ሙሉጌታ በየነ

ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልቲ፡ደርፍታት ሓደ ኣብ 80ታት፡ኣዚዩ ህቡብ ዝነብረ፡ “ደርፍታቱ ሓደሽቲ ድምጻውያን ይደግምዎ ኣለዉ፡እሞ የፍቅድዎ ኣለዉ ዶ፧” ክብል ሓደ መቅርበይ ይሓተኒ። ኣነ’ውን ክንሓቶ ኢና ብምባል ምላሸይ ይህቦ እሞ፡ በዚ ንፋነው ምስቲ መቅርበይ።

ዕለተ-ሰንበት ኮይኑ ንመቅርበይ ብዝ’ኣተኽዎ ቃል መሰረት ስልኪ ይወቅ’ዕ ናብቲ ድምጻዊ፡ኣብ ዓራት ተገምቢዉ ድቃስ ዝሰዓሮ ስለዚመስለኒ፡ጽንሕ ቢለ ክድውለካ’የ ብምባል ይዓጽዋ።

ጽንሕ ቢለ ሲልኪ ተወቃዕኩ’ውን ድምጹ ትሒቱ፡ሓውሲ ዝሓመመ መሲሉ ስለዝተር’ኣየኒ፡ “እንታይ ደኣ ደቂስካ ዲካ ወይስ ሓሚምካ ኣለካ፧” ቢለ እሓቶ /ይሓቶ/።

ንሱ ከኣ፡ “እወ፡ሓሚመ ደቂሰ’የ ዝለኩ።” ይብለኒ።

ሽዑ፡ ኣብ መዕቆቢ-ሕሙማት ሓሚሙ ከምዘሎ፡ክልተ ወርሒ መመላእታ ኣብ ቀጽሪ መዕቆቢ-ሕሙማት ደቂሱ ይሕከም ከምዘሎ ፈሊጠ፡ናብ መሳርሕቱን መቅርቡን ነበር ደዊለ ይሕብር።ስልኪ ወቂዐ ካብ ዝረከብክዎም ብርኽት ዝበሉ ስነ-ጥበባውያን ዝሃበኒ ምላሽ፡ሚሒር ኣተሓሳሲቡኒ ደወል ኣብ ሕልናይ ክድውል ወዓለ።

ሓደ ካብቶም ዝደወልክሎም ገዲም  ወናም ስነ-ጥበባዊ ከኣ፡ “ሓበሻ ደይ ምስ ሞተ እዩ ዝከብር፡ከይሞተ ክንረባረበሉ ኣለና። ንሰብ፡ምስ ሞተ ጉያ ጉያ ኮነ ናይ ክብሪ ዶክትሬት’ዶ ገለ እንታይ ክገብረሉ እዩ፧

ስለዚ፡ኣምላኽ ምስ’ኡ ይኩን! ከሎ ግቡእና ክንገብር ኣለና እምበር፡ምስ ኮነ ሰሓቦ ጉተቶ ምባል ኣይወሓጠለይን እዩ።ትዝክር ኢካ፡የማነ ባሪያ ሞይቱ ብዙሕ ተዘሪቡ፡ኪሮስ ሞይቱ ብዙሕ ተዘሪቡ፡ኬነዲ ሞይቱ ብዙሕ ተባሂሉ።መምህር ኣብራሃም ኣፈወርቂ ሞይቱ’ውን ተዘሪቡ ዝተገብረ ነገር ፍጹም የለን፡ኣነ ስጋብ ዝፈልጥ።ነዞም ኩሎም ሰብ ታሪክ፡ወልሓደ ነገር፡ ኣብ ተግባር ዝተገብረ የለን።ዋላ ንስድራቤቶም ምሕጋዝ ወይ ከኣ ሓወልቲ ምትካል ወይ ከኣ ብሽሞም ገለ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣዳራሽ ምስራሕ እዃ ኢና ዘይከ’ኣልና ዘለና።ናይ መን’ዩ ብስሙ ቤት ትምህርቲ ክጽዋዕ ተገይሩ ክበሃል ንሰምዕ ተዘይኮይኑ ኣርቲስት ግቡእ ክብሪ ኣይረከብን።በጃካ ናይ ሓበሻ ነገር ፈጺሙ እዩ ዘይርደካ ባህልና ዲዩ ወይ ኣተሓሳስባና ኣዚዩ ዘጸግም እዩ።” ብምባል ኣምሪሩ ተዛሪቡኒ፡ሕንቕንቕ እናበለ ስልኪ ዓጸዋ።

