ምዕራፍ 8ን 9ን 10ን

ምዕራፍ 8 ብዛዕባ መርገም (Scourge) ሃገራዊ ኣገልግሎት ይገልጽ። ኣብ ዝማዕበላን ኣብ መስርሕ ዘለዋን ሃገራት ዓለም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብፍላይ ካብ 18 ክሳብ 20ታት ዕድመ ብዘለዎም ደቂተባዕትዮ ንገለ 2 ዓመት ከገልግሉ ዝብል ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ሕጊ ኣለወን ። እዚ ንምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ዑቑር ሓይሊ ተባሂሉ ዝግበር ኽኸውን እንከሎ፡ ንፍልይ ዝበሉ ዜጋታት ከም ናይ እምነት ሰባትን ብሕልና ኣብ ረጽሚ ንዘይኣምኑን (conscientious objectors) ድማ ሕድገታት ይገብር። እዚኣቶም ሰባት፡ መሰረት እምነቶም ኣብ ረጽሚ ክሳተፉ ኣየፍቅደሎምን። ስለዚ ድማ ኣብ ጻዊዒት ንሰራዊት ኣይቅበልዎን።

ካልኦት ሃገራት ነዚኦም ዝመስሉ ሰባት፡ ኣብቲ ናይ ኩናት መስርሕ፡ ኣብ ረጽሚ ዘይብሉ ስራሓት የዋፍርዎም። ንኣብነት ከም ነርስታት፡ ዘወርቲ መኻይን፡ ኣብ ጽሬት፡ ብኩናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምእላይ ወ.ዘ.ተ. ናይ  በርገስ ስራሓት ኮይኖም ግቡኦም ይገብሩ። እዚኣቶም ኣብ ምዕቡል ሃገራት ከይተረፈ ስሚዕታዊ ነቐፌታን ማሕበራዊ ሽግራትን የጋጥሞም እዩ። ግንከ ኣብ ደሞክራሲ ስለዝኣምኑ ከይፈተዉ ይቕበልዎን ስራሓቶም ከማልኡ ይተሓበባርዎም። ኣብ ዓለም እቲ ውሩይ ናይዚ ኣብነት፤ ካስየስ ክለይ (መሓመድ ዓሊ) እዩ። ንሱ ኣሜሪካ ኣብ ቭየትናም ኩናት ስለዝኣተወት ኣብ ሰራዊት ኣየገልግልን እየ ኢሉ ኣበየ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከስ።

ኣብ ታሪኽ መጀመርታ ናይዚኦም ሰባት መሰል ዝሓለወ ሰበ ስልጣን “ዊልያም እቲ ብዙሕ ዘይዛረብ” ዝበሃል ናይ ሆላንድ ልዑል ነበረ። ንሱ ብ1533-1584 ዝነበረ ኮይኑ ነቶም ክሳብ ሎሚ ዘለዉ ናይ ክወከርስ (Quakers) ኣመንቲ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ የሕልፈሎም ነበረ። ኤርትራ ግን ከምዚ ዝብሃል ጉዳይ ከም ኣምር ይኹን ከም ጉዳይ ኣይትዛረበሉን እያ፡ ኣይተፍቅድን ከኣ። ስለዚ ድማ ኣምንቲ ጅሆቫ ዓቢ ሽግር ዘጋጠሞም። ምእንቲ እምነቶም ክሳብ ነጻነቶምን ንብረቶምን ስራሖምን ክምንጠሉ ግን ተቐባልነት ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ የብሉን። እንተኸፍአ ብመቕጻዕትን ኣብ ረጽሚ ዘይርከቦ ቦታታት ናይ ስራሕ ክፍሊት እንተዝወሃቦም ንኹሉ ምሓሸ ኔሩ። ኣይተገብረን ግን መን እሞ ረቢሑ? ስለዝተነጸሉ ኣብ ስደት ካብቶም መጀመርታ ዑቕባ ሓቲቶም ቅቡላት ኮኑ። ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ሓደ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰባ ከሲራ። ዓለም ናይዚኦም ዓይነት ሰባት ዘጋጥሞም ሽግር ብምርዳእ ግንቦት 15 መዓልቲ ከም መዓልቶም ጌራ ተብዕሎ። (Consiencious Objectors day is celebrated on May 15.)

በቲ ኢሉ በቲ እዛ ሃገር እዚኣ ከም ሓንቲ ድኻን ንእሽቶ ሃገርን መጠን ኣዝዩ ዓቢ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ዘድልያ፡ ዝያዳ ንጡፍ ኣገባብ ኣታኣታቲኻ፡ ሓደ ብቑጽሪ ውሑድ፡ ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣዝዩ ዝሰልጠነን ዝተማህረን ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዓለመ ዑቑር ሓይሊ ዝድገፍ ማለት ከም ኣብነት ናይ ስዊዘርላንድ ንውሰድ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጠልባ ሃገረ ኤርትራን እስራኤልን ጥራሕ እየን። እተን ካልኦት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘተኮራ እየን።

8.1 ብሕራይ ዝካየድ ኣገልግሎትን ብግድን ክወዳደር እንከሎ

ኣብ ኤርትራ መንእሰያት ብድሌትን ብሕራይን ዝገበርዎ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ተጀሚሩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብቲ ውግእ ብዘይ ክፍሊት ክሳተፉ ዊሒዞም። ኣብቲ ናይ መፈለምታ 18 ዓመታት ናይ ቃልሲ፡ ብሕራይ እዩ እቲ ሰራዊት ዝሰርሕ ኔሩ። ካብ 1979 ድሒሩ ግን ናይ ብሓይሊ ምዕስካር ተኣታትዩ። ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ብግዲ ኣብቲ ቃልሲ ንኽሳተፉ ተገደዱ። ስለዚ ድማ ንኣስታት 10 ዓመት ዝኸውን ኣስገዳድ ዕስክርና ኣብቲ ናይ ኤርትራ ቃልሲ ተኣታትዩን ተሰሪሑሉን። ብድሕሪ ምትእትታው ናይ ሕብረት ሶቭየት ደገፍታን ምስ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኩናት ተሪሩን ኢትዮጵያ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝኾኑ ሰራዊት ከተታኣቱ ኪኢላ። እቲ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ዝነበረ ሓይሊ ድማ ከንሳሕብ ተገዲዱ። ብሰንኪ እዚ ውዕውዕ ናይ ኩናት ኩነት፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ነጻን ሓውሲ ነጻን መሬት ግዱድ ዕስክርና ጀመረን ቀጸለን። ምኽንያቱ ቅድም ብሕራይ ዝመጽእ ዝነበረ ሓይሊ ብብቑሩብ እናወሓደ (ካብ ከበሳን ዜጋታት ዝነብሩሉ ቦታ እናረሓቐ ምስከደ)ን፡ ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ከበባ እናበርትዐ ስለዝኸደ ናይ ሰራዊት ምስዋእ ኪሳራ ኣዝዩ በርትዐ። ስለዚ ኣስገዳድ ዕስክርና ኣብ ጸረ ናይ ኢትዮጵያ ወራራት ከፍሽልን፡ ናይ ቃልሲ ምህላው ክከላኸልን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዓወት ንክበጽሕ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። 

8.2 ስለዚ እዚ ጉዳይ ነቲ ሰውራ ስለዘዕወቶን ስለዝጠቐሞን ነዚ እንደገና ንምትእትታው ዝኣክል ረቓሒታት ተራእዩ። መበገሲ ናይዚ ተርእዮ ማለት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብድሕሪ ነጻነት ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ብብዝሒ ዘይሰርሑን፡ ክሰርሑ ዘይክእሉን መንእሰያት መሊኣ ነበረት። ብሰንኪ መግዛእትን ኩናትን ዝዓነወ ቁጠባ ነዚኦም ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ኣይነበሮን። እታ ኡንኮ ዩኒቨስቲ ኣስመራ ተዓጽያ፡ እቲ ስታፍ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኣገርፋ ግዒዙ ጸኒሑ። እዚኦም መንእሰያት ግቡእ ትምህርቲ ዘይነበሮምን፡ ተክኒካዊ ክእለት እውን ዘይማዕበሉን፡ ካብ ቤተ ሰበን መቕርብን መሓዙን ካብ ወጻኢ እውን ብዝምወለሎም ገንዘብ ይነብሩ ነበሩ። ስለዚ ድማ ናይ ስራሕ ፍቕርን ባህል ናይ ኤርትራ ደስኪሉ ስለዝነበረ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ማለት ናይ ፍልጠትን ስራሕን ክእለት ከማዕብሉን ባህሊ ሃገር ክበራበርን ምእንቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍታሕ መንግስቲ መደበ።

ኣብዚ ዓ.ወ. ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ብመጽናዕቲ ኣብዚ መደምደምታ በጺሖም እንተኾይኖም ጽቡቕ። እንተዘይኮነ ኣብ ትሕቲ ደርጊ ዝነበሩ መንእሰያት ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ልኡምነትን ናይ ስራሕ ፍቕሪ ኣይነበሮምን ክብሃል የስክፍ። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ መንእሰያት ዝነበሩ ሎሚ ብዕድመ ናብ ኣርብዓ ዝተጸግዑ ስለዝኾኑ ታሪኾም ባዕሎም እንተዝነግሩን እዚ ስጉምቲ እዚ ብኸመይ ጸልይዎም ምበርሀ። እቲ ክኸውን ዝኽእል (ምስዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝዛመድ)፡ እቲ ግንባር ነዚ ውዑይ ሓይሊ ክጻወሮ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ሕቶ የልዕል። 

