ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰን፣ ብመንግስቲ ናይ ዝውነን ንግድዊ ባንክ ዋና ኣካየዲ የማነ ተስፋይን፣ ኣጽዋር ንኽገዝኡ ናብ ዩክረይን ነቒሎም ይበሃል ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ሕ.መ. ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ኸሎ ንሓይሊ ኣየር ዝኸውን ኣጽዋር ንምሽማት ዝግበር ዘሎ ናይ ሸበድበድ መገሻ ይመስል ይብሉ ተዓዝብቲ። እዞም ምንጭታት እዚኦም ብተወሳኺ፣ ሰለስተ ሰበ ስልጣን ማለት፣ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀን፣ ኣላሚን መሓመድ ስዒድን ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም (ወዲ መምህር)ን ኣብ ሕክምና ኣብ ወጻኢ እንከለዉ ብህጹጽ ክምለሱ ተኣዚዞም ኣለዉ ይብሉ። እዚ ክልቲኡ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ሰለሰተ ናይ ሕ.መ. እገዳ፣ ማለት ናይ ኣጽዋርን፣ ናይ ንብረት ምድስካልን፣ ናይ መገሻ እገዳን ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ።  

ኤርትራ ንግድዊ ባንክ ዋና ኣካየዲ የማነ ተስፋይን ቀንዲ ኣጽዋር ትሸይጥ ሃገረ ዩክረይን እያ፤ ብፍላይ ድማ ንሓይሊ ኣየር። ናይ ኤርትራ ሓይሊ ኣየር ዓለምትን ተኪኒካውያንን ጥራሕ ዘይኮነ ዝበዝሐ ነፈርቲ እውን ካብ ዩክረይን እዩ ዘመጽእ። ብፍላይ እቲ ኢስ-27 ቀጻሊ ምክንኻንን ናይ መለዋወጢ ኣቑሑን የድልዮ እዩ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ናይ ንግዳዊ ባንክ ዋና ኣካየዲን ብፍላይ ምኻዶም፣ እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ እንከሎ ንሓይሊ ኣየር ዝኸውን ኣገደስቲ ኣጽዋር ንምግዛእ ዝግበር ናይ መወዳእታ ናይ ተብተብ ሸመታ መገሻ ይመስል ይብሉ ገለ ናይ መንግስቲ ሓለፍቲ። ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ብሰንኪ እዚ እገዳ ከመጽእ ዝኽእል ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኣየር ጸብለልትነት ኣዝዩ የሰክፎ እዩ።

እዚ ምስ ዩክረይን ዘሎ ርክብ እናበርሀ ከሎ፤ ክልተ ክዝከራ ዘለወን ጉዳያት ኣለዋ። ቀዳማይ፣ እቲ ብኤርትራ ተመዊሉ (ፊናንሲያዊ) ናብ ሕሉፋውያን ሶማላውያን፣ ነቶም ምስ ኣል ቃይዳ ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ናይ ሽበራ ውድብ ኣል ሸባብ እውን ወሲኽካ ዝለኣኽ ኣጽዋር፣ ዩክረይን ብእትውንኖ ናይ ኣንቶኖቭ ነፍርቲ እዩ ዝግዕዝ። ካልኣይ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኲናት እናተኻየደ እንከሎ፣ ሓንቲ ሸጓጉጥ ዝሓዘት ናይ ዩክረይን ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ወዲቓ።

እቲ ዝፍታሕ ዘሎ ካልእ ሕንቅል ሕንቅሊተይ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ምልውዋጥ ስለዘድሊ ጥራሕ እዩ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ቀንዲ ባዕሉ ናይ ባንክ ኣካያዲን ኣድለይቲ ኾይኖም ተረኺቦም ዘለዉ። ጽባሕ እንታይ ከምዝመጽእ ኣብ ዘይፍለጠሉ ዘሎ እዋን፣ ናይ ብግዜ ይኹን ብምቃል ናይ ምኽፋል ዕድል የልቦን። ስለዚ ኣብኣ እንከላ ብጥረ ገንዘብ ክኽፈል ኣለዎ። እዚ እውን በቲ ነቶም ጌና ኣስማቶም ብሕ.መ. ዝወጽእ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ናይ ንብረት (ጥረ ገንዘብ እውን) ንምድስካል ዝወጸ ትእዛዝ ዘስዓቦ ዘሎ ኩነት እዩ። ኤርትራ ንባዕላ ይኹን ንካልኦት ናይ ሽበራ ውድባት ንምዕጣቕ ኣብ እትገብሮ ናይ ኣጽዋር ምሽማት፣ ብስውር ኣገባብ ስለዝኾነ ከመይ፣ በየን፣ መዓስን፣ ብናይ መን ሽምን ክመዝመሓላለፍ ኣይፍሉጡን እዩ። ናይ ሕ.መ. እገዳ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ምስወዓለን እቲ መስርሕ ምስተጀመረን፣ ናይዚኣቶም ንብረት ብመጀመርታ ክድስክል ስለዝኽእል እዩ ኣውራ ንኤርትራ ዘሰክፋ ዘሎ።

