ኣብቲ ብ "ቀይሽብር" ዝፍለጥ ድሕሪ ውድቀት ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን፡ ምምጻእ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ነንሓድሕዱ ተሃናዂቱ፡ ከም ውጽኢቱ'ድማ ኣብ ርእሰከተማ ኢትዮጵያን ካልኦት ከተማታትን ከቢድ ህልቂት ስዒቡ። ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ህልቂት እቲ ስርዓት ዕምሪ ስልጣኑ ብዋጋ ህዝቢ ንምንዋሕ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዝዓደሎ ፈኮስቲ ኣጽዋር እዩ።

ፈኮስቲ ኣጽዋር ኣዝዩ ሓደገኛ ንብረት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኢድ ሰለማውያን ሰባት ንኸይኣቱን፡ ኣብ ሕማቅ መዓላ ንኸይውዕልን ንምቁጽጻሩ ሰፊሕ ዘመተታት እየን ዘካይዳ። ብኣንጻሩ መብዛሕታኦም መለኽቲ ስርዓታት ብስዉርን ብግልጽን ፈኮስቲ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ሓፋሽ ከምዝኣትው ይገብሩ። ነቲ ዝፍጠር ቅልውላው እናመሓደሩ'ድማ ዕምሪ ስልጣኖም የናውሑ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት'ውን ንኹሉ ንስልጣኑ ኣስጋኢ ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ባርነት ቆሪኑ ሓንሳብ ኣብ ትርጉም-ኣልቦ ኲናት እናጠበሰ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ዘይተጸንዑ መደባት እናህለኸ ኣልሚስዎ ከይኣክል፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት (ሕማም፡ ስንክልና፡ እርጋን) ዘይብቁዓት ተባሂሎም ካብ ሰራዊት ዝተፋነው ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ሰራዊት ከምዝምለሱ ብምግባር፡ ን ነብሲወከፍ ስድራቤት ብረት ኣዕጢቁ፡ ንማሕበረሰባዊ ቅልውላውን ህልቂትን ምቹእ ዝኾነ ተሃዋሲ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ኣባሻውል ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ እንበኣር፡ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ።

ፍጹም ኪዳነ ተኽለ፡ ኣብ መጀመርያ ኣርባዓታት ዝርከብ መንእሰይ እዩ። ኣብ ዓመተ 1994 ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተኣወጀ፡ ፍጹም ከም መብዛሕታኦም ናይ ሽዑ መንእሰያት ብድሌቱ ምስ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ወሪዱ። እቲ ንዓመትን 6 ወርሕን ኢሉ ዝወጸ መንእሰይ ግን ንቤቱ ኣይተመልሰን። ብስም ዶብ ዝተሳወረ ኲናትን ንዕኡ ድሒሩ ዝሰዓበ ቅልውላውን፡ ክሳብ ብሕማም ምኽንያት ተባሂሉ ዝጣየስ ከባቢ 20 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ተቆሪኑ ጸኒሑ። የግዳስ ኣብቲ ተጣይሰ፡ ሓዳረይን ስድራይን ክኣልየሉ ዝበለሉ እዋን'ውን ብጉልባብ ህዝባዊ ሰራዊት ዳግማይ ናብ ሰራዊት ክምለስ ተገዲዱ።

ፍጹም መተዓቢቱ ከም ኣዝዩ ትሑት፡ ምቅሉል፡ መኽበሪ ሰብን ወረጃን ይገልጽዎ። የግዳስ ድሕሪ ዳግማይ ናብ ሰራዊት ምምላሱ ተደጋጋሚ ታዕሊም፡ ዘየቋርጽ ሓለዋ፡ ትርጉም ኣልቦ ማእቶት ብዝፈጠረሉ ጭንቀት ሓሓሊፉ ኣብ መስተ ክእለኽን ክገራጮን ይዕዘቡ ኔሮም።

ረቡዕ ዕለት 08/02/2017 ፍጹም ኣብ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ውዒሉ ናብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ምስ ኣብ ገዛ ኣብ ዓዲ-ጥልያን ዝቅመጥ እሞ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ስድራ ክበጽሕ ናብ ኣስመራ ዝመጸ ኣብርሃም ሓው ይገራጮ። ምኽንያት መገራጨዊኦም ዝፈልጥ ሰብ የልቦን። የግዳስ እቲ ብናይ ቃላት ኲናት ዝጀመረ ባእሲ ቀልጢፉ እዩ ናብ ኣካላዊ ጎነጽ ተነሃሂሩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ፍጹም ነታ ኣብ ጎኑ ተጋዲማ ዝነበረት ካላሽን ኣልዒሉ ተኲሱ። 
ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እቲ ተኹሲ ንምፍርራሕ እንበር ንምቅታል ዝዓለመ ኣይነበረን፡ የግዳስ እታ ጥይት ኣብ ከባቢ ታሕተዋይ ከብዲ ኣብርሃም ዓሊባ፡ ንኣገደስቲ ኣካላት ሳንቡእን ልብን ስለዝበሰዐት'ድማ ኣብርሃም ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ። ፍጹም ሽዑንሽዑ እዪ ኣብ ከቢድ ስንባደን ጣዕሳን ኣትዩ፡ ስለዚ እዪ'ድማ ምስ ካላሽኑ ናብ 2ይ መደበር ፖሊስ (ካርሸሊ) ኢዱ ክህብ ዝመረጸ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ፍጹም ፍርዳዊ መስርሕ ክሳብ ዝካየደሉ ኣብ 2ይ መደበር ፖሊስ ፖሊስ ተቀይዱ ኣሎ። እንተ ስድራቤቱ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ደቆም ከሲሮም ኣብ ከቢድ ሓዘን ተሸሚሞም ኣለው።

እዚ ፍጻሜ ሓደ ቁንጫል ካብቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት እዩ። ብረት ፈቀድኡ ዛሕ ከምዝብልን ብነፍሲ ወከፍ ስድራ ከምዝውነን ምግባር ዘይሓላፍነታዊን፡ ንድሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣስጋእን እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...