ኣብ ርእሲ እዚ ምኽንያት እዚ ሓደ ተወሳኺ ክስተት ተፈጥረ። ብግንቦት 23, 1993፡ ኣብ ድሮ ወግዓዊ ናይ ሃገር ነጻነት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ኣድማ ገበሩ። እዚኦም ናብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ብምኻድን ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዋና ጸሓፊ ግዜያዊ መንግስትን ናይ ሎሚ ፕረሲደንት ወሲዶም ኣብ ናይ ኣስመራ ናይ ኩዑሶ ስታድየም ኣኼባ ክካይድ ኣገደድዎ። ኣብዚ ብዘይ መደብን ብስምዒትን ብዙሓት ተደናገጽትን ኣብ ዘለውዎ፡ ንዋና ጸሓፊ ሽግራቶም ኣቕረቡን መፍትሒ ክግበረሎም ድማ ጠለቡ። ዋና ጸሓፊ ከምቲ ኩል ግዜ፡ ኣብ ሽግር ክርከብ እንከሎ ዝገብሮ፡ ሓቕኹም ብምባል ሕጋውነት ጠለባቶም ብምፍላጥ መፍትሒ ክግበረሉ ምኻኑ ኣፍለጠ።

እቲ ጉዳይ ምስዘሓለን ግዜያዊ መንግስቲ ቁጽጽሩ ምስተኣማመነ፡ መፍትሒ ተሪፉ ነቶም ቀንዲ መራሕቲ ኣድማን ተሓባበርቶምን በብሓደ ተኣስሩ። እዚኦም ኣብቲ ጥልያን ዝሰርሖ ዝለዓለ ሓጹርን ዱልዱል ማእሰርቲ ዓዲ ኹዋላ ኣተዉ። ከምቲ ልምዲ ድማ ተሃሪሞምን ተሳቑዮምን ብድሕሪኡ ድማ ብዘይ ኣገባብ ንነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ተፈርዱን፡ ብዘይ ድሓን ካብ ሓይልታት ምክልኻል ተኣልዩ። እዚ ግፍዒ እዚ ምስተፈጸመ፡ መሪሕነት ግንባርን መንግስትን ብሓፈሻ፡ ዋና ጸሓፊ ድማ ብፍላይ ኣተኩሮኦም ናብቲ ኣድማ ክገብር ዝኽእል ኣካል ሕብረተ ሰብ ኣድሃበ። ዘይእመኑ ኣባላት ምክልኻል ኣብ መጻኢ ዕልዋ መንግስቲ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣሕደሩ። ስለዚ ኣድላይነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ተራእየ። ማለት እዚ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መተካእታ ወይ ሚዛን ኣብ ክንዲ ምክልኻል ሃገር ክኾኑ ስለዝኽእሉ ነዚ ንምትግባር መደብ ወጽአ።

ኣብዚ ዓ.ወ. ከምቲ ኣብ ቃለ መጠይቑ ዝበሎ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶምን ዝወረዶም ስቓይን ግፍዕን ሎሚ ኣብ ነጻ ቦታ ኮይኑ እዩ ዝጽሕፍ ዘሎ። ስለዚ ኣብቲ ቦታ እቲ ኮንካ ግን ብዛዕባ እዚ ኣፍ እንተኣውጺእካ፡ ዕድልካ ባዕልኻ ኣሕሊፍካ ሂብካ ማለት እዩ። እዞም ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ መንእሰያትን ተጋደልትን ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስዱ እንከለዉ፡ ልክዕ ከምቶም ብድሕሪኦም ዝስዓቡ ናይ መስከረም 18፡2001 ግዳያት ዝኾኑ ሹማምንቲ፡ ኣዝዮም ተገሪሆምን ነቲ ኩነት ክሳብ ካብ ቁጽጽሮም ዝወጽእ ተጸብዮም። ከም ተመኩሮ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ክስተታት ንከም ዓ.ወ. ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ መልሰ ግብሪ ክርድኦም እንከሎ፡ እቲ ናይ ገድሊ ዘምጽኦ “መን ከማይን” “ኣነ እፈልጥን” “ልክዕ ስለዘለኹ፡ ሰብ ከይወደብኩ ባዕሉ ሕዝቢ ክከላኸለለይን ክስዕበንን ይኽእል” ኢልካ ናይ ምእማን ጉዳይ ኣብ መንነት ኤርትራውያን ክሳብ ሎሚ ድድሕሪ እቲ ዜጋ ትስዕብ ዘላ ጠባይ እያ። ናይ ምዕራብ ሃገራት ብብዙሕ ዘዕወተንን ከም ብሉጻት ክገብረን ዝኸኣለ፡ ኣብ ተመኩሮም ምትንታንን፡ ካብዚ እንታይ ንመሃርን ንሕና ንባዕልና ስለምንታይ ከምዚ ጌርና፡ ስለምንታይከ ከምዚ ኣይገበርናንን፡ ዝብል ትንታነ ፍልስፍናን ግብራውን ዝኾነ ኣተሓሳስባን ስነ ምግባርን ስለዝጥቀሙ ንቕድሚት ክስጉሙ ኪኢሎም። ስለዚ እዚ ናይ ኣድማ ጉዳይ እንደገና ብናይ ስርሒት ፎርቶ ልክዕ ብመሰረቱ ካብዘን ክልተ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ብዘይፍለ ተፈጽሙ። ዓ.ወ. ከም ኣብ ሕመረት እቲ ጉዳይ ከምዝነበረ መጠን፡ ነዚ ዓይነት ጠባይ ብኸመይ ይትንትኖ ዝብል ሕቶ እቕርበሉ።  

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ግዜያዊ መንግስቲ፡ ብዘይ ውሽጣዊ ናይ መንግስቲ ክትዕ፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብ1995 ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 18 ክሳብ 40 ዝዕድመኦም ዜጋታት ኣዋጀ። እዚ ብናይ 6 ወርሒ ታዕሊም፡ 12 ወርሒ ንጡፍ ወተሃደራዊ ስራሕ ምዕባለ ምሕጋዝን ምስኡ ን18 ኣዋርሕ ክኸውንን እዚ ነቶም ትሕቲ 50 ዝዕድመ ክኸውን ተወጠነ። እዚ ትእዛዝ ንፍሉያት ደቅሰብ ማለት ብሃይማኖት ይኹን ብእምነት፡ ወይ ውን ብሰኣን ክእለት ዝብል ሕድገት የብሉን።

እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብዚ ብዘይ ውሽጣዊ ናይ መንግስቲ ክትዕ ተኣዊጁ። እዝውን ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ዝግበር ምጥሓስ ናይ ደሞክራስያውን ኣሰራርሓ ኣገባብ ዘይምኽታል። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሕዝቢ ከይፈለጠ ሃንደበት ዝበጽሖ ዝነበረ ነገራት ክሳብ ክንደይ ዝበጽሕ እዩ ኔሩ እቲ ምጽባይ። ዝያዳ መብርሂ ናይቲ ኣገባብ።

በቲ ኣዋጅ መሰረት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዎንታዊ ዕላማታት ኣለዎ። ሓደ ሓያል ዑቑር ሰራዊት ምድልዳልን፡ ማለት እቲ ፍሉጥ ምክልኻል ሓይልታትን እዝን ዘጠቓልል፡ ነቲ መንእሰይ ንነጻነት ዘምጸአ ስነ ስራሕን ክቡር ባህልን፡ ሓያል ዲሲፕሊን ክተኣታቶን፡ ናይ ተግባረ እድ ኣስተምህሮ ክቐስምን፡ ሃገራዊ ምዕባለ ክተክልን፡ ሓደነት ሕዝቢ ከማዕብልን ዝብል ነበረ። እቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ሕገ መንግስቲ ነዚ ብዓንቀጽ 25.3 ግቡእ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ ይብል። እቲ መሰረት ናይዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዚ ኣተገባብርኡ ድኣ ካልእ ኮይኑ እምበር ዕላማኡ ዝነኣድ እዩ ኔሩ።

ናይዚ መደብ እዚ ብኣገባብን ብሕግን ኣብ ግብሪ ስለዘይወዓለ፡ ሕጋውነት ዘይብሉ ኮይኑ ይርከብ። ንኣሽሓት ኣማኢት መንእሰይ ኣብ ፍረ ኣልቦ ስራሕ ጸሚዱን፡ ኣብ ናይ ዘየለ ኩናት ጻውዒትን ዑቑር ሓይሊ መንእሰይ ንብላሽ ክባኽን ይረእ ኣሎ። ስለዚ ድማ እቲ መንእሰይ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። እቲ መንግስቲ ግን ኣይገደሶን። ወይ 50,000 ናቕፋ ክፈሉ ወይ ደቅኹም ኣምጽኡ ወይ ተኣሰሩ ይብል። እቲ ስርዓት ናይ ምውሳድ ጥራሕ ውጥን ስለዘለዎ ድማ እቲ ዘገርም ንሓደ ዝተሰውአ/ት ስድራ ዝኽፈል ገንዘብ 10,000 ክኸውን እንከሎ፡ ንሓደ ዝኾብለለ መንእሰይ ዋጋ ግን 50,000 የኽፍል። ዓ.ወ. ብዝርዝር ናይ ሳዋን ዓይነት ትምህርትን ዝጎድል ዘሎ ሓይልን ንዝያዳ ድኽነትን ማእሰርትን ግፍዕን ከምዘኸተልን፡ ክሳብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ደቅ ሰብ ኣካላት ምሻጥ ተርእዮ ብዝርዝር ይገልጾ። (ገጽ 252-267) ብሓጺሩ፡

