ኣብ ሕብረተሰብና ከም ልሙድ ባህልናን ያታንን እዛ “ንወሃቢ ጸባ ይክላእ ዶ ማይ ጨባ፧” ኣዘውቲራ ትዝረብ እያ።ክንዮ ምዝራብ’ውን ኣብ ግብሪ ዳርጋ ካብ ትውዕል እልቢ ዘይብሉ ግዜ ሓሊፉ እዩ።ንግደ ሓቂ ከኣ፡ንወሃቢ ጸባ፡ ማይ ጨባ ክትከል’ኦ ነውሪን ዘይንቡርን እዩ።

እምበ’ኣርከስ፡ብዙሕ ሰብ ኣብዚ ቅነ’ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ‘ዕለተ-ልደት’ ዓቢ ስነ-ጥበበኛ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ኣንቢብኩም ትኮኑ ኢኩም።ኣነ’ውን ኣንቢበ፡ገለ ክሕንጥጥ ፈቲነ እየ።እንተኮነ ኣብዝኮነ መድረኽ ከቅርቦ ሓሳብ’ኳ ኣውሪደ-ኣደይበ ናብ ተግባራውነቱ ኣብ ዝሰጋገረሉ፡ብጽበት ግዜ ወነንቲ መድረኽ ክዕወት ኣይከ’ኣለን።

ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ናብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርግሖ ንነብሰይ ቃል ኣተኩላ።ኣንሆ ከኣ፡ኣሃዱ ቢለ ክፍልሞ ተቐሲበ ኣለኩ።

ኣብራሃም፡ “መምህር መንህብ ፍኖተ ኣምሪ’ዩ” ክብሉ ብዙሓት ኣድነቅቱ ክዛረቡ እናሻዕ እሰምዕ እየ።ኣነ’ውን ነቲ ደጋጊመ ክሰምዖ ዝተደረኹሉ፡ትንታነዊ ዘረባታት መቕርበይን መሓዙተይን ክርዕሞ ግዜ ኣይወሰድለይ እዩ።

ደርፊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ደጋጊሙ ዝሰምዕ፡ኣስተማቃሪ ደርፍታት ዝኮነ ዓርከይን መምህርተይን ዝነብረ፡እዮብ መስፍን ‘ጃንሆይ’ ዝተብሃለ ‘ኣባል ቀዳማይ ዙሪያ’፡ ኣብ 1993/1994፡ ኣብ መንገዲ ናብ ቤት ትምህርቲ ደንደን ክከይድ ኮነ ፊልሚ ክንርእይ፡ ኣብ ንከደሉ ግዜ ወትሩ ደርፍታት ኣብራሃም ካብቶም ብቀዳምነት ንክድረፉ ዝስርዑ ደርፍታት እዮም ነይሮም።

ርእሰ-መምህር ቤት ትምህርቲ ደንደን ነበር፡ መምህር ወረደ ዓንደ ተኮነ ቅድሚ ክፍለ ትምህርቲ ምጅማሩ ኮነ፡ ኣብ ዕረፍቲ ምስ ናይ ድምጻዊት ዊትነይ ሃውስቶን ተሓዊሱ ካብ ዝድረፍ ደርፊ ናይ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ነይሩ።

ኣብ 1995 ከኣ ንግደት ማሪያም ክነግድ፡ኣብ ፎሮቢያ እንዳ ባስኳለ ወይ ሃብቶም ዓጽማይ ክነግድ፡እግርና ኣምሪሕና እቶም መማህርቲ ዝነበርና ሻቡ፡ ሙሉእ ምዕልቲ ካሴት ኣብራሃም ኣፈወርቂ እናተገላበጠት ክደርፍ ዊዒላ ነበረት።እቶም መማህርትና ምስተን ደርፍታት እናሰዓቡ ክደርፉ፡ሎሚ ኮይኑ ኣብ ባሕረ-ሓሳብ ይሸመኒ እዩ።

በዝን ወድዝን፡ጉዕዞ ህይወት ምስትምቓር ደርፍታት ኣብራሃም ቐጸለ።ድሕሪ ካሴት ‘ወጋሕታ’ን ‘ተስፋ’ዩ ስንቐይ’ን ስዒባ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ዝበጽሐት ካሴት ‘ምስጢር ፍቅሪ’፡ኣብ 1998፡ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ክሽየጥን ልዑል ዕዳጋ ረኺባ ትስማዕ ምንባራን ተዘኽሮ ትማሊ እዩ።