ኣነ ከኣ፡ክገብራ ዝክእል ነገር ብቀዳምነት ተሃልዩ ምሕባር ጥራሕ እዩ።ጸሎትን ኣብ ጸሎት ምዝካራን ከኣ፡ ኣብ ቦት’ኡ’ዩ።እስከ ከም ሓደ ኣድናቂኡን ናብ ቀጽሪ ማህደረ ቤት ትምህርቲ ንፈለማ ክመላለስ ክጅምር ከለኩ፡ኣብ ሓንጎለይ ሓንሳብ ምስ ኣተወት ፈጺማ ቦታ ዘይለቀቀት ካሴቱ ‘ኣልበሙ’ ከም ምዃና መጠን፡ ቑንጫብ ተዘክሮታተይ ክሕንጥጥ ሕልናይ ደወል ጻዊዒት ይገብረለይ ኣሎ’እሞ ገለ ክብለኩም።

ድማጻዊ ሙሉጌታ በየነ ይበሃል።ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ደርፍታቱ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዙሕ ግዜ ናይ ምቅላሕ ዕድል ካብ ዝረከቡ ሓደ’ዩ።ብፍላይ ንመደብ ደርፍታት ቀደም፡ንብዙሕ ዓመታት ዝከታተል ወከፍ ከም ሙዃነይ መጠን ን’ኣዳላዊ እታ መደብ ካብ ብልቢ ብሽም ሙሉጌታ ከምስግን እፈቱ።

ኣብ ካል’ኦት 3 ሬድዮ ጣብያታት ተኮነ፡ሕልፍሕልፍ ኢሉ ናይ ምቕላሕ ዕድል ከምዝረክብ ኣድነቅቱን ኣስተማቀርቲ ደርፍታት ትግርኛ ክዛረቡ ይሰምዕ እየ።

ሙሉጌታ ኣብ ስነ ጥበብ ዓለም፡ብስራሕ ጉዳይ ካብ ዝተላለዮም ሰባት፡ጸጋይ ሓድሽ፡ኣምበሳ ግርማይ፡ኣብራሃም ወዲ ባይረ፡ኪሮስ ኣለማዮ፡ጸጋይ በራኺ፡ኣማኑኤል ኤልያስ /ወዲ ኤልያስ መስመር/፡ገሊ’ኦምን ኣዚዮም ተጠቀስቲ እዮም።

ሙሉጌታ፡ ብልቡ ዘክብሮ፡ ዝፈትዎን ዘድንቆን ስነ-ጥበባዊ ባሃር የማነ ባሪያ እዩ።ብድሕሪኡ፡ንጸጋይ በራኺ፡ንወዲ ኤልያስ መስመር ‘ኣማኑኤል’ ካብ ባሕሪ ልቡ ዕዙዝ ኣክብሮትን ኣድናቆትን ኣለዎ።

ድማጻዊ ሙሉጌታ በየነ፡ከም ኣብዝሓ ስነ ጥበበኛታት፡ኣብ ን’ኡስ ዕድሚኡ እዩ ኣብ ባሕሪ ሙዚቃ ክሰጥም ጀሚሩ።ኣብ ከተማ ኣስመራ ሳልሳይ ክፍሊ መኣዲ ትምህርቲ ዝፈለመ ሙሉጌታ፡ማይ-ተመናይ ዘሕደረሉ ጦብላሕታ ስጋብ ሎሚ፡ ኣብ ሕይወቱ ፍሉይ ተዘክሮ ከምዝፈጥረሉ የዕልል እዩ።ኣብ 5ይ ክፍሊ ከሎ፡ሙዚቃ ከምዝጀመረ ረዚን ትዝታ ኣለዎ።