ብኣንጻሩ ድማ፡ እቶም ተመሃሮ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ምስ ስድራ ቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ይምንጥሎም። ቤተ ሰብ ነዞም መንእሰያት ኣብዚ ተነቃፊ ዕድመኦም ክሕብሕቦምን ክኣልዮምን ዝግብኦ እዋን እዮም ኣብ ገዝኦም ዘይርከቡ ዘለዉ። ኣብ ገጠር ድማ እዞም ተመሃሮ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ማሕረስን ካልእ ስራሓት ዝሕግዙሉ ግዜ ተወሲዱን ናቱ ስምብራት ድማ እቲ ስድራ ቤት ማህሰይቲ ይወርዶ። ብተወሳኺ ብዘይ እዚ ብብላሽ ዝጠፍእ ግዜኦም፡ ተመሃሮ ባዕሎም ትርፊ ስራሕን፡ ፍሉይ ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ከናድዩን፡ በዚ ዝረኽብዎ ገንዘብ ክእለትን ድማ ኩነታት ቤተ ሰቦም ከመሓይሹ ዝኽእሉሉ ኩነት እዩ ጎዲሉ። ብወግዒ እዚ ወፈራ ከምዝተዓወተ ይንገር። እቲ ሓቂ ግን ገጠር ኤርትራ በዚ ክረምታዊ ስራሕ ንኣግራብ ለውጢ ኣይምጸአን ንሕብረተ ሰብ ገጠር ድማ ዓይነታዊ ዝርአ ውጺኢት ኣየበርከተን።

ብግዜ ደርጊ ክሳብ 11 ክፍሊ ስለዝነበረ፡ ኣብዚ ሓድሽ ተርእዮ ምእንቲ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ዝያዳ ክዳለዉ ምእንቲ 12 ክፍሊ ተወሰኸ። ተመሃሮ ግን 11 ክፍሊ ምስወድኡ ወተሃደራውን ልሙድ ትምህርቲ ክወስዱ ምእንቲ ናብቲ ጽምዉ መዓስከር ሳዋ ይኸዱ። ኣብቲ እዋን እቲ ኤርትራ ን12 ክፍሊ ዝኸውን ናይ ሰብን ገዛውትን መሳርሕን መማህራንን ሓይሊ ስለዘይነበራ እዩ ሳዋ ተመሪጹ ይብል ዓ.ወ.  ብግዜ ኃይለ ሥላሴን ደርግን ዝነበረ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ትካላት ክሳብ ክንድዚ ዝኣከል እንተድኣ ማህሚኑ፡ ስለምንታይ ኣብቲ ውሩስ ገዛውቲን ህንጻታት ዝነበራ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ስለምንታይ ዘይተመርጸ? ሳዋ ካብ ካልእ ቦታ ብመን ተመሪጻ?  ኣብ ሳዋ እዞም መንእሰያት ኣብዚ ተኣፋፊ ንኡስ ዕድመኦም ካብ ቤተ ሰቦም ተፈልዮም ክነብሩ እንከለዉ ንደቅሰብ ካብ ዘድልዮ ናይ ስድራ ደገፍን ምሕብሓብን ይጎድሎም። ከምኡ እውን እቶም መማህራን በቲ ራሕቅን ቦታን ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ንነዊሕ እዋን ኣብዚ ስለዘገልግሉ፡ ልሙድ ናይ ሓዳርን ቤተ ሰባዊ ደገፍን ንሶም እውን ይጎድሎም። ቤተ ሰብ መማህራን ንመቅርቦም ክበጽሑ እንተድኣ ደልዮም፡ ፍሉይ ፍቃድ የድልዮም።

እዚ ኩሉ ምስ ዋሕዲ ናይ ኣድላዪ ነገራት ከም እኒ ልዑል ቤት ንባብ፡ እኹል ናይ ስነ ፍልጠት ላቦራቶሪ፡ ስለዘየለ፡ እዞም ተመሃሮ ናይ መጻኢ ሕይወቶም ዝመርሕ ንጡፍ ድሌትን ተስፋን ይስእኑ። ኣብዚ ናይ 12 ክፍሊ ምስወድኡ፡ እቶም ናብቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዘለወን፡ ትሑታት ንዩኒቨርስቲ ክትከኣ ተባሂለን ዝተሰረታ ኮለጃት ዘይተመደቡ ተመሃሮ፡ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቑረኑ ይግደዱ።

ገለ ዝርዝራት ናይ ተማሃሮ ጉልበት ሓይሊ ንብላሽ ዘጥፍእ ዝነበረ ናይ ክራማት ጻውዒት ንስራሕ (The waster of student summer camps)። 8.4

(1)   ቅድሚ ቅሩብነቶም ንሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሮ፡ኣብቲ ብ1994 ዝተጀመረ ናይ ክራማት ናይ ስራሕ ወፈራ ክሳተፉ ይግደዱ። እዚ ቅድሚ ምዕጻዉ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተማሃሮ እውን ይምልከት ኔሩ። ሽቶ ናይዚ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ግዜ ናብ ገጠር ዝኸዱሉ ምኽንያት፡ ንሕብረተ ሰብ ክሕግዙን፡ ናይ ኣእዋም ምትካልን ምክልኻልን ተግባር ከማልኡ ይበሃል። እዚ ብዘይ መደብ ንገጠር ምልኣኽ ውጺኢቱ ናይ ግዜን ሓይልን ምብኻን ነበረ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ክግበር ዘድሊ ነገራት ከየማልአን ናይ ሰብ ሓይሊ ከይመጠነን፡ እቲ ተግባር ምስተወድአ ድማ ምክትታል ይግበረሉ ስለዘይነበረ እዩ።

(2)  ናይ ኤርትራ ዝበለጸን ዝዓበየን ሃብታ መንእስያታ እዮም። ክንደይ ትውልዲ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ተሳቲፎምን ሃገር ንኽትህሉ ብደምን ራሃጽን ከፊሎም። ኣብዚ ናይ ዕሸልን ንእሱን (ቀንዲ ምክንካን ኣብ ዘድልዮም) ዕደመ ግዜ ክትከልኦምን፡ ብተወሳኺ ናይ ትምህርትን ክእለት ምድላብ ንጥፈታት ከተስእኖም እንከለኻ፡ ሓደ ዓቢ ጥፍኣትን ኪሳራን እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ብክንክን ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ መሃዝነትን ዝለዓለ ሽቶ ናይ ሕይወቶም ክበጽሑሉ ዕድል እውን ስለዝስእኑ እዩ።

(3) ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ፍልጠት ነጊሱ፡ ናይ ቁጠባ መሪሕ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ኣድላይነት ናይ ላዕለዋይ ስልጠና ማለት 3ይ ደረጃ ናይ ዩኒቭርስቲ ንምዕባለ ኣድላዪ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ግንከ ናይታ ሓንትን እንኮን ዩኒቨርስቲ ምዕጻው ካብ ክቱር ንዕቀት ናይ ላዕለዋይ ኣስተምህሮ ዝበቆለ እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት መእተው ድኣምበር መውጽኢ ዘይርከበሉ ክስተት ተቐልቂሉ። ስለዚ ናይ ቀጻሊ ትውልድታት መጻኢ ተስፋ ጠፊኡ፡ ናይ ነብስኻ ምምሕያሽ ተሳኢኑ፡ ከብቕዕ እታ ሃገር ድማ በዚ ኩነታት እዚ እዚኣቶም ክሰርሑላን ከማዕብልዋን ዝኽእልሉ ዕድል ትስእን ኣላ።

ምትእስሳር ትሕተ ቅርጽን ምዕባለን 8.5

1)     እቲ ልሙድ ኣሉታዊ ኣጠቓቕማ ናይ ስነ ፍልጠታዊ ኢንጅነርነትን ናይ ስልጡንን ምሁሩን ኣካል ነቲ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሰርሖ ነገራት ኣብ ዘይሰልጠሉ ኩነት ኣውዲቕዎ ይርከብ። እዚ ማለት ናይዚ ስራሓት ምስቲ ሓፈሻዊ ምዕባለ ሃገር ኣይተሓሓዝን፡ ቁጠባውን ማሕበራዊ ለውጥን ምምሕያሽ መነባብሮ ሕዝብን ኣየኸትልን። ነዚ ርኡይ ድኽመት እናረኣዩ ግን፡ ናይ መንግስቲ ናይ መራኸቢ ትካላት ብዛዕባ እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘበርክቶ ዘሎ ምዕባለ ናይ ትሕተ ቅርጽ ይጀሃሩ። ኣብዚ ኣይተገብረን ማለት ኣይኮነን። ግን ምስቲ ሓቂ ካልእ ውጽኢታት ኣለዎ።  እወ፡ ዳግመ ህንጻ ጽርግያታትን መንገድታትን፡ ኣብያተ ትምህርትን፡ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ክሊኒካትን፡ ናይ ሕርሻ (concession farms)ን ብነጻ ጉልበት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሰሪሑ እዩ። ናይዚ ህንጸት ድማ ከም መልሰ ግብሪ ዝያዳ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ዝህቡ ስራሓትን ናይ ተማሃሮ ምዝገባ ኣብ ቀዳማይ፡ ማእከላይን 2ይ ደረጃ ኣኸቲሉ። እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ነቲ ናይ ደቅሰብ ተራ ኣብ ግምት ስለዘይወስድ፡ ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ኣገልግሎት ኣወሃህባ፡ ተደራቢ ደገፍ ዝህብ ትካላት ዋሕዲ ኣኸቲሉ ይርአ። ስለዚ ህንጻት ትሕተ ቅርጺ ንበይኑ ናይ ምዕባለ ምልክት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንቁጠባ መደንፍዕን ናይ ኣቑሑን ኣገልግሎታት መንቀሳቐሲ ሓገዝን ብምኻን ናይቲ ሕብረተ ሰብ መነባብሮ ክመሓየሽ ዘኽእሎ ክኸውን እንከሎ እዩ እቲ ቀንዲ ተርኡ። ኣካላዊ ትሕተ ቅርጺ ንመሳርሒ ማእቶት ከማዕብልን፡ ቀጠባዊ ርክባት ክተኣሳሰርን ናይ ንግዲ ልውውጥ ከኸትል ኣለዎ። ማሕበራዊ ትሕተ ቅርጺ ናይ ደቅሰብ ክእለታትን ፍልጠትን ከማዕብልን በዚ ድማ ሃብቲ ንኽመጽእ መንገዲ ክኸፍት ይኽእል።   