ሓደ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ኣዚዩ ዝግደስ መቕርበይ ን’ኣብራሃም ኣፈወርቂ ፍሉይ ፍቅሪ፡ኣኽብሮትን ኣድናቆትን ከምዘለዎ፡ኣብ ክረምቲ ዓመተ 2007 ይገልጸለይ፡ኣነ ከኣ ሚሒር ተገሪመ ን’ኣገላልጽኡ ብተመስጦ ሰሚዔዮ እየ።

ደሓር፡ እዚ ተኽላይ ወልዱ ዝተብሃለ መንእሰይ ከራሪ ‘ክራር ዝሃርም’ ከሎ ደርፍታት ዳዊት ሽላን ኮነ ደርፍታት ኣብራሃም ኣፈወርቂ ብተምስጦ ክጻወት ክዕዘቦ ልምዲ ገይረዮ ነይረ።

“ኣብራሃም ኣፈወርቂ፡መምህር ህይወት፡ፈላስፋ ዘመና እዩ።መዳርግቲ ዘይብሉ ስነ ጥበበኛ እዩ።” እናበለ ዝዛረበን ዘረባታት ክሕስበንን ክድርኸንን ጀመረ።

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብምኽኒያት ዕለተ-ልደት መምህር ህይወት ዝኮነ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ዝዓለመ’ዩ።ዓሚ ብምኽንያት ዕለተ-ልደቱ፡ማሕበር ‘ፊደል ሰራዊት’ ዝተብሃሉ መንእሰያት ዘዳለዉዎ መድረኽ ተኸታቲሉ ስምዒቱ ዝገለጸ፡መንእሰይ ኣቤል ጉዑሽ ከምዚ ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፌይስቡኽ ገሊጹ ነይሩ።

“ኣብርሃም ኣፈወርቂ ፍሉይ ከያኒ እዩ ነይሩ፡፡ግጥምን ዜማን ንገንዘብን ዝናን ከይኮነስ ንፍቕሪ ስነ ጥበብ ተዋዲዶም እንትቐርቡ ኣዝዩ ዝልዓለ መንፈሳዊ ራህዋ ከም ዝህቡ ዘረደኣኒ ኣብርሃም እዩ፡፡ኣብርሃም ብደርፊታቱ ክመኽረኒ ከሎ ዓብዪ ሓወይ፣ ኣቦይ ይመስለኒ፡፡

ኣብ ሂወተይ ተስፋ ዘቑርፁ ተጓንፎታት ምስ ዘጋጥሙኒ ‹‹ተስፋ እዩ ስንቀይ፤ ሰማይ›› ዝትብል ደርፉ የዳምፅ፡፡‹‹ምንባር ንጉሆ ንጉሆ ምጅማር›› እናበለ ዝደርፋ ዜማኡ መድሓኒተይ እያ፡፡ብፍላይ ቅደም ተማሃራይ እናሃለኹ ክፉእ ጨጓራ የሳቕየኒ ስለዝነበረ ስነይ ነኺሰ ትምህርተይ ንክውድእ ዝሓገዘኒ ኣብርሃም እዩ፡፡ሐዚ እውን፣ንልዑል መንፈሳዊ ተመስጦ(meditation) ዝጥቀመሉ ህቡብ ብዓል ሞያ ስነ ጥበብ እንተሃሊዩ ንሱ ኣብርሃም እዩ፡፡

ናይ ዓለም ምስጢር ብሓፂሩ ዘረደአኒ ኣብርሃም እዩ፡፡ብዕምበባ ፅጌረዳ ኣቢሉ ዓለም ዕሾኽን ፍቕርን ምዃና ሓቢሩለይ፡፡ተራኺብካ ምፍቓር ጥዑም እዩ፤ ተፈላሊኻ ምንፍፋቕ ድማ ኣዝዩ መሪር ዕረ፤ ብምዃኑ ድማ ዓለም ጎደሎ እያ ይብል፡፡ኣነ ኣብርሃም ኣይኮንኩን እሞ ንዓለም ከም ናቱ ገይረ ንክገልፃ የጸግመለይ፡፡ ባዕሉ ከም ዝስዕብ ገሊፅዋ፡

