ምምሕዳር እንግሊዝ ነቲ ናይ ምምቃል ዕላምኡ ንማዕዋት ምታን ከኽእሎ ናይ ሀይማኖታዊን ቀቢላዊን ሕድሕድ ውግእ ከምዝኾነ ገይሩ ከቕርቦ ፈተነ፣ እነተኾነ ግን ደግያት ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያ በቲ ዘመን‘ቲ ናይ ሐማሴንን አሥመራን ናይ ሕብረት ፕረዚደንት ዝነበሩ „ሽዑ ፖለቲካ እንግሊዝ ሰለ ዝረበሸና እነተዘይኮይኑ፡ ካልእ‘ኮ ምኽነያት አይነበሮን። ናይ አንድነትን ናጽነትን እምበር፡ ናይ አስላምን ክረስቲያንን በኣሲ አይነበረን። ሠረት ሰለዘይነበሮ፡ ዝጸንሔ ሰለዘይነበረ አብኡ ተሪፉ“ ይበሉ።“ „ነዚ ናይ ብሪጣነያ አተሓሳስባ ግን ካልእስ ይተረፍ ዋና ጸሓፊ ሐበረት ተድላ ባይሩ እውን ነጸግዎ። አብ ቅድሚ‘ታ መርማሪት ቤት ፍረዲ አብ ዘሃብዎ መስክርነት ድማ መንቀሊ ይኹን ምኽነያት ናይ‘ቲ ዕግርግር አብ መንጎ ደገፍቲ ቀ.ና.ኤ.ን ሕበረትን ዝተፈጥረ ምትህልላኽ ወይ ዘይምርድዳእ እምበር ጽልኢ አብ መንጎ አስላምን ክርስቲያንን ከምዘይነበረ አትሪሮም አረድኡ።“  አብ ሳልስቲ ናይቲ ምጅማር ዕግርግር አብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ እቶም ክመያየጡ ዝቕነዩ „ምስሌነታትን ሸማሙንትን ደቀባት ከተማ አሥመራ፡ “አብ ቤት ጽሕፈት አመሓዳሪ አሥመራን ሐማሴንን ተረኽቡ‘ሞ „ ነቲ አብ ከተማ አሥመራ ዝቐነየ ህውከትን ብአስን ዘደቓቕስ፡ ንሕዝቢ ብሐርነት ንምምልላስን ንምዝዋርን፡ ከምኡ‘ውን ጉዳዩ ብዘይፍርሃት ንምፍጻም ዋሕስ ዝኾኖ መገዲ ንምርካብ ብዝዘተዩን ነቲ ብፁዕ አቡነ ማርቆስን ክቡር ሙፍትን በሐንሳብ ኮይኖም ንስዓበቶም ብዝዘርግሑሎም ምኽርን ጽቡቕ ምዕዶን ብዝሰምዑ ካበ ክርስቲያን 31 ካብ አስላም 31 ኩሉኹሎም 62 ልኡኻት መሪጾም፣ ብዛዕባ ፀጥታን ድሕነትን ሕዝቢ ደቀባት አሥመራ ገለ መንገዲ ዕርቂ ንምንዳይ መዘዝዎም።“ አይንፋላለ፤ 1941-1950፤ አለምሰገድ ተስፋይ፤“

በቲ ሐደ ሸነኽ ከኣ፡ ንመጀርያ ባይቶ ምሰ ተኣከቡ ብዛዕባ ቋንቋን ናይ ጃነሆይ እንደራሴ አብ ኤርትራ ምህላውን ዘይምህላውን ዝብል አከራኻሪ ነጥቢ ነበረ፤ ብወገን በዓል ነፍሰ-ሄር ኢብራሂም ሱልጣን „ንመንግሥቲ ኤርትራ ዝቆጻጸር እንደራሴ ሐይለ-ሥላሴ እንተኣልዩ፣ ናጽነት ኤርትራ ዝበሃል አይክህሉን ኢዩ፤“ ኢሎም አጠንቀቑ።