ምዕራፍ 9 ንሽግራት ብሓይሊ ምፍታሕ ተርእዮ።

“ብሕርቃን ወይ ብክፍኣት ሕይወት ኣይተጥፍእ….ስለምንታይ..ንሕይወት ዘየኽብራ፡ ንባዕሉ ስለዘይከብር” ለዎናርዶ ዳ ቪንቺ።

ታሪኽ ቃልሲ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ሕጋውነቱን ብርቱዕ ጻዕሪ ናይ ብረታዊ ተጋድሎ ብብዙሕ ጸሓፍትን ተረኽትን ተመስኪሩ እዩ። ኣብዚ ዳርጋ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ወይ ክጥቀስ ዘይተደለየ ኣካል ናይዚ ታሪኽ እዚ ግን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ንዝቕልቀል ፍሉይ ዝበለ ኣተሓሳስባን ተቓውሞን ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ልምዲ እዩ። እዚ ምዕራፍ እዚ ነዚ ጋግ እዚ ክዓጹ ይፍትን። ማለት ሓይሊ ተጠቒምካ ኣብ ውሽጢ ገድሊ ዘይምርድዳእ ምፍጣርን፡ ቀጻልነቱ ድሕሪ ነጻነትን። ኣብቲ ብታሪኽ ዝጸንሐ ርዱእ መሪሕነት ንዝገጠሞ ምቅዋም ይትንክፍን፡ ውሽጣዊ ምርድዳእ ምስተረፈ ዝስዓበ መልሰ ግብሪ ይትንትን። ብድሕሪ እዚ ናይ ተቃውሞ ክስተትን ማእሰርቲ ናይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን፡ ፍጻመ ክቱር ስልጣን ኣብ ኢድ ፕረሲደንትን፡ ናይ ብ”ሓደ” ሰብ ዝምራሕ መንግስቲ ምቕልቃል የርኢ።

ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ነዚ ንፍልልያትካ ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዝጸንሐን ዝከይድ ዘሎን እዩ። እቲ ብ1960 ዝጀመረ ተ.ሓ.ኤ. ክሳብ 1980 ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ፍልልያትን ተቃውሞን ብሓይሊ እናልገሰ እዩ ክሳብ ብግዲኡ፡ ብሓይልታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንሱ እውን ብሓይሊ ዝተኣልየ። ገጽ 274-275 (298)ብፍላይ ነቲ ብ1977 ዝተቀልቀለ ናይ “ፋሉል” ምንቅስቓስ ተመልከት። ካብዚኣቶም ኣስታት 1,500 ዝኾኑ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ብምህዳም ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተሰለፉ። እዚ ከመይ ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ህ.ግ. ምስኣተዉ፡ ኣብ ሳሕል ዳግመ ትምህርቲ ብማሕሙድ ሸሪፎን፡ በራኺ ገብረስላሴን ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ተዋሂቦም (ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ)። ብድሕሪ እዚ ካብ ዜሮ ንብልቃጥ ዝወስድ መንገዲን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ፊተውራሪ መዓስከርን ምስ ስርሑ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ተወዚዖም። ብዙሓት ካብኣታቶም (ይብል ዓ.ወ.) ካብ ጋሕተላይ ናብ ኣስመራ ዝተካየደ ኩናትን፡ ጎላጉል ሰምሃርን ጨው ዝመሬቱ ናይ ሳሊና ሑጻ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ኩናት ብጅግንነት ወዲቖም።

ኣብዚ ዓ.ወ. ኣብ ታሪኽ ስነ ቃል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከምዝበሃል ነዚኦም ከም ሓደ ጉጅለ ምጽናሕ ብፍላጥ ከምእተገብረን፡ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ግንባር ኩናት ጎልጎል ሳሊና ብምውዛዕ ኮነ ኢልካ ምእንቲ ክጠፍኡ ዝተገብረ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እዚ መሪሕነት ህ.ግ. ከምዚ ዝኣመሰለ ነጻነት ናይ ዘረባን ርእይቶ ምሃብን ስጉምቲ ምውሳድን ዝኣመሰለ ጠባያት ዝሓዙ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ክጻወር ኣይክእልን እዩ። እዚኦም ከምቶም ናይ ህ.ግ. ምእዙዛትን ብክቱር ዲስፕሊንን ኣፎም ተዓቢሱ ዝኸዱ ዝነበሩ ኣይኮኑን። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝያዳ መብርሂ ካብ ዓ.ወ. ንጽበ.(እዚ ቃላቱ ስለዝኾነ)።

ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድማ ብግዲኣ ነቶም ኤርትራዊ ሓርነታዊ ግንባር-ህዝባዊ ሓይልታት2፡ ብ1973 ብሓይሊ ደቑሳቶ። እዚ ካብ ናይ ሓይልታት 2 ውሽጢ ዝነበረ መሪሕነት ዘይደሞክራሲያውን እዩ ብምባል ነቲ ናይ ኣንነታዊ ኣገባብ ነቒፎምን፡ ዝርዝር ጌጋታት ኣቕሪቦምን፡ ንተጋደልቲ ኣሳቕዮምን ስለዚ ድማ ኣራሚ ናይ ጽገና ስጉምቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ክግበር ጸዊዖም። መሪሕነት ህ.ግ. ነዚ ምንቅስቓስ እዚ “መንካዕ” ዝብል ኣሉታ ዝሓዘ ስም ብምጥማቕ፡ “ኣዕነውቲ” እዮም ዝብል ጽሑፍ ብ1973 ኣብ ውሽጢ ፍሉጣት ካድራትን ተጋድለትን ኣባላት ሓፋሽ ውድባት ኣብ ወጻኢ ዘርግሑ። ናይዚ ብለይቲ ለይቲ ብምስጢር እዮም ውዲት ዝኣልሙ ናብ ዝብል መረዳእታ ንምብጻሕን ጠባያቶም ምእንቲ ብጋህዲ ከይፍለጥን ዝተኻየደ ናይ ፖሮፓጋንዳ ዘመተ እዩ ኔሩ። መራሕቲ ናይዚ ምንቅስቓስ እዝን ብዙሓት ሰዓብቶምን ኣብ ፋሕ፡ ሳሕል ዝርከብ ሓለዋ ሰውራ ተመቑሑ። ብድሕር እዚ ጉዳዮም ትምርምር ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተመዘዘትን ብኣቦ መንበርነት ኢብራሂም ዓፋ እትካየድ ሓንቲ ንጉዳዮም እትምርምር ኮሚቲ ተረኺባ፡ ኣብቲ መጀመርታ ናይ ህ.ግ. ውድባዊ ጉባኤ ጥሪ 1977 እቶም መራሕቶም ብውግዒ ንሞት ከምእተፈርዱ ሓቢራ።

 

ገለ ካብዚኦም ኣፈወርቂ ተኽሉ፡ ሃብተስላሴ ገብረመድህን፡ ሙሴ ተስፋሚኪኤል፡ ርእሶም (ፋርማሲስት)፡ ታረቀ ይሕደጎን ዮውሃንስ ስብሃቱን ይርከብዎም። ነዚ ታሪኽ እዚ ሓደ ዓርኪ ኤርትራ ጥልያን ጸሓፋይ “ጸሊም ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ.” ክብል ዝሰመዮ ክስተት እዩ። (Poscia Stefano, Eritrea: Colonia Tradita)። 

