ካብ ጽሑፍ ናብ ቃል ዝተሰጋገረት መልእኽቲ ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ እነሀት።

ነግራማት ናይ ፓልቶክ እንተድኣ ነቲ ጽሑፍን ቃልን ኣንቢቦምን ተረዲኦምን ተኻቲዖም እንተዝኾኑ፡  ኣገዳሲ ተቐባልነት ምረኸቡ ኔሮም። ግንከ ዘጥረይዎ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ነቲ ጽሑፍ ናይ ምንባብ ድሌት ክብዝሕን “እንታይ እዩ ኢሉ?” ዝብል ናይ ምፍላጥ ድሌት ክኽስተትን ኣብ ናይ ኢንተርነት ሃሰው መሰውን ኣበይ ኣላ እታ ጽሑፍ ዘብል ድሌት እዩ ገኒኑ ቐንዩ። ብዛዕባ ናይ ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ርእይቶ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኖርማል ድኣ መዓልቲ መዓልቲ እንድዩ ዝርከብ።

ዘመን “ተዛረብ” ንዘመን “ጸሓፍ”ሓዉ/ሓብቱ ስለዝኾነ እቲ ኣንባቢ እንተድኣ ደልዩ የንብብ ኣርእስቲ ግን ጸሓፋይ እዩ ዝመርጾ። ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ኣይትዛረቡ ኣይትጽሓፉ ንዝብል ድማ ስለምንታይ ዘይጸሓፍ ዝብል ሕቶ ስለዘኸትል።

በቲ ኢሉ በቲ ኣብ መፈለምታ ፕሮፈሰር ናይ ሰማዕን ኣንባብን እንታውነት ደረጃ ትምህርትን ንቕሓትን ዘጽንዑ ኣይመስሉን። ትምህርቲ ክበሃል እንከሎ ናይ ብሓቂ ብኩለንትና ሓንጎል ዝመልእን ኣብ ርእሲ ንቡር ትምህርቲ ተወሳኺ እውን ናይ ማሕበራዊ ናብራን ኣፍልጦ ዘውሃደ እዩ። በዚ ሎም ሳላ ኢንተርነት ክፈልጥ ንዝደለየ ዕድል ኣሎ። ስለዚ ሎምውን ከምኡ ከይድገም እቲ ናይ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ጉዳይ ሰለዘሎ ካብቲ ናይ ካልእ ግዜ ዝፍለ ይኸውን። ምኽንያቱ ሎሚ ናይ ምፍላጥ ድሌት ናይ ሰማዕን ኣንባብን ካብቲ ናይ “ፍርዳዊ” ስምዒት ናይ ሰብዓታት ሰማንያታትን ተስዓታትን ማለት ኣብ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣካል ይፍለ እዩ። እዚ ሰሙን እዚ ግን ብቃል ንምውጻእ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝምስገን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕዝቢ ካብ ምንባብ ናይ ምስማዕ ድሌቱ ስለዝልዕልን ዝያዳ ኣቓልቦ ስለዝስሕብን።

ሎሚ ተፈሊጥዎ፡ እስከ ቅድም ባዕለይ ከንብብ ከምእውን ክሰምዕ ዝብል ኣረኣእያ ስለዝገነነ፡ ነዛ ኣውጺኦማ ዘለዉ ጽሑፍን ቃልን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣሉታ “ኤርትራ እዚዶ ደይዚ! ኤርትራ ሞይታ” ንበይና ኣብ ክንዲ ምድሃብ፣ ኣብቲ “ቃልሲ ንትንሳኤ ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ ከድህብ ይረአ። ናይ ሕሉፍን ድሩትን ኣተናትና ግዜ ሓሊፉ ስለዝኾነ እቲ ኣብ ኢንተርነት ኣንጻር እዚ ኣብ ነጻ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፍ ዝውጭጭ  ዘሎ ኣካል ሰማዒ ዝረክብ ኣይመስልን። ወይ ከኣ ነዝን ወድኸምዝን ንምስትንዓቕን ንኸይንበብ ምግባርን ዝተዋፈሩ ሰባት እንተኾይኖም ስርሖም እዩ። ስለዝኾነ እቲ ኣንባቢ ክገርሞ የብሉን፡ ከምኡ እውን በዚ ፈተነ እዚ ካብቲ ናይ ጽሑፍ ምንባብ ተግባር ክስሕብ ኣይግብኦን።

ናብ ታሪኽ ምልስ እንተሌና፡ ፕሮፈሰር ቅድሚ ዳርጋ 20 ዓማውቲ ይኸውን ሓንቲ ብረት ቁልቁል ኣፉ ንታሕቲ ጌሩ ዘርኢ ስእሊ ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፎም ነበሩ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሰብ በዛ ናይ ቁልቁል ኣፍ ምትካል ጥራሕ ሪእዩ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣይድግፉን እዮም እዞም ሰብኣይ ዝብል ፖሮፓጋንዳ ተዘርጊሑን ብዙሕ ሰብ እውን ተቐቢልዎ። ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ከይነንብብ ብቑልጡፍ ብልጭ ኢላ ጠፊኣ። ግዜኣ ስለዝኾነ እታ መጽሓፍ እንደገና ብፒዲኤፍ እንተትዝርጋሕ ጽቡቕ ኔሩ።