ኣብ መደምደምታ ብውሳነ ሕ.መ. ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንኸይገሹ ክእገዱ እዮም ዝበሃሉ ናይ ወተሃደራውን መንግስታውን ሰበ ስልጣን ኣስማት ዋላ ሓደ ስለዘይፈልጥ፣ መንግስቲ ክጽበ ኣይደልን እዩ። ጀነራል ተኽላይን ኣካያዲ የማነ ተስፋይን ዝኣመሰሉ ሰበ ስልጣን ኣስማት እውን ኣብቲ ዝርዝር ናይ ምእታው ተኽእሎ ኣሎ። ነዚ ኣጣራጣሪ ኩነት ንምሕላፍ እዩ እቶም ገበርትን ሓደግትን ጌና ከይተሎዅቱ ከለዉ ምልኣኾም ተመሪጹ ዘሎ።

እዞም ክልተ ሰባት ክእለት ዘለዎምን ኣዝዮም “እሙናት” እዮም። ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ኣቐዲሙ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 3፣ ጸኒሑ ኣዛዚ መደበር ታዕሊም ሳዋ (ናይ ግዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየደሉ)፣ ምስኡ ድርብ ስራሕ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ እዩ። ተኽላይ ሃብተሰላሰ ናይ ሓይሊ ኣየር ንሃብተጼን ሓድጉ ተኪኡ እዩ መጺኡ። ሃብተጼን ሓድጉ ድሕሪ ምሽራቡ ብዙሕ ዒሚም ተባሂሉ ነይሩ። ተኽላይ ሃብተስላሰ፣ በዓል ቤታ ንልኡል ገብረኣብ፣ ናይቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ (ሃ.ማ.ደ.ኤ.) ኣደ መንበር እዩ። የማነ ተስፋይ ብግዜ ደርጊ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ (ሕጂ ኤርትራ) ናይ ንግዲ ባንክ ኣብ ዝሰርሐሉ ዝነበረ እዋን ገንዘብ ካብቲ ባንክ ወሲዱ ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ነበር እዩ። ድሕሪ ነጻነት ድማ ናብ ንግዳዊ ባንክ ከም ሓላፊ ተመዚዙ።

እዚ ናይ እገዳ ውሳነ ኣስዒብዎ ዘሎ ካልእ ጉዳይ፣ ኣብ ኤውሮጳ ንዝጸንሑ ኣላሚን መሓመድ ስዒድን ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀን፣ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹምን (ወዲ መምህር) ብህጹጽ ናብ ኤርትራ ተመለሱ ዝብል ትእዛዝ ካብ ኣስመራ ምምጽኡ እዩ። እቲ ንመገሻ ዝእግድ ናይ ኣስማት ዝርዝር (ጸሊም ሊስት) ጌና ኣይተዋጽአን ስለዘሎ፣ እቶም ኣብኡ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ኩሎም ንሃገሮም ክምለሱ ተኣዚዞም ኣለዉ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ በዚ ናይ እገዳ ውሳነ ኣዝዮም ተናዊጾም ስለዘለዉ፣ መንግስቲ ብዝከኣል መጠን ሰባት ንኸይሃድምዎ ይከላኸል ኣሎ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እንተድኣ ሞሊቖም ተሪፎም፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታትን ናይ ወጻኢ ኣብያተ ጽሕፈት ዘለዉ ታሕተዎት ሰራሕተኛታት እውን ጉጅለኣዊ ናይ ህድማ ኣራግጽ ከይስዕብ እዩ እቲ ፍርሒ።  

እዚ ክልተ ምዕባለታት፣ ኤርትራ ናይ ሕ.መ. ውሳነ ንኽትቕበል ድልውቲ ከምዘይኮነትን፣ ንነዊሕ እዋን ብምንቃጽ ንዝመጽእ ናህሪ ናይዚ ውሳነ ትግባረ ክትጻወሮ ከምዝትጸበ ዘላ እዩ ዘምልክት። እዛ ንጽልቲ ኮይና ዝጸንሐት ሃገር፣ ናይ ከበባ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕዝባ ዘተኣታተወትን፣ ካብ ኣህጉራዊ ዓለም ብቑልጡፍ እትፍለን ዘላ ሃገር እያ። ካብ ናይ ኢጋድን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ውድብ ወጺኣ እያ። ከምኡ’ውን ድሕሪ ናይ ዩኒሚ ናይ ሰላም ዓቃብ ሰራዊት ካብቲ ሃገር ድሕሪ ምብራራ፣ ምስ ሕ.መ. ዘለዋ ዝምድና ካብ ክፉእ ናብ ዝገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...