መእተዊ

እዚ ጸብጻብ ዝተተርጎመሉ ሓደ ምኽንያት ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ እሱራት ብስሞም ዘይጸውዑ ዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ነዚ ንምንጻር ናብ 1980* ምምላስ የድሊ። ኣብ ሜዳ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝእሰሩ ዝነበሩ ተጋደልትን ኣብ ከተማታት ዝቕተሉ ናይ ዝነበሩ ሰባት ስም ዝርዝር ከም ዓለሙ እዩ ዝጸሓፍ ኔሩ። እንተኾነ ግን ናይ ሓለዋ ሰውራ ሓላፍን ናይ ውሽጣዊ ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣባል ዝነበረ፡ ተኽላይ “ዓደን” ገብረማርያም፡ ኢዱ ናይ ኢትዮጵያ ምስሃበ ኣብ ረድዮን ጋዜጣን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክንደይ ተጋደልቲ እሱራት ከምዝለዉን ኣስማቶም ከይተረፈ ገሊጹ። ብድሕር’ዚ ዜና ምትሕልላፉ፡ ተጋዳሊት ዙፋን ኣፈወርቂ፡ በዓልቲ ቤቱ ንተኽላይ “ዓደን” ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንስቲ ምዃና እናፈልጡ፡ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ኢሳይያስ ዘጽደቖ) ናብ ኲናት ተላእኸት። ኣብ ኲናት ድማ “ተሰዊኣ” ተባህለ። ተኽላይ “ዓደን” ገብረማርያም ኣብ ዓዲ ኣቡን፡ ከባቢ ዓድዋ ትግራይ ብ1946 ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዓብዩ ንሜዳ ዝተሰለፈን ድሕሪ ዓወት ናይ ኢ.ሃ.ደ.ግ. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰራዊቶም ክእቱ ምስጀመረ፡ ናብ ሆላንድ፡ ኤውሮጳ ኣምሊጡ ድሕሪ ምንባር ገለ ቅድሚ ቁሩብ ዓማውቲ ዝዓረፈ ሰብ እዩ።  

ካብዛ ዕለት እዚኣ ማለት፡ ካብ 1980* ጀሚሩ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣስማት እሱራት ከይግለጽን ብቑጽሪ ጥራሕ ከምዝፍለጡ ገበረ። እሱራት የለውን ንምባልን ነዚ “ሓሶት”ን ንኸምእኑ ድማ ንብዙሓት እሱራት ተጋደልቲ ነጻ ለቐቑዎም። ንገለ ዝፈለጡ ጌና ንምምትላል ድማ “ቅድሚ 1986 ኣቢሉ ንዝሃደመ ተጋዳላይ ምሕረት ጌርና” ብምባል ብውግዒ ኣብቲ ሽዑ ዝወጽእ ዝነበረት “ፍጻሜታት” ዝበሃል መጽሄት ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ተዘርገሐ።

እዚ ዝስዕብ ትርጉም ጸብጻብ ናይ ጥሪ 2008 ነቲ ናይ ብ”ቑጽሪ” ድኣምበር ከም ፍጡራት ብኣስማቶም ክፍለጡ እውን ዘይፍቀደሎም እሱራት ኣገባብ ኣተሓሕዛ ብምቕላሕ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ እዩ።   

New revelations about Eiraeiro prison camp – “The journalist Seyoum Tsehaye is in cell No. 10 of block A01”
Reporters Without Borders
Press release
30 January 2008
Unauthorized Translation

ሓድሽ ግህዶ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ
ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 10 ብሎኮ አ01 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህንጻ ቤት ማእሰርቲ ተሞቑሑ ከምዘሎ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
 

30 ጥሪ 2008

ኤርትራ

ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ ፈረንሳ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ማሕበር ናይ “ነጻ ፕረስ ሓርነት” ስልማት ተዋሂብዎ። ስዩም ጸሃየ ብህይወቱ ኣብ ጥቓ ጋሕተላይ ዝርከብ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ጋሕተላይ ኣብ ሰሜናዊ ወገን ናይቲ ካብ ኣስመራ ንምጽዋዕ ዘሎ መንገዲ እትርከብ ነቑጣ እያ። ስዩም ኣብ ሸላ ቁጽሪ 10 ብሎኮ 01 ዝተባህለ ፖለቲካዊ እሱራት ዝምቑሑሉ ህንጻ ይርከብ።   

ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ነዝን፡ ካልእ ዝርዝር ዜናን፡ ካብ ሓደ ኣብዚ ብዙሓት ፖሊቲካዊ እሱራት ዝርከቡሉ ኣብያተ ማእስርቲ፡  ንኽኣቱን ክወጽእን ዕድል ዝነበሮ ኤርትራዊ እዩ ረኺብዎ። ናይ’ዚ ሰብ እዚ መንነት ምእንቲ ድሕነቱ ተዓቒቡ ኣሎ።

ስዩም ጸሃየ ብ2003 ኣቢሉ ኢዩ ናብ ዒራ ዒሮ ተወሲዱ ይብል እቲ ምንጪ። ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሓበሮ ቅድሚ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር እቶም ዋርድያታት ክሃርምዎ ከለዉ ተራእዮም። ብዙሕ ግዜ ነቶም ዝሕልውዎ ወተሃደራት እምቢ ብምባልን፡ ናይ ቤት ማእሰርቲ መግቢ ምብላዕ ምእባይን፡ ብሕርቃን እናንጸረጸረ ደጋጊሙ “ኣነ ግቡአይ ጌረ እየ። ሓላፍነተይ ድማ እዩ። ኣብዚኣ እንተቐተልኩምኒ እውን ኣይግድሰንን እዩ” ክብሎም ከሎ ተሰሚዑ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስዩም ጸጉሪ ርእሱ ልጹይ ጭሕሙ ድማ ነዊሕ ከምዝነበረ ይግለጽ።

ስዩም ጸሃየ፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ሓላፊ ናይ ተለቭዥን ኔሩ። ብድሕሪኡ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሰኣላይ ጋዜጠኛን ፊልም ኣዳላዊን ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ምስ ስዩም ገለ 10 ዝኾኑ ኣዳለውትን ናይ ጋዜጠኛታት ሓለፍትን ኣብ መስከረም 2001 ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተኣሲሮም። እዚ ብድሕሪ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ (ሓደ ሰልፊ ጥራሕ  እዩ ዝፍቀድ) መራሕትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ንዲሞክራሲያዊ ምትዕርራይ ድሕሪ ምጥላቦም ዝተረኸበ ኩነት እዩ።

ስዩም ካብቲ ዝነበረሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ብወርሒ ሚያዝያ 2002 ተሰዊሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን እዩ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ንዕኡን ካልኦት ከም በዓል ፍስሃየ “ጆሽዋ” ዮውሃንስ ዝኣመሰሉ ናይ ሕልና እሱራት ናብ ዝተፈላለዩ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝወሰድዎም። እዚ መግበሪኦም ድማ ነቲ ብጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምእንቲ ዝገበርዎ ናይ መግቢ ኣብያን ጥርዓንን ክሓብእዎን፡ ንኸይስማዕን እዩ።

እቲ ምንጪ፡ ነቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ብዝርዝር እዩ ገሊጽዎ። ከምኡ’ውን ብኸመይ ኣገባብ ይሰርሕን ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ኩነታት እሱራት ከምዝነብሩን ይገልጽ። ብ2006 ብዛዕባ እዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ፡ ካብ ካልኣዊ ምንጪ ዝተረኸበ፡ ብናይ ኢትዮጵያ ስለያ ክፍሊ ተዳልዩ ዝወጸ ጽሑፍ ነይሩ። ከምዚ ብማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተረኸበ ናይ ዓይኒ ምስክር ግን ኣይኮነን ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ ንዝተረኸበ የረጋግጽ ማለት “ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣይኮነን” ይብል።

ናይ ምስ ሰብ ምርኻብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መን ይኣቱ መን ይወጽእን መነባብሮ እሱራት ምስ ከባቢኦም ዝሕብር

