ተማሃሮ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ሎሚ ሓሙሽተ መጋቢት 2015 ን ሓይልታት ሰራዊት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በዲሆም።

ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከካይዶ ዝወረሐ ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ፡ ሎሚ ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣብቲ ብልምዲ እንዳ ዓሰርተ ሽሕ ( ደሺ ሚላ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፡ ኣብ ጥቓ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን እቶም ነዚ ሕሱም ተግባር ብዓይኖም ምርኣይ ዘይተቐበልዎ ተማሃሮ ካልእይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ቐይሕ ነቶም ነቲ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ዘተግብሩ ዝነብሩ ኣባልት ምክልኻል፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ፡ምምሕዳር ከተማን ብዳርባ እምኒ ከም ዝገጠምዎምን፡ እቶም ነቲ ግዕዙይ ስራሕ ዘተግብሩ ዝንበሩ ልኡኻት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ በቲ ዝገጠሞም ሃንደበታዊ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ፈሪሖም ነቲ ተግባር ኣቛሪጾም ከም ዝሃደሙን፡ ነቶም ሰራዊት ክትኩሱ ከም ዝኣዘዝዎምን ከም ሳዕበኑ ድማ ክልተ ካብቶም ተማሃሮ ብጥይት ከም ዝተወግኡን፡ ሓደ ካብቶም ዝተወግኡ ወዲ ስዉእ ከምዚኾነን፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ መውጋእቲ ንዝልዓለ ሕክምና ሽዑ ንሽዑ ብ ኣንቡላንስ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእኸን ካብ ዓዲ ቐይሕ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

በዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ወጥሪ ውዒላ ከም ዘላን ፡ ተማሃሮን ህዝቢ እታ ከተማን ድማ በዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣዝዩም ተቖጢዑም ከም ዘለውን፡ እንተ ደኣ እዚ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ጽባሕ እንተ ቀጺሉ ውን ካብ ምብድሁ ድሕር ከምዘይብሉ ይዘረቡ ከም ዘለው እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ። እቲ ድሕሪ ሞት ውጩ ናይ ጀነራል ማዓርግ ተሰኪሙ ሓላፊ ስታፍ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ኮይኑ ነዚ ኣረመናዊ ተግባር ኣብ ምፍጻም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፍሊጶስ ከኣ ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምዕዛብ ናብ ዓዲ ቀይሕ ክመጽእ እዩ ዝብል ወረ ከምዘሎ ውን ዝበጽሓና ሓቤራ ወሲኹ ይገልጽ።

05 መጋቢት 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...