{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="300" height="230"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-HantimeAlti198.flv{/autoremote}

ኣብ ኵለን መርበብ ሓበሬታን  ተቓወምቲ ረድዮታትን ክቃላሕ ዝጸንሔ ሰላማዊ ሰልፊ በቲ ዕለቱን ሰዓቱን ማለት ልክዕ ሰዓት 18.00 ኣብቲ ዝተመደበ ቦታ ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ካብ ርሑቕን ቀረባን ደበኽ ብምባል ነቲ መበገሲ ቦታ ብሓንሳብ መልእዎ።

ኣዳላውቲ ሰልፊ ዝቐረብዎ ኵሉ ናይ ሰልፊ መስርሒታቶም ተዳሊዮም ስለ ዝመጹ ብግዜኡ ንምብጋስ ጊዜ ኣይወሰድሎምን። ሰልፈኛታት ብብርክት ዝበሉ ወታሃደራት ጀርመን ተሰኒዮም ብስነ-ስርዓትን ጥርኑፍ ኣጋባብን ምዕሩግን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ዝሓዘለ ኣበጋግሳ ምስ ድሙቕ ድምጺን ውዕዉዕን በብዓይነቱን እውናውን ጨርሖን ምስቲ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ተኻፋሊ ስልፊ ነፍሲ ወከፉ ባንደራን ጭርሖን ሒዙ ስለ ዝነበረ ናይ ሰላማዊ መልክዑ ኣዝዩ ምዕሩግ ነይሩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት 18-07-2009 ዓ.ም.እቲ ኣዝዩ ዘሔጉስን ሞራልካ ክብ ዘብልን ድማ ተኻፈልቲ ቁጽሪ ሰልፊ ዝበዝሑ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብምንባሮም እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ዘይሕለሉ ዓበይቲን ዘህለሉ ደሞክራስያውያን ኣያታት ነቲ ሰልፊ ክብርን ሞጉስን ሂበሞ ወዓሉ። ጭርሖ ዝመርሑ በቲ እዋናዊ ዝኾነ ጨርሖታት ብዘይ ምስልካይ መረረኦም ብምጕላሕ  ንናይ ንሰልፈኛታት ጽቡቕ መንፈስ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጸሖ። ዘበነ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቐብ ከም ዝብሃል ተቓዋማይ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ይገብር እምበር ኣቲ መንግስቲ እየ እንዳበለ ሞራሉ ዝተሰብረ ህግደፍ ቀድሜና ማለት ሰዓት ክልተ ጀሚሩ ካብቲ ህዝቢ ስለ ዝነፈጎ ኣዝዩ ትሑት ብዝኾነ ሰማዊ ቁጽሪ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ክብገስ ኣይከኣለን። ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን እንተኾነ ንስእሊ ዝኸውን መናፍሕ ስለ ዘይረኸበ ርእሶም ብምድናን ብሕፍረት ከም ተዋሕጡ ኣብ ገጾም ይረኤ ነይሩ። 

ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት 18-07-2009 ዓ.ም.ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ክንምለስ ናይ ሰላማዊ ማዕልቦና ምስ በጻሕና እቲ ብግቡእ ኣገባብ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ኣዳላዊት ሽማግለ ብቐደም ተኸተል ብናይ ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መግለጺ ተኸፊቱ ዝተፈላለየ ነቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕ በብዓይነቱ ጽሑፋትን ብስእሊ ዘተሰነየ ንዲክታተራዊ ህግደፍ ዝሃርም መዘክራትን ንህዝቢ ብብዝሒ ተዓደለ። ካብዚ እኹል ናይ መረናና መግለጺ ተወሂቡና ስለ ዝኾነ ነቲ በዓል ዘንጸባቕ ካብቲ ሰልፈኛታት ግትምታት ይኹን መዘክራት ብዓረብ ብትግርኛ ብቋንቋ ጀርመን ክንበብን ክግለጽን ውዒሉ።

እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ዝነበረ ግን ካብ ዕስራ ዝበዝሑ ዝቁጽሮም መንእሰያት ባእታታት ሰልፊ ብትብዓትን ምሉእ ሃገራዊ ስምዓትን ብወታሃደራት ጀርመን ተዓጂቦም ዝኣክል መዘክራት ተሰኪሞም ናብቲ ዳንኬራ ህግደፍ ዘኤቱ ኣፍደገሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት 18-07-2009 ዓ.ም. ከይዶም ንኵሉ ኣብቲ ፍስቲቫል ህግደፍ ንህዝቢ እንዳዓደሉን እንደ ኣረዱኡን ካብ ክልተ ሰዓት ዘይውሕድ መልእኽቶም ኣብጺሖም ብሰላም ናብቲ ብጸቶም ዘለውዎ ቦታ ተመሊሶም።  

የማነ ገብረኣብ ናይቲ ፈስቲቫል ተወኪሉ ዝመጸ ንኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ይፍጸም ስለ ዝነበረ በቲ ናይ ተኻፋልነት ቁጺሪን ተባዕ ስጉምቲ ናይ ሰልፈኛታት ስለ ዝተዳህለ ካብቲ ቅሉዕ ጭንቀቱ ንሓደ ሓታታይ ካብቶም ተኻፈልቲ ናይ ተቓውሞ ስለ ዝኾንካ ኮፍ በል ከማኻ ዝበለ ክሓትት ኣይፍቀደሉን ኢዩ ብምባል ናይ ድኽመቱ ኣዋጅ ኣርኣየ።

እቲ ቀንዲ ዘሔጉስ ድማ ዋላኳ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበርናዮ  ዘመስከረ ኣገባብ እንተ ነበረ ናይ ሎሚ ግን ብኵሉ ኣግባቡ ፍሉይነት ኣለዎ። ልኡኻት ወተሃደራት ጀርመን ብኽብሪ ብምርኣይ ካብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት 18-07-2009 ዓ.ም.ዝተዋህበና መምርሒ ክንዲ መርፍእ ትኣክል ስለዘየጉደልና ኣዝዮም ሕጉሳት ኰይኖም ብምውዓሎም ብቓሎምን ኣንደበቶምን መስኪሮምልና ኢዮም። ስለዚ ምስዞም ብኽብሪ ክዕጁብና ዝወዓሉ ወተሃደራት ጀርመን ተምሳጊና ኵሉ ተሳታፊ ሰልፊ ነናብ ዓዱ ልክዕ ሰዓት 21.00 ብሰላም ተመልሰ።

አዳለዉቲ ሽማግለ ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...