ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

17 ታሕሳስ፣ 2014


እዋናዊ መግለጺ ኣህጉራዊ ትካል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch)

ክፍሊ ኤሚግሬሽን ዴንማርክ ንጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዘውጽኦ ጸብጻብ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝነበረ ፥ ኣህጉራዊ ትካል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch) ሎሚ 17 ታሕሳስ 2014 ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብዚ ወግዓዊ መግለጺኡ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ከጽብበኦ ዝደልያ ዘለዋ መምርሒ ስደተኛነት (immigration law)፡ ድሕሪ’ቲ መርማሪት ኮሚሽን ንጉዳይ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ኤርትራ እተቕርቦ ደምዳማዊ መጽናዕቲ ክሓስባሉ ከምዝግባኣ ተማሕጺኑ።

ኣህጉራዊ ትካላ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ወሲዂ፥ እቲ ብመንግስቲ ዴንማርክ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣውጺኡ ዝነበረ ጸብጻብ - ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ኣብ ግምት ዘየእቱን ንዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዴንማርክ ንምግታእ ጥራይ ዝዓለመን ዝንቡዕ ጸብጻብ ምንባሩ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ክፍሊ ኣገልግሎት ኤሚግሬሽን ዴንማርክ ኣብ’ቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ጸብጻቡ ፥ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ክንዲ’ቲ ዝገልጽዎ ስግኣት ከምዘየለን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኩሉንትናዊ ጽገናታት ኣብ ቀረባ እዋን ከስምር ከምዝኾነን ድሕሪ ምጥቃስ፥ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ንኽጥርዞም ዘኽእሎ ጽጹይ ሓበሬታታት ካብ እሙናት ምንጭታት ከምዝኣከበ’ዩ ገሊጹ ኔሩ።

ኣህጉራዊ ትካላል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ’ዚ ብመንግስቲ ዴንማርክ ወጺኡ ዝነበረ ጸብጻብ ዘለዎ ተቛውሞ ደጊሙ ብምንጻር ፥ መንግስቲ ኤርትራ ከተግብሮ እየ ዝብሎ ዘሎ ጽገናታት ሰብኣውነት ኣብ ባይታ ከይተመስከረ ፡ ብእንተታት ጥራይ ተደሪኽኻ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ውዱዕን ሓላፍነታውን ከምዘይኾነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ክፍሊ ኣገልግሎት ኤሚግሬሽን ዴንማርክ ኣቕሪብው ዝነበረ ጸብጻብ ካብ ሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ተቛውሞ ድሕሪ ምስዓቡ ፥ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ መዲብዎ ዝነበረ ተሪር ስጒምቲ ከምዘዝለቖን ሓሳቡ ከምዝቐየረን ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉንትናዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከተጽንዕ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን መጽናዕታ ዛዚማ ንእተቕርቦ ጸብጻብ ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መጻኢ ከም መወከሲ ወሲደን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሃገረን ዑቕባ ዝሓቱ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣረኣእያአን ከማእዝና ከምዝግባእ ዘገንዘበ ኣህጉራዊ ትካል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፥ መርማሪት ኮሚሽን ጸብጻባ ክሳብ እተቕርብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ህዉኽ ውሳኔታት ክሕየባ ተማሕጺኑ።

ኣብ ውሽጢ እዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመተ 2014 ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ- ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝበረኸ ንወግዓዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት (UNHCR) ብምጥቃስ ዝሓበረ ኣህጉራዊ ትካል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፥ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 11 ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 37 ሽሕ ኤርትራውያን ማኣከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ኣረዲኡ።


ሓድሽ ምዝገባ ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ንጥሪ 2015

መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓፈሻዊ ምዝገባ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ከተግብር ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፉ ከምዝሎ ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ሱዳን ትሪቢዩን ፥ ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ስደተኛታት ንመንነቶምን ምኽንያት ጽንሖቶምን ኣብ’ታ ሃገር ዘድሊ መጽናዕትን ምእካብ መዝገባትን ከምዝካየድ፥ እዚ ድማ ነቶም ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ዝዓለመ ከምዝኸውን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ምዝገባ ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ’ታ ሃገር ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጸቕጢ ንምፍጣር ከይኮነ ከምዘይተርፍ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ድፍኢት ስርዓት ኣስመራ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣሚቶም ኣለዉ። መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ዝገብሮ ዘሎ ግፋታት ቀጥታዊ ተቛውም ማሕበረሰብ ዓለም ይገጥሞ ብምህላዉ፥ ነዚ ሓድሽ ምዝገባ ስደተኛታት ከም ካልእ ኣማራጺ ንምልቃም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተመደበ ሽርሒ ምዃኑ’ውን እመታ ዝተፈላለዩ ወገናት እዩ።

ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰረት ዜና ፥ ንኩነታት ናይ’ታ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝተቐየደት ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣውነት ብዝምልከት ካብ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት ብዘይምህላዉ፥ ጉዳይ’ታ ኤርትራዊት ኣቓልቦ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣውነት ወኒኑ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ ኣለዉ።

እታ ወ/ሮ ዮሩሳሌም ያቆብ ዝተባህለት ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነት ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣውነት፥ ንኣብ ሱዳን ዝርከቡ መቕርባ ክትበጽሕን ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ክትምዝግብን ኣብ ከተማ ካርቱም በጺሓ ናብ እትነብረሉ ሃገር ክትምለስ እንከላ’ያ ብኣባማላት ጸጥታ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ኣብ ካርቱም ኤርፖርት ተቐዪዳ።


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...