ዝኸበርኩም ዓማዊል መርበብ ኣዝማሪኖ፤ ነቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብጉልባብ "ፈስቲቫል" ዘካይዶ ምዝራፍ ገንዘብን ምንዛሕ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ንምኽሻሕ፡ ልኡኻት(ካድራት)ኢሰያስን ፈስቲቫላቶምን ናብዘዝኣተውዎ እናኣተዉ፡ ራህዋ ህዝቦም ከምማይ ዝጸምኦም ሃገራውያን ዕዉት ሰላማዊሰልፍታት የካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኢዩ። በዚመሰረት ድማ ትማሊ ቀዳም 1 ነሓሰ 2009፡ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተወሳኺ ኣድማዒ ሰላማዊሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ። እቲ ዝናብ እናዘነበ ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊሰልፊ፡ ሰብስልጣን ህግደፍ ናይ ኣኼባ ኣደራሽ ብሕቡእ ክቐያይሩ ዝቐሰበን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ሽወደን ዝሰሓበን ኣብርእሲ ምንባሩ፡ ህግደፍ፡ ስም"ኤርትራዊ ማሕበረሰብ" ተጠቒሙ"ንመካየዲ እቲ ፈስቲቫል" ኢሉ ብምድንጋር ዝወሰዶ 50 ሽሕ ክሮነር፡ እቲ ሓቂ ስለተገልጸ፡ ብቐስበን ክመልሶ ምዃኑ ብበዓልቲ መዚ ናይ'ቲ መዋሊ ኣካል ዝተበሰረሉ፡ ኮታ ህግደፍ ጥራይዝባኑ ዝወጸሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ናብ ስታፍ ኣዝማሪኖ ዝበጽሐ ሓበሬታታት የረጋጊጽ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ካብ'ዚ ኣስዒብና እምበኣር ኣንቶንዮ ተስፋይ ዝለኣኸልና ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ዝቐረበ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ'ቲ ሰላማዊሰልፊ ነቕርበልኩም። 

 

                                                   ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ሰልፊ፡ ጽኑዓት ደቂ ሃገር፡ ኣባላት ፖለቲካውያን ሰፍልታት፡ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን፤

ብመጀመርታ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። እዚ ሎሚመዓልቲ፡ ስራሓኩም ጉዳይ ስድራቤትኩምን ደቅኹምን፡ ወጊንኩም ብዝለዓለ ደረጃ ድግዲጊት ተዓጢኹም ተበጊስክምሉ ዘለኹም ሳልሳይ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ነቲ ማንም ክድምስሶን ክሓኮን ዘይክእል መሰልኩምን መሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራን ንምርግጋጽ'ዩ። ከም'ቲ ጨርሒ ብሓንቲ ጉዑር እትጅመር፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ጽንዓት ዝመልኦ ተቃውሞታት ብሃገራውያን ከኣ ኣብ መወዳእታ ኣሰር መሰልን ፍትሕን ዝገድፍ ድልዱል መንደቕ ሙሉእ ናጽነትን ሓርነትን ከምዝኸውን ዘየጠራጥር'ዩ።

ዝኽበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፤

ሎሚ ኤርትራ 18 ዓመት ዘቑጸረት ልዑላዊት ሃገር እያ። እወ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ቅድሚ ሕግን ታሪኽን፡ ኣብ ቅድሚ ኣማኢት ኣሽሓት ስውኣት፡ ኣብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ውጉኣት ሓርነት፡ ኣብ ቅድሚ ጅግና ተጋዳላይን ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ልዑላዊት ሃገር'ያ።

እንተኾነ እቲ ንኤርትራ ኣብ ደረጃ ሃገር ዘብጽሐ ሞያ ፖለቲካ፡ ታሪኽን፡ ጅግነታዊ ተጋድሎን ህዝቢ ኤርትራ ክድምስስ፡ ልዕላውነትን ስምን ሃገር ከጥፍእ፡ ንህዝባ'ውን ክበታትንን ከጥፍእን ዝተዓጥቐ፡ መብጽዓ ጠሊሙ ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ፡ ማሕበራዊ ፍትሒን ማሕበራዊ ዕብየትን ዓጊቱ፡ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ይፈታትን ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ህዝቢ ናይ ምጽናትን፡ ስም ሃገር ናይ ምጥፋእን ነዊሕ ስጉምቲታት ከይዱ ይርከብ።

