ስዉኣትና ንስለ ናጽነት ኢዮም ሓሊፎም። ናጽነት ማለት ከኣ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝኾነላ ፍትሒ ኢያ። ዜጋታታ ብማዕረ ዝነብሩላ ማዕርነት ድማ ኢያ። መንገድኻ ፈሊጥካ ብህድኣትን ብልዝብን ተረዳዲእካ እትጓዓዘላ ሰላም ኢያ-ናጽነት። ጎይታ ገዛእ ርእስኻን ጎይታ ሃገርካን እትኾነላ ፍስሃ እውን ኢያ። ናጽነት ልዕሊ ሕጊን ልዕሊ ህዝብን ኪኸውን ዝፍትን፡ በትረ ስልጣኑ ብዘይንሕስያ ዝምንጠለላን ብሕጊ ዝሕተተላን ኢያ። ኣተኻ-ወጻእካ፤ ኣስተንፈስካ-ተዛረብካ፤ ኣማረርካ-ተቓወምካ፤ ርእይቶ ሃብካ-ዒሚም በልካ፤ ጸሓፍካ-መደርካ ተባሂልካ ዘይትምቁሓላን ዘይትሳቐየላን፤ ዘይትማስነላን ዘይትሓቀላን ኢያ ናጽነት። እዚ ኩሉ ጸጋ-ናጽነት ግን ኣብታ ናጻ ወጺኣ’ያ እትበሃል ሃገርና ኤርትራ ኣሎ ድዩ፧ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎስ ብኣንጻሩ ኢዩ እሞ፡ መስዋእትን ሓደራን ሰዉኣት ብዘይነግፈረግ ተረጊጹን ተጠሊሙን ኢዩ።  

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ቁንጣሮ ውልቀሰባት መንግስቲ፡ ንናጽነትና ናብ መዳርግቲ ዘይብሉ ባርነት ቀይርዎ ይርከብ። ኤርትራ ዘይከምቲ ብዙሓት ዝተሰዉኡላ ናይ ብዙሓት ኣይኮነትን። ናይ’ቲ “እዛ ሃገር ብዘይካይ ፈላጥን ክኢላን የብላን፡ ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ፡ ብኣይ ትለምዑ ብኣይ ከኣ ትጠፍኡ” ዝብል ንነብሱ ዘይፈልጣ ውልቀሰብን፡ ንሱ ናይ ዝፈተወሎም በጻብዕ ዝቑጸሩ ምእዙዛቱን ኢያ ኤርትራ። እዛ እንኮ ሕጊኣልቦ ሃገር፡ ድሕሪ ናጽነታ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ህዝባ ፍትሒ ስኢኖም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ ዘለዉ’ያ። ዘገልገለ ሓመድ ድፋጭኡ ሰትዩ ዝስደደላ፤ዘውደልደለን ከኣ መን ከማይ እናበለ ዝሕንቅቐላ፤ ማይ ንዓቐብ ዝፈሰላ፤ ንበይና ኣብ ዘበን ግርምቢጥ እትርከብ ውጽዕቲ ኤርትራ፡ ፍረ መስዋእቲ ዉሉዳ ከተስተማቕር ኣይተዓደለትን። እቲ ናብ’ዚ ሕሰም’ዚ ዘውደቓ ስርዓት፡ ብስም ስዉኣት ክመጻደቕ ከኣ ተወሳኺ ሃየንታን ንዕቀትን ኢዩ። ሎም ዘበን እውን ከም መቐጸልታ ዓመታዊ ተዋስኦታቱ፡ ን20 ሰነ ኣብ’ታ ፍጹም ረሲዕዋ ዝነበረ ናቕፋ ተሓቢኡላ ውዒሉ። ንናቕፋ እንትስ ናፊቕዋ እንተስ ክምለሳ ሓሲቡ ድሕሪ 20 ዓመታት ዘኪርዋ።  

እዚ “ይምጽኡ እንዶ ክንፈታተን” ብዝብል ጃህራ ንዕሸላት ኣብ ኲናት ዝጠብስ፤ ንህዝቢ ከይተወከሰ ንደቂ ህዝቢ ብኢደዋኒኑ ናብ ፈቐዶ ዓዲ ሃገር (ከም ኮንጎ፤ ሱዳን፤ ሶማልን ሊቢያን) እናሰደደ ዘጥፍእ ቀይዲ በተኽ ስርዓት፡ ዝቐደመ ይኹን ዝደሓረ መስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሕምሞን ዘተሓሳስቦን ኣይኮነን። ዘሕምሞን ዘተሓሳስቦንሲ መንበረ ስልጣኑን ቀጻልነቱን ጥራይ ኢዩ። እዚ፡ “ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕታዊ ዋኒን” ደኣእምበር “መንግስቲ” ክትብሎ ዘይከኣል ጉጅለ፡ ብሞት ናይቶም ብሰሪ መሪር መግዛእቱ ሃጽ ኢሎም እግሮም ነናብዝመርሖም ዝጠፍኡ’ሞ ድራር ባሕሪን ምድረበዳን ኮይኖም ዝተርፉ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተሰምዖ ባህታ ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ። ምጥሓል ናይ አሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብዘዘጓንፈሉ እዋናት፡ ካብ ካልእ ፊልምታት ዝወሰዶ ብነበርቲ ዓሳ ናይ ዝቑለቡ ሰባት ስእሊ፡ ብመደበር ተለቪዥኑ የመሓላልፍ። መልእኽቲ ናይዚ ብሩህ ኢዩ። ሕራይ ኰንክን! እዚ ስርዓት እዚ 20 ሰነ መጸት ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዐ ብመስዋእትናን ሞትናን ልቡ ዝተሰንጠቐት ቦቕቧቕ ገይሮም ዝግምቱ እንተልዮም፡ ርእሶም ኣብ ቦትኣ ምህላዋ ንኸረጋግጹ ሃሰስ ምባል ከድልዮም ኢዩ።

እንተ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ መስዋእቲ ደቁ ዘስተማቕረሉን፡ ሓደራ ሰማእታቱ ብግብሪ ዘረጋግጸሉን እዋን ርሑቕ ኣይኪኸውንን ኢዩ። እዚ ዝገሃድ ግን፡ ኩሉ “ንሃገረይን ንህዝበይን አፍቅር ኢየ” ዝብል ንኹሉ ዝንባለታቱን ጨረታ ናብ መንበረ ስልጣንን ሓዲጉ፡ ናብ ሓፈሻዊ ራህዋ ህዝቡን ሃገሩን ምስዘቋምትን ከም ስምዕን ፈትልን ምስዝሰጥምን ኢዩ። ሽዑ ጥራሕ ከኣ ኢና፡ “ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢርና” ክንብል እንኽእል። 

እዝጊ ይሓግዝ

ሰሎሞን ኣበራ