ምዕራፍ 5ን 6ን 7ን

ሓሙሻይ ምዕራፍ ብዛዕባ ገድሊ ሕዝቢ ንነጻነት ይትንትን። መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ንመሰል ኣሕዛብን ነጻነትን ከምኡ እውን ደቀሰብ ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ንኽመርጹ ዘለዎም መሰል ይሓቑፍ። እዘን ክልተ ነንሕድሕደን ዝጣመራን ኣህጉራዊ ሕግታት ዝድግፈን ኣምራት እየን። ኣብዚ ብዙሕ ሕግታትን ታሪኽን፡ ናይ ኣህጉራዊ ስምምዓትን ኩሉ ብዝርዝር ይሕብር።

መንግስቲ እንግሊዝ ዝተማባጽዖ ረሲዑ ዝሓሸ ዝብሎ ናይ ፈደረሽን መንግስቲ ንኽትግበር ዓቢ ተራ ተጻዊተ። ንግስነት ኢትዮጵያ ድማ ንፈደረሽን ከየኽበረት ንኤርትራ ከም ሓንቲ ቁጽሪ 14 ኣውራጃ ኣጠቓለለታ። ቅድሚ ናብ ረጽሚ ምእታዉ፡ ብ1958 ዝተኻየደ ናይ ሰራሕተኛታት ኣድማ ኣብነት ናይቲ ብተደጋጋሚ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብፖለቲካ ኤርትራ እናተሃሰየት እንከላ እቲ ቁጠባኣ እውን ተተንኪፉ እዩ። ቁጽሪ ፋብሪካታት ኤርትራ ካብ 165 ብ1958 ናብ 85 ብ1961 ወረደ። ሽቕለተ ኣልቦነት ስለዝበዝሐ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሱዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኢትዮጵያን ክስደዱ ደረኾም። ዓ.ወ. ካብ ገጽ 120-140 ታሪኽ ገድሊ ብዝርዝር ይገልጽ። ብ17-20 ሕዳር 1988 ድማ ናደው እዚ ኣብ ኣፍዓበት ምስፈረሰ ዓወት ናብ ሃገራውያን ሓያልታት ዘምበለ። እዚ ተርእዮ እዚ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ ሓጎስን ሕውነታዊ መልእኽቲ ካብ ህ.ወ.ሓ.ት. ንኽቕበለ ደፋፍአ ። በዚ ብምብጋስ ድማ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ዳግመ ምቅርራብን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ኣኸተለ። ስለዚ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ተፈቲኑ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ሽረ እንዳስላሴ ብናይ ሓባር ስምምዕ ናብ ዓወት ተበጽሐን ቀጺሉ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ኣስዓበ። ብ24 ግንቦት 1991 ሓይልታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣስመራ ኣተዉ። ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝተሓባሩሉ ስትራተጂ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ተሓባባርታን ኣተወት።

ሰረት ቃልሲ ኤርትራ ብሓይሊ ምዝዛሙ ዘይተርፍ እካ እንተነበረስ ብዝከኣሎ ናይ ብዙሓት ወጻእተኛታትን ጸሓፍትን ታሪኸኛታትን ማሕበራት ደገፍ ኔሩዎ። ብድሕሪ ነጻነት ድማ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕ.መ.ን ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን በብቑሩብ ንናይ ኤርትራ ሕቶም ክቕበለኦን ወግዓዊ ተፈላጥነትን ንምርካብ ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ሓድሽ ሕይወት ኣተወት። ኣብዚ ጸሓፋይ ተራኡ ከም ናይ ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ስምምዓትን ርክባትን ከምዝገበረ ይገልጽ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ርክብ ምስ ገስገስቲ ናይ ኢትዮጵያ ውድባት፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ክኸውን እንከሎ ቀጺሉ ምስ ናይ ኦሮሞ ሓርነታዊ ግንባር ነበረ። ልክዕ ከምቲ ምስ ኢ.ፒ.ኣር.ፒ. ዝገበሮ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብ1976 ናይ ዓቕምን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ታዕሊምን ንህ.ወ.ሓ.ት.  ክትህብ እንከላ ተጋሩ-ኤርትራውያን ከም በዓል መሓሪ ተኽለን የማነ ኪዳነ (ጃማይካ)ን ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝምድና ክልቲኡ ውድብ ጽቡቕ ኔሩ። ጸኒሑ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት. ትግራዎት ተጋደልቲ ዓሊማን ኣጽዋር ሂባን። ብ1981 ህ.ወ.ሓ.ት. ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ብምዕዋት እታ ውድብ ካብ ኤርትራ ከምእትወጽእ ስጉምቲ ብሓባር ወሰድኦ። ከምኡ እውን ህ.ወ.ሓ.ት. ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣንጻር ናይ ደርጊ “ቀይ ኮከብ” ወፈራ ተሳተፉ።   