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ተጋደልቲ “ጸጋማውያን” “መንካዕ”፡ “የማናውያን”፡ “ዝምቡላት”፡ “ናይ ኢትዮጵያ” ወይ ናይ “ሲኣይአ ሰለይቲ” እናተባህለ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተወሲዶምን ብዘይ ፍርድን ኣገባብን ተቐቲሎም እዮም። እዚ ናይ ብሓቂ ዘጋጥሙ ጸላእትን ይኾኑ እትብሎምን ብከመይ ተልግሶም ዝብል ሕቶ፡ መልሱ ብፍርሕን ራዕድን ሽበራን ኣብቲ ታሪኽ ከም ልሙድ ተወሲዱ እዩ። እዚ ከኣ እዩ ሎሚ እውን ኣብቲ ስርዓት ዝርአ ጠባይ። ማለት፡ (1) ኣብ ኣስመራ ብግንቦት 1993 ዝተራእየ ናይ ተጋድልቲ ኣድማ ዘኸተሎ ማእስርትን ግፍዕን ምርሻንን። እዚኦም ዝሓተትዎ ናይ ደሞዝ ጉዳይን መነባብሮኦም ክመሓየሸሎምን ጥራሕ እዩ ኔሩ። (2) ቀጺሉ ብሓምለ 1994 ቅትለትን ማእሰርትን ናይ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ማይ ሓባር ። (3) ብነሓሰ 2001 ናይቶም 2,000 ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣብ ዊዓ ምእሳር። እዚኣቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸዱሉ ኣገባብ ክልወጥን ማእሰርቲ ናይ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ተመሃሮ ስለዝጠለቡ ጥራሕ እዩ ኔሩ እቲ ጉዳይ። ግንከ ተቃውሞ እዩ። (4) ብመስከረም 2001 ናይ ሚኒስተራትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዒላ ዒሮ። (5) ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብ4 ሕዳር 2004 ነቶም ኣንጻር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝተቓወሙን ዝሃደሙን መንእሰያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ምእሳርን ምቅታልን። ኣብዚ 16,000 ዝኾኑ “ሃደምቲ” ከካብ ገዝኦምን ኣብያተ ጽሕፈታትን መንገድን ተገፊፎም ኣብ ሓደ ጸቢብ ማእሰርቲ ምስተዳጎኑ፡ ንመሰሎም ስለዝሓተቱ ጥራሕ ተኩሲ ተኸፊቱሎም። (6) ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ገዝኦም፡ ቤት ጽሕፈቶም፡ ወይ ውን ኣብ መንገዲ ንተጻረርቲ መንግስቲ ኣብ ዝግበር ግፋ ኣበይ ኣለዉ ዘይፍለጡ ዝጠፍኡን ዝተሸርቡን እውን የጠቓልል።

ምስጢራዊ ፓርቲ ኤርትራዊ ሕዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሰሪቱን ብዋህዮታት ኣብቲ ውድብ ተላጊቡ። እዚ ካብቲ ናይ ማኦ ኣገባብ ቃልሲ ዝተወስደ ናይ ሓደ ጉጅለ ነቲ ውድብ ክመርሖን ኣብ ናይ ስነ ማሕበራዊ ምዕባለ ከብጽሖን ይኽእል እዩ ዝብል ነበረ። ኣብ 2ይን ናይ መወዳእታ ውድባዊ ጉባኤ ብ1986 (15 ዓመት ድሕሪ ምትካሉ) ስሙ ናብ ኤርትራዊ ስነማሕበራዊ ሰልፊ ተለወጠ። ኣብዚ ነቲ ክቱር ማርክሰ ለኒናዊ ቃላት ኣዛሕተሎን እናገድፎን ከደ። ናብ ናይ ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ዝተሓዋወሰ ቁጠባ ዝሽትኡ ውድብ እየ ክብል መረጸ። ኣብ 1987 ካልኣይ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ናይታ ሰልፊ፡ ዋና ጸሓፊ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኮነ። እተን ካብዚ ወጻኢ ዝነብራ ናይ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኮሚቲታት ተረፋ። ክሳብ ኣስመራ ዝእቶ ድማ እቲ ሰልፊ ብከምዚ ቀጽልዎ።

ብ1994 ከምቲ ዝበሃል ንህ.ግ. ናብ ሓደ ናይ ሓፋሽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ቀይሩ ዘይኮነ፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ መሪሕነት ኣብ ርእሲ እቶም ንህ.ግ. ኣብዚ ዘብጽሕዋን ዝሓብሓብዋን ፍሉጣት መራሕቲ ዕልዋ እዩ ተፈጺሙ። “ሓድሽ ደም” ብዝብል ምኽንያት ነቶም ካብኡ ዝንእሱን ተጠመትቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ካብ ስልጣን ኣውረዶም። ረሞዳን መሓመድ ኑር ስልጣኑ ከምዘረክብ ተገብረ። ብጀካ ሰለስተ ኩሎም ናይ ማእከላይ ሽማግለ ኣባላት ካብ ስልጣን ወረዱ። ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ ናይ ስላያ ትካል ከምዝፈርስን ኣባላቱ ኩሎም ፋሕ ብትን ከምዝኣትዎምን መራሒኦም ድማ ከም ማንም ሚኒስተር ኮይኑ ተረፈ።

እቶም ነዚ ሰልፍን ስልጣንን ዝተረከቡ ሰባት፡ ሓደስትን ተመኩሮ ዘይብሎምን ፍሉጣት ዘይኮኑን፡ ንኢሳያስ ብሕግን ስነ ስርዓትን ክብድሁዎ ዘይክእሉን እዮም። ናይቲ ሰልፊ ምትካእ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ሰለስተ ነገራት ኣነጺሩ። (1) ንህ.ግ.ሓ.ኤ. ካብ ሓደ ናይ ሓርነታዊ ምንቅስቓስን ንነጻነት ዝተቓለሰ ውድብ መጠን፡ ኣዝዩ ምስጢራውነትን ኣብ ጸጥታዊ ወገን ዘተኮረ ናብ ተሓታትነን ግልጹነት ዓይነት መንግስቲ ክቕየር ኣይከኣለን። (2) ንህ.ግ.ሓ. ግ. ሓይሊ ሰራዊት ናብ ሓደ ፕሮፈሽናል ሰራዊት ማለት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ ዘደሊ ኣወዳድባን ትምህርትን ክቕይር ኣይከኣለን። (3) ህ.ግ.ደ.ፍ. ንሓደ ትካላውን መንግስታውን ስርሓት ዝካየደሉ መደባትን ናይ ኣገልግሎት ወሃብነት ናይቶም ተጋደልቲ ነበር ክቕየር ኣይከኣለን።

ስለዚ ድማ ናይ ኢሳይያስ ናይ ስልጣን ህርፋን ተዓዊቱ፡ እቲ ግንባር ኣብ ትሕቲኡ ብቓሕታኡ ዝካየድን፡ ተምበርካኽነት ኣብ ግፍዓውን ረጽሚ ዝመሳርሕቱ ጉዳይ እታ ሃገር ክትኣቱን፡ ደሞክራስያውነት ብዘኾነ መንገዲ ንኽዋሳእ ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነት ትርከብ። ኣብ ግዜ ገድሊ ኣድላዬ ዝነበረ ምስጢራውነት ሎሚ ኣብ ነጻ ኤርትራ ንመጨቖንን ንስልጣን መጣጥሕን መሳርሒ እዩ። ስለዚ ድማ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኩናት መመኽነይታ ብምግባር “እቲ ሽቶ እዩ ዘገድስ፡ ብከመይ ይብጻሕ ኣየገድስን” ዝብል ኣምር ከም መምርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ይርከብ።

ስለዚ ነቲ ኣብ መስከረም 18፡ 2001 ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ ምትፍናን ናይ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣንጻር ፕረሲደንት ክርእ እንከሎ፡ እዚኣቶም ካብቶም ኣውራ ደገፍትን ተኣዘዝትን ናይዚ ውልቀ ሰብ ዝነበሩን ንነዊሕ እዋን ድማ ኣብ ነንሕድሕዶም ከምዝበኣሱን ከምዝጠራጠሩን እናገበረ ዘካይዶም ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ኣብቲ ሃገር ዝወረደ ሕሰምን ሽግርን ድሕሪ ኩናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ደብዳበ ክጽሕፉሉን፡ ከም ሓደ ጉጅለ ክምክትዎን እንከልዉ ኣብዚ ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ተቃውሞ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ መዛረቢ ብዝኾነ ናይ ጋዜጣታት ምቅላዕን፡ ቃለ መጠይቕ ምሃብን ነቲ ነገር ኣሳወሮ።

እቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ዝነበረ ኣሰራርሓ ናይ ምስጢራዊ ሰልፊ ቅድም ትእከብ፡ ካብኡ ወጺኣ ድማ ናብቲ ምዱብ ኣኼባ ናይ ማእከላይ ሽማግለ ተምርሕ ኔራ። እዚ ማለት እቲ ጉዳይ ዳርጋ ውዱእ ኮይኑ ግን፡ እቶም ሓለፍቲ ብመጠኑ ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻነት ናይ ኣስሰራሓ ኔርዎም እዩ። ኣብ ኣስመራ ምስተኣትወ ግን፡ እዚ ናይ ፕረሲደንት ኣብ ኩሉ ሚኒስተራት ኢድ ምእታው ንዝበዝሑ ሚኒስተራይ ደስ ኣይበሎምን። እቲ በብግዜኡ ዝግበር ተኽሊጥ ናይ ስራሕ፡ ሚኒስተራት ግቡእ ናይ ስራሕ ዋኒን ክገብሩ ከምዘይክእሉ እዩ  ውጺኢቱ። ስለዚ ድማ ናይዞም ሚኒስተራት ስራሕ በብግዜኡ ይጋናደብ ኔሩ። ሰለሰተ ኣብነታት (1) ብሕዳር 1994 ፕረሲደንት ዲፕሎምያዊ ርክብ ምስ ሱዳን በጢስዎ። እዚ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከይነገረን ከየፍለጠን እዩ ፈጺምዎ። ሚኒስተር ጰጥሮስ ሰለሙን ኣዝዩ ሓረቐን፡ ኣብ ወጻኢ ስለዝነበረን ነዚ ስለዘይፈለጠን ካብ ጋዜጣታት ይኹን ካልእ ዝወርዶ ዝነበረ ሕቶታት ግድነት ክኣልዮ ተገደደ። (2) ብነሓሰ 1999 ፕረሲደንት ንጸሓፊ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምትእትታው ኣብ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኣዘዞ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ብከምዚ ዝስዕብ ክገልጾ ተገደደ። “እዚ ዘይድሊ ኢድ ምእታው ኣብ ሚኒስትሪ ትካላዊ ኣስራርሓ ዝዕንቅጽን ናይቶም ኣምባሳድራት ስርሕ ዘጋናድብን” እዩ። (3) ኣብ መስከረም 2000፡ ፕረሲደንት ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ካብ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርነት ከምዝወረደን፡ ቦታኡ ንዓሊ ስዒድ ዓብደላ ከረክብ ነገሮ። ካብ ወጻኢ ምስተመልሰ እዩ ነዚ ዝገልጽ ንእሽቶ ወረቐት ዝረኸበ። እሞ ኣብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ናይ ሰላም ዝርርብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ስለዝኾነ፡ ሃይለ ኣዝዩ ከምዘሰከፎን፡ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ (ኣብ ኣልጀርስ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምልውዋጥ ኣይደሓንን ዝብል ርእይቶ ገለጸ። ስለዚ ድማ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ምቅያር ናይ ሚኒስተር ዝገበረሉ ምኽንያት እንታይ ንምብጻሕ ምኻኑ ኣብ ሕቶ ምልክት እዩ ነቲ ውሳነ ኣእትይዎ። ።

