ናብ ዝኸበርክን / ዝኸበርኩም ……………………………………………………………………………………………………………………………

 

ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ሓንቲ ካብተን ብትምህርታዊ ኣገልግሎተንን ኣፍራይነተንን ጎሊሐን ዝረኣያ ቤት ትምህርታት ሃገርና ምኻና ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ’ዚ ናይ ልዕሊ 100 ዓመት ዕድሚኣ ጽገና ተጌሩላ ስለዘይፈልጥ፥ ናብ ዑና ተለዊጣ ከምትርከብ ካብ ማንም ክዉል ኣይኮነን።

ገዳይም መማህራንን ተማሃሮን ናይ’ታ ቤት ትምህርቲ፥ ናይ መበል 50 ዓመት ትምህርታዊ ኣገልግሎታ ክጽንብሉ ምስ ተራኸቡ፥ እዚ ዑና ዳግም እንተዘይተሃኒጹ፥ ታሪኽ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተደምሲሱ ክተርፍ እዩ ናብ ዝብል መደምደታ ይበጽሑ። በዚ ድማ ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሳንጆርጆ ዝበሃል ሓሳብ ይውለድ። እዚ ሓሳብ ብምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወግዓዊ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፥ ማስተር ፕላን ሲኢሎም ብሚኒስትሪ ትምህርትን ሚኒስትሪ ህንጻን ተባሪኹ ናብ ተግባራዊነት ከምዝሰጋገር ይገብሩ።

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን፥ ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ከሰንዮ ዝጸንሐ ሕጋዊ ማሕበር እዩ። እዚ ፕሮጀክት’ዚ ሕጂ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ ኣሎ ? እቶም ዘጋጥሙዎ ዘለዉ ብድሆታት’ከ እንታይ ይመስሉ ? ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ክሳብ ሕጂ ዘሳለጦም ስራሓት ከመይ ይመስሉ ? መጻኢ ንጥፈታቱኸ ብኸመይ ክቕጽሉ እዮም ? እቲ ክሳብ ሕጂ ብማሕበር ክእከብ ዝጸንሐ ገንዘብ’ከ ኣበይ ኣሎ ? ግዳይ ሌብነትን ቅጥፈትን ኮይኑ እዩ ዝበሃል’ከ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ? መንግስቲ ኤርትራ ንሳንጆርጆ ዳግም ሃኒጹዋ እዩ ዝበሃል’ከ ሓቂ ዲዩ ወይስ ተወሳኺ መብርሂታት ዘድልዮ እዩ ?

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን ፥ ነዚኦምን ካልኦት ሕቶታት ህዝቢን ኣብ’ዚ ሳልሳይ ጽንብል ብሰፊሕ መግለጺ ክምልስን መብርሂታት ክህብን ቁሩብ ምኻኑ እንዳሓበርና፥ ንኹሎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ኣብቲ ጽንብል ንኽሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መእተዊ ፡ ንፕሮጀክት ዳግመ ህንጻ ሳንጆርጆ ኣታዊ ዝኸውን 10 € (ተማሃሮ : 5 €, ትሕቲ ዕድመ : ነጻ)

ዕለት ፡ 22.09.2012

ሰዓት ፡ 2 ድሕሪ ቀትሪ ( 2:00 PM ) 14:00 Uhr

ኣድራሻ ፡ J.W. Goethe Universität, Mertonstr. 26-28, 60325 Frankfurt a.M.

ሓበሬታ : ካብ Hauptbahnhof ብ-ኡ-ባን (U4) ጌርኩም ኣብ Bockenheimerwarte ትወርዱ።

ብደሓን ምጹ !

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን

ፍራንክፈርት

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...