ሃገር ኣረኪቦምና ከም ዘላታ             ክ

ከይተቖርሰታ ከይተቆርመመታ              ብ

መስዋእቲ ከፊሎም ስላም ንኽብሕታ           ር

ኮሪዖም ክነብሩ ዜጋታታ                     ን

ዋጋ ፅዳጋ የብሉን ሉፅላውነታ

 

ግን ይበዝሕ ኣሎ እቲ ጫውጫውታ        ዝ

ይርሕቅ ውን ኣሎ መወዳእታ               ኽ

ብዙሓት ኢዮም እዛ ሃገር ጠመታ             ር

ዓይንኻ ክፈቶ ውስኽ'ውን ዋሕዋሕታ            ን

 

ኩሉ ኣብ ዝነበሮ ንኽምለስ              ን

ቀልጢፍና ነልግሶ ነዚ መፍለስ              ስ

ብሄረይ ቢሄርካ ዘባእስ ይብሉን               ው

ሪመይ ሪምካ ዘባእስ የብሉን                   ኣ

ምስ ኣኸለ ወርሓቱን ሰሙኑን                    ት

ምፅራዩ ኩሉ ኣይጽግምን                         ና

 

ንፅሩይ ፍታሓት መሰናይታ                ዓ

እታ ባይቶና እንተተሰሪታ                   ወ

ንኹሉ ክንዝትየሉ ብጀካ ምዩቕታ              ት

ሾዑ ኢያ ክትህሉ ሃገር ከም ዘላታ

ሓገዝ ናይ ካልኦት ጥራይ መመላእታ         ድ

ንፍለጦ እቲ ናይ ኣሕዋት ስኽፍታ             ማ

የሎን ንሃገሩ ዝህብ ንሸመታ

ነቐምጦ ዘይከውን ሃውተታ                 ነ

ነድሕና እዛ ሃገር ካብ ኩሉ ጠመታ            ቲ

ከቢድ ንሕሰብ ንግደፎ ጫውጫውታ

 

ኣብ ዋፅላ ዝኸዱ ኣርባፅተ ሚኢቲ             ደ

4ተ ሚልዮን ሰናያ ተጸበይቲ                ም

እንተ ዘይሰመረ ተቓጸልቲ

ንኹሉ ዝልክም ሓዊ ተፋእቲ                 ዝ

ከምቶ ዝሓለፉ መከትቲ                        ነ

ኣይትኸውንን ኢያ ሃገር መጻወቲ                  ብ

 

ምስ ኢትዮጵያውን ነገርና ወዲእና             ፅ

ዘድሊ ዘሎ ምድልዳል ዝምድና

ካብ ስግር ባሕሪ ዝመጹ እንተ ዘይሓዊስና        ዘ

ኣይበላሾን ኢዩ ነገር ናይ ኩልና              ሎ

 

መጻወቲ ኣይኮነን ደም ጀጋኑ                     ህ

ሂወቶም ከፊሎምዋ ንሃገር ከድሕኑ                  ዝ

ኣለው ካኣ ብሂወቶም ዝሕንሕኑ                    ብ

ይጋብኡ ኣለው እቶም ዝተኣምኑ                   ና

መገዲ ኣይብዎን ኢዮም ንዘፅኑ

ኣብ ጎድኖም ኣለና እንተዘይኮይኑ

 

ሃገር ብሓሳብን ብዘተን ሰላም ሰፊኑዋ ኢያ ትነብር

ብምስሕሓብ ካኣ ኣብ ፅግርግር ትነብር

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...