እዚ ጸጸኒሑ ዝርአ ኢድ ኣታውነት፡ ነቶም ናይ ቀደምን እቶም ሓደስትን ኣብ ምውድዳር ስለዘኸተለ፡ ናይ ስራሕ ዘይምስላጥን ዘይሕጉስ ኣገባብ ኣስራርሓን ኣኸተለ። ስለዚ ድማ ኣብ ድሮ ኢትዮጵያ ባድመ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ፕረሲደንት ሓድ ሓደ ጌጋ ከምዝተገብረ እካ እንተኣመነ፡ ነቲ ጌጋታት ንምእራም ግን ግቡእ ስጉምቲ ኣይተወሰደን። ንባድመ እንደገና ንምሓዝ መኻን ፈተነታት ተኻይዱ። ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ሞት ምክልኻል ሓይልታት ንባድመ ካብ ኢትዮጵያ ክመልስ ኣይከኣለን። እዞም ካብቲ ወሳኒ ተራ ዝተገለፉ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ንናይ ፕረሲደንት ኣሰራርሓ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይርእይዎ ነበሩ። ምኽንያቱ ወተሃደራውን ፖለቲካዊ ውሳነታት ኣብ ቃሕታን ስሚዒታዊነት ናይ ሓደ ሰብ ስለዝካየድ ዝነበረ።

ስለዚ ድማ ሓድነት እቲ ግንባር ክዕቀብ ምእንቲ እዞም ሓለፍቲ እዚኣቶም ብግሊ ንፕረሲደንት ክልምንዎን ኣማኸርቲ ክደልን ኣገባብ ኣሰራርሕኡ ክቕይርን ምሕጽንታ ገበሩሉ። እዚ ውልቃዊ ልመናታት ኣብ ጸማም እዝኒ ወደቐ። ንኣብነት ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፡ ሓላፊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንፕረሲደንት ብሕዳር 27፡ 1999 ደብዳበ ጺሒፉ። ኣብዚ እቲ ዝለዓለ ክብርን እምነትን ኣብ ፕረሲደንት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣወሳስናን ኣሰራርሓን ግን ነቐፌታን ዕቃበታትን ከምዘለዎ ዝገልጽ ነበረ። ንመሳርሕትኻ ከየማኸርካ ዝግበር ውሳነታት ጠጠው ክብልን፡ ንፈተውትን ደገፍትን ኤርትራ ምርሓቕን፡ ኩሉ ገዲፍካ ብቑልጡፍ ኣብ ዝርርብን ውሳነ ናይ ምርድዳእን ክገብር ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተቐልቀለ ነቐፌታ እምበኣር ቀጻሊ ርክብ ናይ ማእከላይ ሽማግለ ክካየድ ጸዊዑ። ኣብ መንጎ እቲ ግንባርን እቲ መንግስትን ዘሎ ዝምድና ክነጽርን ናይ ዕላማን ፖሊሲን ውሳነታት ክግበር ምእንቲ ርክባት ክጽዋዕን ናይ 10 ዓመት ድሕሪ ነጻነት ዘሎ ኩነታት ግምገማ ክግበረሉን፡ ናይ ዶብ ኩናትን ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ እንደገና ክምርመር ዝብሉ ነበሩ።

እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ዝተጠልበ ርክብ ስለዘይተገብረ፡ እንተሓተትዎ ድማ ስለዝኣበየ፡ ደብዳብ ክጸሓፍን ክታማት (ፌርማ) ክእከብ ብየካቲት 2001 ተጀመረ። እዚ ፐቲሽን ብትሕቲ ሕጊ ግንባር ይኹን መንግስቲ ሕጋዊ እዩ ዝነበረ። ከምቶም ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ዝነበሩ ብጾተይ ናይ ለዉጢ ኣድላይነት ተረዲኡኒን ደጋፊ ኔረ። በቲ ኣገባብ ግን ኣይተሳመማዕኩን። ናይ ጸጥታ ትካል ኣብ ሙሉእ ምቁጽጻር ኢሳያስ ስለዝኾነን ጠባዩን ክረአ እንከሎ እዚ ናይ ደብዳበ ምጽሓፍ ውጺኢት ከምዘይህልዎ ብምንጋር፡ እንታይ ድኣ ቀልጢፎም ካብ መሰረት ስልጣኑ ከልግስዎን ቅድሚ እቲ ልሙድ ናይ ረጽሚ ስጉምቲ ምውሳዱ ክከላኸሉ ዝብል ርእይቶ ኔሩኒ።

ኣብቲ ናይ ክታም ክግበር ከሎ ኣጋምሸት ሓደ ካብቶም ጀመርቲ ናብ ቤት ጽሕፈተይ መጺኡ ንዓይን ንብጻየን ንኽንፍርም ክሓተና መጸ። ኣነ ግን ቆጸራ ምስ ፕረሲደንት ስለዝነበረኒ ነዚ ብጻየይ ምስዚ ሰብ ገዲፈ ወጻእኩ። ኣብኡ ምስበጻሕኩ ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ክፍርም ተሓቲቱ ዝኣበየ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ከይዱ ከምዝነገረ ፈለጥኩ። ስለዚ ኣብዚ ቦታ እዚ ድሮ ኣንጻር እዚ ደብዳበ ስጉምቲ ክውሰድ ተጀሚሩ ጸንሓኒ። ኣብቲ ፍጻመ ክሳተፍ ተሓቲተ ብስነ ስርዓት ኣበኹ። ኣነ እቲ ጉዳይ ምስቶም ዘይፍርሙ ከምዝተረዳዳእኩን ብዛዕባ እዚ ኣገባብ እዚ ዕቃበታት ከምዘለኒ ነቶም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ገሊጸሎም ምንባረይ ነገርኩ። ምስኡ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሓደ ካልእ ኣባል ለውጢ ዝደሊ ክዝቲ ምኻነይ ሓቢረ ወጻእኩ። ብድሕርዚ ሓደ ካብቶም ንዓይ እውን ዝሓተተኒ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ክፍርም ተሓቲቱ፡ ትኽ ኢሉ ናይ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ከምዝኸደን ቃል ብቓል እንታይ ከምዝበሎ ከምዝነገረ ሰማዕኩ። ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ ነዚ ዝነገረ ኣባል እዚ፡ ፕረሲደንት ንሳዋ ሕዝዎ ወረደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ብህጹጽ ክእከብ ዝተገደደ ናይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምክልኻል ስራዊት፡ እንሀልኩም እዞም ሰባት እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ በሎም። እዚ ስጉምቲ እዚ ነቲ ናይቶም ጉጅለ ሽቶ ከምዘይበርህ ኣሉታዊ ከምዝኾነ ንምርኣይን ደገፍ ናይ ሰራዊት ክህልዎ ስለዝተደለየ እዩ።

ቀጺሉ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብትእዛዝ ፕረሲደንት ሓደ ከይትፍርሙ ዝብል ሰርኩላር ተመሓላለፈ። እዚ ንገለ ገለ ፈሪሞም ዝነበሩ ክታሞም ክስሕቡ ተራእዩ። እቲ ስጉምቲ ፈሸለ። እንደገና ባዕሎም ካልእ ስርኩላር ኣመሓላለፉ። መጋቢት 2001 ክሳብ መስከረም 2001 እቲ ታሪኽ ነዊሕ እዩ።

