ታሕሳስ 15፡ 2005

ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ነበር

(ፈጠራ)

ብናይ ሕጊ ክኢላታት ኣቶ ጠዓመን፡ ፕሮፈሶር በረኸትን ዝምራሕ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ሓለፍቲ ህግደፍ ነበር፡ ብተለቪዝን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቅሉዕ መደብ፡ ንጅነራል ስብሓት ኤፍሬም" ብሪጋዴር ጅነራል ኣብርሃ ካሳ" ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግልን ብሪጋዴር ጅነራል ኣብርሃለይ ክፍለን ዘቕረበትሎም ሕቶታትን ዝሃቡዎ  መልስታትን እንሆ። ኣቶ ኣል ኣሚን መሓመድ ስዒድን፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላን ግን፡ ኣብ ሕክምና ስለዝርከቡ፡ ኣብ በይኑ እዋን ክቐርብ ኢዩ።


ቀዳማይ ተሓታቲ ስብሓት ኤፍሬም

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  ስለ ኣገባብን ስርዓትን፡ ንዓናን ንተዓዘብትን ምስ ነብስኻን ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝነበረካ ተራን ሓላፍነትን ከተላልየና ፍቓደኛ ዲካ? 

ስብሓት: ስብሓት ኤፍሬም እብሃል። ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድማ፡ ንሽሙ፡ ኣባል ማኣከላይ ሽማግለ ህግደፍን፡ ሚኒስቴር ምክልኻልን ኔረ።  ካልእ ሓላፍነት ኣይነበረንን።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ንሽሙ? ከተብርሃልና ዶ?

ስብሓት: ማለት፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ በቶም ኣዘዝቲ ኣመሓደርቲ ዞባ'ውን ኮይኖም ምስ ፕረዚደንት ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም ኣርባዕተ ኣዘዝቲ ግምባራት ኢዩ ዝእዘዝ ኔሩ። ኣነ ዘመሓድሮ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ወቕታዊን ወርሓውን ጸብጻባት ሰራዊት ምቕራብን ምክትታልን እንተዘይኮይኑ፡ ኩሉ ጉዳያት፡ ብዘይፍላጠይ፡ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ኢዩ ዝፍጸም ኔሩ።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ዘዋህለልናዮ ጉዳያት ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና፡ ትገብሮ ንስሓ፡ ወይ ክትብሎ እትደሊ ዶ ኣለካ?

ስብሓት: እወ ኣለኒ። ኣነ፡ ከም ገዲም ተጋዳላይ መጠን፡ ምስቶም ቅኑዕ ስለዝተዛረቡ ዝተሓየሩ መተዓብይተይ፡ መጋድልተይ፡ ብጾተይን ኣዕሩኸይን ዘይምውጋነይ፡ የጣዕሰኒ። ብትእዛዝ ፕረዚደንት ልዕሊ ክልተ ሽሕ፡ ደሞዝ ዘይክፈሎም ሰራዊት ክርሸኑ ከለዉ፡ ዓገብ ዘይምባለይ፡ የጣዕሰኒ። ወራር ወያኔ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምሳይ ሓርነታዊ ኩናት መሪሖም ናጽነት ዘምጽኡ ክኢላታት ኲናት ጴጥሮስ፡ ዑቕበ፡ መስፍንን ብርሃነን ኣብ ዘይብሉ ኲናት ኢደይ ኣይሕውስን ዘይምባለይ፡ የጣዕሰኒ። ብሓጺሩ፡ ታሪኽ ምግዳለይ ሃሲሱ፡ ንደቀይ ታሪኽ ዘይብሎም ምግዳፈይ፡ የጣዕሰኒ። ካልእ ዝርዝራት ግን፡ ግዜ እዚ ሽማግለ ንምቁጣብ፡ ምስ ጠበቓይ ተማኺረ፡ ብጽሑፍ ከቕርቦ እሓትት።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ዝሓተትካዮ ነግር ተፈቒዱልካ ኣሎ።