ድሒሩ ከኣ፡ኣብ ዓተለሪያ ፡’ፉጋ ሰፈር’ ከባቢ ቪላጆ ከም ምንባሩ መጠን ወሰን ዘይብሉ ዓሚዩቅ ተዘክሮ ኣለዎ።

ኩናት ባረንቱን ሙሉጌታን ዘይፈላሊ ነገር ኣለዎ።ሙሉጌታ ናይ መጀመርታ ካሴቱ ንምስራሕ ናብ ከተማ ኣስመራ፡ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ኩናት ባረንቱ ተባሪዑ።ነዚ ኩነታት ብምግራም እዩ ዝዝክሮ ሙሉጌታ።

ኣብታ፡ፈላሚት ካሴቱ፡ ‘ዘይምፍቃር ይሓይሽ ከም ባሕታዊ ገዳም’ ትብል ደርፉ፡ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት እቲ እዋን ፈጺማ ብቀሊሉ ዘይትሕከኽ ተዘክሮ ዘለዋ፡ ኣብ ሓቀኛ ታሪክ ዝተሞርኮሰት ደርፉ ከም ሙዃና መጠን፡ ኣብ ልቢ ‘ዮላንዳ’ ከመይ ዝበለ ማህደር ኣለዎ ምስኽር ኣብ ኣደባባይ ዘይተረክባላ ደርፊ እያ።

ዮላንዳ ሓንፈጽ እያ።ኣብ ከባቢ ሞኖፖሊዮ፡ኣብ ጥቃ ሰታንታ ኦቶ፡ መንበሪን ገዛውታን ትርከበሉን ከባቢ ምንባሩ፡ደቂ ሰታንታ’ኦቶ ተ’ኣኪቦም ክዕሊሉ ቅድሚ ሕጂ ይዝክር እየ።

ጽብቅትን ምልክ’ዕትን ዮላንዳ ምስ ሻም ድምጻዊ መንእሰይ ሙሉጌታ፡ኣብ ጁኒየር መዘናግዒ መንእሰያት እዮም ተልሊዮም።ኣጋጣሚ ሙሉጌታ ፍሉጣት ደረፍቲ ናብ ባጽዕ ወሪዶም ብምንባሮም ንሱ ከኣ፡ ከም ሙዚቀኛን ከም መንእሰይን ክዘናጋዕ ዓሊሙ ናብ ከተማ ባጽዕ ምስ ወረደ፡ሓደ መቅርቡ ሙሉጌታ ዕዋላ ከምዝኮነ፡ኣዋልድ ከምዝፈትዉን ብዙሓት ኣዋልድን ከምዘዝውር ንዮላንዳ ይነግራ።

ዮላንዳ፡ ፍቅራዊ ሕቶ ርዒማ፡ልባ ንሙሉጌታ መጥያቶ ስለዚነበረት፡ከመቅጽበት ካብ መገሻ ምስ ተመልሰ፡ “ምስዚ ዘላለካኒ ዓርኽካ ድሕሪ ደጊም ከይርእየካ።ከምዝን ከምዝን ኢሉኒ ኣሎ።ኣነ ከኣ ደስ ኣይበለንን።ስለዚ፡ምስ’ዚ ወዲ ከይርእየካ።” ትብሎ።

ሙሉጌታ ከኣ፡ዕዳጋ ዓርቢ ወይ ጨዓ ምካድ ዜዘውትር ከም ምንባሩ መጠን ብንዴት፡ ኣብ ከባቢ ጣባ፡ /ባር ማራቶን፡ባር ሕውነት፡ባር ሓመልማል፡ባር እንቑጣጣሽ ወይ ከኣ ኣብ ሲነማ ጣና ‘ሲነማ ካፒቶል’/ ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂን መስተን መራከቢ ቦታታት ስለዚነበሮም፡ኮለል ኢሎም ኣብቲ ከባቢ ይራከቡ።