እዚ ምትሕብባር እዚ ግን ኣብ ትሕቲኡ ፈኸም ዝብል ጉዳይ እዩ ዝነበረ። ዕላማ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብቲ እዋን እቲ (ካብ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት. ናይ 1976 ማኒፈስቶ ዝተወሰደ) ንሓንቲ “ዓባይ ትግራይ” Republic of Greater Tigray ንምፍጣር መደብ ነበረ። ኣብዚ መደብ እዚ ጆግራፊኣዊ ዶባት ዕብይ ዝበለ ናይ ኤርትራ መሬት ዘጠቓለለን ናይ “ትግራዋይ” ዜጋ እንታውነት ድማ ነቶም ዝበዝሑ ናይ ኤርትራ ሕዝቢ ዘጠቓልል ነበረ። ኣብዚ መፈለምታ እዋን ሃገራዊ ሕቶን ሃገራዊ ቃልስን ናይ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣገዳስን ክሳብ ምግንጻል ዝብል ሽቶ እዩ ኔሩ። ብኣንጻሩ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነዚ ሃገራዊ ቃልሲ መሰል ርእሰ ውሳነን ክኸውንን ምግንጻል ድማ ልክዕ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ሓዘ። እዚ ንውዱዕ ኩነታት ኢትዮጵያ መፍትሒ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ እዩ ኔሩ። እካ ድኣ ህ.ወ.ሓ.ት. ንረጂናል ርእሰ ውሳነ ከካይዱን መሰሎም ድማ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኢትዮጵያ ከካይዱ ይጽውዕ ኔሩ። ብዝያዳ ድማ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ምግንጻል ማሕበረ ቁጠባዊ ይኹን ታሪኻዊ መረዳእታ የብሉን ባሃላይ እዩ ኔሩ። ህ.ወ.ሓ.ት. ነዚ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ርእይቶ ጸሊኦሞ።

ምኽንያቱ ነቲ ናይ መሰል ርእሰ ውሳነ ትግራይ ይገትእ ስለዝኾነ። እዚ ነቲ ታሪኻዊ ምትፍናን ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ኣበርትዖ። ከምኡ እውን ኣብ ወተሃደራዊ ስትራተጂን ስነሓሳባዊ ፍልልያት እቲ ጉዳይ ናብ ወተሃደራዊ ምርጻም ኣስዓበ። ኣብዚ ካብ 1985 ክሳብ 1988 ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ክነሱ ድሕሪ ውድቀት ናደው እዝ ግን እንደገና ኣብ ምትሕብባርን ክሳብ ንናይ ደርጊ ስዕረትን ብሓባር ከካይዱ ኪኢሎም እዮም።

ጸሓፋይ ካብ ገጽ 149 ክሳብ 154 ክልቲአን ውድባት ንደሞክራስን ርእሰ ምምሓዳርን ክገብራ ከምዝተራእያ ይነግር። እቲ ዘገርም ኣብ ሓንጎል ተዓዘብቲን ነበርቲ ሃገርን ተረሲዑ ዝነበረ ጉዳይ ምርጫ 1980 ኣብዚ ይዝከር። ብሕዳር 1980 ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሽውዓት ነጥቢ ዝሓዘ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጉዳይ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝዕላምኡ መደብ ኣውጺኡ ኔሩ። እዚ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ኮሚሽን እትቕበሎ ንክልቲኦም ወገናት ብማዕረ ዝርኢ ነጻ ምርጫ ናይ፡ 1ይ ሙሉእ ነጻነት፡ 2ይ ፈደራላዊ ዝምድና 3ይ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ዝብል ኔሩ እዩ። ደርጊ ግን ነቲ ጉዳይ ብሓይሊ ክፈትሖ ሰለዝደለየን ነቲ ናቱ ናይ 9 ነጥቢ መደብ ዝጻረር ስለዝኾነ ኣይተቐበሎን። ብዝኾነ ብድሕሪ ነጻነት 24 ግንቦት 1991፡ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብደገፍ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለት እ.ህ.ወ.ደ.ግ. ረፈረንደም ኣካየደ። እቲ ውጺኢት ፍሉጥ ስለዝነበረ ድማ፡ “እወ” ንነጻነት፡ “ኣይፋል” ዝብላ ነበራ። እተን ክልተ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምንባር ምርጫታት እቲ ካልኣይ “ኣይፋል” እንተዝስዕር ኔሩ ምስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ንመጻኢኦም ክመርጹ ይኽእሉ ዝብል መደብ ምተኻየደ ይብል ጸሓፊ።

