AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 06 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊ :ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ:ኢሳያስ ኣስፍሃ


መንግስቲ ሪፓብሊክ ጫድ ፣ ኣብ ሃገሩ  ዝቐየዶም ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ይሰርሕ ከምዘሎ  ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሪፓብሊክ ጫድ ፣ ብሃገሩ ኣቢሎም ናብ ሊብያ እናተጓዕዙ  ዝቐየዶም ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ይሰርሕ ከምዘሎ  ማዕከን ዜና ጀስካ ኣመልኪቱ።

እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ሓበሬታኡ፥ መንግስቲ ጫድ ነቶም ቀዪድዎም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ሱዳን ከረክቦም ምስ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዘራረብ ከምዘሎ ብምግንዛብ፥ እዚ ተግባራዊ ክኸውን እንተተራእዩ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቊ ጠንቂ ከምዝኸውን ኣተሓሳሲቡ።

ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ብመንግስቲ ጫድ ተተሊሙ  ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መደብ ዘለዎ ጽኑዕ ተቛውሞ ብምግላጽ፥  እቲ መንግስቲ ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ክሰርሕን ንኣባላት እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ግሉጽነቱ  ከመዝግብን ከምዝግባእ ምምሕጻኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ፥ መንግስቲ ጫድ ነቶም ቀዪድዎም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ንኽጸንሑ ከፍቅደሎም ጸቕጢ ኣብ ምግባር ዛጊት ከምዘይተዓወተ ዘመልከተ ማዕከን ዜና ጀስካ ፥ እቶም ስደተኛታት ናብ ሱዳን እንተተጠሪዞም ብመንግስቲ ሱዳን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ተወሳኺ ማእሰርቲ ክገጥሞም ከምዝኾነን ኣማስዪኡ ድማ ናብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ከይተረከቡ ከምዘይተርፉን  ኣተሓሳሲቡ።

ጫዳ ካብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፥ ናይጀርያን ሱዳንን ብዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ትናወጽ ከምዘላ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ  እዂል ሓገዝ ክሳብ ዘይገበሩ  መንግስቲ ጫድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክህልዎ ዝኽእል ኣተሓሕዛ እወታዊ ከምዘይከውን’ዮም ዘጠንቅቚ።


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ፥ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘመሓላለፎ ተሪት ሕጊ ብምቁዋም ዝተመስረቱ ጥርዓናት ሰሚዑ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብ ሰሉስ 3 ለካቲት 2015 ፥ ነቶም መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘመሓላለፎ ተሪት ሕጊ ብምቁዋም ዝተመስረቱ ጥርዓናት ከምዝሰምዐ  “ ዘ ታይምስ ኦፍ ኢዝራኤል” ዝተሃብለት  ጋዜጣ እታ ሃገር ኣመልኪታ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፥ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ናብ’ታ ሃገር ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር “ሖሎት”  ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ክቕየዱ ዝእዝዝ ተሪር ሕጊ ብምቊዋም ፥ ብውክልና  ተሓለቕቲ ሰብኣውነት እታ ሃገር ንዝቐረበ ጥርዓናት ከምዝረኣየ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ጥርዓናት፥ መንግስቲ እስራኤል ኣማሓላሊፍዎ ዘሎ ተሪር ሕጊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ’ታ ሃገር ቦታ ንኸይረኽቡን ኣማስያኡ ድማ  ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጸቕጢ ንምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ’ዩ  ዘተሓሳስብ።

ነቲ ጥርዓን ዝወከለ ጠበቓ ዖደድ ፈለር ፥ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እስራኤል ከምዘይ ካልኦት ሃገራት መሰልን ውሕስነትን ስደተኛታት ካብ ምሕላው ተኣልያ ከምዘላ ፥ ብፍላይ ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ከኣ ናይ ዑቕባ ጠለቦም ንኸይሓቱ  ዝከኣላ ትሰርሕ ከምዘላን ወቒሱ።

ብመሰረት እቲ መንግስቲ እስራኤል ኣጽኒዕዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ፥ ናብ’ታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ  ተደኲኑ ዝርከብ እኲል ቀረብን ውሕስነትን ዘይብሉ መዳጎኒ መዓስከር ሖሎት ንኣስታት 3 ዓመታት ንኽእሰሩ’ዩ ዝግድድ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፥ መዓስከር ሖሎት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምዝገበሉ ዘሎ መዓስከርን ዘይቅዋማውን ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ መዓስከር ስራሑ ደዉ ከብልን  ፥ መንግስቲ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ኣማራጺታት ከናድን ጸዊዑ እኳ እንተነበረ፥ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ መሪጾም ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ናታንያሁን  ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገርን ግና ውሳኔ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ  ተግባራዊ ንኸይከውን  ኣኽረርቲ መርገጺታት ይኽተሉ ምህላዎም’ዩ ዝንገር።

ኣብ እስራኤል መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ዜጋታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ዝንገረሎም ኣስታት 47 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዘመልክቱ ጸብጽባት ፥ መንግስቲ እስራኤል ን ሓደ ሚእታዊት ጠለባት ዑቕባ ናይ’ዞም ስደተኛታት ጥራይ ተቐቢሉ ከምዘሎ የረድኡ። 


ክፍሊ ሚግሬሽን መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ናይ ዝእምቶ ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጎድል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ ኣብ’ቲ እመታዊ ሓበሬታኡ፥ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ሓድሓድ ንዋሕዚ ስደተኛታት ከድስክሎ ተኽእሎታት ብምህላዉ ቊጽሪ’ቶም  ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ከጓድሎ ልዑል እምነት ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ወሃብ ቃል እቲ ክፍሊ ኣቶ ፍረደሪክ ቤንግስቶን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ እዋናዊ ጸጥታዊ ኩነታት ሊብያ ንጉዕዞ ስደት ዜጋታት ሃገራት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ከዛሕትሎ ከምዝኾነ ብምምልካት ፥ ሎሚ ዓመት ብርክት ዝበሉ ኤስያውያን ስደተኛታት በቲ ሓደ ስሑው ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ በቲ ኻልእ ክጽበዩ ምዃኖም ኣተንቢሁ ኣሎ።

ብመጠን ስፍሓታን ቊጽሪ ህዝባን ፥ ሽወደን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ እታ ዝበዝሐ ቊጽሪ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...