፉ ቅዳሕ ድማ ናብ ኣቡን ለኣኸ።

     እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ስዒቡ ኣብ አውሮጳ ዝተጋህደ ፍልልይ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ  ንሕስያ ኣይነበሮን። ኣብ መንጎ ደለይቲ ለውጢ፡ ማለት’ሲ ሰዓብቲ ሉተርን (ከኒሻ) ሰዓብቲ ጳጳስ ናይ ሮማን (ካቶሊክ) መሪር ኲናት ኣባሪዑ ንልዕሊ 100 ዓመታት ቀጺሉ፡ ክንደይ ንብረትን ሂወትን ዘብረሰ ታሪኽ’ውን ሓሊፉ። ሎሚ ድማ እዛ ሉተር ኣዋጁ ኣብ ማዕጾ ቤተክርስትያን ዝለጠፈላ ዕለት ኣብ’ዛ 2017 መበል 500 ዓመታ ከተኽብር’ያ። መራሕቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ድማ ሓቢሮም ንፈጣሪ ብምምላኽ ንለውጥን ዕርቅን ኣብነት ክኾኑ ክፍትኑ እዮም። ድሮ’ኳ ጳጳስ ፍራንሲስ ነዚ ኣብነታዊ ተግባር ከተባብዑ ኣብ 2016 ናብ ሉተራዊት ስዊድን በጺሖም።” ዝብል ሃይማኖትን ፖለቲካን ዘዋስብ ጥርኑፍ ሓሳባት ረኸብኩ።

   ንሃይማኖት መሰረት ብምግባር፡ ካብ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍ ዝንበብ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ ድማ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ክርስትና ብኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖትን ብግእዝን ዝተዓብለለ ልማድ ሰፊኑ ኣብ ዝነበረሉ መድረኽ  ብ“ምንቃቓስ ንባብ ወንጌል” ዝእከብን ዝውደብን ሓዲሽ መንፈሳዊ ኣገባብ ከምዝተጀመረ’ሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ከምዝተተርጎመ ብኣድንቖት’ዩ ዝሕብር። እቲ ዝገርም ወዮ ብስም ምንቅስቓስ ንባብ ወንጌል ዝፍለጥ ሓዲሽ ኣገባብ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ኣብ ምንጻፍ ሓሳባት ናይ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ተራ ኔሩዎ’ዩ ክበሃል ካብ ተደፍረ፡ እሞ ኣብ’ዛ ዝምባለ’ዚኣ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ድዩ ወይስ ፍልልይ ኣበ’ተኣላልያ መጻኢ ዕድል ናብ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመርሐ ዝብል ሕቶ ዘልዕል’ዩ። ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ ከም’ታ ንሉተር ሰዓብቱን ዘጋጠመቶም እንዳኣላ፡ ተኣምራት ዘይብላ! መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ሓፋሽ ይወደብ .... ዝብል’ሞ፡ ኣቕሽሽትን ቤተክርስትያናትን ዘይመርሕዎ ናይ ወንጌል ንባብ/ትምህርቲ ዘተባብዕ ናይ ክርስትና ዓይነት፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ይሰርጻ’ሎ ዝመስል ተርእዮ፡ ምስ’ቲ ማዕጾ ዓጽዩ ቤተመቕደስ ዝዓጥን፡ ቤተመንግስትን እንዳ መሳፍንትን ዝባርኽ ዝነበረ ሕዱር ባህልን ልምድን ፊት-ንፊት ዘላትሞ ናይ ተሓድሶ መንፈስ ምጅማሩ’ዩ ዝሕብር።

