ሕ.መ. ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ብሕጊ የተግብር። ናይ ሕ.መ. ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ኤርትራ ኣብ ሶማል ንእስላማውያን ተቐናቐንቲ እትገብሮ ሓገዝ ሰንኪ እዩ ኣብዚ ውሳነ እዚ በጺሑ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ እውን ናይ ምጋሽ ምድራትን፣ ኣብ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ድማ ናይ ንብረት ምድስካል ከኸትል እዩ።

ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ኤርትራ እዚ ውሳነ ይምልከቶም ምዃኑ ይግመት። እቲ ናይ እገዳ ውሳነ ብ13 ካብ 15 ድምጺ እዩ ጸዲቑ።

ቻይና ድምጺ ካብ ምሃብ ክትቁጠብ እንከላ እታ ሓንቲ ናይ ባይቶ ዓረብ ኣባል ዝኾነት ሊብያ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጻ።

ነዚ ኤርትራ ትገብሮ ተባሂሉ ዘሎ ክሲ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ብዙኅ ግዜ ነጺጎምዎ እዮም። ናይ ኣሜሪካ ኣካል ስለያ “ፈጠራን” “ምስ ዕሽነት ዝመሳሰል ዘገርም እዩ” ይብሉ።

እታ ሃገር እዚ እገዳ ኣብ መጋባእያ ብሚያዝያ ምስቀረበ፣ ነዚ ብምቅዋም ኣባልነታ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሲሒባ ነይራ።

ብሮይተርስ ዝተረኽበ ንድፊ እገዳ ኤርትራ “ኣጽዋር ንዝሓዙ ጉጅለታትን ኣባላቶምን ንኣል ሸባብ እውን እንተኾነ ምሕጋዝን ምዕላምን ንዋትን ካብ ምሃብ ክትቁጠብ ይጠልብ” ይብል።  

ብድሕሪ’ቲ ብ2006 ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተገብረ እገዳ ንደሓር፣ ንመጀመርታ እዋን ኤርትራ ናይ ሕ. መ. እገዳ ዝግበረላ ሓዳሽ ሃገር ትኸውን ኣላ።

ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር፣ ኣርኣያ ደስታ፣ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ እዚ እገዳ እዚ ““ምስ ዕሽነት ዝመሳሰል ዘገርም (ludicrous) መቅጻዕቲ ስጉምቲ” በለ።

ከምኡ እውን ናይዚ እገዳ እዚ ኣብ ተግባር ምውዓል፣ “ንኢትዮጵያ ናይ ወተሃደራዊ ዕንደራ ክትግብር ብምድፍፋእ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ናይ ምንዋጽ ኩነት ከእቱ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ እዚ ናብ ሶማል ዝኸይድ ናይ ኣጽዋር ዋሕዚ ካብ ዝግደሰሉ ነዊሕ እዋን ገይሩ እዩ። ኣብቲ ሃገር ዝርከቡ ሕሉፋውያን ናይ ኣልሸባብ እስላማውያንን ህዝቡል-ኢስላምን ንርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ንምቁጽጻር ምስ ናይ መንግስቲ ወከልቲ ይዋግኡ ኣለዉ።

ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣብ ሶማል ካብ ዝግበር ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ሞቓድሾ ዕዳጋስ ኣጽዋር ከምድላይካ ዝርከበሉ ኩነት እዩ ዘሎ።  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...