ደራስን ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽን ዝነበረ ዮናስ ወልደሩፋኤል፣ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምዕጥርን ዊዓን ድሕሪ ምስቓዩ ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ይሓትት ምህላዉ ተፈሊጡ።
 
ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኣዳላዊ መደብ “ጠመተ ናብ ገጠር” ዝነበረ ዮናስ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ YWRH ዝፍለጥ ናይ ብርዒ ስም፣ ነቲ ዘይስሩዕ ፖሊሲታት መንግስትን ትግባረታቱን ዝነቅፍ ዓንቀጻትን ግጥምታትን ዘበርከተ እዩ። ኣብ ጋዜጣ ሰላም ከም ኣባል ምድላው ቦርድ፣ ብፍላይ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ድማ ከም ኣዳላዊ ዓምዲ ማሕበራዊ ህይወት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ከኣ፣ “ዓይኒ ዝተዓዘበቶ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓምዲ፣ ንጋሕማጥ ኣሰራርሓ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝነቅፍ ጽሑፋት ብምስፋር ጋዜጠኝነታዊ ሓላፍነቱ ዝተዋጽአ እዩ።
 
ብስነ-ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ 2001 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተመረቐ ዮናስ፣ ኣብ 2006 “መስትያት ዲያቆን” ዘርእስታ መጽሓፍ  ብምጽሓፍ፣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ ኣብ ምውሃብ ሲመተ ማዕርግ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ክትገብር ዝጽውዐ እዩ።

ደቀንስትዮ፣ እቲ ብቤተክርስቲያን ዝፍቀደለን ክነሱ ተነፊግወን ዘሎ፣ ማዕርግ ሲመተ ዲቁና፣ ክወሃበን ከምዝግባእ እውን ደራስን ጋዜጠኛን ዮናስ ወልደሩፋኤል፣ ኣብታ መጽሓፉ ብተወሳኺ ጸዊዑ ኣሎ።
 
ከምዝፍለጥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ካብ 2005 ኣትሒዛ፣ መንግስቲ ብዝሾሞ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ እያ ትምራሕ ዘላ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...