ስብሓት:  የቐንየለይ። እዚ ሽማግለ ክኢላታት ሕጊ ካባይ ዝጠልቦ ዝኾነ ክፍጽም'ውን፡ ድሉው ኢየ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  የቐንየልና። ጸሓፊ፡ ብሓለዋ ናብ ስድራ ቤቱ ከይዱ፡ ዝኾነ ንመስርሕ እዚ ምጽራይ ዝዕንቅፍ ጉዳያት ክሳብ ዘይፈጸመ፡ ዘለዎ  ስድራቤታዊ ዋኒን  ክገብርን ምስ ስድራ ቤቱተፋንዩ ናብ ግዝያዊ መደበር እሱራት መንግስቲ ህግደፍ ክኸይድ ትእዛዝ ይመሓላላፍ።  

 

ካልኣይ ተሓታቲ ኣብርሃ ካሳ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ስለ ኣገባብን ስርዓትን፡ ንዓናን ንተዓዘብትን፡ ምስ ነብስኻን ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝነበረካ ተራን ሓላፍነትን ከተላልየና ፍቓደኛ ዲካ?

ኣብርሃ: ኣብርሃ ካሳ እብሃል። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን፡ ላዕለዋይ ሓላፍን ኣወሃሃድን ስለያን ጸጥታን ብምዃን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ተኸታታሊ ፍሉይ ቤት ፍርድን፡ ተከታታሊ ጉዳይ እሱራት ፖሌቲካን ኔረ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ካብ ዘዋህለልናዮ ጉዳያት ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና፡ ትገብሮ ንስሓ፡ ወይ ክትብሎ እትደሊ ዶ ኣለካ?

ኣብርሃ: እወ ኣለኒ። ኣብ ግዜ ወራር ወያኔ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዝሃበኒ መምርሒ መሰረት፡ ነቶም ብሓቂ ብቕዓት ዝነበሮም ክኢላታት ስለያዊ ትንተናን ሓበሬታን ጎስየ፡ ጌጋ ሓበሬታ ብምትሕልላፈይ ሃገር ተወሪራ ምስዓራ የጣዕሰኒ። ብትእዛዝ ፕረሲደንት፡ ሎሚ፡ ኣነ ክፍረደሉ ዘይደሊ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቀውም ከሎ ዘይምቅዋመይ የጣዕሰኒ። ተኸታታሊኡ ምንባረይ የጣዕሰኒ። ነቶም ሓቂ ዝተዛረቡ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ምእሳር ዝነበረኒ ተራ፡ የጣዕሰኒ። ገሊ ኣቶም ስድራቤቶምን ደቖምን ከይረኣዩ ሙማቶም የጣዕሰኒ። ንምጽላሞም ኣብ ዝተገብረ ናይ ህግደፍ ዘመተ ኢድ ምሕዋሰይ የጣዕሰኒ። ኩሉ ነገር ግን፡ ተኣዚዘ'ምበር፡ ብፍቓደይን ተበግሶይን ዝገበርኩ ዎ  ከም ዘየለ እናሓበርኩ፡ እዚ ሽማግለ ኣረኣእያ ክገብረለይ ብትሕትና እሓትት። ብተወሳኺ፡ በዓልቲ ቤተይን ስድራይን ንሰለስተ ጠበቓታት ተወኪሶም ኣይንደልን ኢሎም ስለ ዝኣበዩ ም፡ ምትሕግጋዝኩም ኣሓትት።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ቅድም ቀዳድም፡ ኣረኣእያ ናይ ቤት ፍርዲ'ምበር፡ ነዚ ሽማግለ ምጽራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብዛዕባ ጠበቓ ግን፡ ጠበቓታት ክትረክብ እንተዘይክኢልካ፡ ጠበቓ ክምደበልካ ንዝምልከቶ ኣካል ድሕር'ዚ መድረኽ ትእዛዝ ክመሓላለፈልካ ኢዩ። 