መጽሓፍ ናይታ ብረት ቁልቁል ኣፋ ጌራ እተርኢ ናይ መጽሓፍ ገበር ካብቲ ናይ ኣብ ግዜ ኩናት እትጥቀመሉ መሳርሕታት ናብ ሰላማዊ ውዕሎ ከተተግብሮ ናይ ምኽኣል ስነ ሓሳብ ኣብ ምዕራብ ብፍላይ ገኒኑ ዝርከብ ተርእዮ እዩ። ማለት ድሕሪ እቲ  ናይ ኑክለር ምስንዳው ኣብ ልዕሊ ጃፓን ኣብ ግዜ ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቕትን ነዚ ስነ ሓሳብ እዚ ደጊፎም ጺሕፎምን ተካቲዖምን እዮም። እታ ዓለም ዝረሰዐት ትመስል ኤርትራን ገለ ካብ ናይ 12 ክፍሊ ደረጃ ዘይሓለፉ ተቓለስታን ግን ነዚ ክስተት እዚ ስለዘይፈለጥዎ ካብ ጸሓፊት ጀሚርካ እቲ ትርጉም ናይ ካብ ካላሻን ተርጉም ብረት ናብ ማሕረሻ ዝብል ትሕዝቶ ስለዘየፈልጥናዮ ነዚ ኣዘራርባ እውን ክንርድኦ ኣይከኣልናን። ነቢይ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን እዩ በለ የሱስ። (ወንጌል ዮውሃንስ 4፡44)”ነቢይ ኣብ ዓዲ ኸም ዘይከብር ባዕሉ መስኪሩ ነበረ።”

“What it means is that (in this case a true prophet) a prophet is disregarded in his own hometown because people are taking the words strictly based on their natural association with the person rather than the words having been spoken with authority. They think they are speaking for themselves. People tend to dismiss what they are familiar with, etc.”

እምበኣር ናብ ታሪኽ ክንምለስ እታ መጽሓፍ እንታይ ትብል ነበረት ንኣንበብቲ ይግደፍ። እቲ ገበራ ግን፡ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 2፡4 ዝተወስደት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ይብል ኣብዚ ጥቕሲ እዚ። “ንሱ (እግዚኣብሔር) ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ኪፈርድ እዩ፤ ንብዙኃት ሕዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ’፣ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኩናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም። ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይክመሃሩን እዮም።” 

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሰላማዊ ኣጠቓቕማ ናይ ብረትን ከምኡ እውን ካብ ውግእ ሰላም ናይ ምምራጽ ኣተሓሳስባ ስለእተርኢ ንሰላም ዝደልዩ ሰባት ክጥቀሙላ ይርኣዩ። ኣብዚ ናይ ዊኪፒድያ ብዛዕባ እዚ ጥቕሲ እዚኣ ተመልከት። ስለዚ ቅድሚ ክንድዚ ዓማውቲ ዝተተረኸ ናይ ሰላም ድሌት ይደንጉ እምበር ትውልዲ ኣለናስ ዝሰምዖም ይስኣኑ እምበር ፈላጥ ኣጥርያ ኔራ እያ። ይደንጉ እምበር ክሳብ ዘለኻ ስለዘለኻ “ክምብል በለ እምበር ኣይተሰብረን”። ስለዚ ናይ ምሁራት ጽሑፋት ክንበብን ክምርመርን እዩ ዝግባእ። በዚ ሎምን ድሕሪ ሎምን ድማ ዘይምፍላጥ ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። እቲ ዕድል ኣሎ። ብቐሊሉ ክንበብ ዝኽእል ድማ ስለዝኾነ።   

ማክል ጃክሰን ከይተረፈ ኣብታ Heal the World ትብል ብዛዕባ እዚ ደሪፉ እዩ። 

“Create a world with no fear, Together we’ll cry happy tears, See the nations turn Their swords into plowshares” 1991

እዚ ጽሑፍ ነታ ብ2003 ኣቢሉ ንመዕልቲ ትንሳኤ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ኣብ ኣዝማሪኖ ተዘክር። ንሳ ድማ እዚኣ እያ።

ትንሳኤ ዘህልዋን

ካብ ሓዊ ናይ ደብዳብ

ካብ ባሩድ ናይ ኲናት

ካብ ፍርሒ ናይ ጨካናት

ትንሳኤ ዘሕጻናት

ካብ ማህጸን ናብ ዕልልታ

ካብ ባህጊ ናብ መመላእታ

ካብ ፍቕሪ ናብ ህላወታ


ትንሳኤ ትንሳኤ

ካብ ብስራት ናብ ምሕቛፍ

ካብ ብኽያት ናብ ምእባድ

ካብ ደገፍ ናብ ምዕባለ

ካብ ፍልጠት ናብ ምርማረ

ትንሳኤ ናይ ዝዓበየ

ትንሳኤ ናይ ዝደለየ

ትንሳኤ ናይ ዘተዓደለ

ናብ ክቡር ፕሮፈሰር ንመለስ እቲ ዛንታ እንታይ በለ እዩ እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ። ኣብዚ ናይ ቶግርባ መርበብ ኣድራሻ ናይቲ ጽሑፍ ተመልከት። እቲ ኣርእስቲ ንዘሕሞ የሕሞ፡ እቲ ትሕዝቶ ግን ናይ ፕሮፈሰር ርእይቶ እዩ። ብኸመይ መንገዲ ንኣንባቢ ከረድእዎ ይፍትኑ ኣለዉ ናቶም ጉዳይ እዩ። እቲ ኣንባቢ ድማ ምስ ካልእ ጽሑፋትን ህልዉ ኩነታትን ኣዛሚዱ ናይ ባዕሉ መደምደምታ ክበጽሕ ናቱ ጉዳይ እዩ። ንመጻኢ ግን ፕሮፈሰር ኣርእስቲ ምምራጽ ናብ ካልእ ሰብ እንተዝገድፍዎ ምሓሸ። ሰኣን ኣርእስቲ ምምራጽ ክንደይ ክንበብ ዝግብኦ ጽሑፋት ከይተነበ ይሓልፍ እዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...