ሰማይ እነተ ለዕለ

ሽላን ኣሞራን  እንተሕደረ

ብግመን ዕምብረን እንተተዓፈነ

ንንእስነት እንተ ዘይኮነ

እዝጊ እንታይምበለ።

 

ቀላይ እንተ ዓሞቐ

ብዓሳታት እንተ ደመቐ

ብዕንቊ እንተ’ብረቕረቐ

በ’ዛሒትን ዛዕጎልን እንተጸበቐ

ምስ ንእስነት እንተዘይሰሓቐ

ወላዲ እንተዘይመረቐ

ሕጻን እንተዘይዓኾኸ

ኩሉ ከምዝበኾኸ።

 

ከም’ቲ ዕሸል ሰሓቒ

ከርሲ መሬት ዘሎ ወርቂ

እንተ’ኽመስመሰ ከም በርቂ

ኣለኹ እንተበለ ብጻዕቂ

ብዘይ ጠንቂ-መንቂ

እንተዘይበቒዑ ንስንቂ

የብሉን ጽድቂ።

 

ምናልባት!

እንተ ሰፊኑ ስርቂ

እንተ ዘጊሕዎ ቆይቂ

እጃም ንእስነት መሕቀቒ

መንገዲ ተስፋ ጸንቃቒ

ኣይዓብስን ብሓቂ

ኣብ ባይቶ ጸይቂ።

 

ኣብ’ዛ ዓለም ክራይ

ምእንቲ’ቲ ንኡስ ዘላላይ

ዱኻ ምስ ተሓረሰ ብጎባይ

እንተ ዘይተሓፍሰ ስርናይ

እንተ ዘይበቖለ ደምሃይ

ንእስነት ንምእላይ

ናጽነት ሰናይ!

እንተ ዘይበለት መና’ሎ ኸማይ

ነውሪ’ብሉን ምሕማይ

ካብ ዘይደመቐ ዝበረቐ ጸሓይ።

 

ንዘመን ርብዒ

ተሓቚና ካብ ዘይትጽዒ

ተሓኪማ ካብ ዘይትጥዒ

ሓጻጺብካ ካብ ዘይትቕርዒ

ክሳብ መኣስ ክትክወል’ያ ብጸግዒ

እንድዒ!

ነዚኣስ ክርከባ ድዩኸ መውጽኢ።

 

በሊ ንእስነት በጃኺ ስምዒ

ደሓር ከይትግድዒ

ጣዕሳ ዋጋ’ብሉን ምስ ሓለፈ ቀውዒ።

 

ሃየ ኣስተባህልላ

ትመጽእ ኣላ!

ለውጢ

መስ መስ እንዳበለት ከም በርቂ።

 

ምኽንያቱ!

ምሒር በዚሑ

ፍጡር ሰኪሑ።

 

ምስ ነጻነት ስደት

ንንእስነት ውርደት

እሞ ድማ ምእንቲ

ልኡላውነት መንግስቲ

ልኡላውነት ናይ ፓርቲ

ብዝዓይነቱ ቐንጠመንጢ

ንእስነት ትቃጸል ትኸውን ሓሙኽሽቲ።

 

ይዋእ ንእስነት

ኣይበልዐት ኣይሰተት

ኣይወለደት ኣይዘመደት

ከይተራእየት ከይመሰለት

ትሃስስ ካብ መሬት።

 

ይፍጠረላ’ባ ስሬት

ክትኣቱ ናብ ገነት።

 

ብጸሓይ ምድረ በዳ

ብበደዊን ብራሻይዳ

ኣብ ሲናይ ተቐፊዳ

እዛ እዋን ኣካሒዳ

ዶላራት ዝእዝዝ ዛርቲ ለሚዳ።

 

እሞ ድማ ኣበ’ስመራ

ኣበ’ባሻውል ገዛ ባንዳ

ብስም በደዊን ኣዳልያ ማሕፉዳ

ትእክባ’ላ ይስማዕ ተቐቢላ ብኢዳ።

 

ካን!

ነቲ ሽያጥ ደቂ ዓዳ

ገንዘብ ኢላ ትቕበሎ ከም ይሁዳ

ዋይ’ዛ ናጽነት እንታ’ያ ወሊዳ።

 

ጉድ’ዩ!

ኮኸብ-ጽባሕ ድዩ ተራእዩ

ንሰብ ኣጋግዩ

ዘፍዝዝ ዘሎ ኣዕነንዩ።

 

ሑጻ ሑጻ ለመም

ብሲናይ ንቤተልሄም

ጉዕዞ ሙሴ ድዩ ክድገም

ዝበሃል ዘሎ ከርተት።

 

ሓፍ ምስ ዘይብል ውርደት

ማና ተመሲሉስ መርገም

ስገም ተመሲሉስ ጸገም

ካን!

እዛ ንእስነት ኣብ ዝባና ትቕበል።

 

ኣደራዕ’ባ ንበል

ክንደይ መዓልቲ ኢና ንኣቱ ናብ ገደል

ብውሑዳት እንታለል

ቀልብና ዝጥቕለል።

 

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

10/15/2011

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...