እቲ ትማሊ ትማሊ፡ "ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ" ዝብል ዝነበረ ተበጃዊ ጅግና ህዝብና፡ ብሰሪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝዘርኦ ኣጸያፊ፡ ጠላሚ፡ ከሓዲ ዘየተኣማምን ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ንህዝብና ብዘይካ ናይ ነፍሱ ናይ ካልእ ሓላፍነት ክወስድ ኣብ ዘይክእለሉ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪዱ ብንኣሽቱ ነገራት ክዛረብ ከም ዝውዕል ገይርዎ ኣሎ። ብሕልፊ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ብዛዕባ ነፍሱ'ውን ክሓስብ ዘኽእሎ ኩነታት ዘሎ ኣይመስልን። እወ ብዛዕባ ነፍሱ'ውን ክፈልጥ ከም ዘይብሉ ሓጊግሉ ስለዘሎ።

ምልካውያን ስርዓታት፡ ንሓደ ሓያል፡ ሓድነቱ ዘመስከረ፡ ተሓላላዪን ተሓጋጋዝን ህዝቢ፡ ነቲ ንዕኡ ዘቖመ ንያት፡ ቅርጺን፡ ያታዊ ባህልን ብምፍራስ፡ ምልካውነቶም ንምርግጋጽ ብዘዋፍርዎም ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን፡ ናይ ራዕድን ሽበራን ጸጥታዊ ትካላት ብምትካእ፡ ህዝቢ ንገዛእ መንነቱ ክጋግየሉ ኣብዝኽእል ደረጃ ኣብጺሖም የዳኽምዎ።

ህዝብና ሓሪሱ ይኹን ሰሪሑ መዓልታዊ ህይወቱ፡ ደቁ፡ ናብርኡ ክናቢ ከምዘይክእል ብምግባር፡ ይርከብ ኣይርከብ ተጸባዪ፡ለማንን ጸጋዕተኛን ናቱ ናይ'ቲ ምልካዊ ስርዓት ከም ዝኸውን ብምግባር፡ ንያቱን ሓቦኡን ደቚስዎ ይርከብ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንተመሃሮ ካብ እግሪተኽሎም ኣትሒዙ በቲ ንሱ ዝደልዮ ኣገባብ ንምልማል፡ ፍቕሪ ወለዶም ከይጸገቡ ገና ደቂ ዓሰርተታት ዓመት እንከለዉ ካብ ስድራቤቶም ፈሊዩ ብምውሳድ፡ ኣብ ሓደ ፍጹም ብወተሃደራዊ ሕጊ ዝምእዘዝ ህግደፋዊ ምልካዊ ስድራቤት ከምዝዓብዩን ከምዝምልመሉን ይገብር። መላኺ ስርዓት ኩሉ ግዜ ብመንእሰያት ስለዝሰግእን ከይደቀሰ ስለዝሓድርን፡ መንእሰያት ነንሕድሕዶም ከምዘይሰማምዑን ከምዘይተእማመኑን ጌሩ ክናብዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ ምስ ኩለን እተን ናይ ጭውያ፡ ናይ ማእሰርቲ፡ ናይ ቅትለት ትካላቱ የላልዮምን የፋልጦምን። እዚ ማለት ከኣ ብዘይካ ነቲ ዝተዋህቦምን ዝተባህሎምን ምፍጻም ካልእ ምርጫ ከምዘይብሎም ክፈልጡ ምግባር እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንለባማትን ወራዙ ዓበይቲዓዲን፡ ንምሁራት ደቂሃገርን፡ ካብ'ቲ ነታ ሃገር ክጠቕማ ዝኽእል መኣዲ ምኽሪ ይኹን መኣዲ ምውርራስ ፍልጠት ከምዝርሕቁ ይገብር። ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝተፈላልየ ምኽንያታት ብምፍጣር፤ ይኣስሮም፡ የከላብቶም፡ ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝበልዩን ከይተመልሱ ከምዝጠፍኡን ምግባር፡ ከምቀንዲ ዕላማን ኣሰራርሓን ምልካውያን ስርዓታት፡ ዕላማን ኣሰራርሓን ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ከም'ቲ ንሓንቲ መኪና ኣገዳሲ ኣካላታ ኣመላሊቝካ ከምዘይትሰርሕ ኩምራ ሓጺን እትገብራ፤ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እውን ጾታን ዕድመን ብዘይፈሊ ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብና ድሂሉን ኣጃጅዩን፡ ነቲ ህዝብና ዝመሓደርሉ፡ ዝናበየሉን ዝኣምነሉን ጽቡቕ ያታ ኣሞላሊቝ፡ ከም ሓደ ዋጋን ክብርን ዘይብሉ እኩብ ህዝቢ ገይርዎ ይርከብ። ሓደ ክመርጽን ክምረጽን መሰል ዘይብሉ፡ ሓሳቡ ብናጻ ዘይገልጽ፡ ባይቶ ይኹን ባዕሉ ዘቖሞ መንግስቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ሓደ ንጡፍ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ሃገር ተሳትፎ ዘይብሉ ህዝቢ ከኣ ከም ሓደ እኩብ ህዝቢ ጥራሕ'ዩ ክልለ ዝኽእል። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከኣ ነዚ ዝመስል ምሕደራ'ዩ ዘዘውትር።

