ናይ ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ተመራማሪ ኣባ ይስሃቕ ገብረኢየሱስ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ ብ18ሓምለ 2009 ዓ/ም ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ ዓሪፎም፡፡ ኣባ ይስሃቕ ካብ ኣቦኦም ባሻይ ገብረኢየሱስ ክፍላይን ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ትኽኣ ሰመረን ብ1932 ዓ/ም ኣብ ዓዶም ሓላይ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተወሊዶም፡፡ ኣባ ይስሃቕ ብዘይካ ናይ ሃይማኖት ዝዝቕኑነትን ትምህርቲ  ዘመናዊ ትምህርቲ ወዲ 20ዓመት ምስኮኑ ኢዮም  ጀሚሮም።በቲ ዝነበሮም ልዑል ሃረርታ ናይ ትምህርትን ናይ ተፈጥሮ ብልሕን ክኣ እቲ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኮኑ ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብሓደ ዓመት 3ይ ክፍሊ በጺሖም ኣብታ ዓመት እቲኣ ክኣ ናብ ራብዓይ ክፍሊ ሓሊፎም፡፡ ካብዚ ናብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ማሕበር ካፒችኒ ኣትዮም፡፡ ኣብኡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ብምንባብ ፍልጠት ኣጥርዮም ፍልጠቶም ክኣ ንኻልኦት የካፍሉን የማሓላልፉን ነይሮም፡፡ኣባ ይስሃቕ ብዝነበሮም ሃገራዊ ስምዒት  ከም ብዙሓት መንእሰያት ኣብ 1975ዓ/ም ናብ ሜዳ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሽዑ ህዝብዝዊ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም፡፡


ኣባ ይስሃቕ ናይ ስነ ጽሑፍን ባህልን ምርምርን ስርሓት ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኢዮም ጀሚሮሞ፡ እቲ ዝነበሮም ክእለት ኣብ ሜዳ ኣብ ናይ ቃልሲ ዕድሜኦም ብፍላይ ክኣ ካብ 1983 ዓ/ም ንነጀው ኣዝዮም ብዙሕ ናይ ምርምርን መጽናዕትን ስርሓት ኣካይዶም፡፡

ልዑል ወኒ ተጋዳላይ ኣባ ይስሃቕ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት`ውን ብዝለዓለን ብዝበለጸን ደረጃ ሰሪሖምሉ፡፡ ክሳብ መወዳእታ 2008 ዓ/ም ብኸቢድ ዝሓመሙሉ ማለት ክሳብ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ጌሮም ብከቢድ ዝሓመምሉ ግዜ ውራየይ ኢሎም ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሖም ። ብድምር ክኣ ልዕሊ 41 መጻሕፍትን ፖስተራትን ናይ ህጻናት መምሃርን ጽውጽዋያትን ጽሒፎምን ድራማታት ኣዳልዮምን፡ ገለ ካብ መጻሕፍቶም
 
   ህዝብታት መሮኒ ፍጥረታት ገሽናሽም

   ኤርትራ 4000--2000ቅ-ል.ክ ምድረ ስሉም በዓትን ኣኻውሕን

   ምይይጥ መኣትዎ ናብ ስነ-ጥንታዊት ኤርትራ

   ኪዳናት ምኒልክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ ኤርትራ

   ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ካብ ሰብኣ ፑንት ክሳብ ልዑላን ሕርጊጎ

   ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ

   ሓደራኹም ድሩይ በልዎ

   ፍረዱ

   ኣፈፈት ቅያ

   ንቐደም በሉ------ ወ.ዘ.ተ.ኢዮም፡።

ብዘይ`ካዚ ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ብኢጣልያውያን ዝተገብረ መጽናዕቲ ካብ ኢጣልያንኛ ናብ ትግርኛ ተርጉሞም። ሓደ ካብቶም ዝተርጎምዎም መጻሕፍቲ ብኣልበርቶ ፓለራ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ዝተጸንዐ `` ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ``ዝብል 323 ገጻት ዘለዎ ንመበቆል ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ፡፡

ወኒ ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ይትረፍ ኣብ ከበሳታት ኣብ ዝሑል ኣየር ዘለዎስ ኣብቲ ህሮሩማ ወላእ-ላእ ዘብል  ጽሓይ ሳሕል ኣይግረርን ነይሩ፡፡ኣብ ማ/ቤ/ጽ ህዝባዊ ምምሕዳር ሕሽክብ ኣብ ሳሕል ብምጽሓፍ ክደኽሙ ከለው ግብስስ ኢሎም ብጎቦ ክኾኑ ቁሩብ ኣዕርፍ ምስ ኣበሉ ክኣ ብድድ ኢሎም ናብ ጣውልኦም ተመሊሶም ክጽሕፉ ከለው ይዝከረኒ፡፡