ካብ ገጽ 294 – 324 እቲ ምፍጣጥ ዝብል ምዕራፍ መጽሓፍ ተወከሱ።

ምዕራፍ 10

“ስልጣን የበላሹ እዩ፡ ኣዝዩ ልዑል ስልጣን ድማ ፍጹም ብልሽውና የስዕብ” ሎርድ ኣክቶን።

ሃገራዊ ቻርተር፡። ናይ ማክሮ ፖሊሲ ጽሑፍን፡ ሕገ መንግስቲ ኤርትራን ምስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነበራ ናይ ሃገራዊ ደሞክርሲያዊ መደብ ዝተተሓሓዘ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድማ እያ ንብረታዊ ቃልሲ መሪሓ ነጻነት ዘረከበት። እዚኣቶም ናይ ፖሊሲ መሳርሕታት ድማ እዮም ነቲ ውሽጣዊ ናይ መንግስቲ ምትካል ስራሕ ክመርሕዎን ክኣልይዎን ዝተመደበ። እዚ ኣብታ ሓዳስ ኤርትራ፡ መስርሕ ናይ መንግስቲ ምትካልን ኩለንትናዊ ምዕባለን ከምጽእ ዝተዓለመ ትካላዊ መደብ ንምሕንጻጽ እዩ። እዚአን ሰለስተ መስርሕታት ኣብ ጽሑፍ ቅኑዓት፡ ብመትከል ተቓባልነት ዘለወንን፡ ከምኡ እውን ኣብ ግብሪ ክውዕላ ዝኽእላ እየን ኔረን። ነዚ ዕላማ መሰረት ብምግባር እዚ ምዕራፍ እዚ ናይቲ ኣብ ባይታ ዝተፈጠረ ኩነታትን መንግስቲ ኤርትራ ንባዕሉ ኣብቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ዕላማን ትጽቢትን ንኽኽተል እምነት ኔርዎዶ? ኣይነበሮን? ብዝብል ፍርዲ ክረክብ ይጽዕር። ስለዚ ብሓቂ እንታይ ኮይኑን እቲ በዘን ሰለስተ እዚአን ተመሪሑ ክግበር ዝግብኦ ዝነበረ ስጉምታት ስለምንታይ ፈሸለ ምሕታት ኣድላዪ ይኸውን። ስለዚ እዚ መሪሕ ንባዕሉ እኹል ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይ መጨረስታ ዕላማ ናይ ሓደ ኣብ ውድዕ ዝተመስረተ ስራሓት፡ ንህላወ ደቅሰብ ዘመሓይሽ፡ ማለት ዝለዓለ ዓይነት መነባብሮ ክብጻሕን ገፊሕ ናይ ነጻነት ሃዋህው ምፍጣርን ዝዓለመ እዩ። ንቑጠባ ኣማዕቢልካ፡ ሃብቲ ብምርካብ ንዓይነት መነባብሮ ሕዝቢ ምምሕያሽን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ስርሓት መንግስቲ እዩ። እቲ መንግስቲ ድማ ንጥፉነቱ ኣብዚ ጉዳይ እዚ መምዘኒ ናይ  ህላወኡ እዩ። ሓደ እንግሊዛዊ ተራኺ ከምዝበሎ፡ “እቲ ዝበለጸ መንግስቲ ብውጺኢት ስርሑ እዩ ዝፍረድ” ክብል እንከሎ ሓደ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ድማ “ጥዑይ መንግስቲ ናይ ሕዝቡ መነባብሮ ዘመሓይሽ እዩ” በለ። (Cyril Northcote, Parkinson, in “The Evolution of Political Thought” and Jean-Jacques Rousseau, “On the Social Contract)።

10.1 ሃገራዊ ቻርተርን ሕገ መንግስትን ደሞክራሲያዊት ኤርትራን ክትህነጽን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር መንግስቲ ንኽትግበር እዩ ቆይሙ። እቲ ብኣዋጅ 37/1993, ቁ. 6 (ኣስመራ፡ 19 ግንቦት 1993) ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ መወዳእታን፡ ኣብ ውክልና ዝምእከል መንግስቲ ንምምጻእ ዝዓለመ ነበረ። ሕገ መንግስቲ ክትከልን ኣብ ስርዓተ ሕጊ ዝካየድ ስልጣን ክትግበር ዓቢ ትጽቢት ነበረ። ምኽንያቱ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ትካል ኮይኑ፡ ናይ ስልጣን መግለጽን፡ ኣከፋፍላ ስራሕን ናይ ሓጋግን ፈራድን ፈጻሚ ኣካላት ጉዳየን ይድርት ስለዝኾነ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕገ መንግስቲ ሕጋዊ መሰረት ተባሃሉ ዝተገብረ ፍጻመ፡ ኣብ ተግባር ኣይወዓለን። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሃዋ ተንጠልጢሉ፡ ከምኡ እውን እቲ ፈራዲ ኣካል ተገሊሉ ይርከብ። እቲ ካብ መስከረም 2000 ንድሓር ዘይተኣከበ ማእከላይ ሽማግለ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ መንጎ መራሕቲ ክግበር ዝከኣል ዝነበረ ውሽጣዊ ክትዕ ኣዛሕቲልዎ ይርከብ። ብጥቅምቲ 2000 ድማ ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጋጊ ኣካል ደስኪሉን፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ መንግስቶም ብወከልቶም ክሳተፉሉ ዝኽእሉ ዕድሊ ኣልጊሱ ይርከብ።

ሳዕቤን ናይ ግዝኣት ሰብ፡ ነቶም ግዙኣት መሰላቶም ዝጭፍለቐሉን፡ ናይ ስምዑለይ ረኣዩለይ ባይታ ዘይብሉ፡ ክብርን ነጻነቶም ተሳኢኑ፡ ናብ ትጠርዓሉ ዘይብልካ ኩነት ተከሲቱ ይርከብ። እዚ ናይ መወዳእታ ይኹን ሕጋዊ ምመኽነይታ ዘይተዋህቦ ናይ ማእሰርቲ  ኩነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንግዝኣተ ሕጊ ዘይምኽባርን ነቲ መንግስቲ ሃስይዎ፡ ንሕዝቢ ድማ የሳቕዮ ኣሎ። ንፈተውትን ሓገዝትን ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ካብቲ ዝተጸብይዎ ባህጊ ቅኑዕን ስልጡንን ኣካይዳ ስለዝዘምበለ ኣሕዝንዎም ይርከብ። ስለዚ ኣብ ሰለስተ ዘመን ነጻነት ፖለቲካዊ ስልጣን ክጸብብን ደሞክራሲያዊ ክትዓት ከትርፍን ተራእዩ። እዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሕገ መንግስትን ብግዝኣት ሕግን ደሞክራስያዊ መትከላትን ኣብ ማሕበራዊ ስምምዕ ሕዝብን መንግስትን ሲኢና ትርከብ።

10.2 ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካል

ቀዳምይ ዕላማ ናይቲ ብ1977 ዝወጸ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ደሞክርሲያዊ መደብ፡ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ነበረ። ናይቲ ግንባር ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ብ1987 ድማ ነዚ ኣብ ዘይምእኩን ምሕደራ ከተኣታቱን ተሳታፍነት ሕዝቢ ዘለዎ መንግስቲ ንምቓም ምኻኑ ዝተረጋገጸሉ ኣኼባ እዩ ኔሩ። ምስኡ እቲ መንግስቲ ንመሰል ሕዝቢ ኤርትራ ማለት ደሞክራስያዊ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን፡ ምትእኽኻብን፡ ናይ እምነት መሰልን ሰላማዊ ምቅዋም ዝኣመሰሉ ክከላኸል ቃል ዝኣተወሉ ግዜ እዩ። ….

ባህላዊ ኣሰራርሓ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝትከል መንግስታዊ ኣገባብ ንኽተኣታቶ ዝደረኽ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እምነት ናይ ባህሊ ምኽባር ነበረ። እዚ ኣብቲ መፈለምታ ናይ ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣሰራርሓ መንግስታዊ ትካላት ነዚ ከተግብር ጀሚሩ ኔሩ። ብ1992 ዝተራእየ ናይ ኣስትምህሮ ምሃብ መደባት ነዚ የረድእ። ብዛዕባ ፖለቲካው ሰልፍታትን ስርዓታትን ግቡእ ናይ ዜጋ ተራ ኣብዚን ብዛዕባ ምርጫን ተሳትፍነት ኣብ ፖለቲካዊ ሕይወት ዝኣመሰሉ ተኻይዶም።

ምእንቲ ደሞክራሲያዊት ኤርትራዊት መንግስቲ ክቐውም ድማ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ኣዋጅ ተሓንጸጸ። ናይ ወከልቲ ምምራጽ ኮሚተን ሃገራዊ ናይ ምርጫ ኮሚሽን ድማ ቆመ። (ሃገራዊ ምርጫ ኮሚሽን ኤርትራ 2001) እዚ ኩሉ እናተኻየደ እንከሎ ግን ኣብ መንጎ ውሽጣዊ መሪሕነት እቲ ግንባር ዝተርኽበ ዘይምስምማዕ ነዚ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ጠጠው ኣቢልዎ ይርከብ። ምኽንያቱ ፕረሲደንት ዳግመ ምልዓልን፡ ናይ ስልጣን ምብሓትን ነዚ ስራሕ ደው ከምዘብል ጌርዎ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ትእዛዝ ዝካየድ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ባይታ ናይቲ ሃገር ቢሕትዎ ይርከብ። ካብዚ ናቱ ዓይኒ ካልእ ውድብ፡ ምንቅስቓስ ይኹን ናይ ሚዲያ ወድባት የለዋን።

ኣብቲ ንኡስ ዕድመአን ካብ መስከረም 2000 ክሳብ መስከረም 2001፡ እተን ውልዶ ናይ ጋዜጣን መጽሔታትን ረድዮ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ስለዝመከትዎ ኣብ ሕዝቢ ኣስተዋጽኦ ኣትሪፉ። ንሓጺር ናይ “ጸደይ ነጻነት” (Prague Spring) እዋን ናይ ግሊ መድያ ብሃገራውን፡ ኣህጉራውን ናይ ጎረቤትን ዝምልከት ክትዓትን ዘረባታትን መስረት ኮይኑ ኣገልገለ። እዚ ግን ብድሕሪ ማእሰርቲ ኣባላትን ሰብ ስልጣንን ተስፍኡ በኒኑ ተረፈ።

