መንዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮምን ዝጀመሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብሃንድበት ብምቁራጹ፣ በቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም ኣብ ኣስመራ ገልታዕታዕ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ መንገዲ ኣየር ብሰንኪ ክሳራ፣ ብሃንድበት ደው ብምባሉ፣ ካብ ኤርትራ ድማ ቀጥታዊ በረራ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይምህላዉ፣ ፍልይቲ ናይ ቻርተር ነፋሪት ክእዘዘሎም ምዃኑ ተነጊርዎም እኳ እንተነበረ፣ ጸኒሑ ግና፣ ኣቐዶሞም ዝኸፈልዎ ንነፍሲ ወከፎም ሓሓደ ሽሕ ዶላር ካሽ ብምሃብ፣ በብዝጥዕሞም ናብ ስቶኮልም ክምለሱ'ዩ ተነጊርዎም።

ሓያሎ ካብኣቶም ድማ ናብ ዱባይ እናተጓዕዝ ከም ሓድሽ ብመንገዲ ኣኤር ኢትዮጵያን ካልኦት ናብ ስቶኮልም ክምለሱ ይግድድደዱ ኣለዉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣትዉሉ ግዜ፣ ተመሳሳሊ ናይ መጓዕዝያ ጸገም ከምዘጋጥም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዛ ኣብ ሰለስተ ወርሓ ደው ዝበለት መንገዲ ኣየር ኣብ ዝጀመረትሉ፣ እቲ ጸገም ከምዝተፈትሐ ዝገልጽ ጓስጓስ ብኤሪ ቲቪ ከምዝተገብረላ ዝዝከር'ዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...