ኣብዚ ቁሩብ ዘተሓሳስብ እንታይ እዩ፡ እዘን ስለስተ ምርጫታት እንተዝቐርባ ኔረን ነቲ ደሞክራሲያዊ መሰል ሕዝቢ እሞ ምስ እትዮጵያ ክንድዚ ዓመት ዝተዳመየን ዝተጎድአን ክነሱ ብስነ ስርዓት እዚኣተን እንተዝህልዋ ዝያዳ ነቲ ውሳነ መትረሮ። “ውዱእ” እዩ ምባል ተቓባልነት ኣለዎ ዶ የብሉን ንታሪኽ እግደፍ። ንሓደ ብሓይልኻ ዝሓዝካዮ ሕዝቢ ግን እሞ ብፍላይ “ሰማያዊ” ሕብሪ ንነጻነት፡ “ቀይሕ” ድማ ን”ኣይፈል” ምስ ኢትዮጵያ ምግባር ንባዕሉ ሲምቦሊዝም ናይዚ ወይ ነጸብራቕ ጉዳይ ነቲ ቀይሕ ምስ ደም ዘተኣሳስር ሕብረተስብ ስሚዕት ዝመዝመዘ ይመስል። ከምዚ ጸሓፊ ዝብሎ ድማ እቲ ጉዳይ ካልእ መረዳእታ ወይ ውን ታሪኽ ዘምጽእ ይመሰል።

ንተጋደልትን ሕዝብን ነጻነት ካብ ኢትዮጵያ ንኣብ ሓደ ገስጋሲ ሕገ መንግስትን ነጻን ልዑላውነት ዘለዋ ሃገር ንምትካል ኣገዳሲ ነጠበ መቐይሮ ዕድል ፈጠረ። እዚ ሕገ መንግስቲ ድማ ስርዓተ ሕግን ናይ ስልጣን ፍልልያትን ደሞክራስያውነትን ምኽባር ናይ ሰብ መሰል ዘጠቓልል ነበረ።

ከም መጠን ንግዝኣት ኢትዮጵያ ዘልገሰ ሰዓሪ ሓይሊ መጠን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብ1991 ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ መስረተ። ብ1993 ድማ ብድሕሪ ሕዝቢ ምርጫኡ ዘረጋገጸ ረፈረንደም መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣቖመ። 

ብድሕርዚ ዝስዕብ ምዕራፋት ነጻ ዕድል ሕዝቢ ንመሰሉን መሰል ርእሰ ውሳነ ዝሕመረቱ ዕላማታት ስለዘይተተግበረ ዝስዓበ ጉዳይ ክገልጽ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሕዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ክመርጽን ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳዩ ባዕሉ ክውስን ክኽእል ከምዘለዎ ዝገብር ኩነት ስለዘይተፈጠረ ዝመጽአ መልሰ ግብርን ኩነትን ይነግር።

ምዕራፍ ሽዱሽተ ብዛዕባ ኣቃውማ መንግስትን ትካላቱን ምዕባለታቱን ይገልጽ። ብጥቕሲ ናይ ፕላቶ ይጅመር “መንግስቲ ክንተክል ከለና ዕላማና ናይቲ ኣካል ብዓቢኡ ዝረኽቦ ደስታ ኣብ ግምት ዘእቱ ድኣምበር ንታሕጋስ ሓደ ፍሉይ ደርቢ ኣይኮነን።” 

ብመሰረት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ሃገራዊ ቻርተርን፡ ናይ ማክሮፖሊሲ ወረቐትን፡ ሕገ መንግስትን ኣምጽአት። ሃገራዊ ቻርተር ራእይ ናይ ሓንቲ ነጻን ድሞክራሲያዊትን ሃብታምን ኤርትራ ከምርሕ እንከሎ ማክሮፖሊሲ ድማ ውሕደት ዘለዎ ነቲ ቁጠባ ዘበራብር ፖሊሲ የርኢ። ሕገ መንግስቲ ድማ ሕጋዊ መሰረት ሃገረ ኤርትራ ይሰርት። ናይ ቁጠባን ማሕበራዊ ፍትሕን ወተሃድራዊ ዓቕምን ክእለትን ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝመስከረ ሕዝብን ወጻእተኛን ናይ ሰላም ኤርትራ እዚ ዘይብሃል ዕድልን መሃዚ ክእለትን ኣብ ነጻ መሬት ዝለዓለ ትጽቢት ኣሕደረ። ብጋዜጣታት ድማ ኣዋጃት ተኣወጀን መስርሕ መንግስቲ ተጀመረ። (ኣብዚ ጸሓፊ ብዙሕ ኣዋጃት ይጠቅስ)።

