AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 09 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊ :ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ:ዘካርያስ ክብርኣብ


መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሓበሬታታት ኣብ ምእካብን ምስናድን ዝዓለመ ዑደታ ብዓወት ከምዝዛዘመት ተገሊጹ።

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ግህሰት ከተጽንዕ  ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዝቖመትን ዛጊት ኣብ ንጡፍ ስራሕ እትርከብ ዘላን  መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሓበሬታታት ኣብ ምእካብን ምስናድን ዝዓለመ ዑደታ ብዓወት ከምዝዛዘመት ተገሊጹ።

ኣብ’ታ ሃገር ዝመደበረን ኤርትራውያን ማሕበራት ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ተላፊነን ዘቖምኦ ጉጅለ ፥ ኣብ ዕማም ናይ’ታ መርማሪት ጉጅለ ቀጥታዊ ተሳትፎ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽህሉ ቀጻሊ ጎስጓስ ብዘካየድኦ መሰረት ፥ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ምእካብን ምስናድን ጠቐምቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ግቡኦም ከምዝገበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ግዱሳት ዜጋታት ፥ ኣብ ኤርትራ ዝገጠሞም ውልቃውን ዝተዓዘብዎን ግህሰታት ስኑድ ምስክርነቶም ምስ መርትዖታቱ  ነታ ካብ 23 ክሳዕ 31 ጥሪ ኣብ ዑደት ዝነበረት መርማሪት ኮሚሽን ከምዝሃቡን  ዘመልከተት እታ ናይ ልፍንቲ ጉጅለ፥ እዚ ኣብ ምድልዳል ጸብጻብ ናይ’ታ ኮሚሽን ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎ ኣገንዚቦም።

እታ ካብ ኤርትራውያን ማሕበራት ሰብኣውነት ዓባይ ብሪጣን ብዝተላፈኑ ዝቖመት ጉጅለ፡ ነቶም ካብ ስርዓት ኣስመራ ዝገጠሞም በደላት ናብ መርማሪት ኮሚሽን  ከቃልዑን ከቕርቡን ዝተለሙ’ሞ ዓቕሚ ዝወሓዶም ገለ ኤርትራውያን ፥ ግሉሕ ምስክርነቶም ክህቡ ኣብ ምኽኣል ከምእተሓጋገዘት’ውን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ’ዚ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደታ ፥ ኣብ ከም ለንዶን፡ በርሚንግሃምን ማንቸስተርን ዝኣመሰላ ከተማታት ግዝያዊ ነቚጣታት ብምኽፋት ምስ ሓያሎ ግህሰትን በደልን ዝጎኖፎም ኤርትራውያንን ስድራቤቶምን ከምእተራኸበትን እዂል ሓበሬታታት ከምዝኣከበትን  ወሲኾም ዘመልከታ እተን ኤርትራውያን ማሕበራት ፥ እቲ ካብ ግዳያት ኤርትራውያን ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታታት ዋሕዙ ይዛይድ ብምህላዉ - እታ መርማሪት ኮሚሽን ክሳብ 31 ጥሪ 2015 ጥራይ ከፊታቶ ዝነበረት ሓበሬታ ናይ ምቕባል ቅሩቡነት  ክሳብ 28 ለካቲት 2015 ብጽሑፋዊ መልክዕ ክትቅበል መዲባ ከምዘላ ኣፍሊጠን።

እታ ብወኪላት “ኤርትራውያን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት- ዓባይብሪጣንያ” (EHDR – UK) ፡ “ዜጋታት ንደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ” (CDRiE) ፡ “ረሊዝ ኤርትራ”ን ፡ “ማእከል ስወይራ ንሰብኣዊ መሰላት” ን  ዝኣመሰላ ኤርትራውያን ማሕበራት ሰብኣውነት ዝቖመ ናይ ልፍንቲ ጉጅለ  ኣብ መወዳእታ ፥ ኣብ’ዚ ናይ መርማሪት ኮሚሽን ናይ ስራሕ ዑደት ዝተሳተፉን ምስክርነቶም ዝሃቡን ኤርትራውያን ዘለዋ ልዑል ምስጋና ብምግላጽ፥ ዑደት እታ ኮሚሽን ብሰንኪ ቅሩብነት ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዕውት ምንባሩ ኣገንዚባ።


መንግስቲ ኤርትራ ተጻይ ሰላምን ርግኣትን ዞባና ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ መራሕቲ  ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዝሃብዎ  ክልተኣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑማር ገሌ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብ ቀዳም  7 ለካቲት 2015 ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምብራዝ  ጸጥታዊ ርግኣት ዞባና ዝኽተሎ ዘሎ ጌጋ መንገዲ ይቕጽሎ ከምዘሎ ፥ ጁቡቲ ድማ ነዚ ጌጋ መንገዲ መግትኢ ንኽርከበሉ ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ርድኢት ትሰርሕ ከምዘላ ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ዞባዊ ጸጥታ ሓላፍነቱ ረሲዑ ከምዘሎ ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ’ዚ ጉዳይ ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተወሳኺ ጸቕጢ ክሳብ ዘይወሰኸ ድማ ክርከብ ዝኽእል ረብሓ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኸውን ኣተሓሳስቡ።


*** ናዕታ ***

ርእስኻ: ብዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ወሲነ: ብዘካርያስ ክብርኣብ


*** ፍሉይ መደብ ***

ቅኒት ሙዚቃ ኮራ፤ ንዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ

እቲ ዉሩይ ኣፍሪቃዊ ሙዚቃዊ ደራስን ዘያምን፣ ኣቶ ቱማኒ ድያባተን ንእሽቶ ሓዉ ሲዲኪ፣ ንዝኽሪ ህልቂት ኤርትራዉያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ከም መልቀስ ቁዝመ ኣብ መደበር ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናል ተረኺቦም፣ ብናውቲ ሙዚቃ ኮራ ካብ ዘቕረብዎ ቅኒታዊ መልቀስ።

ብሓልዮት "ዘገንፎ ዘዳግማዊ" Zegenfo Zedagmawi: ካብ መንደቕ ፈይስቡኩ እተወስደ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...