ብዓይነት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ማእከላዊ ጉዳይ እውን፡ እቲ ዘይሕተም ናይ መንግስቲ ባጀት ዘይምህላዉ ድማ ሕጋዊ ሕቶታት ንክላዓሉ የገድድ ኣሎ። ብፓርላማ ዝረአ ባጀትን ናይ ገንዘብን ፊናንስ ተሓታትነት ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ዝተመርኮሰ ትካላት ስለዘይልቦ ፕረሲደንት ንናይ መንግስትን ናይ ግንባር ትካላትን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ከም ድላዩ ነቲ ናይ ክልቲኡ ፊናንስ ይኹን ናይ ካልእ ገንዘባዊ መስርሕ ክጥቀመሉ ይረአ ኣሎ። ፍጹም ቁጽጽር ናይ መንግስታዊ ኣታዊ፡ ማእከላይ ባንክ፡ ንግዲ ባንክን ናይ ግንባር ቁጠባዊ መሰረታትን ናይ ውሽጥን ናይ ወጻኢ ሸርፍን ኣብ ትሕቲ ኢዱ ስለዝኾነ ብዘይ ኣገባብ ክባኽንን ወጻኢ ክግበርን ይረአ ኣሎ።

መንግስቲ ንብሓታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስለዝዓጸወን ክቱር ምቁጽጻር ናይ መንግስቲ ትካላት ስለዝገብር እቲ ሕዝቢ ካብ ነጻ ዝኾነ ሓበረታ ተኸልኪሉ ይርከብ። ናይዚ “ሳልሳይ ኣካል” ናይ መንግስቲ ብምኽልካል ኣብቲ ናይ ምምዕባል ደሞክራሲያዊ ሕይወት ናይቲ ሕዝቢ ዝግብኦ ተራ ኣይጻወትን። እቲ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ድማ ንነገራት ክነግር ንገሊኡ እናጸባበቐን ብናቱ ወገን ዝርአ ወረታትን ዜናታትን ይዝርግሕ። ምስኡ ነዚ ሕዝቢ ብወረ ናይ ጸላእቲ ዝበሃሉ “ወያነን” ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ናይቲ ሃገር ዘሎ ስክፍታት ይዝርግሕ። ብግዜ ቃልሲ ዝነበረ ክብርታት ከይጠፍእ ከምዝከላኸል ኣምስሊ ይገልጽን ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ነገራት ንኸይቃላዕ ይከላኸል።

ኤርትራ ነጻ ካብ እትኸውን ሰላሳ ዓመት ጌራ። ኣብዚ እዋን እዚ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክንተክል ኢና ዝብል ዝተዋህበ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ መደብን፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራን፡ ማክሮፖሊሲን፡ ሕገ መንግስትን ኣይተተግበረን። እቲ ናይ ኣፍሪቃ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ዝዕቕን ናይ ሞ፡ኢብራሂም ኢንደክስ ማለት ኣብ “መንግስቲ ንዜጋታት ዝገብረሉ ናይ ሕዝባዊ ኣገልግሎትን ንዘይመንግስታዊ ተዋስእትን” ዝተመስረተ ኾይኑ፡  እዚ ናይ ሞ፡ ኢብራሂም ናይ ኣፍሪቃ ኣገባብ ግዝኣት መንግስታት 2009 ዘውጽኦ ሓበረታ፡ ሓንቲ ካብተን ንሕዝበን ሓፈሻዊ ኣቑሕትን ኣገልግሎታት እተረክብ ሃገር ድያ ወይስ ኣይኮነትን ዝብል ሕቶ ክምልስ ይፍትን። እዚ ናይ ኣገዛዝኣ መመስከሪ ድማ ብኣርባዕተ መምዘኒ ይጥቀም። (1) ድሕነትን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምንባር (2) ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ተሳታፍነት ኣብ ውሳነታት (3) ንጡፍ ናይ ቁጠባ ተሓባበርነትን ዕድልን (4) ናይ ደቅ ሰብ ምዕባለን ይምልከታ። በዚአን እምበኣር እያ ኤርትራ ኣብ ትሑት ደረጃ ዝተራእየት። ኣብ 2013 ድማ ካብ ቁጽሪ 46 ናብ ቁጽሪ 50 ደይባ ንሪኣ። ኤርትራ ኣብ 3ይ ዘመን ዕድመኣ፡ (ብ2009) ሓንቲ ካብ 53 ሃገራት ቁጽሪ 46 ኮይና ትርከብ።

10.3 ኣብ ፖለቲካ ተሳታፍነት ምትእትታው

ሓደ ካብቲ ብ1996 ዝተገብረ ሃገራዊ ናይ ውደባ ምልውዋጥ ንዘይማእከላዊ መንግስታዊ ስርሓት ንምትግባርን፡ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል እዩ ኔሩ። ኣብዚ እቲ ሕዝቢ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናይ መንግስቲ ክሳተፍን ክቆጻጸርን፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሕይወቱ ከመርሕን ዘኽእልዎ ድምጺ ክህልዎ ተባሂሉ እዩ ዝተገብረ። እዚ እቲ ግንባር ዝኣተዎ ቃል ናይ ደሞክራስያዊት መንግስቲ ንምትካልን ተሳታፍነት ሕዝቢ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ዝተሓተ ቀቢላውን ወረዳውን ብሃገራዊን፡ ኣህጉራውን ንኽትግበር እዩ። እዚ ተሳታፍነት ዘለዎ ስርዓት ተሓታትነት ዘለዎ ስርዓት ንኽትከል ይሕግዝን ንደሞክራስያዊ መሰል ዝሕሉ መንግስቲ ንኽህሉ ድማ ይሰርዕ።

እዚ ዝተገብረ ለውጢ ግን ንዘይምእኩል ምሕደራ ኣየኸተለን። ምርጫታት ኣብ ግዜኡ ኣይተኻየደን።። ኣመሓደርቲ ክንዲ ዝምረጹ ብማእከላይ መንግስቲ ይላኣኹ። ከምእ እውን ብገንዘብን ፊናንስን እተን ወረዳታት ይኹና ኣውራጃታት ካብ ማእከላይ መንግስቲ ይወስዳን ተጸጋዕነትን ድማ ኣብኡ ይኸውን። ስለዚ ዘይምእኩል ምምሕዳር ብዘይ ፖለቲካዊ ስልጣንን ተርድኦን ኣሰራርሓን ነቲ ዝተባህለ ሽቶ ክወቅዕ ኣይበጽሐን። እተን ባይቶታት ድማ ፖለቲካውን ስራሓውን ገንዘባውን ነጻነት የብለንን።

ምስኡ ኣብቲ ሕዝቢ ድማ ሓደ ሓደ ዘጸግም መልሰ ግብሪ ናይዚ ኣውራጃዊ ምቅይያር ኣስዒቡ።  ኣብ ርሑቕ ዝቕመጡ ሕዝቢ ጉዳዮም ንምስላጥ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ርእሰ ከተማታት ክኸዱ ይግደዱ። ንኣብነት ተቐማጦ ከባቢ ኣስመራ ናብ ምጽዋዕ፡ ከረን፡ ባረንቱን ወይ መንደፈራ ክኽዱ ኣለዎም። ከምእ እውን ንኻልኦት ከባቢታት ተመሳሳሊ ጸገማት ኣስዒቡ።

እዚ ዳግመ ውደባ ናይ ኣውራጃታት ካብ ትሽዓተ ናብ ሹዱሽተ፡ ካብ “ላዕሊ ናብ ታሕቲ” ብግዲ እዩ ኣብ ግብሪ ዊዒሉ። እቲ ሕዝቢ ኣይተሓተተን፡ ኣብ ሕይወቱ ድማ ዘስዕበሉ ለውጥን ሽግርን ኣይተጸንዐን። እካ ድኣ ነቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ኣውራጃታትን ወረዳታትን ስለዝለገሰን ብዘይ ስነ ስርዓት ናይ ምሕደራ ቦታን ከተማታትን ስለዝተለወጠ ኣብ ሕዝቢ ዘይምቕባልን ምጽላእን ኣስዒቡ። እቲ ዘይምእኩነት ንመንግስታዊ ቁጽጽር ካብ ማእከል ኣጥዒሙሉ ድኣ እምበር ካብ ሱር ሕዝቢ ተሳታፍነት ኣየኸተለን። ትካላዊ ድኻማት ስለዘለዎ ድማ እቲ ዝተሓስበ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት ኣይተረኽበን። ስለዚ መጻኢ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ዳግመ ሓሳብ ክገብረሉ ዘለዎ እዩ።

ግዜ ምስኣኸለ ድማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ደሞክራሲያዊ ዘተን ምኽርን ክትዕን ክካየድ እሞ፡ ወይ እተን ኣውራጃታት ከምዚ ዘለውኦ ክተርፋ ወይ ድማ ከምቲ ናይ ቀደመን ታሪኻዊ ኣስማተንን ቦታአንን ክምለሳ ውሳነ ክውሰድ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ዝተሓስበ ተሳታፍነትን ኣብ ታሕቲ ዝትግበር ፖለቲካዊ ነጻነትን ቁጠባዊ ረብሓን ኣይተረኽበን። ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ብወከልቱ ይኹን ብውልቃዊ ውክልና ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህበሉን ኣብቲ ውሳነ ክሳተፍን መሰል ኣለዎ።

10.4 ምርግጋጽ መሰል ደቂ ኣንስትዮ (ንበይኑ ክቐርብ እዩ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...