ስርዓት ህግደፍ ግፋ ንኸካይድ ይዳሎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
 
ንህዝቢ ኤርትራ ብወረ ኲናትን ማእዝኑ ንምስሓት ካብ ምዕልባጥ ዓዲ ውዒሉ ዘይፈልጥ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕለት 27/01/2010 ንመራሕቲ ጉጅለን መራሕቲ ቁሸታት ጻውዒት ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣኼባ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ፡፡

ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ’ዚ ኣኼባ ስርዓት ወያኔ ካብ መሬትና ምውጻእ ስለ ዝኣበየ ተቓሊስና መሬትና ክነምልስን ኢና፣ ነቶም ገዳይም ሰራዊት ጡረታ ኣውጽኢና ብመንእሰያት ንምትካእ፣ ካብ ነፍስ ወከፍ ዓዲን ቁሸትን መንእሰያት ክተዋጽኡ ኢኹም ኢሉ ከም ዝኣወጀ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ወሲኹ፡-
  1. ካብ ባረንቱ ቢያኣራ 80 ሰባት ንክምዝግቡ
  2. ካብ ባረንቱ ኣውዳ 90 ሰባት
  3. ካብ ባረንቱ ሰላም 70 ሰባት
  4. ካብ ቁሸት ዳሴ 80 መንእሰይ
  5. ካብ ቁሸት ፎደ 80 መንእሰይ
  6. ካብ ቁሸት ኮና 100 መንእሰይ
  7. ካብ ቁሸት ካርካሻ 38 መንእሰይ
  8. ካብ ቁሸት ታይካናባ 35 መንእሰይ
  9. ካብ ቁሸት ኡጉሙ 25
  10. ካብ ቁሸታት ማሪቲን ቱታኩራ 12 መንእሰያት
ንኽምዝግቡ ንሓለፍቲ ጉጅለታትን ኣመሓደርቲ ቁሸታት ከም ዝኣዘዘ እቲ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
 
ብተወሳኺ እቲ ዜና፣ ቅድሚ ሕጂ ረድኤት ክህበኩም እየ ብዝብል ሽፋን ኣብ ከባቢታት ብሄር ኩናማ ከካይዶ ዝጸንሐ ምዝገባ ስድራ ቤታት ሓይሊ መንእሰይ ንምፍላጥን ነዚ ዝተኣልመ ግፋታት ንምክያድ ከም ዝኾነ እቲ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ኣቃሊዑ፡፡

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...