ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ፥ ንክብርን ድኅነትን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ዝኸፍሉዎ ዘለዉ መሥዋዕትነት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ዝኾነ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ማኅበር፥ ናይ ክብሪ ተሸላሚ ክኾኑ ንቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ መሪጹዎም ኣሎ። እዚ ድማ ንቅዱስ-ኣቦና ጥራይ ዘይኮነ ብኣውርኡ ንቤተ-ክርስቲያና’ውን ዓቢይ ዓወት እዩ። ከመይሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንን ቅዱስ-ኣቦናን ከም ኣብ ሓንቲ ሳንቲም ዘሎ ክልተ ገጽ ስለ ዝኾኑ፥ እዚ ሽልማት’ዚ ንደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ድርብ ዓወት እዩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ STEPHANUS-STIFTUNG  ዝበሃል ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ዝኾነ ማኅበር፥ ብምኽንያት ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ናይ መሰል ግህሰት ንዝተፈጸሞም ኩሎም፥ ዝጣበቕ ማኅበር ከም ምዃኑ መጠን፥ ነቲ ብምኽንያት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅዱስ-ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝቕበሉዎ ዘለዉ ግፍዒ፥ ኢ ሰብኣዊ ምዃኑ ተቓውሞኡ ንምግላጽ’ዩ፥ ነዚ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዓቢይ-ሽልማት ክመርጾም ዝኸኣለ። እዚ ድማ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል፥ እቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝግበር ዘሎ ፖሎቲካዊ ተጽዕኖ’ኳ ከቢድን ፈታንን እንተኾነ፥ ቅዱስ ኣቦና ክንብርከኹን ቤተ-ክርስቲያና እውን ኢዳ ክትህብ ግን ኣይተራእየትን።

እዚ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ክብሪ-ሽልማት’ዚ ዝተቐበሉዎ፥ እቶም ዓቢይን ክቡርን ኣቦና ብፁዕ-ኣቡነ መቃርዮስ እዮም። ከመይሲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር ከም ምዃኖም መጠን፥ ኣብቲ ብ7 ታሕሳስ 2013 ዝተኻየደ ሥነ-ሥርዓት ብምርካብ፥ ካብዚ ዝተባህለ ትካል ተወኪሎም ካብ ዝመጹ Walter Flick ዝተባህሉ ክቕበሉዎ ክኢሎም። እቲ ኣብቲ ኣደራሽ ተረኺቡ ዝነበረ ሕዝቢ ድማ፥ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ብድሙቕ ጣቕዒት ከሰንዮ ኣብ ርእሲ ምርካቡ፥ ነቲ በዓል ንምምዕራግ ተባሂሉ’ውን ብናቱ ተበግሶ፥ ንኹሉ ዝኣክል ሽሻይ ብምቕራብ ዝምስገን ተግባር ምፍጻሙ ክጥቀስ ግቡእ እዩ።

እቲ ሽልማት ድሕሪ ምቕባል ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ዘስምዑዎ ቃል፥ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ከቢድ ጸገም ምህላዋ ስለንፈልጥ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ጓሂ ልብና ክንዛረብ ጸኒሕና ኢና። ኅብረተ-ሰብ ዓለም’ውን ንኣውያትና ግቡእ መልሲ ክህብ ጸኒሑ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ነቶም ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ዝጻወቱ ዘለዉ፥ ክሰልኩሉ ዝኽእሉ ማዕጾታት ኣብ ገጾም ብምዕጻው ንድሕሪት ክመልሶም ዝጸንሐ። ከም መቐጸልታ እቲ ዝሓለፈ ኩሉ’ውን፥ እንሆ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ዎርልድ ካውንስል ኦፍ ቸርችስ ኣብ ደቡብ- ኮርያ ኣብ ዝጸውዖ ጉባኤ፥ እቲ ብዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝተመርሐ ጉጅለ ብዘሕፍር ውርደት፥ ካብቲ ጉባኤ ተደፊኡ ክወጽእ ከምዝኸኣለ ዘይሰምዖ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ደገፍ ኅብረተ-ሰብ ዓለም ስለዘሎና በይንና ኣይነበርናን፥ ሕጂ’ውን በይንና ከምዘይኮንና’ዩ እዚ ዝወሃበና ዘሎ ሽልማት ዘረጋግጸልና ዘሎ። ስለዚ’ውን እግዚኣብሔር ምሳና ስለዘሎ እቲ መከራናን ጸበባናን ዝውድኣሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ነዞም ኣብዚ ጸቢብ ዝኾነ እዋን’ዚ ምሳና ደው ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ-መሰል ድማ፥ ብስም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን፥ ብስም’ቶም ንሾሞንተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ሞቑሕ ዝርከቡ ዘለዉ ብፁዕ-ኣቦናን፥ እነቕርቦ ምስጋና ወሰን የብሉን . . . . . ብምባል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዘረብኦም ፈጺሞም።