ድሕሪ ነጻነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ረፈረንደም ክሳብ ዝካየድን ወግዓዊ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ትካል ክሳብ ዝግበር ግዜያዊ መንግስቲ ኣወጀ።  ኣብዚ (1) ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማእከላይ ኮሚቲን፡ (2) ብጸሓፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝቖመ ፈጻሚ ኣካል ዝሓዘ ብመግስታዊ ኮንስል ዝፍለጥ፡ (3) ኣካላት ሕጋዊ መስርሕ (ካብቲ ፈጻምን ሓጋውን ነጻ ዝኾነ)፡ በዘን ሰለስተ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ቆመ። ዋና ጸሓፊ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማእከላይ ኮሚተ ድማ ዋና ጸሓፊ ናይቲ መንግስትን፡ ኣቦ መንበር ናይ መንግስታዊ ኮንስልን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶን ዋና ናይ ምክልኻል ሓይልታት ክኸውን ተወሰነ። ብ1993 ድማ እዚ ተሪፉ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ቆመ። እዚ ብሃገራዊ ባይቶ (ከም ሓጋጊ ኣካል)ን ናይ መንግስቲ ካውንስል ወይ ውን ካቢነ ሚኒስተራት (ከም ፈጸምቲ ኣካል)፡ ፈራዲ ኣካል በቶም በርገሳውን ፍሉይን ወተሃደራዊ ኣብያተ ቤት ፍርዲ ተመስረተ። እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ (ካብ ሕዝቢ ዝተዋህቦ ሙሉእ ውክልና ስለዘለዎ) ፕረሲደንት ሃገር ይመርጽን፡ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ናይ ወጻኢ ዲፕሎማውያን የጽድቕ። እዘን ሰለስተ ሚዛን ናይ ኩሉ ሓልየን ክኸዳ ዘለወን ትካላት እየን። ኣብዚ ግን እቲ ፕረሲደንት ኣቦ መንበር ናይቲ ሓጋጊ ኣካል ስለዝተገበረ ኣንጻር ናይ ሓይሊ ፍልልይ ዝብል እምነ ኩርናዕ ናይ ሕጋዊ መንግስቲ ብምጥሓስ ኣዝዩ ልዑል ስልጣን ክሕዝ ከኣለ።

ሃገራዊ ቻርተር፡ ኣብ 6 መሰረታዊ ዕላማታትን፡ 6 መትካላውያን መርሖታት የተኩር። እዚአን ሃገራዊ ውሕደት፡ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡ ቀጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ባህላዊ ምብርባርን፡ ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን የጠቓልል። መትካላውያን መርሖታት ድማ፡ ሃገራዊ ሓደነት፡ ንጡፍ ናይ ሕዝቢ ተሳተፍነት፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ናይ ደቀሰብ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምትግባር ዝካየድ ቃልሲ፡ ርእስኻ ምኽኣልን፡ ሓያል ዝምድና ኣብ መንጎ ሕዝብን መንግስትን መሪሕነትን ይሓቑፍ።

እዚ ኩሉ ዝርዝርን ታሪኽን ድሌትን ሕልምን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ብዙሕ እዋናት ዝተሰርሐሎምን ዝተካትዑሉን ብኣዋጃት ዝተሰነደ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ይተርኽ። ማክሮ ፖሊሲ ድማ ሓፈሻዊ መሰረቱ ኣብ ሓደ ምዕቡሉን ኣብ ተክኖሎጂ ዝተመስረተ፡ ምስ ኣህጉራዊ ቁጠባ ዝወዳደር ትርኢት ኣብ ዝመጽእ 20 ክትግበር ዝብል ዕላማ ኔሩዎ።  ምስኡ ኤርትራ ኣብ ናይ ሕርሻ ምዕባለን፡ ኣብ ሰደድ ዝተመስረተ ኢንዱስትሪ ክዓብን፡ ኣገልግሎታት ክዓዙን፡ ቱሪዝም ክኽፈትን፡ ኣብ ሓይሊ ሰብ ዝተመስረተ መደብን ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ናይ ፊናንስ ማእከል ክትከውን ዝብል ነበረ። ናይ ማክሮፖሊሲ ጽሑፍ ሓዳስ ኤርትራ ቀንዲ መሓውራ ናይ ቁጠባ ኣብ ግላዊ ኣካል ናይቲ ሕብረተ ሰብ ክኸውንን ንሱ ድማ ዝመርሖ ሓይሊ እዩ ይብል። ኣብዚ ንኣንባቢ ኣብቲ መጽሓፍ ክውከስ እጽውዕ።

