ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባንኪ ዓለም
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባንኪ ዓለም ካብ ሃገርና ንምውጻእ ምድላዋቱ ይውድእ ኣሎ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዝዓሉ ህዝባዊ ናዕቢ ንምክያድ ዝሃቀነ ምንቅስቃስ ከምዝገበረ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣለኒ ብምባል ምልክነት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ምህዞ ኩለን ናይ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ትካላትን ክወጻ’ውን ዝኣዘዘሉ መምርሒ ዘስዓበ ብምዃኑ ብዙሓት ትካላት ካብ ሃገርና ንምውጻእ ምድላዋት ይውድኣ ኣለዋ ክብሉ ምንጭታት ወጋሕታ ሓቢሮም።
ብመሰረት’ዚ ባንኪ ዓለም ካብ ሃገርና ንምውጻእ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ብዝተረፈ ሓደ ሰራሕተኝኡ ኣቢሉ ንብረት ናይ ምእካብ ስራሕ ዘሰላስል ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ዝገብሮ ድጋፍ ከምዘቋረጾ ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ብሪቲሽ ካውንስል ካብ ሃገርና ንምውጻእ ዘኽእሎ ምድላዋት ከምዝጀመረን ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት‘ውን ዝኾነ ዓይነት ፕሮጀክት ስለዘይብሉ ካብቶም ዝወጹ ሓደ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እቲ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ብተወሳኺ ኣነጺሩ’ሎ።
---------------------------------------//////----------------------------------------