ኣብርሃ:  የቐንየለይ ክቡር ቤት ፍርዲ።\

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: እዚ ቤት ፍርዲ ኣይኮነን። ሽማግለ ምጽራይ ኢዩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ተቐሚጥካ፡ ቤት ፍርዲ ኣበይ ይርከብ ዘይምፍላጥካ ግን የሕዝን። ጸሓፊ" ዘዋህለልናዮ ሓበሬታ፡ ናይ ኣቶ ኣብርሃ ካሳ መዝነት ተኣፋፍን ንብዙሕ ጉድያትን ዝተናኽፍ ብምዃኑን ስለዘረጋግጽ፡  ሰነዳትን ሓበሬታን ከይተናኽፍ፡ ምስ ደቁን ስድራቤቱን ዝራኸበሉ ኣገባብ ክውሰን ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ እሱራት ደብዳቤ ክጽሓፍ ንእዝዝ።

 

ሳልሳይ ተሓታቲ ስምኦን ገብረድንግል

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  ስለ ኣገባብን ስርዓትን፡ ንዓናን ንተዓዘብትን፡ ምስ ነብስኻን ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝነበረካ ተራን ሓላፍነትን ከተላልየና ፍቓደኛ ዲካ?

ስምኦን: ስምኦን ገብረድንግል እብሃል። ኣብ ትሕቲ ብሪጋዴር ጅነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኔረ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራን ሓደ ካብ ኮሜቴ ኣሰርቲ ደለይቲ ለውጢ ኸ ኣይነበርካን?

ስምኦን: ንገለ እዋን፡ እወ፡ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ኔረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን፡ ቀጥታዊ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡ ብጻይ ናይዝጊ ክፍሉ ኢዩ ኔሩ።  ድሓር ድማ፡ ብሪጋዴር ጅነራል ሙሳ ራብዓ ኢዩ ኔሩ። ኣነ፡ ምክትል ኢየ ኔረ። ኣብ'ዝብሃል ዘሎ ኮሚቴ ማእሰርቲ ድማ፡ ብፕረዚደንት  ኢሳያስ ተኣዚዘ፡ ምስ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚካኤልን ብሪጋዴር ጅነራል ኣብርሃለይ ክፍለን ዝፈጸምናዮ ዕማም ኢዩ።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:    ብግብሪ ግን፡ ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራ ንስኻ ኢኻ ኔርካ። ኣባል ማኣከላይ ሽማግለ ህግደፍ ከ ኔርካ ዶ ኣይነበርካን?

ስምኦን: እወ ኔረ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:    ዝኾንካዮን ዝነበርካዮን ነገራት ክትነግር ዘሰክፈካ ኣሎ ድዩ? እዚ ሽማግለ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ዝ ኣክል ሓበሬታ ኣለ ዎ ። ካልኣይ ድማ፡ ፍርቖም ኣባላቱ ንዓኻን ንዝነበረካ መዝነታትን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ኢዮም። ስለዚ፡ ካብ ዘዋህለልናዮ ሓበሬታ ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና፡ ትናስሓሉ ጉዳያትን ክትብሎ እትደልን ነገር እንተሎ፡ መሰልካ ኢዩ።

ስምኦን: ተኣዚዘ ዝገበርኩ ዎ  ነገራት ስለዝኾነ'ምበር፡ ኣብ ፖሊስ ከለኹ፡ ጅነራላት ከይተረፈ ብዘይፍርዲ ክእሰሩ ዓገብ ዘይምባለይ የጣዕሰኒ። ደለይቲ ለውጢ ጉጅለ 15 ድማ፡ ፖሊስ ኮይነ ሓያል ዓመትት ስለዝሰራሕኩ፡ ብዘይ ጭብጢ፡ ብቤላ ቤለው ከም ዝተኣስሩን፡ ሓቂ ይዛረቡ ከም ዝነበሩን እኣምን ኢየ። ተኣዚዘ ግን፡ ንምእሳሮም ኣብ ዝተገብረ ስርሒት ተሳቲፈ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  መን ኣዚዙካ?