አባላት ሕብረት ብወገኖም፡ „ምሰሌነ ንጉሠ ነገሥት ክመጸና የድልየና‘ዩ። ንሱ አብ ምሉእን አብ ኩሉን ጉዳያት ኤርትራ ኢዱ ክመልስ ይግብኦ። ምኽንያቱ ንሕና ኤርትራውያን መዝነት አብ ርእሴና እንተደኣ ወዲቑ፣ ነቲ ንኤርትራ ዘማሓድራ ኤርትራዊ ተሰማሚዕናን ተሳኒናን ክመርጽ አይንኽእልን ኢና፤“ ከም ዝበሉ አብታ ብ15 ነሓሰ 1951 ዝወጸት ጋዜጣ „ ሐንቲ ኤርትራ“፡ 2ይ ዓመት ቁ.87 ተገሊጹ‘ሎ። አብዚ ግን በዓል ስታፎርድ ኢዶም ብምእታው ንቋንቋ ዐረብ ከም መታዓረቒ ሐሳብ አቕረብዎ። ማለት ቋንቋ ዐረብ ማዕረ ትግርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ክኸውን እንተኾይኑ፣ ባይቶ ንምምጻእ እንደራሴ ሐይለ-ሥላሴ ክቕበሉ አመሙ።“ „ዓገብ ታሪኽ ኤርትራ መበል 20ዘምን፤“ ብምስማይ ገብረሂወት።

ስለዚ አብ‘ዚ ክስተውዓል ዘለዎ እቲ ፈደራላዊ መነግሥቲ ሥርሑ ምስ ጀመረ እቲ ናይ ሐፀይ ሐይለ-ሥላሴ  እነድራሴ አብ ውሽጢ ጉዳይ ኤርትራ የእዳው ዘእቱ ዝነበረ፡ ንዐና ከምቲ ናይ ሐሶት ነፍሒታት ዝንዝሓልና ዝነበረ ማለት ሐፀይ ሐይለ-ሥላሴ ብሐይሊ ሥልጣኖም ተጠቒሞም ንፈደራላዊ ሕጊ ብምጥዓስ ዝይኮነስ፣ እንታየ ደኣ አቦታትና ብዝሓተትዎ ከም ዝኾነ እንሆ ሎሚ ብታሪኽ ይበርሃልና አሎ።

አብ‘ቲ ዝሐለፈ ክፋል ናይ‘ዚ ጽሑፈይ አቦሓጎታትኩም ድሕሪ ካበ ዐሰርተ ዓመት ዝሐጸረ እዋና አብ አእምሮ ህዝበና ዘይነበረ ጓና ሐሳብ፤ ባዕዳውያን ዘተኣታተውዎ ሀይማኖት ከም መፈላለይ ክልተ የሕዋት አህዛብ ዋላ‘ውን ናይ ሠለሥተ መዓልቲ ጎነጽ ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ቑርቁስ ከምዝተኻየደ ርኢና፤ ድሕሪ‘ዚ „እቲ ናብ ብይን ባይቶ ሕ.ሀ. ዘብጽሔ ካበ 1941-1950 ዝጸንሔ ቀዳማይ ምዕራፍ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሐደ ንመንፈስ እቲ ተበጺሑ ዝነበረ ፍታሕ ዘንጸባረቕ መዛዘሚ አድለዮ። በዚ መሠርት ድማ ካብ ክልቲኡ ወገን ሕብረትን ናጽነትን ብዝፈልፈለ ሐሳባትን ብዝተገብረ ዘተን፡ ሐደ ናይ ሠላም ጉባኤ ክግበር‘ሞ ናይ ሠላም ጎደና ክንጸፍ አብ ሰምምዕ ተበጽሔ። በዚ መሠረት ድማ፡ አብ ናይ አሥመራ ሲነማ ኢምፐሮ አሰታት 4000 ህዝቢ ብውሽጥን ብግዳምን ተኣከበ‘ሞ፡ እቲ ናይ ሠላም ጉባኤ ብ31 ታሕሳስ 1950 ተኻየደ።“

„አብ‘ዚ ሰበ ሥልጣን ምምሕዳር፡ ቆንስላት ኢጣልያ፡ አሜርካ ኢትዮጵያን፡ ከምኡ‘ውን ኩሎም ምራሕቲ ሀይማኖት ኤርትራን ዝተረኽብሉን ጉባኤ፡ ራእሲ ተሰማ ናይ ናጽነትን፡ ራእሲ ኪዳነማርያም ናይ ሕብረትን „ብድሕሪ ሐያሎ ዓመታት ፖለቲካዊ ምፍልላይን ምርሕሓቕን ከም ክልተ ብርሑቕ መገሻ ተፈላልዮም ዝነበሩ የሕዋት ኪተሓቛቖፉን ኪሰዓዓሙን ብምርኣይ ነቶም በሽሓት ዝቑጸሩ ተዓዘብቲ አስላምን ክርስቲያንን ንልቦም ብምድንፋቕን ብሐጎስን፣ ነዒንቶም ከኣ ንብዓት መልኦ፤“  ክትብል ጋዜጣ ሐንቲ ኤርትራ ጸሐፈት።