ካብዚ ብምቕጻል ድማ ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝጸንሐ መርሓ-ግብር መሠረት፥ ነቶም ኣብ ባሕሪ-ላምባዱሳ ተዋሒጦም ዝጠፍኡ 360 ወገንናን ኣኅዋትናን፥ ጸሎተ-ፍትሓት ክግበረሎም ተወሲኑ ስለ ዝጸንሐ፥ ብፁዕ-ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሑዎ ሥርዓተ-ጸሎት ተኻይዱ። “ኣዕርፍ ነፍሶሙ ውስተ መካን ሥዑር፥ ወሃበ ማየ ዕረፍት” እናተባህለ ድማ እቲ ዝግባእ ሥርዓተ- ፍትሓት ክፍጸመሎም ክኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ . . . . . ኩላትና ከም እንዝክሮ ደቅና ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮኑን ዝሞቱ ዘለዉ። ብዙሕ እዋን ተመሳሳሊ ኩነታት ከጋጥም ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሠለስተ-ዓመት’ኳ ኣብ ባሕሪ-ሜዲተራንያን ልዕሊ 400 ደቅና ተዋሒጦም ከምዝጠፍኡ ክንርስዖ ንኽእል ኣይኮነን። እቲ ተጻዒኑና ዘሎ መዓት ስለ ዘይተወድአ ግና፥ እንሆ ሕጂ’ውን ሕዝብና ኣብ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ይርከብ ኣሎ። ኣላይን, ኣካብን, ሓብሓብን ዝሰኣኑ መንእሰያትና፥ ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ብትን ኣትዩዎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ክጠፍኡ ክብሉ፥ ኣብ ዘይሓሰቡዎ ባሕሪ ተዋሒጦም ምጥፍኦም መደበስታ ዘይብሉ-ሓዘን’ዩ ንሕዝብና ኮይኑዎ ዝርከብ ዘሎ። ኣነ ግን ንእግዚኣብሔር ይግባይ ኢለ’የ። ንኹሉ መወዳእታ ከምዝህልዎ ድማ ተስፋ ኣሎኒ። ዕድመ ገፋዕቲ ነዊሕ ዝኸይድ ስለ ዘይኮነ፥ ብሕጊ ናይ እትመሓደር ሃገር ዜጋታት እንኾነሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። እንተኾነ ብመገዲ-ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ከምዘድልየና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ደም-ሠማዕታትና ኣብ መንበረ- ፀባዖት ቀሪቡ የእዊ እዩ ዘሎ። እቲ መልሲ ድማ ርሑቕ ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ብሞት ንዝተፈለዩና ኩሎም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ዘየቋርጽ ጸሎትና እዩ ብምባል ብፁዕነቶም ነቲ መደብ ብጸሎተ-ቡራኬ ፈጺሞሞ።

ብዝተረፈ እቲ ጠቕላላ ኣገልግሎት ክፍጸም ዝኸኣለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ-ጊዮርጊስ ኣብ ዘዳለዉዎ ኣደራሽ እዩ። ነቲ ሥነ-ሥርዓት ዕዉት ንምግባር’ውን፥ እቶም ሓላፊ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ካህን ቀሲስ-ጳውሎስን ምእመናኖምን ዘርኣዩዎ ተወፋይነት ኣዚዩ ዝምስገን እዩ። እቲ ብብጊሓቱ ብብፁዕ-ኣቦና ተመሪሑ ክካየድ ዘርፈደ ቅዳሴ ከኣ፥ ኣብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን በጺሑ ብዙሓት መንእሰያት ዝሳተፉዎ ኮይኑ ምርኣይ፥ ኣዚዩ ዘሐጉስ ተርእዮ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ቤተ-ክርስቲያን’ዚ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ፥ ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ጠመተ ገይሩ ዝሠርሕ ብምዃኑ እዩ። ስለዚ’ውን ከም ሞዴል ክውሰድ ዝግብኦ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ እንተተባህለ ዝበዝሖ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እቶም ትጉህን ህርኩትን ዝኾኑ ቀሲስ-ጳውሎስ፥ ንዝበለጸ ሥራሕ ክተግሁ ናይ ብዙሓት ተስፋ እዩ።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ብፁዕ-ኣቦና ንሠለስተ-ቈልዑት፥ ዘመርቲ ኢሎም ባሪኾሞም እዮም። ብዝተረፈ ኣብቲ ዝወዓለ ጠቕላላ ኣገልግሎት ንብፁዕ ኣቦና ተራዳእቲ ኮይኖም ኣብ ኣገልግሎት ኃቢሮሞም ዝወዓሉ ካህናት፥ ቀሲስ-ተክለማርያም ምርካጽዮን, ቀሲስ-ጳውሎስ, ቀሲስ ፋኑኤል ሓጎስ እዮም።

ዘኣንበሳ ማርቆስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...