እሱራት ኣዒንቶም ተዓሚቱ ብመኪና ናብ ዒራዒሮ ይውሰዱ። ዒራዒሮ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣውራጃ ካብ ጋሕተላይ ቁሩብ ኪሎ ሜትር ፍንትት ኢላ ትርከብ። ኣብቲ ከባቢ እቲ ኩነታት ኣየር ብቐትሪ ኣስታት 40 ዲግሪ ሰልስየስ ዋዒ ክኸውን እንከሎ፡ ብለይቲ ድማ ካብ ባዶ ንታሕቲ ቁሪ ዘመዝግብ እዩ። ካብ ፍልፍል፡ በቲ ሓድሽ መንገዲ ናብቲ ጎቦታት ዝበዝሖን ኣቐዲሙ ናይ ቡን ዘራእቲ ዝነበሮ ቦታ የምርሕ። ካብኡ ናይ 45 ደቒቕ ድሕሪ ምጉዓዝ ቀዳማይ ፍተሻ ዝካየደሉ መንገዲ ይርከብ። እቲ ቦታ ብዝሕ ብዝበሉ ወተሃደራት ይሕሎ። ካብታ ነቑጣ እቲኣ ንድሓር፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማሕተም ፍቓድ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክሓልፍ ኣይፍቀድሉን እዩ። ኣብታ ነቑጣ ዘሎ ናይ ዋርድያታት ሓላፊ፡ ንኣማሓዳሪ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝመጹ ኣካላት ኣብቲ ቦታ ምብጽሕ ብስልኪ ምስኣፍለጠ፡ እታ መኪና ካብ ጫፍ ንጫፍ ክትፍተሽ ኣለዋ። ድሕሪ ምፍታሽ ሓለውቶምን እሱራትን መንገዶም ንኽቕጽሉ ምስተፈቐደሎም ናብ ጎቦ “346” ተባሂላ እትፍለጥ የምርሑ።

Eritrea Mapእቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሕልዉ ወተሃደራት፡ ክሳብ 2005 ኣብ ግዜ ገድሊ ዝወጸ ሚላኖ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ሑጻ ዝሕብሩ ዩኒፎም ይኽደኑ ነይሮም። ብድሕሪ 2005 ግን ጽዕድው ዝበለ ዩኒፎምን ቆብዕን ክኸደኑ ጀሚሮም። ዕጥቆም ድማ ናይ ዋርድያ ፍሉይ በትርን ካላሽንን እዩ። ዋርድያታት ቅድሚ ናብቲ ቦታ እዚ ምምዳቦም ብዛዕባ ዒራዒሮ ዝኾነ ነገር ንኸይገልጹ ፍሉይ ማሕላ ይፍጽሙ። 

ካብቲ ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ መእተዊ ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቐድም ኣቢሉ ናይቶም ዋርድያታት መንበሪ ገዛውቲ (ባራካ) ይርከብ። ብድሕሪኡ ናይ ቤት ማእሰርቲ ደገ ቀጽሪ (መኽበቢ) ኣሎ። መፍለይኡ ድማ በቲ ሓደ ወገኑ ብኣሻዂ ትሪኮላታ ዝተሓጸረ ክኸውን እንከሎ በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ኣብ ምድሪ ዝተቐበሩ ቦምባታት ይርከብዎ። ድሕሪዚ ናይ ካልኣይ መፈተሺ ቦታ እሱራት ናብቲ L ዝቕርጹ ናብ ኣማሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዝርከቦ ህንጻ ይውሰዱ። ኣብዚ ህንጻ እዚ ናይ ባኒ መስርሒ፡ ናይ ሕክምናን ናይ ፋርማሲን፡ መደቀሲ ናይቶም ካብ ኣሰመራ ዝመጹ ከም ፕረዚደንት ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝሓድሩሉ ክፍልታት ይርከብዎ። 

እሱራት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስበጽሑ ብመጀመርታ ናብ ካምፕ ኣማሓዳሪ ለተና ኮሎነል ይሳቕ ኣርኣያ “ወዲ ሓኪም” ይውሰዱ። እሱራት ምስ ሓለውቶም፡ ከምኡውን ካብ ኣስመራ ዝመጹ ሰብ መዚ እውን እንተኾኑ፡ ምስኦም ዝርከብ ኩሉ ዝኾነ ይኹን ነገር ርሳስን ወረቐትን ከይተረፈ ኣውጺኦም የረክቡ። ብድሕር’ዚ እቲ ኣማሓዳሪ ኣብ ክልተ ናይ ስለላ ካሜራ ዘለዎ ክፍሊ፡ ናይቲ ፍቓድ ወረቐት ወግዓውነት ይምርምሮ። ለተና ኮሎነል ይሳቕ ሽዑ ነቶም ዝመጹ እሱራት ኣስማቶምን መንነቶምን ዝገልጽ ፎሮም ኣፈሪሙ፡ ሓደ ሰማያዊ ካምቻ ምስ ስረን ሓደ ኮበርታ ምስ ምንጻፉን ይዕድሎም።