ግን ዓለም ጎደሎ’ያ ብህግቲ ከንሳ
ተፈጥሮኣ ኩሉ ኣለዎ ኣበሳ
ዕንበባ ፅገሬዳ’ኳ
እታ ትፈቲያ ዕሾኽ ኣለዋ አብ ነብሳ።

ዓለም ዓለም ጎደሎ ’ያ
ዓለም ዓለም ጎደሎ ’ያ።

ኣራኺባትና ክትሓሊ
አፋቒራ ድማ ትፈላሊ
ማዕረ ይከዳ ክልተኤን ምልክዓ
ማዕረ ሕማቕ ፅቡቕ ሰሪዓ።

ሂወት መርከብ እያ ክዓ ይብለኒ፡፡ሓደን ተመሳሲለ ክነብር ኣለኒ፤ ወይ እውን ንዓይ ብዝጥዕመኒ መልክዑ ውሽጣ ንምቕያር ክፍትን ከም ዘለኒ ብዘየማትእ ሓቢሩለይ፡፡ኣየ እዚ ነብይ! እታ ቐፂላ ዘላ መስመር ገጥሚ ምስ ሕልፈቱ ዝተገጣጠመት ትንቢቱ መሲላ ትስመዓኒ፡፡ከምቲ ዝሓሰቦ ንዓለም ሓሚሱ ክዘልቃ ብዘይምኽኣሉ ኩሉሻዕ ኣምሪረ ይሓዝን፡፡ግን ድማ በተን ፍረ ረሃፁን ውፅኢት ስነ ጥበባዊ ልዕልናኡን ዝኾነ ዜማታቱ ይፅናዕናዕ፡፡ 


ፍቕረይ ከይደ እየ ከይደ ናበይ አይትሕተትኒ
ናይ ሂይወት መርከብ ሒዛትኒ ነቒላ
ተወረድኩ ባሕሪ እዩ ውሽጣ ክቕይር ከፍትን
ከመሳሰል ከግፍሕ ፅላላ።

እዞም ኣብ መቐለ ዘለው ኣድነቕቱ ንማዕልቲ ልደቱ ስለዘኽበሩሉን ብቅንዕና ስለዝዘከሩዎን ብጣዕሚ ዘሐጉስን ዘሐብንን እዩ፡፡ብተወሳኺ ግን፣ ንዕኡ መዘከርታ ዝኾነ ዓብዪ ትካል ተዝመስረተሉ ደስ ይብለኒ፡፡ከም ሙዚየም፣ሓወልቲ፣ ወይ ድማ ዝኾነ ምኣዲ ስነ ጥበብ፡፡ኣብርሃም ንኹላትና ብማዕረ ዝምዓደ፣ዘፅናዕነዐ፣ ዘምሀረን ዘዘናገዐን እዩ እሞ ክብሩ ክብርና እዩ፡፡የቐንየለይ!”

መንእሰይ ኣቤል፡ ማዕረ ኽንደይ ንሙዑት ስነ ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ገሊጽዎ ነናትኩም ርእይቶን ትዕዝብትን ይህልወኩም እዩ።ኣብዚ ጉዳይ ሓሳብ፡ርእይቶ፡ወይ ተቃውሞ ተለኩም ሃየ መኣዲ ክፉት ባይታ እዩ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።ስለዚ ገለ ክትብሉና ተስፋ ይገብር።

ኣብራሃም ኣፈወርቂ፡ብፋም-ፋም ኣብ ኣዚዩ ን’ኡስ ዕድሚኡ ዝፈለሞ ህይወት ሙዚቃ ዓለም ምዃኑ ይግለጽ እዩ።ንሱ ባዕሉ’ውን ኣብ ዝትፈላለየ መድረኻት ይገልጾ ነይሩ እዩ።

ስነ ጥበበኛ ኣብራሃም፡ክንዮ እዚ ዋጣ፡ክራር፡ጊታር ወዘተን መሳርሒታት ሙዚቃ ይጻወት ነይሩ‘ዩ።ኣብ ደርፍታቱ ኣብዝሓ ግጥምታትን ዜማታትን፡ ናቱ ምኳኑ ካብ ኣንደበቱን ዝተረኽበን ካብ ልሳን መቕርቡን ይዝረብ እዩ።

እሞ ንሎሚ በዘን፡ ኣብ መወዳእታ ጠቂሰየን ዘለኩ ነጥባታት ክዛዝሞ ከለኩ፡ንእግረ-መንገደይ እቶም ዝዓሞቐን ዝዓዘዘን ሓበሬታን ፍልጠት ኣብ ስነ ጥበበኛ ኣብራሃምን ስርሓቱን ዘለኩም ኣካላትን ዉልቐ-ሰባትን ዝከ’ኣለኩም ክትሳተፉን ክትነጥፉን እላበኩም ክብል እፈቱ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ኣብ መበል ካል’ኣይ ክፋል የራኽበና።ሰናይ ቕነ!

ኣብራሃም ብርሃነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...