ብድሕርዚ፡ ጸሓፋይ ኣብ ናይተን 2006 ዝኾና ዓደታት ዝሓዘ 701 ዝኾነ ምምሕዳራዊ ከባቢታት የተኩር። ብድሕሪ ወግዓዊ ነጻነት 1993፡ ናይ ኤርትራ ትሽዓተ ኣውራጃታት ናብ ዓሰርተ ዝገበር ዳግመ ምውዳብ ተገበረለን። In English, “reorganized into 10”። ኤርትራ ናይ ምእክልቲ መንግስቲ ምስ ዘይተማእከለ ምምሕዳራ ማለት ነተን ከባቢታት ዕዙዝ ስልጣን ዝህብ ዝብል ሞደል እዩ ነዚ ኣትግቢርዎ። ብ1994 ኩሉ መሬት ናይ መንግስቲ ኣወጀ። ።ብ1996 ድማ ነታ መንግስቲ ናብ ሹዱሽተ ምምሕዳርዊ ዞባታት ዳግመ ምውዳብ ገበረ። እዚኣተን ን59 ንኡሳን ዞባታትን  ብትሕቲአን ድማ 701 ምምሕዳራዊ ከባብታት ከምዝጥርንፋ ተገብረ።

እዚ ዝተገብረ ይብል ዓ.ወ. ናይ መሬት ኣካውና ናይ ማይ ይኹን ካልእ ትሕዝቶ ከምኡ እውን ብዝሒ ሕዝብን ትሕዝቶን፡ ናይ ምዕባለ ዝምባለን፡ ንታሪኻዊ ጸገማት ናይ መሬት ባእስታት ዝኣሊ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ መሰረታዊ ለውጢ ዝተገብረ። ነዚ ምምቕራሕ ወይ ምቕያር፡ ናይ 5ተ ካብተን 6ተ፡ ዕላማኡ ኪኖ ኣውራጃን ሃይማኖታዊን ብሔራውን ምትሕቑቓፍ ንሓያል ኤርትራዊ መንነት ንምድንፋዕን፡ እቲ ምምሕዳራት ድማ ኣብ ሃገር ተከል ጉዳይ ከድህብን መንግስታዊ ትካላት ክቖውም ዘደልዮ ኩነት ብምፍጣርን ውሕደት ዘለዎ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምስራት ዝተገብረ እዩ።

ዊኪፒድያ ነዚ ዓይነት ናይ ትሕዝቶ ኣምር እንታይ ምኻኑ ብጆግራፊያዊ ኣገባብ ብንጹር ይገልጾ። ኣብዚ ተመልከት። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ዞባታት ምልውዋጥ ኣብዚ ስነ ፍልጠታዊ መሰረት  እንተድኣ ተጌሩ፡ እቲ መልሰ ግብሪ ኣብ ባይታ ግን “መሰልና ናይ ምርጫ ኣወደዳድባ ኣይረኸብናን” ወይ ድማ “ኣይተገለጸልናን” ወይ ውን እንተድኣ ኣብ ጋዜጣ ወጺኡ ኔሩ “ኣየንበብናዮን” ዝብልን ቅርሕንታት ኣሎ።

ነፍስ ወከፍ ዞባ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ምምሕዳር ክህልዎን፡ ዝተጸውዐ (ማለት ዘይተመርጸ) ኣማሓዳሪ ይህልዎ። እዚ ቦታ እዚ ከም ዞባዊ ፈጻሚ ክኸውን እንከሎ ዝተመርጸ ባይቶ ድማ ናይቲ ዞባ ፈራዲን ንኡስ ዞባ እውን ከምኡ እናበለ እቶም ፈረድቲ ድማ ናይ ነጻ ኣካል ይኾኑ ይብል። ዘይተማእከለ ምሕደራ ንምምእካል ስልጣን የትርፍን ኣብ ውሳነታት ደሞክራሲያውነት የተኣታቱን ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓደነት የትርር (consolidation of unity in diversity)።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ጸሓፊ ዘለዎ ኣረዳድኣን ኣብ መሬት ዘሎ ርእይቶን ዝተፈላለየ ይመስል። እቲ ጉዳይ እቲ ዕላማ እዚ እዩ እቲ ሓቅነት ግን ካልእ እዩ ንምባል ዝተዘርዘረን ፈታኒኡ ድማ ኣብቲ ኣዝዩ ልዑል ስልጣን ኣስመራ ምኻኑ ኣብቲ ዝቕጽል ናይ መሬት ትሕዝቶን ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝወረደ ኩነታትን ብዝርዝር ይገልጽ። ኤርትራ ብብልሕን ብስነ ስርዓትን እንትድኣ ነቲ መሬት ተጠቒማትሉ ንኹሉ ዝኣክል ኣሎ። እንታይ ድኣ ብግብሪ ይብል ኣብ ገጽ 169፡ ፕረሲደንት ነቲ ናይ መሬት ኮሚሽን ኣፍሪሱ፡ ባዕሉ እቲ ናይ መሬት ኣጠቓቕማን ጉዳይን የካይዶ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብልሽውና ዘይሕጋዊ ኣመቕራርሓ መሬትን ናይ ከተማን ገጠርን መሬት መሸጣን ብዘይ ኣገባብ ማለት ናይ ባንክ ሕግታት ብዝጥሕስ መገዲ ነቲ ብሽፈጥ ዝረኽቦ ገንዝብ ድማ መተሓላለፊ ይጥቀመሉ ኣሎ ይብል።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘካትዕ ስለዝኾነ ንኣንባቢ ኣብቲ መጽሓፍ ክውከስ እጽውዕ።  ከምኡ እውን ንዓ.ወ. ነዚ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ዳግመ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ኣብ ቁጠባዊ መስርሕን ዕላማን እዩ ተጌሩ ስለዝተባህለ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፋቱ ከብርህን ፍልጠቱ ናይዚ ጉዳይ ከካፍል ዝብል ርእይቶ አሓድግ።