ኣማኑኤል ንዴት ሙሉጌታ ገሪምዎ። “እንታይ ኢካ ኮይና፡ሎሚ፧” ይብሎ።

ሙለር ከኣ፡ “እታ እዚ እገለ ዓርኽና፡ንዮላንዳ ከምዚ…፡ከምቲ… ኢሉዋ፡ኣነ ባጽዕ ኣብ ዝገሽክሉ እዋን፡በዚ’የ ኣመና ኮሪየ ዘለኩ።” ይብሎ።

ወዲ ኤልያስ ንጥበብ ከምዝተፈጥረ ሰብ፡ንዕለቱ ከመቕጽበት “ዘይምፍቃር ይሓይሽ ከም ባሕታዊ ገዳም” ቢሉ ገጢሙ ምስናይ ዜም’ኡ ሰሪሑ ሂብዎ።

ሙለር ከኣ፡ስርሓውቲ ወዲ ኤልያስ ኣዚዩ ዘድንቆን፡ ኣብ ለሰ ስነ-ጥበብ ተሸሚሙ ብምንባሩ ምስቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ቃንዛ ፍቅሪ፡ ነታ ደርፍን ምስ ካል’ኦት ጥዑማት ደርፍታቱ ናብ ሕዝቢ ዘርግሖ።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ከኣ፡ስነ ጥበባዊ ታረቀ ተስፋሕይወት፡ ኣብ ኮኮብ ሙዚቃ ቤት፡ሙሉጌታ በየነ ብ’ኣንጻሩ፡ኣብ ኤርትራ ‘ሙዚቃ ቤት’፡ንሃብተጽዮንን ንደበሳይን ኣብ ከቢድ ናይ ዕዳጋ ምርጻም ሸመምዎም።ኣብ ሓደ መዓልቲ 2,000 ካሴት ከም ዝተዘርገሐ ብዙሕ ሰብ ዝዝክሮ እዩ።ከተማ ኣስመራ ብታረቐን ሙሉጌታን የዕለቕለቐት።

ኣብታ ካሴት፡ “ከረነይ”፣ “ከም ወጋሕታ ጸሓይ”፣ “ሕይወት ጓል ኣስመራ”፣ “ኣደይ ወላዲተይ” ዝብላ ዝርከበ’ኣን ኣዚየን ሓዋዛት ደርፍታት ናብ ህዝቢ ዘርገሐ።

ናይተን 7 ደርፍታት ዜማን ግጥምን ዝሰርሖ ወዲ ኤልያስ መስመር ክከውን ከሎ።እታ ባህላዊት ደርፍታን ኣደይ ወላዲተይን ዝብላ ናይ ሙሉጌታ ሙዃነን ባዕሉ ሙሉጌታ’ውን ይዛረብ እዩ።ሓንቲ ከኣ ሳህለ ዝተብሃለ ናይ ቀረባ ዘመድ እንዳ ኤልያስ መስመር ከምዝሰርሓ ብዙሓት ናይቲ ሽዑ እዋን መንእሰያትን መታዕብይቶምን ይዛረቡ እዮም።

ኢንጂነር ኣስገዶም ስርሓውቲ ሙሉጌታን ድምጹን ምስ ተዓዘቡ፡

“ኣስመራ ሓብሓቢት ኩሉ ሓላል ዓድና፡
ኣላይት ስድራና።
ካብ ማዕዶ፡ናብ ማዕዶ
ለምለም ሜዳ ዓባይ ኣጉዶ
ኣስመራይ ክብል’ዶ፣
ጨንፈርኪ ረጊፉ፡ ከተማና ኣስመራ”

ትብል ካብ ደገ ከም ዝሰደድሉ፡ሙሉጌታ ምስናይ ምስጋናን ኣድናቆትን ንእንጂነር ኣስገዶም ከምዝዝክሮም ቅድሚ 2 ዓመት ኣቢሉ ይገብር የዕሊሉኒ ምንባሩ ይዝከረኒ እዩ።

እታ ደርፊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብክፍሊ ቕድመ-ምርመራ ‘ሳንሱር’ ከምዘይሓለፈት ኣምሪሩ ክዝክራ፡ንብዓት ኮረር ክብሎ ይረ’ኣየኒ ኣሎ።