ኣፍሪቃዊ ጉላግ

እሱራት ምስ ሓለውቶም ብጥራይ እግሮም ክኣትዉ እንከለዉ ምስቶም ካልኦት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት እትረፍ ምዝራብሲ ብዓይኒ ምጥማት እውን ዝተኸልከለ እዩ። እቲ ዝኣትውዎ ቤት ማእሰርቲ ብኣርባዕተ ሜትሮ ዝቑመቱ መንደቕ ዝተኸበ ኮይኑ ናብ ከክፍሎም የምርሑ።

ብትሕቲ እቲ ናይ ምምሕዳር ህንጻ ሰለስተ ጎድኒ ንጎድኒ ብቸመንቶ ዝተሰርሐ ብድልዱል መንደቕ ዝፈላለያ ነፍሲ ወከፈን 64 ክፍልታት ኣለዋ። ብፊደልን ቁጽሪን ዝሓዘ መለለዪ ኣለወን። እተን ሰለስተ ፍሉጣት ነቶም ብፖለቲካ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ከም ጋዜጠኛታት ዝኣመሰሉ ይሕዛ። እዚአን ድማ A01፡ B01ን B03ን ተባሂለን ይፍለጣ።

A cell in Eiraeiro seen by an architect

ሽላ ዒራ ዒሮ ብዓይኒ መሃንድስ

ኣብ ነፍስ ወከፍ ህንጻ፡ ኣብ መጀመርታ መስርዕ ዝርከባ ሸላታት ናብ ደገ ገጸን ክርእያ እንከለዋ እታ ካልኣይ መስርዕ ድማ ናብ ውሽጢ ህንጻ ዝርከብ ኮሪዶር ገጻ ተርኢ። እቲ ምንጪ ንማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ክገልጸሎም ከሎ “እቲ መዓጹ ናይቲ ሸላ ናብ መንደቕ ኣቢሉ ከምዝስራሕ ዝተገብረሉ ምኽንያት እቶም እሱራት ምእንቲ ነንሕድሕዶም ከይረኣኣዩ ኮነ ኢሉ ዝተሃንጸ እዩ” ይብል።

እተን ክፍልታት መስኮት ዘይብለን ሰለስተ ሜትር ትርብዒት እዩ ዝስፍሓተን። እቲ ሰሎፎን ኣዝዩ ላዕሊ ስለዝኾነ ሰብ ከርክቦ ኣይክእልን እዩ። መብራህቲ 24 ሰዓት ምስበርሀ እዩ። እቲ እሱር መግቡ ዝቕበለላን  ከምኡውን ንምክትታል እሱር ኣብ ውሽጢ ክፍሊ፡ እተገልግል 10 ሰንቲ ሜትር ትርብዒት ቀዳድ ኣብቲ ማዕጾ ኣላ። ኣብቲ ውሽጢ እታ ክፍሊ፡ ካብቲ ማዕጾ ንኢድ የማን፡ ንዓይኒ ምድሪ ዝኸውን ሓደ ጉድጓድ ይርከብ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ በቲ ኣማሓዳሪ ጥራሕ ዝኽፈት ናይ ማይ መተሓላለፊ መስመር ኣሎ።

ፊት ንፊት እቲ ማዕጾ ናይቲ ክፍሊ ንመቕጻዕቲ ዝጥቐሙሉ ሓደ ሜትሮ ዝቑመቱ ናይ ሓጺን ፓሎ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ይርከብ። እቶም ሓለውቲ ንኣብነት ሓደ እሱር ኣጣምታ እንተኣኽፊኡ፡ ወይ ምስ ካልእ እሱር ወይውን ወተሃደር እንተተዛሪቡ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብቲ ፓሎ ንድሕሪት ኣሲሮም ብኣብራኹ ኮፍ የብልዎ። “ከምዚ ኢሉ እንተወሓደ ንሓደ 40 ሰዓታት ይጸንሕ” ብምባል እቲ ምንጪ ንማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ሓቢሩ። 