ምስኡ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ንገለ ዜጋታቱ ካብ ማእከል ከበሳ ናብ ጋሽ ባርካ ከምዝሰፍሩ ጌሩ እዩ። እዚ ናይ ኣስገዳድ ሰፈራ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን ሕቶ የልዕል። መጀመርታ ከም መትከል ንሓደ ጉጅለ ካብቲ ዝተወልደሉን ዝውንኖን ከባቢ ብሓይሊ ወሲድካ ናብ ካልእ ቦታ ምስፋር ጌጋ እዩ። ካልኣይ ንሓደ ጉጅለ ድማ ኣብቲ ታሪኻዊ  ናይ ሳዕሪ ቦታኦም ብዘይ ድሌቶምን ካሕሳ ብዘይብሉ ኣገባብ ካልእ ጉጅለ ከትእቱ ግጉይን ዘይፍትሓውን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት ኣብነት ክርእ እንከሎ ዕላማኡ ዘይወቅዕን ካልእ ሽግራት ከኸትልን እዩ ዘርኢ።

እቲ ዘገርም መጻኢ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ናይ ሚክሲድ ማለት ናይ ግልን ናይ መንግስትን ዋንነት ኮይኑ ብፍላይ ብትካላቱ ድማ ኣብ ናይ ግሊ ሃብቲ ምምዕባል ዓቢ ተራ ክጻወቱ ምእንቲ ካብቲ ናይ ማሕበርነታዊ ስነፍልጠት ብወግዒ ከምዝገደፎ እዩ። ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ ዝብል መዐቀኒ ምስ ካልኦት ከምኡ ዝነበራ ክወዳደር ይከኣል ተባሂሉ ኣብ ናይ ወጻኢ ሰደደን ሰብኣዊ ሓይልን ተመርኩሰን ዝማዕበላ “ኣርባዕተ ኣናብር” the Four Tigers ኣብነት ከም ርእይቶ ቀሪቡ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ቅድሚ ናጽነት ተጸኒዑ ነበረ። ድሕሪ ነጻነት ድማ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ካብኣተን ሓንቲ ዝኾነት ሲንጋፖር ክበጽሑን በዚ ክትዕን ዘረባን በዚሐ። ብ1965 ነጻነታ ክትረክብ እንከላ ሲንጋፖር ባህሪያዊ ሃብቲ ኣይነበራ፡ እኹል ናይ ማይ ምንጪ ኣይነበራ፡ ወተሃደራዊ ናይ ምክልካል ዓቕሚ ኣይነበራ፡ ብዙሕነት ዘለዎ በብዓይነቱ ብሔር ዝሓዘ እሞ ብሓደነቱ ዘይፍለጥ ሃገር ኮይና መጻኢኣ ድማ ዘግሉጽ ነበረ። ኣውራ ነዚኣ ሃገር ዝጠቐማ ኣብ ክእለትን ትምህርትን ምዕባለ ናይ ደቅሰብ ዝኣምን መሪሕነት፡ ንሳቶም ድማ ቀንዲ ኣተኩሮኦም ቁልጡፍ ናይ ምዕባለ መደብን ማሕበራዊ ለውጥን ብምምጻእ ሕብረት ሕዝቢ ከምዝጥጥዕን ናይ ንኡሳን ብሔራት መሰል ድማ ኣዝዩ ከምዝሕሎን ዝገብር ስልጡን መሪሕነት ስለዝነበራ እያ ኣብ ሽቶኣ ክትበጽሕ ዝኸኣለት።