ናይ ምጽሓፍ ኣንፈት ንዘለዎም ሰባት ክኣ የተባብዕዎምን ንጽሕሑፋቶም ይእርምሎምን ርእይቶ ይህብዎምን ነይሮም ሓንቲ ካብኣቶም ኣነ ነይረ፡፡ ብዘይ`ካዚ ኣብቲ ሮቡዕ ሮቡዕ ከም ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ንጥቀመላ ዝነበርና /ኣብ ገለ እዋንናይ ሮቡዕ/ ናይ ስነ ጽሑፍ ውድድር ክንገብር ምእንታን ንመተባብዕን መምሃርን ኣብቲ መጀመርያ ባዕሎም የቕርቡ ነይሮም፡፡

ከምኡ`ውን ኣብ ሜዳ በቲ ዝነበረና ትሕዝቶ ኣመጋግባና ከነመሓይሽ ናይ መግቢ መጽሓፍቲ ይትርጉምልናን ኣሰራርሕኡ የርእዩናን ነይሮም፡፡
ዶክተር ተጋዳላይ ኣባ ይስሃቕ  ምስ ዝተፈላለየ ደረጃ ናይ ዕድመ ዘለዎ ማለት ምስ ዓቢ ምስ መንእሰይ ምስ ህጻናት ከዕልሉን ክረዳድኡን ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም፡፡

 ኣባ ይስሃቕ ናይቲ ዝበዝሕ ዕድመኦም ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ስነጽሑፍን ዘሕለፍዎ ውጽኢት ብ25/06/2001ዓ/ም ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ``ዩኒቨርስቲታስ ሳቺቲ ቺለሪ`` ብናይ ታሪኽን ፍልስፍናን ናይ ዶክተረይት መዓርግ ተቒቢሎም፡፡ ብዘይ`ካዚ ካብ``ኣካዳምያ ዩረፕያ ፕረስ ረቢዮኒኩልቱላሪ ኢኮኖሚክስ``ብስነ ባህልን ስነቁጠባን  ናይ ዲፕሎማ ሜዳል መርኣያ ብሉጽ ስርሓቶም ተቐቢሎም፡፡ በዚ ድማ ኣባል ናይቲ ኣካድያማዊ ማእከል ሙዃን ዕድል ዝረኸቡ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ኮይኖም።

ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ኣብ ሰነ 2005 ዓ/ም መበል 73 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ዘብዕልሉ ዝነበሩ መዓልቲ `` ተመስገን ሕያዋይ ኣምላኽ ምስ ምሉእ ጥዕናይን ዓቕመይን ክሳብ ሎሚ ዘጽናሕካኒ፡፡ንህዝበይን ንሃገረይን ምእንቲ ከገልግል ክኣ ቅሩብ ዓመታት ክትውስኸኒ ይልምነካ `` ብምባል ነቲ ናይ ምርምርን ምጽሓፍን ሸውሃቶም ገሊጾሞ፡፡ ካብኡ ክሳብ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብዙሕ ኣጽኒዖምን ጽሒፎምን ንሕብረተሰቦምን ሕብረተሰብ ዓለምን ኣበርኪቶም ኢዮም፡፡

ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ንህዝቢ ብመጽሓፍቶምንብጥቕስታቶምን ምሂሮም ኢዮም፡፡ ገለ ካብቲ ጥቕስታቶም፤

  "ግዜን መዋእልን ይሓልፍ ፡ ሰብ ክኣ ምስኡ ይሓልፍ"

  "ኣሰር ብርዒ ግን ምዝራብ ከየቋረጸ ንወትሩ ይጸንሕ"

  "ንብዕራይካ ሓሰርን ማይን ቀርበሉ፡ጸጸኒሑ ክምለሰን ኢዩ"

  "ንውላድካ እንጀራ ኣብ ጊባቦ ቀርበሉ፡ መምስጠመየ ናብኣ ኢዩ"

  "ንሕብረተሰብ ጽሓፈሉ፡ መምስ ኣድለዮ ከምብብቦ ኢዩ ዝብላ ኢየን"።

 
     ንዶክተር ኣባ ይስሃቕ መንግስተሰማይ የዋርሶም

   ንስድራ-ቤቶምን ፈተውቶምን ክኣ ጽንዓት ይሃቦም ኣሜን።

          29/07/2009
         ጽገ መንገሻ ጀርመን፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...