ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ እቲ ገንዘብ ካብ ቻይና ንሆንክኮንግ ዝተመሓላለፈሉ ምኽንያት ንብረት ንምግዛእ ወይ ዕዳ ንምኽፋል ዘይኮነስ፡ ስቡሕ ትሕጃ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ሕሳብ ባንክ ንምቕማጥ ጥራይ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
 
ኣብ ዝቐደሙ ዜናታት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከምዝገለጽናዮ፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝተጓነጸፈትሉ ግዜ ብስም ኢሳይያስ ዝውነን፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ባንክ ከምዝነበረ ጠቒስና ኔርና። ሎሚ ድሕሪ 18 ዓመታት ከኣ፡ እቲ ኣሃዝ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ከይበጽሐ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎ።

ሓደ መበገሲ ናይዚ ግምታት ‘ዚ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ንብረት ግብረሽበራውያን ኣብ ዓለም ባንክታት ኣብ ዝፈተሸትሉ እዋን፡ ብስም ኢሳይያስ ዝተቐመጠ ካብ ትጽቢታ ወጻኢ፡ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣብ ባንክታት ማልታን ስዊዘርላንድን ኢጣልያን ከምዝረኸበትን፡ ነቲ ጸብጻብ፡ መሓውር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዝኾና ከም ዩነስኮን ፋኦን ዩንዲፒን ዝኣመሰላ ውድባት፡ ከምኡ ‘ውን ባንክ ዓለም ከምዘካፈለተን ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ’ውን ባዕሉ ሓጎስ ክሻ ኣብ ቲቢ-ኤረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ “ንሕናኮ እዚ መንግስት’ዚ ገንዘብ ስለዘይብሉ ካብ ካልእ እናምጻእና ኢና ብድጎማ ንካየድ“ ብምባል ህልውና ናይ ሕቡእ ካዝናኡ ከይፈለጦ በጨቕ ኣቢሉዎ እዩ፡፡

ምስዚ ኣተሓሒዞም ምንጭታትና፡ ድሕሪ ተፍትሽ ባንክታት ዓለም ብመንግስቲ ኣመሪካ፡ ኢሳይያስ ኩሉ ወርቁን ገንዘቡን ናብቲ ዝያዳ ውሕስነት ኣለዎ ዝበሎ ሃገር ቻይና፡ በብቑሩብ ከምዘግዓዞ ኣረዲኦም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡  ሎሚ ፡ ዳርጋ ኩለን ኣብ ህንጻውን ማዕድናውን ፕሮጀክትታት ዝተዋፈራ 21 ናይ ቻይና ኩባንያታት ኣብ ኤርትራ ተዋፊረን ኣለዋ። እዘን ኩባንያታት እዚኣተን፡ ንኤርትራ ብሓገዝን ብለቓሕንን መልክዕ ብመወልቲ ዝወሃብ ፕሮጀክትታትን፡ ምስኡ ዝተኣሳሰረ ናይ ወጻኢ ሸርፍን፡ ብዘይ ገለ ገደብ ይውንነኦ፡፡ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሓጎስ ክሻ ኸኣ ይመሓደራ፡፡ ናይ መንበሪ ይኹን ናይ ስራሕ ፍቓድ ናይዘን ኩባንያታት እዚኣተን ንዝኾነ ይኹን ሚኒስትሪ ኣይመልከቶን። ንዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ድማ እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ብዘይጨረታ ይወስዳኦ፡፡ 
ንኣብነት 
1.    ሸሽዋን ቻይና (sheshuan China) ቤ/ትምህርቲ ዓዲ ቀይሕ ንምስራሕ ብዘይግቡእ ኣገባብ 95 ሚልዮን ናቕፋ ኮንትራት ወሲዳ፡፡
 
2.    ኮምፕላንት ቻይና(Complant China) ናይ ምሉእ ኤርትራ ምዅዓት ማይ ፕሮጀክትታት ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ብዘይ ገለ ጨረታ ይውሃባ፡፡
 
3.    ሸዛን ሮድ ኣንድ ቢሪጅ (Shezan Road and Bridge) ናይ ከተማ ኣስመራ፡ ብፍላይ ኣብ ሰምበል ዝስራሕ ትሕተቕርጻዊ ስራሓት ብዘይ ገለ ጨረታ 40 ሚልዮን ዶላር ተዋሂቡዋ፡፡
 
4.    ሻንዶን ጎዳ (Shandong Goda) ማይኒንግ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝነጥፋ ኩባንያታት ካናዳን ኣውስትራልያን መንዚዓን ስማዊ ህልውና ጥራይ ከምዝህልወን ድሕሪ ምግባርን፡ ማዕድናዊ ፍተሻ ናይ ወርቅን ብሩርን በይና ወኒናቶ ትርከብ።
ነዚ ክሳብ ሎሚ ኣቓልቦ ዘይሰሓበ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ቻይናን ሰሪቱ ዘሎ ዘይቅዱስ ቃልኪዳን፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ሕቡእ ብልሽውና ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዘቃልዐ ሰነድ ‘ዚ ከምዘለዎ ንምርኣይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ተሰርጊሑልኩም ኣሎ። 

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሰፍ ዘይብል ብቢልዮናት ዶላራት ዝሽነን መትሓዚ ዘይብሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ብልሽውና ብምሕባእ እዩ እምብኣር፡ ከምናይ ብዓል ወዲ ጉላይ ዝኣመሰለ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ናቕፋ ብዕልግና፡ “ፈሪደ ተቓለሰ” እናበለ ብጋዜጣ እናተዋራዘየ፡ ንጹህ ተመሲሉ ንህዝቢ ኤርትራ ከደንቍር ገመል ሰሪቑ ጕንብሕ-ጕንብሕ ዝብል ዘሎ። 

ሰነድ ምትሕልላፍ 273 ሚልዮን ዶላር ናይ ኢሳይያስ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ

Source: መርበብ ሓበሬታ ኣሰና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...