„አይንፈላለ አለምሰገድ ተስፋይ፤“

እስኪ ካብ ናይ ክልቲኦም  ወከልቲ ዝሃብዎ መድረ የሕጽር የሕጽር አቢልና ኸኣ ነስተውዕሎ፤   መጀመርያ መድረኽ ንሸኽ ኢብራሂም ተሓድገ፣ „እቶም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ነንበይኑ ብዝኾነ ሐሳብ ተፋላልዮም ዝነበሩ የሕዋት ሎሚ እቲ ጥንታዊ ሕውነቶም ተመሊሱሎምሲ እንደገና ክተሓቛቖፉ  ብምርኣይ ከመይ ዝበለ ደስታ ንልብና ይመልኦ አሎ።

ግናኸ እቲ ብሰንኪ ነሐድሕድና ዘይምቅብባልን ዘይምስምማዕን ዐሰርተ ዝኣክል ዓመት በብወገንና እተሸቑረርናዮን ዝሐዘናዮን ሐዘንሲ፣ ሎሚ አብ ሐንቲ ቤት ብምእካብና ጥራይ ከም ግመ አብ ቅድሚ ፀሓይ መኺኹን ዚጠፍእ፡ ንሱ ኸኣ ኸምኡ በኒኑ ድሮ ጠፊኡ ኢዩ እናበልና እንተ ንዛረብ፡ ከምዚ ዝበለ ቃልና ሐቀኛን ንጹህን ኮይኑ ክርከብ አይምተኻእለን። ግናኸ በቲ ሐደ ወገን እንተ ተዓዘብናዮ ኸኣ፡ እዚ ናይ ሎሚ አኼባና ወይ ከኣ ጉባኤና፡ ኤርትራውያን ኩሎም በሠላምን ብሕውነትን ኪነብርሉ ዘለዎም፡ ናይ ኩላቶም  ቤትን ሐዳርን  ዚምሥረተሉ ጉባኤ ኸም ዝኾነ ክንእመኖ ዚግብኣናን ዚከኣለናን ኢዩ።“

ናይ ሕብረት ወካሊ አዝ. ዘርኦም ክፍለ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ተዛረቡ፤ „ነዛ ናይ ጉባኤ ዕለት „መዓልቲ ኤርትራ“ ንስመያ ድሕሪ ምባል፤“ መደረኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ቀጸሉ፤ “ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ አብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሓሓብ ናይ የሕዋት ደቂ ሐደ ሀገር ምስሓሓብ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ አቐዲምና ዝበልናዮ፡ ፍሬኡ ጸቢቑ፡ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዕድል  ብዘርኢ ጉዳይ እንሆ ዚኣክል፡ አብ ሐደ ዐዲ አብ ሐደ ዘውዲ ዝእርንብ ፈጢሩልና አሎ።“

……እቲ መደብ….. ቅድሚ ኹሉ ካባና ካብ እዞም ወገናት ዚጥየቕ                                                                    „እንታይ ኮን ይኸውን?“ እንተ በልና፡ ነቲ ዝሐለፈ እምኒ አምቢርና አብ ናይ ሀገርና ታሪኽ ሐድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ከምዝኾነ ንርዳእ። እምበኣርከስ፡ አቐዲምና አሕዋት ኢና‘ሞ እቲ ሕውነትና ሎሚ እውን ነሔድሶ።“ ክብሉ መደርኦም ዛዘሙ።

ጠቢባን ፍልጥት ይዛረቡ፡

ዐያሱ ግና ዕሽነት ይልፍልፉ።

አዕይንቲ እግዚኣቢሔር አብ ኩሉ ስፍራ

ይርእያ፡

ንእኩያትን ንሕያወትን ከኣ

ይቋመታኦም።

መጽ፡ ምሳ፤ 15፤ 2-3፤

ካብ ሻም/ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ

በሔረ ጀርመን፤