“መልኽዕ ምስ ቁውም-ነገር፡ኣምላኽ ዝዓደላ
ፍጹም ዘይትምኖ፡ መዓር-ጸባ ፍቕራ
ጥሪ ዝሃበኒ፡ህይወት ጓል-ኣስመራ።”

ህይወት ጓል-ኣስመራ ኣብ ‘YouTube’ ትርከብ።

“ዘይምፍቃር ይሓይሽ፡ከም ባሕታዊ ገዳም፣
ካብ ሽምጠጣ ናይ ሰብ፡ተገሊልካ ምህዳም፣
ክእለት ስ’ኢለኑ ተንኮል ወዲ ኣዳም።”

   =====//////=================

“ሽታ ሰተ-ሰምሃር፡ዝህብ መኣዛኪ፣
ሕልሚ ደወል ገዳም ዝጥም ቃናኪ
ኣርተፊሻል መልክዕ ከምጽእ ዘይበልኪ
ንክብረት ምስጋና ኢኪ ተፈጢርኪ።”

=======///////=========

“መበቆል ፍረታት ኣደ-ሽሻይ፣
ኣባኺ’ዩ ዝርከብ ዓርኾብኮባይ።”

========//////===========

“ማዓልቲ ነዊሑ፡ ከየሐጉስኪ
ሓሳባት ኣትዩኒ ኣደየ ብ’ኣኪ
ተስፋ ኣይቆርጽን፡ኣደይ ወላዲተይ
ከየሐጎስኩኪ ጽዒረ ካብ ልበይ።”

ገለ ካብተን ኣብ ቀዳመይቲ ካሴቱ ዘለዋ ደርፍታት እየን።ከተማ ከረን፡ከተማ ኩለን ብሄራት ዝብል ስም ኣለዋ።ሓቂ’ዩ ከኣ ዳርጋ ኩሎም ብሄራት ኣብ ሕምብርታ ሰፊሮም እዮም።ከረን ከኣ፡ታሪካዊት ከተማ እያ።ከረን ኣስላምን ክርስታንን ብስኒት ካብ ዝንብሩለን ከተማታት ሓንትን ምጭውትን እያ።

ከረን ብዙሓት ደረፍቲ ደሪፎሙላ እዮም። ኣብ ዝኽረይ ካብ ዘለዉ ንገሊኦም ክጠቅስ እፈቱ።ኣብራሃም ባይረ ‘ወዲ ባይረ’፣ ብርሃነ ሃይለ፣ገብረጻድቅ ወልደዮሃንስ፣ኣማኑኤል ወልደገብሪኤል ‘ሞሞና’፣ኪሮስ ኣለማዮ፡ ገለ ካብቶም ብዙሓት ዝዝክሮም እዮም።

ሙሉጌታ በየነ’ውን ኣብ ከተማ ከረን፡ ገለ ዓመታት ከም ምቅማጡን ኣብ መንገዲ ከረን ፡ ዓዲ በርበረን ዒላ-በርዕድን ፍረታት ከም ኣራንሺ፣ ሙዝ ‘ባናና’፣ወይኒን ዝ’ኣመሰሉን እናቐንጠብካ ብናጻ ከም ሸዊት ገደና ዝብለዓሉ ግዜን ቦታን ብምንባሩ ኮነ ተፈጥሮ’ኣዊ ኣቀማምጣን ስኒት-ዉህደተ ሕዝባን ኣመና ይምስጦ ብምንባሩ “ከረነይ” ትብል ደርፊ ግጥምን ዜማን ሰሪሑ ምስ ሃቦ ግርም ገይሩ ከም ዝሰርሓን ዓቢ ተፈታውነት ከምዘሕደረት ተዘክሮ ትማሊ እዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ንሙሉጌታ በየነ ‘በይን’፡ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ብጸሎትን ፍናን ዝክርን ንዘክሮ ብምባል፡ንሎሚ ኣብዚ ደው ከብሎ እፈቱ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...