ህዝብና ካብ ኩሉ ንጡፍ ሃገራዊ ዕማማት ስለዝበዀረ፡ በቲ ዝኸፍአ መልክዕ ናይ ምልካውያን ምሕደራ ይሳቐ፡ ብጥሜትን ብሕማምን ተጠቒዑ፡ ንህጻናት ደቁ ዝዕንግለሉ ድራርዕለት ይኹን፡ ሓሚሙ ዝፈወሰሉ መድሃኒት ስኢኑ ይርከብ። ስለዚ ድማ ከም'ቲ ተጣበቕቲ ሞያውን ሰብኣውን መሰላትን ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ማዕከናትዜናን ክገልጸኦ ዝጸንሓ፡ ኤርትራ እታ ዝዓበየት ቤትማእሰርቲ ኮይና ኣላ።

ህዝቢ ኤርትራ ንብረቱን መሬቱን ተራስዩ፡ ውሉዱ ተሓዲጉ ከይኣኽሎ፡ ኣማስይኡ ብሰንኪ'ዚ ብዝሓደሮ ጓሂ ይሓምም፡ ይማስንን ንሞት ይቃላዕን ኣሎ። ሓረስታይ ቅድም ግራቱ፡ ጸኒሑ ከኣ ነዊቱን ማዕጺዱን ብህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ተሃገረ፡ ከም ሓደ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብ ኣብ ምድሪ ቤት ተጨቢጡ ክነብዕ የሕልፎ ኣሎ። ሰራሕተኛ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብናጻ ከምኡ እውን ብዘይብቁዕ ደምዝ ካብ ዝሰርሕ እንሆ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሓመዱ ነጊፉ ከብዱ ብጓሂ ተሓሚሱ ይነብር ኣሎ። ተመሃሮ ናውቲ ትምህርቶም ተሓዲጎም ኣጽዋር ክሕንገጡ ናብ ውትህድርና ንሳዋ ካብ ዝወርዱ፡ ካብ 1994፡ እንሆ 15 ዓመት ቆጺሩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ምልእቲ ስድራ ቤት፡ ሓንቲ ምልእቲ ዓዲ ዝበሃል ዝርከባ ሃገር ኣይኮነትን። ስድራ ቤታትና ብስንኪ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ዝበታተና ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እተን ዓድታት'ውን ኣሰር ናይ'ታ ስድራ ቤት ክስዕባ ግድነት'ዩ። ጽባሕ ከኣ እታ ሃገር።

ስደት ኤርትራውያን፡ ኣብ መንእሰያት ጥራሕ ኣይተደረተን፡፡ ኣረጋውያንን ሽማግለታትን፡ ከምኡ እውን ስድራቤታትን ዓድታትን እውን ከይተረፋ ኣደዳ ስደት ኮይነን ኢየን። ስለ'ዚ ድማ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብርሰት ኣብ ሃገርን ህዝብን ይፍጽም ኣሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፤

ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ፡ ኣብ ጽንኩር መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብዝነበርናሉ እዋን ዝሰዓርናዮም ኣሉታዊ ተርእዮታት፡ ድሑር ባህልታት፡ ጸረሓድነትን ጸረሃገራውነትን ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክስዕርሩን ክዓብዩን፡ ንሕብረተሰብና ናብ ዘይጥቅው ኣንፈት ክመርሑን ንርኢ ኣሎና። እቶም ብመስዋእትናን ቃልስናን ዝዓቐብናዮም ሃብታም ባህልታትናን ተሞክሮታትናን መርኣያ ብዙሕነት ህዝብናን፡ እናረኣናዮም ከም ፍግረ መሬት ተተባሕጕጎም ይጠፍኡን ይበርሱን ኣለዉ።

እዚ ዘየደቅስ ወሪዱና ዘሎ ሓደጋ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት፡ ንምፍዋሱ ኣዝዩ ከቢድ ሓላፍነት ዝሓትትን ህጹጽን'ኳ እንተኾነ፡ ከም'ቲ ርሑቕ መገሻ ብስጉምቲ ዝጅመር፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ጉድኣት ንምፍዋስ፡ በዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ሓባራዊ ሃገራዊ ወፈራ፡ ሓባራዊ መኸተ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ስዓብቱን፤ ሓይልና ኣጽኒዕናን በርቲዕናን ክንቃለስ ይግበኣና።

ፍትሒ ይንገስ

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ

ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ

1 ነሓሰ 2009

ስቶክሆልም ሽወደን 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...