ስምኦን: ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ወዲ ካሳ ኣዚዙኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:  ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ከለኻ ወርሓዊ ጸብጻብ ብዝሒ እሱራት ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገር ይመጻካ ኔሩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ደርጊ ዝነበሩ እሱራት ድማ፡ ፋይላቶምን ጸብጻባቶምን ኣብ ትሕቴኻ ስለዝነበረ፡ ክንደይ ምንባሩ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ግዜካን ኣብ ግዜ ደርግን ዝነበሩ ቁጽሪ እሱራትን ጉዳይ ፍርዶምን ብምዝማድ ክትነግረና ፍቓደኛ ዲኻ?

ስምኦን: ኣብ ግዜ ደርጊ ዝነበሩን ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝነበሩን፡ ናይ ደርጊ ብክልተ ሲሶ ይውሕዱ። እዚ ግን፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ወላ ኣይንበሮ፡ ኣብ ሕሽኽብ ከም ዝነበረ ኣብ መዝገብ ዝረኣኹ ብገምጋም ኩሉ ግዜ ሓደ ሽሕ እሱራት ከም ዝነበሩ ስለዝሕብር፡ ምስኡ ተደሚሩ፡ ፍርቂኣቢሉ ኢዩ።  ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ሜዳ፡ ንተዓለምቲ ሓዊስካ፡ ኩሉ ግዜ፡ 2.5% ናይ ተጋደልቱ እሱራት ኢዮም ኔርም።  

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት:ጸሓፊ፡ እሱር ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል፡ ምስ ባህሪ ዝነበሮ መዝነት፡ ሓበሬታን ሰነዳትን ከይተናኽፍ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ እሱራት ምስ ስድራቤቱን ደቁን ዝፋነወሉ ኣገባብ ከዳልዉ ትእዛዝ ይመሓላለፍ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዘይካ ስድራ ቤታዊ ጉዳይ፡ ካልእ ነገራት ከይዝረብ፡ ጽኑዕ ምክትታል ከምዘድሊ ብንጹር ይተሓበር። እሱር ድማ፡ ናይ ጠበቓ መሰልካ ዝተሓለወ ኢዩ።

ስምኦን: የቐንየለይ።

ራብዓይ ተሓታቲ ኣብርሃለይ ክፍለ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ስለ ኣገባብን ስርዓትን፡ ንዓናን ንተዓዘብትን፡ ምስ ነብስኻን ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝነበረካ ተራን ሓላፍነትን ከተላልየና ፍቓደኛ ዲካ?

ኣብርሃለይ: ኣብርሃለይ ክፍለ ኣብሃል። ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ሓላፊ ምውህሃድ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኔረ።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ካልእ ሓላፍነታት ኣይነበረካን?

ኣብርሃለይ: ቅድሚ'መደብ'ዚ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ቖንስል ኤርትራ ኣብ ደንማርክ ኔረ። ቅድሚ ኡ'ውን፡ ኣብ ትሕቲ እምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መቐለ ትግራይ ቖንስል ኔረ።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ካልእከ?

ኣብርሃለይ: ካልእ? ካልእ ድኣ፡ ቅድሚ ናጽነት ከም ምክትል ውጩ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 85ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኔረ።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኣብ ኮሚቴ ማእሰርቲ ጂ - 15 ኣይነበርካን?

ኣብርሃለይ: ወላ እንተነበርኩ፡ ሓላፍነት ኣይነበረንን። ተኣዚዘ ዝገበርኩ ዎ  ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: መን ኣዚዙካ?

ኣብርሃለይ: ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣዚዙኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኣብዚ ኮሚቴ ዝነበሩ መሳርሕትኻ መነምን ምንባሮም ዶ ክትነግረና?

ኣብርሃለይ: ብሪጋዴር ጅነራል ኣብርሃ ካሳ: ኮሎኔላት ስምኦን ገብረድንግልን ጋይም ተስፋሚ ካኤልን ኢዮም።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኩሎም እዚኣቶም፡ ኣብ ጸጥታውን ስርሓት ህግደፍ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢዮም። ንስኻ ብከመይ ኣብዚ ኮሚቴ እዚ ኣቲኻ?

ኣብርሃለይ: ተኣዚዘ ዝገበርኩ ዎ  ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኣባላት ጂ - 15 ቅድሚ ምእሳሮም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጸሓፍካዮ፡ ንጂ-15 ዝምልከት ጽሑፍ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ፡ እንታይ ክትነግረና ትኽእል?

