AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

5 ጥሪ 2015


ሓድሽ ጻውዒት ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ተወንዚፉ

መንግስቲ ኤርትራ ፥ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ዝኾኑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ን 3 ጥሪ 2015 ናብ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ንዝጽውዕ  ሓድሽ ትእዛዝ ከምዘወንዘፎ ኣብላት ምንቅስቓስ ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።

እቲ ናይ ጥሪ 3 ጻውዒት ፥ ንታዕሊም ኣብ ቦታኡ ዘይተረኽበ ነባሪ ኣስመራ ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝወርዶ ዘፈራርሕ  እኳ እንተነበረ ፥ ህዝቢ ከም ልማዱ  ነቲ ትእዛዝ ጸማም እዝኒ ስለዝሃቦ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘይተኻእለን ፥ እቲ  ትእዛዝ ንዘይተወሰነ ግዜ ተሰጋጊሩ ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣቐዲሙ 3 ተመሳሰልቲ ናይ ታዕሊም ጻውዒቱ ካብ ህዝቢ ተሰማዕነት ስለዘይረኸበ  ከምዝፈሸለ ዘመልከቱ ኣባላት ምንቅስቓስ ዓርቢ ሓርነት፥ እዚ  ምስ ሓያል መጠንቀቕታኡ ዝወጸ እዋናዊ ጻውዒ’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከም ዝበጸሖ ብምግንዛብ፥ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዘርእዮ ዘሎ ትብዓት እንተቐጺሉ ስርዓት ኣስመራ ነዛ ኣቲናያ ዘለና ዓመት’ኳ ዝሓልፋ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቦም።

ኩሉ ናብ ታዕሊም ዘይወረደ  ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ጥሪ 3 2015 ንታዕሊም ክወርድ  ዝግድድ ትእዛዝ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን  ዝተዋህበ ከምዝነበረ ወሲኾም ዘመልከቱ  ኣብላት ምንቅስቓስ ዓርቢ ሓርነት፥ ነዚ ዘይተቐበሎ ዜጋ ንመደበር ታዕሊም ጋሕቴላይ ብሓይሊ ከምዝዉሰድን ከቢድ መቕጻዕቲ  ከምዝስከምን ብስርዓት ኣስመራ  ክንዝሑ ንዝጸንሑ ቀጻሊ ምፍርራሓት ፡ ህዝቢ  ግዲ ከምዘይገበረሉ ኣነጺሮም።

ህዝቢ ልዑል ነብሰ ተኣማንነትን ድፍረትን  ኣጥሪዩ ነቲ ብስርዓት ኣስመራ  ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንዒቕዎ ከምዘሎን ፥ ንዝኾነ ግዱድ ዕስክርና ብተደጋጋሚ ኣይፋል ክብል ይረአ ምህላዉን’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።


ምሕጽንታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ (ኤ/ሃ/ባ/ደ/ለ)

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ  (ENCDC ) ኣብ  መዓስከር ሸግራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣሰካፊ ኩነታት ቀጥታዊ ፍታሕ ክናደየሉ ናብ ሓላፊ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ው/ሕ/ሃ (UNHCR)   ናይ ምሕጽንታ ደብዳቤ ልኢኹ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ ኣብ ምሕጽንታኡ ፥ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣደዳ መጥቃዕትታን ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛን ይኾኑ ከምዘለዉ፥ ግዳያት መጭወይቲ ነጋዶ ደቂ ሰብ ኮይኖም ምህላዎም፥ ብዓንደ ነገሩ ከኣ በቲ ነቶም ስደተኛታት ከም ጸላእቱ ዝሪኦምን ምስ መንግስቲ ካርቱም ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎን ስርዓት ኣስመራ ብቐጻሊ ይህደኑ ከምዘለዉን ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ ወሲዂ፥ ድሕሪ’ቲ ኣብ መውዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኣብ’ቲ መዓስከር ዘጋጠመ  ናዕቢ፡ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ከባቢ ከሰላ  ዝትወስዱ ኣማኢት ኤርትራውያን  ዛጊት ንኩነታቶምን ኣበየ-ቦታኦም ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየለ፥ ንቅድምን ድሕረን እቲ ናዕቢ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዝተጨዉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንጹር ሓበሬታ ዛጊት ከምዘይተዋህበን  ብምግንዛብ፥ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ው/ሕ/ሃ  ኣብ ምውሓስ ስደተኛታት ዘለዎ ልዑል ሓላፍነት ተጠቒሙ  ነዚ ኩነታት ብዕቱብ ክከታተሎን ፍታሕ ከናድየሉን ጸዊዑ ኣሎ።

ህዝብን መንግስትን ሱዳን ብልዑል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይጽለዉ እኳ እንተሃለዉ፥ መንግስቲ ሱዳን  ውሕስነት እቶም ስደተኛታት ከተግብርን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዘሎ ስርዓተ ሕጊ ክከታተልን ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣብ ምሕጽንታኡ ዝገለጸ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ ፥ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ው/ሕ/ሃ ኣብ’ቲ እዋናዊ ናዕቢ ዝተገብረ ግህሰታት ከጽንዕን ምስ ኣባላት ጸጥታ እናተሓባበረ ውሕስነት እቶም ስደተኛታት ክሕሉን ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ ኣብ መወዳእታ፥ መሰረታዊ ጠንቂ ስደተ ኤርትራውያን እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገሃሲ ምሕደራ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብ መዓስከር ዘሎ ጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ምፍዋስ ማለት ሓደ ስጒሚ ንጽገና እቲ ብምልካዊ ስርዓት ተጎዲኡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፥ UNHCRን ኣሃጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ’ዚ ጉዳይ ተራኦም እንተተጻዊቶም ድማ ኩሉንትናዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብ ምሕጽንታኡ ኣተሓሳሲቡ። 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...