ሓደ ህዝቢ ኣብ ከመይ ዝበለ ናብራ ይነብር ከምዘሎን ከምዝነበረን ንኽትፈልጥ፤ እንታይ ኢሉ ይደርፍ ከምዘሎን ከምዝነበረን ምፍላጥ ይሕግዝ`ዩ ዝብል ኣበሃህላ ልክዕ`ዩ ኢለ ዝኣምነሉ ጉዳይ`ኳ እንተኾነ፤ እዚ ማለት ግና ዝኾነ ዝድረፍ ንሃለዋት ናይ ሓደ ህዝቢ ዝገልጽ`ዩ ኢልካ ምእማን ማለት ኣይኮነን ።ምኽንያቱ ከምቲ ጽሩይን ፋልሶን ወርቂ ዘሎ መጠን ጽሩይን ፋልሶን ደርፍታት`ውን ዘሎ ኢዩ።

እቲ ንሓቀኛን ዘይሓቀኛን ወርቂ መሚዩ ዝፈልጥ ከኣ እቲ ንሓቀኛ ወርቂ ብምርኣይ፡ ብምድህሳስ፡ብድምጺ፡ብብርሃን ይኹን ብጸላም ዘይስሕት ሰብ ጥራሕ`ዩ፡ ኣብ ስሳታት ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ብዙሓት ፋልሶ ወርቂ ዝተሰለማ ነይረን ኢየን፡፡እዚኤን ብገርሀን ኢየን።ኣብዚ ዘመንና ኸኣ ኮነ ኢለን ፋልሶን ጽሩይን ሓዋውሰን ዝስለማ ኣለዋ።ፋልሶን ሓቀኛን ትሕዝቶ ሒዙ ዝቀርብ ደርፊ`ኸ ኣሎዶ?እወ፡ "ማለተይ`ሲ …" ዘብል ኮይኑ ኣብ ግዜ ፍርሒ ዝድረፍ ዓይነት ደርፊ`ዩ፡ ንኣብነት ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብዱረሒም ኣብ ቀዳማይ መፋርቅ ሰብዓታት"ኣብ ገዛና ዘለኹም ሰብ ክራይ…. " ኢሉ ዝደረፋ፤ ንሰንሱር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀሪባ ትርጉም ትሕዝቶኣ ምስ ተሓተ እቲ ኣብ ቅድሚ`ታ ናይ ሰንሱር ሽማግሌ ዝቀረበ ባእታ ንትሕዝቶኣ ክገልጽ እንከሎ፡- " ኣቦይ ዓብዱረሒም ኣቦ`ዚ ደራፋይ ብዙሕ ዝካረ ገዛውቲ ዘለዎም ሩኹብ ሰብ`ዮም፤ምስቶም ተኻረይቲ ዝፍጠር ጭቅጭቅ ዝተዓዘበን ደስ ዘይበሎን ወዶም ከኣ ነዛ ግጥሚ እዚኣ ጽሒፉዋ፡… ወዳሓንኩም ብማለት ናይ ትደረፍ ፍቃድ ኣውሃባ።

ንሃለዋት ህዝቢ ዝገልጽ ደርፊ ክበሃል እንከሎ ንኣብነት ካብ ከም" we are the world" ዝኣመሰላ ንብዓለም ደረጃ ዘንጸላለወ ሽግር መሰረት ዝተደርፋ ጀሚርካ ክሳብ፤"ሰስኑ ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ ኣታ`ቲ ዓዲና ከይኣትዎ ጓና"ዝብል ጂኦ-ፖሎቲካ መልክዕ ዝሓዘ፤"ኣደ ንጉሰ ኣደና ኣይቲኹና… " ንሓንቲ ስድራ ዝምልከት፤ " …. ኣነ`ውንየ መዓልቲ ይነውሕ እምበር ኣያ`ዶ ከይስእንየ " ከኣ ኣዝዩ  ግላዊ ዝኾነ ሓደ ዝተጎንየ ሓጋዚ ዝሰኣነ ዘስተማስለሉ ኩነታቱ ዝገልጸሉ`ዩ። " ናይሎን ተኸዲና ፈይፈይ ትብል ኣላ… " ዝብል ደርፊ መዓስ ከም ተደርፈ እንተፈሊጥና፤ እቲ ዘመን`ቲ ናይሎን ከም ዓለባ ንዓድና ዝተኣታተወሉን ዝምረጸሉን ዝነበረ ዘመን ምዃኑ ክንፈልጥ ንኽእል።

ንጽሩይን ፋልሶን ደርፍታት ንምምማይ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኣይኮነን፡እቲ ጽሩይ ዝበሃል ደርፍታት ብዙሕ ከይሓሰብካ ብገርሂ ዝድረፍ`ዩ፡ንኣብነት ኣንስቲ እናፈተላ፤ኣዋልድ ማይ እናወረዳ፤ሓረስታይ ብተስፋን ፍርሕን ኣንቃዕሪሩ ንሰማይ እናጠመተ፤ኣላመይ ነተን ንየማን ንጸጋም ንላዕሊ ንታሕቲ እናወገነ ዘንቀሳቅሰን ቀጠንቲ ፈትሊ ጋቢ፡ቅጭን፡ኩታ፡ዝርዝር ዝብል ስም ሒዘን ከድርረኦ እናተጸበየ፤እንትርፊ ኽብሩን ክብሪ ሃገሩን ካልእ ደፋኢ ዘይብሉ ሓርበኛ ንዓወቱ ወይ ንስዕረቱ ዝደርፎ ደርፍታት ዝኣመሰለ`ዩ፡፡