ዕለታዊ ገሃነም

እቶም እሱራት፡ ለይትን መዓልትን ንበይኖም፡ ኣብ ትሕቲ 24 ሰዓት ተወሊዑ ዝርከብ መብራህቲ እዮም ዝነብሩ። ገሊኦም ብኣእዳዎም ገሊኦም ብኣእጋሮም ብመቑሕ ሓጺን ይእሰሩ። ገሊኦም ኣይእሰሩን። ወይ ኣብ መመርመሪ ክፍልታት ይኸዱ ወይ ከኣ ኣኣብ ሸላኦም ይዕጸዉ። እቲ ምርመራ ብናይ ጸጥታ ሓላፊ ናይ ህ.ግ.ድ.ፍ.፡ ዓብደላ ጃብርን ካልኦት ከም በዓል ናይ ፕረዚደነት ኢሳያስ ኣማኻሪ፡ የማነ “ማንኪ” ገብረኣብ፡ ዝኣመሰሉ ፖለቲካዊ ሓላፍቲ ይካየድ። ኣብዚ ምርምራ ምእንቲ ክለፋለፉ፡ እቶም እሱራት ይቕጥቐጡን ይውቅዑን። ከም ኣብነት ብፕላስቲክ ኹርማጅ ይህረሙ። ኣብ ማዓጹ ናይ ምርመራ ክፍልታት መልእኽቲ ናይቶም በዚ ዝሓለፉ እሱራት ኣሎ። ሓደ “ቅድሜኻ ዝሞቱ ሪኢኻዮምዶ?” ይብል። ካልእ “ነቲ መልእኽቲ እንተዘይፈቲኻዮ፡ ነቲ መልእኽተኛ ቅትሎ” ይብል።

ጸጉሪ እሱራት ኣብ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ይላጸ። እቲ ላጻያይ ምእንቲ ምስቶም እሱራት ከይዛረብ ብሓለዋ ይመጽእ ብሓለዋ ይኸይድ። ብፕላስቲክ ሸሓኒ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ መግቢ ይወሃቦም። እዚ መግቢ ወይ መረቕ ብርስን ወይ ኣሕምልቲ ወይ ድንሽ እዩ። ንግሆ ሓንቲ ኩባያ ሻህን ሽዱሽተ ባኒ እውን ይቖርሱ። ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሊትሮ ማይ ጥራሕ እያ ትፍቀዶም። ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም እሱራት ካብቲ ልሙድ ዝያዳ ማይ ክወሃቦም ይኽእል እዩ። እዚ ግን ናይ ካምፕ ሓኪም፡ ማለት ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ፍቓድ ምስ ዝህብ ጥራሕ እዩ። ናይ መድሓኒት ፍቃድ እንተድኣ ሂቡ፡ እታ ወረቐት ኣብታ ናይ ሰላ ማዕጾ ትልጠፍ። እቲ ኣማሓዳሪ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ን20 ደቂቕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ምድሪ ዝርከብ ናይ ቱቦ ማይ ይኸፍተሎም። እቶም እሱራት ኣብዚ ሓጺር እዋን እዚ ነብሶምን ክዳውንቶም ክሓጽቡ ኣለዎም።

ብ2006ን ብ2007ን ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ካብ ኣስመራን ካብ ወጻኢን ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ገለ ትሽዓተ ዝኾኑ እሱራት ኣብ ዒራዒሮም ሞይቶም። ካብዚኣቶም ናይ ጽገናይ ጋዜጣ ኣዳላዊ፡ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ ብ13 ሰነ 2006፡ ናይ ቀስተ ደበና ጋዜጣ ምክትል ኣዳላዊ መድሃኔ ሃይለ ብየካቲት 2006 ሞይቱ ይበሃል። ከምኡ’ውን ናይ ኣድማስ ጋዜጣ ኣዳላዊ ስዒድ ዓብደልቃድር ብመጋቢት 2005 ኣቢሉ ሞይቱ። ቀጺሉ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ገጣምን ናይ ተዋስኦ ጸሓፋይ፡ ፍስሃየ “ጆሽዋ” የውሃንስ፡ ብ11 ጥሪ 2007 ኣብ ቀይዲ እንከሎ ምሟቱ ፈሊጦም። “ጆሽዋ” ናይቲ ሕጂ ተኸልኪሉ ዘሎ ሰሙናዊ ጋዜጣ ሰቲት ሓደ መስራቲ ኔሩ። እዚ ምንጪ ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ናይ ፍስሃየ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምሟቱን ኣብ ሸላ 8 እውን ከምዝነበረን ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ብድሕሪ ናይ ኣማሓዳሪ ገዛ ዝርከብ ቦታ “እንተውሓደ ሽውዓተ ሰባት ዝተቐብሩሉ መቃብር” ከምዘሎ ነጊሩ።