    እ’ዚ ድማ ከም’ቲ ንሉተርን ሰዓብቱን ዘጋጠሞም፡ ማለት’ሲ ብሰንኪ ፍልልይ ኣገባብ ኣምልኾ ኣምላኽ ምስ ምምሕዳር ናይ ሮማ ጳጳስ ብጋህድን ብቐጥታን ሴፍ ክሳብ ምምዛዝ’ኳ እንተዘየባጽሐ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ሓፋሽ ብዘይሰምዖ ቋንቋ ትምህር ናይ ቀደም ሃይማኖት’ያ’ሞ ተሓድሶ የድሊ’ሎ ካብ ዝብል መንፈሳዊ ስብከት ሓሊፉ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ወግዓዊት ሃይማኖት ኮይና መንግስቲ ስለዝዘርየላ ካብኣ ንምርሓቕ ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ዘርብሕ’ዩ ምስ ዝብል ኣረኣእያ ምንቅስቓ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቀራረብ ንሚዛን ናይ ኣንበብቲ ዝግደፍ’ዩ። እንተ’ቲ ፍልልይ ናይ ሃይማኖታት ኣብ ውሽጢ ክርስትና ግን፡ ናይ ታቦታት ዓይነትን፡ ምስሊ መላእኽትን’ሞ ይጽናሓልና ደሓን፡ ካልእስ ይትረፍ መጽሓፍ-ቅዱስ ድዩ ቅዱስ-መጽሓፍ ቅኑዕ ትርጉም ወይ ድማ ኣጸዋውዓ ናይ’ቲ መጽሓፍ ዝብል ሕቶ’ኳ ክሳብ ሕጂ ንብዙሓት ዘየሰማምዕ!

   ካልኣይቲ ዝገረመትኒ ነጥቢ ድማ ኣብ ስዊድን ዝመሰጠኒ ስዊድናዊ ነጸብራቕ ተባሂለን ኣብ መጽሓፍ ክሰፍራ ዝተመርጻ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘት ትዕዝብቲ እያ። ንሳተን ድማ   (ሀ) “ልቢ ዝሰልባ ኣዋልድ ስዊድን   (ሁ) ጽባቐ ናይ ስቶኮልም (ሂ) ማራኺ ግርማ ገጠራት ናይ ስዊድን” ተባሂለን ይጥቀሳ። ይኹን ደኣ’ምበር ናይ ከኒሻ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ኣብ ባህልን ምዕባለን ናይ ስዊድን ክሳብ ክንደይ ከምዝምስጥ፡ ምናልባት ራብዓይቲ ምኾነት ኔራ ክትበሃል እንተዘይኮይና ካብ’ተን ቀዳሞት ሰለስተ ብልጫታት ክትከውን ኣይተቖርሐትን። ኣነ ግን፡ ሓደ ካብ’ቶም ዕድምኡ ምሉእ ከምዝተጋደለ ዝንገረሉ ስም (brand name) ሒዙ፡ ብምስማዕ ጥራይ ብማዕዶ ክፈልጦ ዝጸናሕኩ መራሕን መንጸፊ ሓሳባት ናይ ምግዳልን፡ ኣብ ስዊድን ምስ በጽሐ ልቡ ዝመሰጦ እዘን ዝተባህላ ነጥባታት ካብ ኮና እስኪ ቁሩብ ብዛዕባ ስዊድን ክመሃር ክፍትን ብምባል - The Almost Nearly Perfect People - ትብል መጽሓፍ ገዚአ፡ ካብ ገጽ 276 ክሳብ ገጽ 344  ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ስዊድን መልክዕ ኣንበብኩ’ሞ ምስ ፖለቲካዊ ማሕበራውን አኮነምያውን ምዕባለ ናይ ስዊድን እዛ ልበይ ምኽኽ’ያ ዝበለት!