እቲ ፋልሶ ኸኣ፡ ንመሸጣ፡ንመሾሚ፡ንመድሓን ነፍሲ ፡ ንመለቅለቂ፡ንመፋተዊ፡ንመቃባጠሪ ተባሂሉ ብፖለቲከኛታት ዝጸሓፍ፤ንሓንካስ ከማኻ ዝጎዪ የለን፤ንዕዉር ከማኻ ዝጭምት የለን፤ንምዉት ሳላኻ፤ንዓሻ ሳላ ምኽርኻ ዝብል ቀደም ንሓምየን ጥራሕ ዘምሕረሉ ዝነበረ ዓይነት ደርፍታት ዝኣመሰለ ኢዩ። ንኺድ ጥራሕ !!! እዚ ማለት ግና ኩሉ ፖለቲከኛታት ዝደርፍዎ ፋልሶ`ዩ ማለት ኣይኮነን፡ንኣብነት "ሰስኑ ሰስኑ…. " ዝብል ደርፊ ንኤርትራ ኣብ ኣርባዓታት ኣንጸላልይዋ ዝነበረ ኩነታትን ንፖሌቲከኛታታ ዝነበሮም ስግኣትን ዝገልጽ`ዩ።

ኣብ ኣርእስትና ክንምለስ፡ እቶም ቀደም "….ጎበዝ ይነብዕ ኣሎ ኣብ ማርሻበዲ ኮይኑ`የ" እናተባህለ ዝተደርፈሎም ኣጓብዝ እቶም ብሞጓሰ፥ብማሕረስ፥ብምግፋፍ ዓሳ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣጓብዝ ከምዘይኮኑ፤ተቆጺሮም ዝሰርሑ ወይ ክሰርሑ ዝግበኦም ዝነበረ ብስራሕ ኣልቦነት ዝተገርፉ፤ካልእ ኣማራጭ ዘይነበሮም`ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።እቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ቦታ ኸኣ ከተማ ምንባሩ ፤ከተማ ብኸተምኡ`ውን ኣስመራ ምንባሩ ትሕዝቶ`ታ ደርፊ ዝሕብሮ`ዩ፡ስለዚ እቲ ዝነብዕሉ ዝነበሩ ማርሻበዲ እምበኣር ማርሻበዲ እንዳማርያም፡መስጊድ ጃምዕ፡ገበላ እንዳ ባሓበሽ ዝኣመሰሉ ማርሻበድታት ምዃኑ፤ ዋላ ሽዑ ዘይነበረ ወዲ ኣስመራ ብዓይኒ ሕልነኡ ክረኣዮ ዝኽእል`ዩ፡፡

እቲ ጎበዝ ኣብ ማርሻበዲ "ብኽይ" ውዒሉ ዝድቅሰሉ፤ ትዕበ ትንኣስ ዝዕንገለላ ገዛ ወይ እንዳ ቤተ-ሰብ፡ዓርኪ ክነብሮ ይኽእል ወይ ከኣ ዑኽልል ኢሉ ኣብ ዘለዋ ክሓድር`ዩ፡፡ እቲ መዔንገሊ ዝሰኣነ ኸኣ ንናይ ፕያሳ ቶሪኖ ዋርድያ ለይቲ ኣዳህሊሉ ንኢዱ ዘርከቦ ካሮቲ፡ኮሚደረ፡እንተ ኸፈኤ ሽጉርቲ ሲሒቡ ክበልዕ`ዩ፡እቲ ዋርድያ ተታኺሱ እንተሎ ኸኣ ካብቲ ኣብ ወሰናስን ዘሎ ናይ ፉሩታ መሸጢ ኢዱ ሰዲዱ ዘለላ ባናና ስሒቡ ክድረር ይኽእል ይኸውን፡፡

ዝኾነ ኾይኑ ንሃለዋቱ ተደሪፉሉ፡ ተሓዚኑሉ፡ተበኽይሉ።ነቲ ኣብ ምድረ-በዳ ሲናእ ኣብ ቤተ-ሰብ፡ መቅረብ፡ ዘይብሉ ፤ለሚንካ፡ ሰሪቅካ ዘይትዕንገለሉ፤ ምብካይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሓርር፡ ዝኹምተር፡ዝፏሓቅ፤ ሓንሳእ ከይኮነሉ መዓልቲ መዓልቲ፤ሰዓት ሰዓት፤ክልእት ክሊእት፤ሰከንዲ ሰከንዲ እናሻዕ ዝሞውት ዘሎ፤ደም ሓርበኛታት ወለዱ ኣብ መትንታቱ ዝዛወር ዘሎ ኣብ ድሮን ድሕርን ነጻነት ዝተወልደ ጎበዝ ዘይተደርፈሉን ዘይተለቀሰሉን ስለምንታይ ኢዩ ?!!

ዶስ! እቶም ቅድሚ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ  ወገና ካባና ንላዕሊ ኣብ ጭቡጥ ሂወት ዝነብሩ፤ታሪኽ ዘመዝግቡን ካባና ንላዕሊ ሰብን ጭዋታትን ነይሮም ማለት`ዩ ?! ዝኾነ ኾይኑ  ሓደራ! ነቶም ጌና ብሂወቶም ዘለዉ ሽማግሌታት ጎራዙ`ውን ይነብዓ ከም ዘለዋ ኣይትንገርዎም።ምእንቲ ከይጉህዩ ፡ ከይዕዘቡና ፡ ከይክዕቡና።

A.A.Hafiz   27/3/2012 (124)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...