ለበዋ

ዒራ ዒሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ንኤርትራን ንኣፍሪቃን ውርደት እዩ። እቶም ብጥሪ 1 2008 ኣብ ዝጅመር ናይ ኣፍሪቃ ማሕበር ኣኼባ ዝሳተፉ ናይ ሃገራት መራሕቲ፡ ነዚ ጸማም እዝኒ ክህብዎ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ንስልጣኑ ዝጻብእዎን ንህላወኡ ዘስግእዎን ባእታታት ዘርእዮ ሕሉፍ ጭካነ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ የብሉን።

ነዚ ሓበሬታ ብምግባር ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ነዚ ዝስዕብ ለበዋ የቕርብ።
  ኣባላት መንግስታት ናይ ኣፍሪቃ ኣብ ሃሃገሮም ዝርክቡ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደራት ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝወርድ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከወግዙን ነጻ ክልቀቑን ክጠልቡ። ከምኡ’ውን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ናይ ወጻኢ ሚኒስትሪታት፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ኤምባሲታት፡ ንናይ ኣስመራ ኻዝና ንምምላእ ዝገብርዎ ጸቕጢ ኣብ ወጻኢ ደው ክብል ክጠልቡ። ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን እንተወሓደ 2% ዝኸውን ናይ እቶቶም ነቲ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ከረክቡ ይግደዱ። ነዚ እንተዘይጌሮም ናብ ሃገሮም ኤርትራ ምኻድ ይኽልከሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ንብረት ክውንኑ፡ ንስድራ ቤቶም ነገራት ክልእኩ’ውን ኣይክእሉን እዮም። 
  ኤውሮጳዊ ማሕበር ነቶም ነዚ ኢሰብኣውን ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ እሱራት ብሓላፍነት ዝሕተቱን ነቲ ኩነታት ዘተግብሩ፡ ነፍስ ወከፍ ሰበ ሰልጣን ንኸይገሹን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣስማቶም ኣብ ድሩት ዝርዝር ክኣቱ ክገብር ኣለዎ። እዞም ዝስዕቡ ሰበ ስልጣን እንተወሓደ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኸይኣትዉ ክኽልከሉ ኣለዎም።
o ናይ ፕረዚደንት ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ቃል ወሃቢ የማነ ገብረመስቀል
o ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ የማነ ገብረኣብ (ኣብ ዒራ ዒሮን ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ብኣካል ከምዝተራእየ ብጭብጢ ዝተረጋገጸ ስለዝኾነ)
o ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም
o ናይ ካምፕ ኣማሓዳሪ ይስሓቅ “ወዲ ሓኪም” ኣርኣያ
o ናይ ውሽጢ ሃገር ኣማሓዳርን ሚኒስተር ሓበሬታ ናይዝጊ ክፍሉን (ብ2001 ዝተገብረ ናይ ሰባት ናይ ምእሳር ግፋ ብሓላፍነት ስለዝሕተት)
o ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ (ናይ ፕሮፓጋንዳ ሓላፊ)
o ናይ ካምፕ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን
o ኮሎነል ሚኪኤል ሃንስ “ወዲ ሃንስ” ናይ 32 ዲቪዥን ኮማንደርን ዒራ ዒሮ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደር ብምዃኑ
o ኮሎነል “ወዲ ወለላ” ናይ ምምሕዳር ቁ. 5 ናይ ስለያ ሓላፊ
o ናይ ካምፕ ኣማሓዳሪ ዝነበረ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር “ውጩ” ዓንደማርያም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...