ኣብ መሪትሮክራሲ ማለት ክእለት ምምሕዳር ብዘለዎም ደቅሰብ ቀንዲ መሰረት ምዕባለ ሲንጋፖር። ምስኡ እቲ መንግስቲ ንጡፍን፡ ተሓታትነት ዘለዎ ኣማሓድራን ምሁራን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ኣማዕበለት። ናይ ሰደድ ቁጠባ መደብ ብምውጻእ፡ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘስርሕን ምስኡ ናይ ፊናንስን ባንክን ወደባት ነደቐት። ብመሪሕነት ዝምራሕ ደሞክራሲ ብምትእትታው ክበሃል እንከሎ ግን ናይ ብሓቂ ትካላትን ትምህርትን ላዕለዋይ ጽፍሒ ኣብያተ ትምህርትን ብምምስራት ዓቕምን ክእለትን ናይ ሓይሊ ሰብ ኣተኣታትያ ኣብ 20 ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዓለም ሓሙሸይቲ! ሃብታም ሃገር ክትከውን በቒዓ። ስለዚ እዚ ምስ ኤርትራ ብዙሕ ዘፈላለ ታሪኽ እካ እንተሃለወ፡ ዓቕምኻ ፈሊጥካ ግን በቲ መሰረታዊ መንቀልታት ሲንጋፖር ክውሰደን ክትግበርን ይከእል ኔሩ። ድሒሩ ከምዝተዓዘብናዮ ይብል ዓንደብርሃን፡ ናይቲ መንግስቲ ሓድሽ  ፍቕሪ ሲንጋፖር ንመጀሃሪን ናይ ሓጸር እዋን ኣተኩሮ ንምውሳድ ዝዓለመ ነበረ። መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ኣብነት ከተኣታቱ ምእንቲ ዘድልይዎ ረቓሒታት የብሉን። እዚ ማለት ፖለቲካዊ ኣድህቦን ድሌትን፡ ዓይነት መሪሕነት፡ ንጡፋት ትካላት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነት ዘለዎ ናይ መንግስቲ ኣማሓድራን፡ ወ.ዘ.ተ. ስለዘይብላ ናብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። 

ምዕራፍ ሽውዓተ ብዛዕባ ርእሰ ምኽኣል ዝብል ኣምር ቁጠባዊ ምዕባለን ኣብ ጸገም ዝወደቐሉ ኩነት ይነግር። እዚ ርእስኻ ምኽኣልን ናይ ኩፖን ቁጠባ ዘርእስቱ ምዕራፍ ብሓደ ኣቦ ዝበልዎ ይጅምር። “ናትና ዝበልናዮን ንዓና ከገልግልና እዩ ዝብል ትጽቢታት ዘገበርናሉ ናታትኩም መንግስቲ፡ ኣብ ነዊሕ ዕድመይ እቲ ዝኸፍአ እዩ” ነጋሽ ተስፋጋብር። መንግስቲ ኤርትራ እቲ ዝቐረበሉን ዝተዋሳኣሉን ናይ ምዕባለ መጽናዕታትን መደባትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከዕጠጢ ድሕሪ ምጽናይ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ 1998 ድላዩ ክገብር ሙሉእ ዕድል ረኸበ። ነቶም ንደሞክራስያውነትን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሓተቱ ሹማምንትን ጋዜጠኛታትን ኣሲሩን ነጻ ጋዜጣታት እውን ዓጸወ። ኣብ ወጻኢ እውን እንተኾነ ናይ ምንጻል ኩነት ብምፍጣር ከም ድላዩ ክገብርን ዝምድናታቱ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ደስከለ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ዝርከቡ እሱራት ኣብ ፍርዲ ከተብጽሕ ዘይምኽላእ ወይ ዘይምድላይ ብፍላይ ምስ እውሮጳ ማሕበር (ኣህጉራዊ ስምምዓት ተፈሪሙ ስለዝነበረ) ናይ ምዕባለ ገንዘባውን ካልእ ሓገዛት ኣዛሕቲልዎ።