ኣብርሃለይ: ብድፍኢት ናይ ፕረዚደንት ዝገበርኩ ዎ  ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ዝቕጽል መድረኽ፡ ካብ ዘዋህለልናዮ ሓበሬታ ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና፡ ትናስሓሉ ነገራት፡ ወይ ክትብሎ እትደሊ ነገራት ኣሎካዶ?

ኣብርሃለይ: ኣባል ኮሚቴ ማእሰርቲ ደለይቲ ለውጢ ኮይነ ምግልጋለይ፡ የጣዕሰኒ። ምስቲ ዝነበረ መድረኽ ግን፡ ቅኑዕ ዝነበርኩ ኢዩ መሲሉኒ። ምስ ወያኔ ኣብ ውግእ እናሃሎና ብምንባሩ፡ ሕቶታቶም መድረኽ ዘይሓለወ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኣብ ግዜ ኩናት፡ ተኣኪብካ ብዛዕባ ኩነታት ዓድካ ምዝታይን ምግምጋምን ድዩ መድረኽ ዘይሓለወ ኮይኑ ተሰሚዑካ?

ኣብርሃለይ: እወ።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: እቶም ኣኬባ ዝጠለቡ፡ ልዕሌኻ፡ ኣብ ምምራሕ ሃገር ዝነበሩ ሚኒስተራት ዶ ኣይኮኑን ኔሮም? መን ድዩ ንሃገር ዝመርሕ? ብከመይ ድዩ ሃገር ዝምራሕ? ካብ ኣኼባ  ሚኒስተራትን ባይቶን ወጻ ኢ ሃገር ዝመርሕ ኣካል ኔሩ ድዩ?

ኣብርሃለይ: ንሱስ ሓቅኹም። ግን ኣነ ፕረዚደንት ኩሉ ነገር ባዕሉ ክሰርሖ ዝኽእል ይመስለኒ ስለዝነበረ፡  ተጋግየ።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያኔ፡ መን ስዒሩ?

ኣብርሃለይ:  ወያኔ ነስመራ ክኣትዉ ኢዮም ሓሲቦም። ክኣትዉ ኣይከ ኣሉን።

 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: ሓሳቦም መን ነጊሩካ? ንስኻ፡ ንገለ ዓመታት ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢኻ ኔርካ። ከም ወተሃደር፡ መን ስዒሩ ኣብ ሳልሳይ ወራር?

ኣብርሃለይ:  ንሱ ድኣ፡ ወያኔ ስዒሮም።
 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት: የቐንየልና። ጸሓፊ፡ ብሓለዋ ንገዝኡ ከይዱ ምስ ስድራቤቱ ክፋኖን ስድራቤትዊ ዋኒኑ ክገብርን ትእዛዝ ይመሓላለፍ

ኣብርሃለይ: የቐንየለይ።


ኣብ ዝቕጽል እዋን፡ ንሜጅር ጅነራላት ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ ገረዝጊሄር ዓንድማርያም (ውጩ)፡ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ሃይለ ሳሙ ኤልን (ቻይና) ዝምልከት ከነቕርብ ኢና። ግዜ እንተተሪኺቡ ድማ፡ ምስ እታ ሽማግለ ናብ ናኹራ ብምኻድ ፡ ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሃይሉ፡ መጋበርያ ክኾኑዎ  ኣብ ሓላፍነት ኣቐሚጡዎም ካብ ዝነበረ ሚዛን ዘይብሎም 35 ኤርትራውያንን ሓውሲ ኤርትራውያንን፡ ምስ ኣቶ ዓብደላ ጃብር" የማነ ገብር ኣብ" የማነ ገብረመስቀል" ሓጎስ ገብረሂወት" ወልደኣብ ይሳቅ" ዓሊ ዓብዱ" ዘምህረት ዮሃንስ" ፎዝያ ሃሽም" ኣስካሉ መንቖርዮስን ልኡል ገብርኣብን  ንዝግበር ቃለ ምልልስ ከነቕርበልኩም ኢና።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...