ብስምምዓትና እንሰርሓሉ እምበር ብፍልልያትና እንበኣሰሉ ግዜ ኣይኮነን 

ሃገራዊ ነጻነትና ብብዙሕን መሪርን መስዋእቲ ኣረጋጊጽና ኣብ ጎደና ሰላምን ደሞክራስን ክንጓዓዝ ኣብ ዝጀመርናሉ ሰዓት ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ተጨዊና ስቓይና ክነውሕን መሊሱ ክመርርን ኮይኑ እዩ። እዚ ሓቂ እኳ እንተኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ንሕጽረታትን ድኽመታትን ተቓወምቲ ሓይልታት ንምሽፋን ስለ እንጥቀመሉ ንውሽጥና ከይንፍትሽን ሕመቕና ከይንስዕርን ይገብረና። 

መተካእታ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክኾና ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኩለን ብሓባር ክሳቐያሉ ዝጸንሓ ሕዱርን ለበዳ ሕማምን እንተልዩ ኣብ ናይ ቃልሲ ቅደም ተኸተል ዘለወን ዘንባዕ ኣረኣእያ ጥራሕዩ። ድሕሪ ምዳቕ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ክለዓል ዝግበኦ ጉዳያት ንቕድሚት እናኣምጻእካ ናይ ሕጂ መፈላለዪ ነጥቢ ምግባሩ ልሙድ ኮይኑ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ብድምጺ ከጽድቖ ወይ ክነጽጎ ዝግባእ ጉዳይ እናሃለወ ገና ኣብ ግዳም ከለኻ ትገታተረሉ ነጥቢ እውን እናበዝሔ መጺኡ። 

ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን ጸገምና። ሓንቲ እምኒ ወስ ከየበልና እዚ ስርዓት እዚ ብጎነጽ ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ እንብል በቲ ሓደ ሸነኽ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ይትረፍዶ ህግደፍ ኣብ ዝብሕቶ ዓድስ፡ ኣብ ማዕዶ ሰላማዊ ናይ ስደት ዓዲ እናሃለናውን ሰላማዊ ሰልፊ መሪሕና ከነዓውት ዘይንኽእል እናሃለና- የለን ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ኢና መንግስቲ ንቕይር ኣብ ዝብል ነጥቢ ክንሰሓሓብ ከለና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣማዕድዩ እንተሰሓቐ እንታይ የኽፈኣሉ? ንዲክታቶርያዊ ሰርዓት ንምእላይ ክጠቕም ዝኽእል ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒምካ ነዚ ንህዝብና ንምጽናት ከም ዕማሙ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ንምቕያር ዝተበገሱ ኩሉም ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ግንባር ተጠርኒፎም ቅልጽሞም ኣተሓባቢሮም ዘይሰርሑሉ ምኽንያት የለን። ከምኡ ከየግብር ዝኽእል ምኽንያት እንተልዩ፡- 

1- ካብ ትምክሕቲ ነቒልካ ንኻለኦት ኣነኣኢስካ ብምርኣይ ዘየሳታፊ መንገዲ ምኽታል፡ 

2- ካብ ጽበት ነቒልካ እውን ኣብታ ዝለመድካያ ምውቕቲ “ንእዲ” ካልእ ከይሓወስካ ናይ ምኻድን ካለኦት ኩሎም ተባላዕቲ ጌርካ እናወሰድካ ካብቲ ናይ ትምክሕቲ ኣካይዳ ዘይሓይሽ በይናዊ መንገዲ ሒዝካ ምቕጻል። 

3- ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ደንበ ተቓውሞ ከይስስን መፍቶ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስራሕ እውን ክኽውን ይኽእል። 

ሎሚ ብሰንኪ ነዊሕ ናይ ስደት ቃልሲ፡ ደንበ ተቓውሞ ‘ዶንበር ትርግታ ህዝቢ ክልክዕን ድሌት ህዝቢ ከንብብን ይኽእል ኣሎ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ኣብ ቦትኡ’ዩ። ከመይሲ ባህጊ ህዝብናን ጻዕሪ ተቓውሞን ነንበይኑ ስለዝኾነ። መዓልቲ ስደት እናነውሔ ኣብ ዝኸደሉ ቁጽሪ ድማ ካብ ሕምብርቲ ህዝቢ ርሒቕካ ዝግበር ናይ ወንጪፍ (ሪሞት) ቃልሲ ኣድማዕነቱ እናሃሰሰ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ንውሽጢ ዝጠመተ ቃልሲ’ዩ ክንረባረበሉ ዝግባእ። 

በብዘለናዮ ንእሽቶ ዕማም ንምስልሳል እነጥፈኦ ናይ ሓይሊሰብ ጸዓትን፡ ናይ ግዜ፡ ናይ ገንዘብን ንዋትን ምብኻንን ደረት የብሉን። ኣንፈትና እንተነቕንዕ ግን ጎቦ መፍረስና። ናይዚ ከቢድ ሽግር መፍትሒ ቀዳማይ ስጉምቲ ምቕሉል ኮንካ ኣብ ውሽጥኻ ንኻለኦት ዝኸውን ቦታ ገዲፍካ ምስማዕን ምስምማዕን ኮይኑ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ንኹልና ከሰማምዓና ዝኽእል ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ምእላይ ከቢድ ዕማም ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ብልቢ ክንተሓሓዞ እንተኽኢልና ጥራሕ እዩ። 

ሕጂ ብስምምዓትና እንሰርሓሉ ግዜ እምበር ብፍልልያትና እንበኣሰሉ ግዜ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ፍልልያትና ነጻ ፖለቲካዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝረኸብናሉ ግዜ ነልዕሎ። ፖለቲካዊ ቤት ፍርድና ድማ ህዝብና ምዩቕ ክየበለ ንዝደለዮ ክመርጽ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ። 
 
ካብ ደላይ ሓድነት


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...