ርእስኻ ምኽኣል ዝብል ኣምር መጀመርታ ዘምጽኦ ራልፍ ዋልዶ ኤመርሰን ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ፈላስፋ እዩ። እዚ ኣምር ውልቀሰባት ንከባቢኦም ግድነት ክመስሉ ከምዘይብሎምን፡ ኣብ ክንዲ ግጉይ ልሙጽ መንገዲ፡ ዝመሰሎምን ሓርፋፍ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ክኽተሉ ኣብ ዝብል ዝተመስረተ መንፈሳዊ መልእኽቲ ነበረ። እዚ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ገድሊ ግዜ ዝተጠቐመሉ ሜላ ርእስኻ ምኽኣል ገድሊ ኤርትራ ክዕወት እንተድኣ ኮይኑ ግድነት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕዝብን ሓይሊ ሰብን ገንዘባውን ጉልበታዊ ምንጪ ክጽጋዕ ተገዲዱ። ካልእ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣዝዩ ድኹምን ዘይተኣማምንን ስለዝነበረ። “ናይ ወጻኢ ፖሊሲ እግረ እግሪ ናይ ውሽጢ ፖሊሲ እዩ ዝኽተል” (ፓስካል)። ኣብ ግዜ ነጻነት ኤርትራ እዚ ዘይብሃል ኣዎንታዊ ትጽቢታትን ዕድላትን ኣሕለፈት። ምኽንያቱ ኣብ ወጻኢ ምስ ሱዳን ናይ ደገፍቲ ኣጥሪኻ ናይ ምትፍናን ኩነት፡ ናይ ባሕሪ ባእሲ ምስ የመን፡ ኣዝዩ ልዑል ኪሳራ ዘትረፈን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ጌና ዘይተፈትሐ ጉዳይ ዘኸተለ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ዶብ ሽግር ምስ ጁቡቲ ዝኣመሰለ ክስተታት እቲ መንግስቲ ንበይኑ ብዛዕባ ኩሉ ማለት ታሪኻዊ መሰረት ዝነበሮ ኩነታት ክህሉ ስለዝኽእል፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓላፍነት ኣይውሰድ እምበር፡ ብግዜኡ ናይ ምእላይ ክእለት እንተዘጥሪ ኔሩ፡ መመሊስካ ናይ ምትንካፍን ምፍኽካርን ንባዕሉ ነቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ደረጃ ኤርትራ ካብ ዓለም ክትንጸልን ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ እገዳ ከምእትርከብ ጌሩ። ምስ ኣሜሪካ ዝነበሮ ዝምድና ካብ ገጽ 210 ክሳብ 218 ምስ ኣውሮጳ ሕብረት ካብ ገጽ 218 ክሳብ 234 ንኣንባቢ እገድፎ።

ካብ ገጽ 234 ዓ.ወ. ዝርዝራት ብምቕራብ ሃገረ ኤርትራ ብናይ ዓለም ባንክ ኣህጉራዊ ፊናንሲያዊ ፋንድ፡ ናይ ሕ.መ. ናይ ምዕባለ ፕሮግራም ኩለን እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ምኻና ይሕብራ። እቲ ቁጠባ እናነኣሰ ይኸይድን፡ ዋጋ ናይ ገንዘብ ናቕፋ ድማ ኣንቆልቀለ። ነቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኽፈሎም ውሑድ ደሞዝን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ንባዕሎም ንመዓልታዊ ህይወቶም ዘድሊ ነገራት ክገዝኡ ይጽግሞም። ናህሪ ዋጋታት ሊዒሉ፡ መነባብሮ ጸጊሙ ዕዳጋ ዛሕቲሉ ብኩፖን ተመሓዲሩ፡ እቲ ሕዝቢ ካብ ድኽነት ናብ ዝገደደ ድኽነት ብምእታው፡ ኣብ ናይ ከመይ ጌረ ናይ መዓልታዊ መግበይ ይረክብ ዝብል መደብ ኣተኩሩ ይርከብ። መንግስታዊ ፖሊሲታት ነዚ ድኽነት ኣዝዩ የግድዶ።

መንግስቲ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል መደብ ከም ናይ መታለሊ ጉዳይ ተጠቒሙ፡ ንጹር ናይ ምዕባለ መደብን ዕዮን ኣብ ምትግባር ክእለት ስለዘይብሉ ይኹን ስለዘይደለየ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ኣድለዪቲ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ብግቡእ ከማልእ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ኣውራ ነቲ ጉዳይ ዘጋድዶ ዘሎ እቲ መንግስቲ ንዝበለጸ ዝምድናን ጽቡቕ ድሌትን ዝርከበሉ ዘተን ክትዕን ናይ ዘረባን መደብ ከውጽእ ኣይደልን። ኣብዚ ናይ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ነጻነት፡ ኤርትራ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካላት የብላ፡ ላዕለዋይ ጽፍሒ ትምህርቲ የብላ፡ ዝሰርሕ ሃገራዊ ኣየር መንገዲ የብላ፡ ንጡፍ ናይ ባሕሪ ኣገልግሎት ዝህብ የብላ፡ ናይ መሬት መራኸቢ ብዙሓን የብላ፡ ምዕሩይ ሃገራዊ ናይ ኤለክትሪክ መደብ የብላ፡ ጸጸሊሑ ዝፍልፍል ንኣገልግሎት ዝውዕል ናይ ማይ ምንጭታት የብላ፡ ስለዝኾነት ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ክትተክል ኣይከኣለትን። ከምኡ እውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝብል ቁጠባዊ መደብ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኣይከኣለትን። ስለዚ እቲ መንግስቲ ናይ ኣጠቓቕማ ክእለት ስለዘይብሉ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ንሕዝቢ ከቐብል ኣይከኣለን። ብሰንኪ እዚ ዘይምዕቡል ፖሊሲን ስእነት ግቡእ ኣመሓድራን እቲ ቁጠባ ተዳኺሙ ይርከብ።

ቀጻሊ ምዕራፍ ሾሞንተ ብዛዕባ መርገም ሃገራዊ ኣገልግሎት ይገልጽ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...