     ማለት’ሲ ናይ ጎራዙት ጽባቐ ዘዛርብ እንተኾይኑ ደኣ፡ ሸዋን ኣስመራን ክሕንቅቕ ዝዓበየ ንእስነት ንመልክዕ ኣዋልድ ሓበሻኸ መበል ክንደይ ምሰራዕኩዎ ክብል’ዩ ዝደሊ ዘሎ ዝብል ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን። ምናልባት ኣይፍለጥን ግን ኣብ’ዛ ሳልሰይቲ መልክዕ ናይ ኤርትራ ዝረኣያ ዘለዋ ኣዋልድ፡ ማለት’ሲ መሳፍንቲ እንዳ ዝናን ባህታን፡ ናይ በረኻን እዋን ምግዳልን ከይኣኽሎም፡ ብድሕሪ ናጽነት ናብ ሳዋ ወወሲዶም፡ ለይቲ ለይቲ ምሳና ተበራሪኽን ሕደራ፡ ቀትሪ ቀትሪ ድማ ናበ’ወዳት ተቐየራ ክብሉ ተኸኽ ዘበልወን፡ ኣዋልድ ሓበሻ ደቂ መረብ ምላሽ፡ ምግዳል ክሳብ ክንደይ ከምዝበደለን ንምዝኽኻር ከይኸውን ኢልካ እንተዘይተሓሊፉ፡ በጃኻትኩም ሰላም’ሞ ሃቡና፡ ኣብ አክስፖ የራኽበና ዘባሃህል’ዩ!!

   ስቶኮልም ድማ ጽብቕቲ ከተማ ኢያ። ግን አውሮጳዊት ኢያ። ብንጽጽር እንክረአ ነ’ስመራ ናይ ኣፍሪቃ ሮማ ዝበላ መን ድዩ? ኣስመራየ’ስመራ ኩለን ተኣኻኺበን ክንዳኺ ዘይኮና ዝብል ደርፊ ካብ እንዳ ሱዋ ሓሊፉ፡ ንተመሃሮ ጀነራልን ማትሪክን ካብ ምክፋል ኣሓንጊዱ ካላሽን ናይ ምግዳል ኣየዕጠቐን ድዩ? ወይስ ኣብ’ዛ ሳልሰይቲ መልክዕ ናይ ኤርትራ ኩሉ ተረሲዑ’ዩ። ካልእስ ይትረፍ ማይን መብራህትን’ኳ ስለዘይብላ’ሲ ንውውድር ኣይትበቅዕን’ያ ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ!

  እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ፡ ማለት’ሲ፡ ገጠራት ናይ ስዊድን ድማ፡ በረድን ቁርን፡ ኣእዋምን ሳዕርን፡ ሕርሻን ቡቕልን፡ ኣፍራስን ኣባቕልን፡ በረርትን ለመምታምድርን ክህልዎም ይኽእል’ዩ። ምስ ጎላጉል ናይ ባርካን ጎቦታት ናይ ሳሕልን ክነጻጸር እንተኾይኑ ድማ፡ ሳላ እንዳ ዝናን ባህታን ንመጃሃሪ ዝኸውን ዘይተሳእነ፡ ናይ ጠያይቲ ቅልሃ፡ ዝተቓጸላ ታንክታትን መኻይንን ከምኡ’ውን ስንቂ ወተሃደራት ዝቑጸረሉ ታኒካታት ደሚርካ፡ ናይ ሓጻውን ጎሓፍ ካብ ዝተኾመረሉ ቦታት ናይ ዓለም ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ቦታታት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ጎቦታት ናይ ሳሕልን ጎላጉል ባርካን ስለዝኾኑ - ንስኻ ነ’ቦኻ ንስኻ ድማ ነ’ቦኻ ትመስል’ዩ - ዝዓርቆም። ብዛዕባ ሓዚሎሞ ዘለዉ ምዕባለ ንምድናቕ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ደቂ ዓዱ ንስኞር ሙሶሊኒ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሃነጽዎ፡ መስርሕ ናይ ምግዳል ብፈንጅን ብኣርፒጅን ን30 ዓመታት በብሓደ ዘፍረሶ ቢንቶታን፡ ጽርግያታትን .... ምዝካር’ዩ መልሱ።  ክቕጽል’ዩ። (01/07/17)

ዕርቅን ሰላምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2017!!

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

References:       

1.      The Collected works of F. A. Hayek, volume 1: The Fatal Conceit – The Errors of Socialism 1991.

2.     The Economist March 22 -28 2008 A tiny country makes the best of a bad neighborhood.

3.     The Economist – The world in 2017

4.     The Almost Nearly Perfect People – behind the myth of the Scandinavian people – Michael Booth 2016

5.     ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ 1951 – 1955፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ 2005

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...